!WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2...

12
መበል 26 ዓመት ቁ.298 ሰሉስ 15 ነሓሰ 2017 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 “ምሕረት ስለ’ንደሊ ምሒርናኩም . . .” ገጽ 4 መበል 13 መዓልቲ ገጽ 5 እቶም ሓሙሽተ ሰለይቲን ጠንቃም ሰዓትን ገጽ 7 “ናትና ዛንታ’ኸ መን’ዩ ክጽሕፈልና?” ገጽ 9 ደንደን ክብራ ዓቂባ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓለቓ ስታፍ ምብራቓዊ እዚ ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ መሓመድ-ሓምድ ራብዓ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ14 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡ። ኣብ 1947 ኣብ ሮራ ሓባብ - ንኡስ ዞባ ናቕፋ ዝተወልደ ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ ራብዓ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ብዝሓደሮ ጽልዋ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1966 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ድሕሪ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት - ደሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍልታት ውድብን፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት - ክሳብ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ብደረጃ ሓላፊ ዞባ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ከም ኣመሓዳሪ ዞባን ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራን ብምዃን፡ ብተወፋይነት ዝሰርሐን ዝመርሐን ሓርበኛ’ዩ። ስዉእ ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ ራብዓ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሸውዓተ ደቂን’ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ጽባሕ ረቡዕ 16 ነሓሰ፡ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ መሓመድ-ሓምድ ራብዓ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ። ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ ራብዓ ተሰዊኡ ብ12 ነሓሰ ኣብ ከተማ ስያትል ብወግዒ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብልዑል ሱታፌን ድሙቕ መደባትን ተዛዚሙ። ኣብ’ዚ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ፈስቲቫል፡ ንህጻናት እናምሃሩ ዘዘናግዑ መደባት ዝሓቘፈ ቊሸት ህጻናት፡ ንኩሉ- መዳያዊ ተራን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ዘንጸባርቕ ቊሸት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ውድድራት ቊንጅናን ኣልባሳትን፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ህዝባዊ ጓይላ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ኤግዝቢሽን ከም ዝቐረበ ተፈሊጡ። ካብ ኤርትራ ዝኸደት፡ ወናማት ገዳይምን መንእሰያትን ድምጻውያን ዝሓዘት ጉጅለ ባህሊ፡ ንተሳተፍቲ ብምዝንጋዕን ንመንእሰያት ምስ ባህሊ ሃገሮም ብምልላይን ነቲ ፈስቲቫል ድምቀት ከም ዝወሰኸትሉ፡ ወደብቲ ፈስቲቫል ሓቢሮም። ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኣመሪካ ተዛዚሙ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ህላወ ባንክ ደም ኣብ ዕብየት ቊጽሪ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ሓጋዚ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ኣቦ- መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ገብረመስቀል እምባየ፡ ምስ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ዜጋታት ተጠርኒፎም ብወለንታኦም ደም ዝልግሱሉ ውዳበን ውሑስ ደም ዝኽዘነሉ ባንክን ስለዘይነበረ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ልግሲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብኣላይነትን ምክትታልን ምምሕዳርን ቤት-ጽሕፈት ሕርሻን - ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተኻየደ ንጥፈታት ምግራብ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከም እተረኽቦ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ኣብርሃም ሓጐስ ሓቢሩ። ኣቶ ኣብርሃም፡ ብተሳተፍቲ ተመሃሮ ንልምዓት ከምኡ’ውን ብህዝቢ ኣብ ቀጽሪ መቓብር ሓርበኛታት፡ ኣብ ጋሽ-ባርካ - ቊጽሪ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ይስስን ደም ትሑት ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣቶ ገብረመስቀል፡ ምስ ምቛም ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ግን፡ ቀጻሊ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን ይካየድ ብምህላዉ፡ እቲ ንቕሓት እናበረኸ ከምዝመጸ ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር 32 ቀወምቲ ኣባላት ከምዘለውዎ፡ ኣብ ርእሲኦም - ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ፡ ሰራዊትን ተመሃሮን ዝርከብዎም ወለንታውያን ለገስቲ ደም፡ ቊጽሮም በብእዋኑ ይውስኽ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ገርግሽ በየነ ብወገኑ፡ ልግሲ ደም ኣብ ምድሓን ህይወት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምግታእ ኣብ እዋን ወሊድን ሓደጋን ዘጋጥም ሞት ድማ ብፍላይ ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር፡ ቊጽሪ ወለንታውያን ለገስቲ ብምዕባይ ትሕዝቶ ባንክ ደም ንምስሳን ዝካየድ ጻዕሪ ክሕይል ኣዘኻኺሩ። መንደፈራ - ንጥፈታት ምግራብ ጽቡቕ ይቕጽል ኣብያተ-ጸሎት፡ ኣብ ጐደናታት ከተማን ቀጽሪ ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን ካብ ዝተተኽሉ ኣሽሓት ፈልስታት፡ እቶም ኣስታት 80 ሚእታዊት ከምዝጸደቑ ገሊጹ። ምምሕዳር ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣገዳስነት ምግራብ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንምስራጽ ከም ዝጉስጒስን ኣብ ከተማ ንዝትከሉ ኣግራብ ግቡእ ክንክን ከምዝገብርን እውን ኣረዲኡ። ክኢላ ምግራብ ኣቶ ወልዱ ገብረገርግስ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ መደበር ፈልሲ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣስታት 200 ሽሕ ዓይነት ገረብ ከምዝፈለሱ ጠቒሱ፡ ብተመሃሮን ህዝብን ከምዝትከሉ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ሎሚ ዓመት ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ 600 ተመሃሮ ብዝተሳተፍዎ ናይ ሓደ ወርሒ ወፍሪ ንልምዓት፡ 11 ሽሕ ፈልሲ-ገረብ ከምእተተኽለን እቲ ስራሕ ይቕጽል ከምዘሎን ተፈሊጡ።

Transcript of !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2...

Page 1: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

መበል 26 ዓመት ቁ.298 ሰሉስ 15 ነሓሰ 2017 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 3“ምሕረት ስለ’ንደሊ ምሒርናኩም . . .”

ገጽ 4መበል 13 መዓልቲ

ገጽ 5እቶም ሓሙሽተ ሰለይቲን

ጠንቃም ሰዓትን

ገጽ 7“ናትና ዛንታ’ኸ መን’ዩ

ክጽሕፈልና?”

ገጽ 9ደንደን ክብራ ዓቂባ

ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓለቓ ስታፍ ምብራቓዊ እዚ ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ መሓመድ-ሓምድ ራብዓ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ14 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡ።ኣብ 1947 ኣብ ሮራ

ሓባብ - ንኡስ ዞባ ናቕፋ ዝተወልደ ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ ራብዓ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ብዝሓደሮ ጽልዋ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1966 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ።ድሕሪ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት - ደሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡

ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍልታት ውድብን፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት - ክሳብ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ብደረጃ ሓላፊ ዞባ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ከም ኣመሓዳሪ ዞባን ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራን ብምዃን፡ ብተወፋይነት ዝሰርሐን ዝመርሐን ሓርበኛ’ዩ።ስዉእ ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ ራብዓ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሸውዓተ ደቂን’ዩ።ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ጽባሕ ረቡዕ 16 ነሓሰ፡ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቐትሪ ኣብ

መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ መሓመድ-ሓምድ

ራብዓ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ ራብዓ ተሰዊኡ

ብ12 ነሓሰ ኣብ ከተማ ስያትል ብወግዒ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብልዑል ሱታፌን ድሙቕ መደባትን ተዛዚሙ።ኣብ’ዚ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ

ፈስቲቫል፡ ንህጻናት እናምሃሩ ዘዘናግዑ መደባት ዝሓቘፈ ቊሸት ህጻናት፡ ንኩሉ-መዳያዊ ተራን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ዘንጸባርቕ ቊሸት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ውድድራት ቊንጅናን ኣልባሳትን፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ህዝባዊ ጓይላ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ኤግዝቢሽን ከም ዝቐረበ ተፈሊጡ።ካብ ኤርትራ ዝኸደት፡ ወናማት

ገዳይምን መንእሰያትን ድምጻውያን ዝሓዘት ጉጅለ ባህሊ፡ ንተሳተፍቲ ብምዝንጋዕን ንመንእሰያት ምስ ባህሊ ሃገሮም ብምልላይን ነቲ ፈስቲቫል ድምቀት ከም ዝወሰኸትሉ፡ ወደብቲ ፈስቲቫል ሓቢሮም።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኣመሪካ ተዛዚሙ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ህላወ ባንክ ደም ኣብ ዕብየት ቊጽሪ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ሓጋዚ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ገብረመስቀል እምባየ፡ ምስ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።ዜጋታት ተጠርኒፎም ብወለንታኦም

ደም ዝልግሱሉ ውዳበን ውሑስ ደም ዝኽዘነሉ ባንክን ስለዘይነበረ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ልግሲ

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብኣላይነትን ምክትታልን ምምሕዳርን ቤት-ጽሕፈት ሕርሻን - ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተኻየደ ንጥፈታት ምግራብ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከም እተረኽቦ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ኣብርሃም ሓጐስ ሓቢሩ።ኣቶ ኣብርሃም፡ ብተሳተፍቲ ተመሃሮ

ንልምዓት ከምኡ’ውን ብህዝቢ ኣብ ቀጽሪ መቓብር ሓርበኛታት፡ ኣብ

ጋሽ-ባርካ - ቊጽሪ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ይስስን

ደም ትሑት ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣቶ ገብረመስቀል፡ ምስ ምቛም ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ግን፡ ቀጻሊ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን ይካየድ ብምህላዉ፡ እቲ ንቕሓት እናበረኸ ከምዝመጸ ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር 32 ቀወምቲ ኣባላት

ከምዘለውዎ፡ ኣብ ርእሲኦም - ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ፡ ሰራዊትን ተመሃሮን ዝርከብዎም ወለንታውያን ለገስቲ ደም፡ ቊጽሮም

በብእዋኑ ይውስኽ ከምዘሎ ሓቢሩ።ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና

ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ገርግሽ በየነ ብወገኑ፡ ልግሲ ደም ኣብ ምድሓን ህይወት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምግታእ ኣብ እዋን ወሊድን ሓደጋን ዘጋጥም ሞት ድማ ብፍላይ ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር፡ ቊጽሪ ወለንታውያን ለገስቲ ብምዕባይ ትሕዝቶ ባንክ ደም ንምስሳን ዝካየድ ጻዕሪ ክሕይል ኣዘኻኺሩ።

መንደፈራ - ንጥፈታት ምግራብ ጽቡቕ ይቕጽል

ኣብያተ-ጸሎት፡ ኣብ ጐደናታት ከተማን ቀጽሪ ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን ካብ ዝተተኽሉ ኣሽሓት ፈልስታት፡ እቶም ኣስታት 80 ሚእታዊት ከምዝጸደቑ ገሊጹ።ምምሕዳር ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡

ኣገዳስነት ምግራብ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንምስራጽ ከም ዝጉስጒስን ኣብ ከተማ ንዝትከሉ ኣግራብ ግቡእ ክንክን ከምዝገብርን እውን ኣረዲኡ።ክኢላ ምግራብ ኣቶ ወልዱ

ገብረገርግስ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ መደበር ፈልሲ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣስታት 200 ሽሕ ዓይነት ገረብ ከምዝፈለሱ ጠቒሱ፡ ብተመሃሮን ህዝብን ከምዝትከሉ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።ሎሚ ዓመት ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡

600 ተመሃሮ ብዝተሳተፍዎ ናይ ሓደ ወርሒ ወፍሪ ንልምዓት፡ 11 ሽሕ ፈልሲ-ገረብ ከምእተተኽለን እቲ ስራሕ ይቕጽል ከምዘሎን ተፈሊጡ።

Page 2: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 2 መበል 26 ዓመት ቁ.298

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሊድያ ሱልጣን

በይሉል ገ/ሚካኤል

ለይ-ኣውት

ሎሚ ኣብ ERI-TVሰዓት መደብ12፡00 ካርቱን12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ካብ ዞባታት13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ዶክተራት14፡40 Sport Highlights15፡30 ኖሪት16፡05 National Geographic16፡55 ሙ/ ድራማ17፡30 ፓኖራማ18፡00 ናትራን20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ህድግ21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 መደብ ስፖርት22፡00 ዜና ዓረብ22፡10 Tech Insight22፡30 ዜና እንግሊዝ22፡40 Open Mic23፡00 Film

ኣገደስቲ ቴሌፎናት

ሆስፒታል ሓሊበት18 54 00

ሆስፒታል ኦሮታ20 19 17

ፖሊስ ኤርትራ12 77 99

ኮርፖሬሽን ኤለትሪክሲቲ

12 22 22ፋርማችያ ቁ. 1

127565መጥፋእቲ ሓዊ

202099ማሕበር ቀይሕ መስቀል

154633

ኮማዊ ሆስፒታል ቤት-መኻእ፡ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክህብ ልዑል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ፡ ሓላፊት ናይቲ ሆስፒታል ዶክተር ጽገሬዳ መሓሪ ሓቢራ። እቲ ሆስፒታል፡ ድሮ - ዘበናዊ

መመርመሪ ዓይኒ፡ ራጂ፡ ፊዚዮተራፒ፡ ኤሌክትሮ-ተራፒ፡ ሕክምና ስኒን ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ተዋዲድዱሉ ይነጥፍ ከምዘሎ ዝሓበረት ዶክተር ጽገሬዳ፡ እዚ - ነቲ ኣቐዲሙ ንተገልገልቲ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ኣቃሊሉ ከምዘሎ ኣረዲኣ። ኣብ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል፡ ክንክን

ነፍሰ-ጾራትን ኣገልግሎት ሕርሲን፡

ኮማዊ ሆስፒታል ቤት-መኻእ ብተገልገልቲ ይምጐስ

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ንሓደ ወርሒ ብዝቐጸለ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ክሰላሰል ካብ ዝተወጠነ መደባት፡ እቲ 88 ሚእታዊት ከም እተተግበረ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ኣቶ ኣብርሃም በርሀ፡ በቲ ልዕሊ 8 ሽሕ ተመሃሮ ኣብ 54 ነቚጣታት ዘሰላሰልዎ ስራሕ፡ 254 ኪሎ-ሜተር ዛላታት ክስራሕን ክጽገንን እንከሎ፡

ልዕሊ 190 ሽሕ ጐዳጒዲ ተዃዒቱ ፈልስታት ከም እተተኽለሉ፡ 28 ሽሕ ኣግራብ ከም እተዀስኰሰ፡ ኣስታት 7 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ከም እተጸገነ ኣብሪሁ።ኣብ 44 ኣብያተ-ትምህርቲ ልዕሊ

ማእከል - መደብ ተመሃሮ ንልምዓት 88 ሚእታዊት ተተግቢሩ

ክንክንን ኣደን ህጻንን፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ምክልኻል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ብስሩዕ ከም ዝወሃብ እውን ገሊጻ።ኣብ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል ክኢላ

ሕክምና ዓይኒ መንእሰይ መስፍን ርእሶም፡ መሰረታዊ መሳርሒታት ስለዝተቐረበ፡ ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ንልዕሊ 5 ሽሕ ናይ ዓይኒ ጸገም ዝነበሮም ዜጋታት መነጸር፡ ንኣስታት 4 ሽሕ ድማ መድሃኒት ከም እተኣዘዘ ሓቢሩ።ተገልገልቲ እውን፡ ኣብቲ ሆስፒታል

ንዝረኽብዎ ኣገልግሎትን ናብዮትን ሞጒሶም። ስ/ ናዝሬት በይን

ኣብ ን/ዞ/ሰረጀቓ ምርጫ ኣመሓደርቲ ተኻዪዱኣብ 17 ምምሕዳራት ከባቢ - ንኡስ ዞባ

ሰረጀቓ፡ ናይ ኣገልግሎት ግዜኦም ንዘእከሉ ኣመሓደርቲ ንምትካእ፡ ናይ ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርትን ምርጫ ተኻዪዱ።ኣብ’ቲ ካብ 28 ሓምለ ክሳብ 13 ነሓሰ

ዝተኻየደ መስርሕ ምርጫታት፡ ነበርቲ’ተን ምምሕዳራት ከባቢ፡ ብብቕዓቶምን ተወፋይነቶምን ይኾኑና እዮም ዝበልዎም 17 ኣመሓደርቲ፡ 17 ኣካየድቲ ስራሕን፡ 84 ኣነባበርቲ ዓድን መሪጾም።ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፉ

ፍስሃጽዮን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቶም ዝተመርጹ፡ ነቲ ኣሚኑ ቈጽሊ ዘንበረሎም ህዝቢ፡ ብትግሃትን ብዘይተጒላባነትን ከገልግልዎ ተላብዩ።ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ

- ምምሕዳር ከባቢ ሃይኮታ፡ ምርጫ ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርትን ከም እተኻየደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

6 ሽሕ ሰደቓታት ክጽገን እንከሎ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ወፈራታት ጽሬት ከምእተኻየደ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንጥፈታት ድሕነት ትራፊክ ኣድማዒ ስራሕ ከምእተዓመ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ነቲ ከይተዓመ ዝተረፈ 12 ሚእታዊት ብዝምልከት ኣቶ ኣብርሃም፡ ገለ ካብቶም ኣብ’ቲ መደብ ክሳተፉ ዝተመደቡ ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብዘይምስታፎም፡ ከምኡ’ውን ክራማት ድኹም ብምንባሩ ምዃኑ ገሊጹ።

ስ/ የውሃንስ መብራህቱ

Page 3: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 3 መበል 26 ዓመት ቁ.298

ዮሴፍ ሃይለማርያም

ጌጋ መናብርቲ ደቂ-ሰብ’ዩ። ሰብ ኰይኑ ዘይጋገን ዘይብድልን የለን። ፍቕሪን ምሕረትን ግን መባድልቲ ጌጋ ደቂ-ሰብ’የን። ቀጺልና፡ ብዕርቂን ምሕረትን ንዝደቀሰ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ነቕርበልኩም፦እቲ ናይ ሞት ሓደጋ ኣብ ሃገረ ኣንጎላ

ብ1 ግንቦት 2017’ዩ ኣጋጢሙ። መራሒ መኪና ዝነበረ ኣቶ ዮናስ ፍስሃጽዮን፡ ንፋና ጥዑምዝጊ ምስ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ወዳን በዓል ቤታ ኣቶ ተ/ሚካኤል ተስፋልደትን ዝርከብዎም ሸሞንተ ትንፋስ ጽዒኑ፡ ናብ መርዓ ከይዶም። ኣብ’ቲ መርዓ ክሕጐሱን ክዘናግዑን ውዒሎም እናተመልሱ ግን፡ ሒዛቶም ዝነበረት መኪና ተገምጢላ። ጓል 27 ዓመት ወ/ሮ ፋና ጥዑምዝጊ ገብረሚካኤል ኣብ’ቲ ሓደጋ ሞይታ። ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ወዳን በዓል ቤታን ዝርከብዎም ካልኦት ግና ማህሰይቲ ኣጋጠሞም። ሬሳ ወ/ሮ ፋና ብዕለት 8 ግንቦት 2017፡ ወለዳን ኣሕዋታን፡ ቤተሰባ፡ መሓዙታን ህዝብን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ደቂ-ሸሓይ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣብ እንዳ ኣቶ ጥዑምዝጊ ገብረሚካኤል ንቡር ሓዘን ተፈጺሙ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ፍጻመ፡ ሕጋዊ መዕለቢ ክግበረሉ ስለዘለዎ፡ ብመገዲ ብኽልተኡ ስድራቤታት ዝወጸት ሓሙሽተ ዝኣባላታ ሽማግለ ዕርቂ፡ ኣብ

ሰናይ ድሌትን ምርድዳእን ስድራቤት መዋቲትን እንዳ ሓሙኣን ከኣ፡ ነቲ ሓደጋ ብዕለት 22 ሓምለ 2017 ኣብ ቅድሚ ካህናትን ዓበይቲ ዓዲን ብዕርቂን ምሕረትን መደምደምታ ተገይሩሉ። ኣብ’ቲ ናይ ዕርቂን ምሕረትን ዕለት

ተረኺቦም ብወገን ስድራቤት መዋቲት፡

ስድራቤት ፈጻሚ ሓደጋን ሽማግለታትን ካብ ዝተዋህበ ቃል ነስዕበልኩም፦

ካብ ስድራቤት መዋቲት

“እዞም ደቅና ኣብ ሓጐስ ኣብ መርዓ ውዒሎም ክምለሱ ከለዉ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም። ፍቓድ ኣምላኽ ክስገር ዝኽእል ኣይኰነን። ንስኻትኩም ግን ካብታ ሬሳና ኣምጺእኩም ኣብ ኢድና ዘረከብኩሙና ክሳብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ካባና ከይተፈለኹም ብግቡእ ስለዝደበስኩምና የቐንየልና። ዘርኣኹምና ሕያውነትን ገጽን ደቢሱና’ዩ። ካብዚ ዝገበርኩምዎ ዝዓቢ ደበስን ምጕያይን የለን። ገንዘብ ዝገብረልካ የብሉን፣ ሕልናዊ ሩፍታን ደበስን ከምጽኣልካ’ውን ኣይክእልን። ካብ ገንዘብ ግን ፍቕሪን ምሕረትን ይዓቢ። ነቲ ህጻን ከኣ ኣምላኽ ትርፊ ሰናይ ይግበሮ፣ ተኽሊ ወይኒ ገይሩ መርዓኡን ደርዓኡን የርእየና። ምሉእ ጽንዓት’ውን ይሃበና።”

ቀሺ ጊላማርያም ኣብርሃ

“ኣነ ኣቦ ፋና’የ። ካብ ፋና ጓለይ ብዙሕ’የ ክጽበ ጸኒሐ። ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ግን ካባና ተፈልያ። እንቋዕ እቲ ህጻንን ሰብኣይ ጓልናን ካልኦትን ኣይተለከሙ። ሬሳ ጓለይ ረኺበ ክቐብር ብምብቅዐይ ግን ንኣምላኽ ኣዝየ’የ ዘመስግኖ። እቲ ምንታይ ሬሳ ደቆም ክረኽቡ ዘይከኣሉ ብዙሓት ወለዲ ስለዘለዉ። ኣብ ኣንጎላን ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለምን ዘሎ ኤርትራዊ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ተኻፋሊ ሓዘንና ብምዃን ስለዘጸናንዓናን ዘቃበረናን ንዅሎም የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እብል። ሕጂ ከኣ፡ ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን፡ ምስ እንዳ ሓሙና፡ ምስ ኣሕዋትን ቤተሰብን መኺርናን ተላዚብናን፡ ነዛ ቀያሕ ጓልና ኣጥፊእና እንበልዖ ገንዘብ ስለዘይብልና፡ ምሉእ ምሕረት ሂብና ኣለና። ምኽንያቱ፡ ድሌትና ንህዝብናን መንግስትናን ኣርኣያ ክንከውን’ምበር ገንዘብ ኣይኰነን። ጋር-ነፍሲ ፋና ጓለይ ክንበልዕ’ውን ነብስና ኣይገብረልናን’ዩ - መመሊሱ’ዩ ከጕሂየና። ፍቕሪን ምሕረትን ግን መመሊሱ ዘሐጕሰካ፣ ህዝብናን መንግስትናን ዝድግፎ፡ ብዓቢኡ’ውን ኣምላኽ ዝድግፎ ቅዱስ ተግባር ስለዝዀነ፡ ክንምሕር ሓይሊ ንዝሃበና ፈጣሪ አመስግን። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ህጻን ክንዲ ሽሕ ገይሩ የዕብዮ። ወዲ ሰብ ብተግባሩ’ዩ

ዝምስገን፣ ንስኻትኩም ከኣ፡ ካብታ መርድእ ዝመጻላ መዓልቲ ኣትሒዝኩም ክሳብ ሕጂ ካብ እግርና ከይተፈለኹም ዘድሊ እናፈጸምኩም ስለዘተሓዘንኩምና የቐንየልና እብል።”

ኣቶ ጥዑምዝጊ ገብረሚካኤል

“ብጓለይ ብዙሕ ሓዘን’ዩ ተሰሚዑኒ፣ ጻዕዳ ጓለይ’ያ ጠፊኣትኒ። እንተዀነ፡ ከምቲ ኣብ መርዓኣ ዘሐጐሱዋ፡ ንሳ’ውን ከተሐጕስ ብምባል ምስ ከደት’ዩ ኣብ መንጎ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ሕጂ ከኣ፡ ንዓኣ መንግስተ ሰማይ፣ ነቲ ወዳ ከኣ ኣምላኽ ምሉእ ጥዕና ሂቡ የዕብየልና። ንስድራቤት ሓደጋ ፈጸምቲ ምሕረት ክንገብር ምውሳንና’ውን፡ መርኣያ ክቡር ባህሊናን እምነትናን ኰይኑ፡ ካብ ኵሉ ነገር ምሕረትን ፍቕሪን ስለዝዓቢ’ዩ። እንዳ ዜና’ውን ኣብ’ዚ መጺእኩም ነቲ መስርሕ ዕርቂ ምክትታልኩም ብልቢ ነመስግን።” ወ/ሮ ለተብርሃን ቀሺ ተወልደመድህን

“እቲ ቀንዲ ዘሐጕስን ናይ ብሓቂ ደበስን፡ እዚ ንስኻትኩም ዘርኣኹምና ምቕሉልነትን ሓልዮትን’ዩ። ልክዕ’ዩ፡ ፋኑስ ሓፍትናን ጓልናን ምስ ምሉእ ተስፋኣን ፍቕራን’ያ ተፈልያትና። መርኣያ ልውህነታን ፍቕራን ከኣ፡ ቀብሪ ንጉስ ተቐቢራ። ነዚ ከኣ መሓዙታን ቀበርታን ዝመስከሩዎ’ዩ። ዝሞተ ሰብ ተበኽዩሉ ዝምለስ እንተዝነብር ከኣ፡ ከም ፋኑስ ገይሩ ዝተበኸየሉ የለን። ሕጂ ከኣ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ፡ ሓድጋ የጸብቐላ፣ ንዓና’ውን ምሉእ ጽንዓት ይሃበና።”

ኣቶ ዘውደ ኣብርሃ

“ምሕረት ምግባር ኣሽንኳይ ንፈጻሚ ገበን፡ ንሰማዒኡ ከይተረፈ’ዩ ባህታን ፍስሃን ዝፈጥር። እዚ ተወሲዱ ዘሎ ምሕረት ከኣ፡ ንእንዳቦ ይኹን እንዳደ፡ ንሰማዒኡ ይኹን ንረኣዪኡ ክሰዓብ ዘለዎ ጽቡቕ ኣብነት ስለዝዀነ፡ ቅዱስ ምርጫ። ንስድራቤት መዋቲትን ንስድራቤት ሓደጋ ፈጻሚን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።”

ኣባ ገብረሚካኤል ገብረዮውሃንስ

“ንፋና ምዕባይ ሓዋ’የ። ኣባል 22 ዙርያ ኰይና ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል

ግቡኣ ፈጺማ፣ ሕጸ ገይራ ብሕጋዊ መገዲ ንኣንጎላ ከይዳ ኣብኡ ተመርዕያ፣ ሓደ ቈልዓ ወሊዶም። ንዅሎም ኣሕዋትካ ትፈትዎም’ኳ እንተዀንካ፡ ንዓይ ግን ናይ ፋና ሓፍተይ ፍሉይ’ዩ። ኣዝያ ሕያወይትን መፍቀሪትን፣ ምስ መሓዙታ ከይተረፈ ልዑል ስኒት ዝነበራ ሓፍቲ’ያ ነይራ። ካብ ብዝሒ መሓዙታ ዝተላዕለ፡ ኣብ መርዓኺስ መን’ያ መሓዛ ትኸውን ኢና ንብላ ነይርና። ኣምላኽ ፈቒዱዎ ግን፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ካብ መንጎ ተፈልያትና፣ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ። ሰብ ንባዕሉ ክብል’ዩ ምስ ሰብ ዝዕረቕ። ኵላትና ደቂ-ሰብ ስለዝዀንና እንታይ የጋጥመና ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ፡ ንሕና፡ ሰላምን ፍቕሪን ስለዝመረጽና ምሉእ ምሕረት ክንገብረሎም ምውሳንና ሕጕሳትን ምሉእ ናይ ሕልና ቅሳነትን’ዩ ዘለና።”

መንእሰይ ርስቶም ጥዑምዝጊ

ካብ ስድራቤት ፈጻሚ ሓደጋ

“ኣቶ ፍስሃጽዮን ቀሺ ዘሚካኤል፡ ተቐማጢ ዓዲ ኣበይቶ’የ። ፈጻሚ ሓደጋ ወደይ ኣቶ ዮናስ ፍስሃጽዮን ኣብ ኣንጎላ’ዩ ዝቕመጥ። በቲ ፍጻመ ኣዚና ኢና ጕሂና፣ ግን ዘይምለስ ኰይኑና። እንዳ ኣቶ ጥዑምዝጊ ግን ሕያዎትን ቅዱሳትን ስድራ ኰይኖም ስለዝጸንሑና፡ ምሉእ ምሕረት ገይሮምልና። ምስ’ዞም ጥዑማት ገዛ ንፋለጥ ኣይነበርናን - ሞት’ዩ ኣራኺቡና። ርክብና ግን ቅድሚ ሞት ክኸውን ነይሩዎ። መግለጺ ክብረቶምን ጭውነቶምን ግን ኣብዛ ሓዘን ምምልላስና

ከይተረፈ “እንታይ ገበርኩም፡ እዚ ናይ ኣምላኽ ጉዳይ’ዩ” እናበሉ’ዮም ካብታ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ብብሩህ ገጽ ተቐቢሎምና። ብሩኻትን ደቂ ቤተክርስትያንን ስለዝዀኑ፡ “ካባኹም ንደልዮ ነገር የለን፣ እቲ ንደልዮ ፍቕሪን ሰላምን’ዩ” ክብሉ ነቲ ጕዳይ ብዕርቂን ምሉእ ምሕረትን ዛዚሞሞ። ብወገንና ዋላ ሓንቲ ዝገበርናሎም የብልናን። ካብ ብልዒ ግን ፍቕሪ ስለዝዓቢ፡ ገይሮሞ ዘለዉ ሰናይ ተግባር ንዅሉ ህዝቢ ጽቡቕ ኣብነትን ክቃላሕ ዘለዎን፣ ተሰኒዱ‘ውን ንወለዶታት ዝነብር’ዩ። ንሕና ከኣ፡ ምሕረት ዘየሐጕሶ ሰብ ስለዘየለ፡ ብጣዕሚ ተሓጕስና፡ ኢዶም ካብ ፈጣሪ ይርከቡ።”

ኣቶ ፍስሃጽዮን ቀሺ ዘሚካኤል

“ሓደጋ ወዝቢ ስለዝዀነ፡ ዘይተሓስበ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ንሕና ኣፍኩም ክንመልእ ኣብ ዝተመላለስናሉ፡ ነቲ ከቢድ ሓዘን ተጻዊርኩም ብጽቡቕ መልሓስን ጽቡቕ ግብርን ኢኹም ተቐቢልኩምና። ነዚ ሕውነት ክንተኽለሉን ፍቕሪ ክንትክኣሉን እምነ። ሂብኩምና ዘለኹም ምሕረት ድማ፡ ብምድሪን ሰማይን ካብ ኣምላኽ ርኸብዎ። ንመዋቲት ጓልና መንግስተ ሰማይ፣ ነቲ ዘሎ ህጻን መርዓኡ የርእየና።”

ኣቶ ክፍላይ ኣሕፈሮምን ኣቶ ሓዳራይ ቀሺ ዘሚካኤል

“ኣቀባብላኹም ልዕሊ ትጽቢትና

ኰይኑ። ንሰብ መለለዪኡ እዚ እንርእዮ ዘለና ግርማ’ዩ። ኣሰራርሓኹም ኣሰራርሓ ኣቦና እዮብ ኰይኑ። እዚ ኣዚዝኩምልና ዘለኹም ናይ ምሕረት ቃል ድማ ካብ ዝዀነ ሰብ ዝርከብ ስለዘይኰነ፡ መግለጺ ክብረትኩም’ዩ። ንታሪኽናን ባህልናን ዘደንፍዕ ስጕምቲ ስለዝዀነ፡ ፈጣሪ

ስድራ-ቤት መዋቲት ስድራ-ቤት ፈጻሚ ሓደጋ

ናብ 8ይ ገጽ ይቕጽል

ኣቶ ጥዑምዝጊ ገ/ሚካኤል

መዋቲት ወ/ሮ ፋና ጥዑምዝጊ

ወ/ሮ ለተብርሃን ቀሺ ተ/መድህን

“ምሕረት ስለ’ንደሊ ምሒርናኩም ኣለና” ስድራ ኣቶ ጥዑምዝጊ ገብረሚካኤል

Page 4: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 4 መበል 26 ዓመት ቁ.298

እቲ ደራሲ፡ ንመሸጣ ዝኸውን ዛንታ ከየእከለ እዩ ከሪሙ። እተን ስሕት ኢሉ ዛንታታት እናሸጠ ዝረኽበን ካብ ዕለታዊ መናብብሮ ስድራ ቤቱ ዘይሓልፋ እትዋት ካብ ዝርሕቓኦ ኣይጠዓሞን። ብሕርቃንን ተስፋ ምቑራጽን ሕመት

ተኸዲኑ “ሎሚ ሓንቲ ዛንታ ክውድእ ኣለኒ!” በለ ብርዕን ወረቐትን ሒዙ ኣብ ቀጽሪ ገዝኡ እናዕለበጠ። ኣዒንቱ ጥበብ ክምንዝዓ ከም ዝሰስዓ ብዘይደረት ኣድማስ ኮሊለን ብዝተመልሳ፡ ሕርቃን ሰርሲሩዎ ኢዱ ዓሚኹ ንብርኪ እግሩ ደሰቖ። ነታ ገለ ሓሳብ ‘ቂዕ’ ካብ ምባል ዝሓንገደት ብርዑ እውን፡ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ቀርቂሩ ሓርሓራ። ገለ ዘይነጠቦ ጻዕዳ ወረቐቱ፡ ጮራ ጸሓይ ዕራርቦ ተቐቢሉ ኣብ ገጹ ደጉሐ። “ባባየ ባባየ” እናበለት ብጉያ ህሩግ

በለቶ ህጻን ጓሉ። “ሎሜ - ሕጂ ኣብ ስራሕ ኣለኹ። ገዛ ኣቲኺ ምስ ኣደኺ ተጻወቲ” ገጹ ኣሲሩ ገንሓ። ሎሜ ሻንፈታ ጀሊዓ ኣብ ቅድመኡ ደው በለት። “ኪዲ እንድየ ዝብለኪ ዘለኹ” ብሓይሊ ቃል ብዝደሃላ፡ ስቕስቕታኣ ከም ባዙቃ እናደየበ ንኣፋ ከፊቱ ድምጻ ፈርሸሖ። ካብ ቁጥዐኡ ከይዝሓለ ወጅሁ ኣዕሪቡ ጠመታ። ዳሮን ብቖላሕታ ቀጺዑ ካብ ቅድሚኡ ምስ ኣህደማ፡ ብርዑ ኣብ ወረቐት ተኸላ። “ሎሚ ክውድኣ ኣለኒ!” ፈከረ ንበይኑ። ህልቆ መሳፍርቲ ሕብረ-ሓሳባት

ኣብ ኣእምሮኡ እናተጋማድሑ ፈቓቕ እዩ ስኢኑሎም። መኣትዎ ውሽጡ ተደፊኑዎ። ሓሳባት ሓንጠጠ’ሞ፡ ደጋጊሙ ናብ ጽሑፉ ጠመተ። ሰራውር ደሙ ረጎድቲ ጽሕግታት ክመስሉ ተሓላሊኾም ኣብ ወጅሁ ተገተሩ። ከንፈሩ ነኺሱ “ሬሳ. . .ሬሳሳሳሳ. . .” ክብል ተጻረፈ ብነድሪ። ወጅሁ ኣዕሪቡ እንክጥምቶም፡ ቃላቱ ብጽልኢ ዝጥምቱዎ ኰይኖም ተሰምዑዎ። “ኣብ’ዚ ሂወት የለን፡ ዓረም. . .” ደም ዝሰረባ ዝመስላ ኣዒንቱ፡ ነቲ ሰጣሕን ጻዕዳን ወረቐት ክትርብዐኦ ዝተወርወራ መሰላ። ናይ ምሉእ ኣካላቱ ደም ናብ ገጹ ከም ዝወሓዘ ሰራውሩ ተወጢሮም ንገጹ ኣሕበጥዎ። ጓል ኣርባዕተ ዓመት ሎሜ፡ ድሮ

መግናሕቲ ወላዲኣን ብኽያታን ረሲዓ፡ “ባባየ ባባየ” እናበለት እንደገና ብጉያ ኣብ ጥቓኡ በጽሐት። ኣብ ርእሲ ሕርቃኑ ሕርቃን ደሚሩ፡ ከም ዘድበየ ድሙ ፈለኽ ከይበለ ኣዒንቱ ልኢኹ ቀጽዓ። ‘ባባየ ርኣዮ’ሞ መዓት ጡጥ ኣብ’ቲ

ላዕሊ ጸምበለል ይብል ኣሎ፡ ምሽ ቀይሕ ኰይኑ ወርኪ ይመስል ክጽብቕ ምሽ. . .” ሓንሳብ ናብ ላዕሊ ሓንሳብ ናብ ኣቦአ እናጠመተት ብተመስጦ ክትከንፍ በለት። “ሎሜ ዘይትገድፍኒ!” ኣዒንቱ

ኣብ ኣካላት ጓሉ እናንከባለለን። እታ ሕንቅቕቲ ሎሜ ሽዑ እውን ኮርነፍ ኢላ ናብ ገዝኣ ተመልሰት። ብግብሩ ዝተጣዕሰ ክመስል ግን “ሎሜ.

. .ሎሜ. . .” ክብል ተዳህየ። ሎሜ ፊቕፊቕ እናበለት ኣብ ሑቕፊ ኣደኣ ተሸጐጠት። ንሰማይ ገጹ ብዝጠመተ ከኣ፡ ብኡ ኣቢሉ ብተመስጦ በረረ። ብርዑ ናብ ወረቐቱ ብምትካል ክጽሕፍ ጀመረ። “ዕውዲ-ዕውዶ ጡጥ ዘንሳፈፎ

ውቅያኖስ ዝመስል ሰማይ፡ ጮራታት ጸሓይ ውሒጡ ንህዋ ሃሳስ ወርቃዊ ሕብሪ ጎልቢቡ፡ ነታ ዕለት ካብ ኩላተን መዓልታት ፍልይቲ ኣምሲሉዋ ነበረ። ብሓቂ እውን እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ንኣዜብ ፍልይቲ ነበረት። ኣዜብ

ነቲ ወርቃዊ ተፈጥሮ ክትምሕጸኖ ዝደለየት ክትመስል፡ ብዓይኒ ምስትምሳል ጠመተቶ። ምግራምን ምስትምሳልን ዝሓቖፈ ደብዛዝ ክምስታኣ፡ ብሓሳብ ህልም ከም ዝበለት ብጋህዲ ኣርኣየ። ኣዒንታ ንተፈጥሮ ክዕዘባ ብዘይዕረፍቲ ዘወራ። ሓኪም ካንሰር ከም ዝሓመመትን

ብሂወት እትጸንሓለን ዓሰርተው ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ምዃነን ካብ ዝነግራ፡ እተን ደርዘን መዓልታት ደርዘን ካልኢታት ኰይነን ከይተሰመዓኣ ሓሊፈን እየን። ኣብ’ዛ ዕለት፡ ነቲ ንጽባሒቱ ከም

ዘይትረኽቦ ዝተነግራ ተፈጥሮ ደሓን ኩን ክትብሎ ዝደለየት ክትመስል ካብ ረፍዲ እያ ኣብ ግዳም ኣሕሊፋቶ። “ምንባር ክንደይ ይጥዕም፡ እዚ ተፈጥሮ ኸኣ ኣብ ሎሚ በጺሑ ኣመና ጸቢቑ ንልበይ ማሪኹዎ” በለት ብሕሹኽታ። “ሓንቲ መዓልቲ ተሪፋትኒ ኣላ። አረ ሕጅስ መዓልቲ ዘይመልኣ ሰዓታት እየን ተሪፈናኒ ዘለዋ፡ ጽባሕ እዚ ኩሉ ጽቡቕ ነገር ኣይናተይን እዩ” በለት ብሕሹኽታ። ነቶም ኣብ ልሙዕ ሳዕሪ ዝዕንድሩ ክልተ ደቃ ደጋጊማ ብልባ ጠመተቶም። “ሉለይ፡ ኣዳም. . .” ደጋጊማ ጸውዐቶም።

ክልቲኦም ኣብ ውዕዉዕ ህጻናዊ ጸወታ ኣድሂቦም ግልጽ ኣይበሉዋን። “ሉለይ ኣዳም፡ ንዑ’ባ ክሓቑፈኩም! ሓንቲ መዓልቲ እያ’ኮ ተ ሪ ፋ ት ኒ ! ብ ት ሑ ት ድ ም ጺ ኣድሃየት”ዳ ሮ ን

ምስ ውሽጡ እ ና ተ ቐ ዳ ደ መ ዋሕዚ ሓሳባቱ ጠገለ ብዘይብሉ ኣጸሓሕፋ ክኽዑ ድሕሪ ምጽናሕ ኣቋረጸ። ሎሜ ኣብ ቅድሚ ኣቦኣ ደው በለት። ዳሮን ደኒኑ ምስ ጽሑፉ ይዛረብ። “ባባየ፡ ባባየ . . .” ሓንሳብ ጠሚቱዋ ደነነ። “ባባየ ካብ’ቲ ላዕሊ ፍዮሪ

ኣውርደለይ!” “ሎሜ እሰርሕ ኣለኹ! ኣብ መንጎ

ስራሕ ኣይትረብሺ እብለኪ ኣለኹ” ተቖጠዐ። “እምቢ፡ ፍዮሪ ኣውርደለይ. . .”

ቀበጥበጥ እናበለት ተጸገዓቶ። “ፍዮሪ ካበይ ከውርደልኪ? ንጣር ዕምበባ ኣብ ዘይብሉ ቀጽሪ ከምኡ ምሕታታ መሊሱ ኣሕረቖ። “ምሽ ኣብ’ቲ ላዕሊ እነሀለዋ ፍዮሪ. . .”

ብኽልተ ኣእዳዋ እናመልከተትን ንላዕሊ ክትምጠጥ እናፈተነትን ኣቑረምረመት። ናብ ላዕሊ ብዘንቃዕረረ ነተን ሒደት ሕብራውያን ጽምብላሊዕ ረኣየን። ገለ ክብል ዘንቀሳቐሰን ከናፍሩ ኸኣ ብኽፉተን ተረፋ። ብኡ ኣቢሉ ከኣ ብርዕን ወረቐትን ኣራኸበ። “ኣዜብ ጽባቐ ተፈጥሮ ልዕሊ ኩሉ

እዋን ሽዑ ዝመሰጣ ክትመስል፡ ነተን ዘንሳፍፍ ዕምባባ ዝመስላ ሕብራውያን ጽምብላሊዕ ኣንቃዕሪራ እናጠመተት ፍሽኽታን ምስትምሳልን ተኸድነት። መሊሳ ኣዒንታ ናብ’ቶም ክልተ ደቃ ኣበለተን። ሉለይን ኣዳምን ነተን ጽንብላሊዕ ከርክቡ እናዘለሉን እናዓንደሩን ይጻወቱን ይስሕቑን። ሓንሳብ ይወድቁ፡ ተንሲኦም እናተሰሓሓቑ ንየው ነጀው ይጻፍዑ! ዕንደራኦምን ሰሓቖምን ሕጉሳት ከም ዝነበሩ ብጋህዲ ኣርኣየ። ‘ብድሕረይከ

ትሕጎሱን ትጻወቱንዶ ትዀኑ? እቲ ሕቶ ንደቃ እንተ ነበረ’ኳ፡ ብዘይካኣ ዝሰምዖ ኣይነበረን። ንእለቱ ድማ ስስዐ፡ ናፍቖት፡ ድንጋጸ፡ ራዕዲ፡ ተስፋ ምቑራጽ ተሓናፊጾም ኣብ ኣዒንታ ሰፈሩ። ካብ’ቲ ስምዒት ዘጥፍአ ሃሳስ ገጻ፡ ዘይትቈጻጸሮን ዘይትሕብሶን ዛራ ንብዓት ኣንቆልቆለ” ዳሮን፡ ንነዊሕ ሰዓታት ኮፍ ከም ዝበለ፡

እቲ ደም ዝተኻዕዎ ዝመስል ዕራርቦ ነገሮ። ንጽሕፉ ብምርኣይ ከኣ ገጹ ውልዕ ክብል ግዜ ኣይወሰደን። “ሎሚ ክዛዝማ ኣለኒ!” ብምባል ነብሱ ከባራትዕ ብዓውታ ተዛረበ። ሎሜ፡ ድሕሪ ሰዓታት ናብ ኣቦኣ

ተመልሰት። “ባባየ እዛ ጸሓይ ርግምቲ እያ ምሽ። እ ን ታ ይ ኰ ይ ና ነቲ ጡጥ ብ ሓ ዊ ገ ይ ራ ተንድዶ ኣላ? ዳሮን ቅንዕ ኢሉ ጠ መ ታ ። ግ ና

ኣይመለሰላን። ናብ ብርዑን ወረቐቱን ተብተብ በለ።“ጸሓይ ነቲ ኩምራ ጡጥ ዝመስል

ደበናታት ሓዊ ከም ዝነስነሰትሉ ጓህሪ መሲሉ ነበረ። ኣዜብ “ርግምቲ ርግምቲ” በላታ ነታ ንኣድማስን እምባታትን እናቃጸለት ኣብ ምህታፋ ዝቐረበት ጸሓይ። ኣጻብዕቲ ኢዳ ንሓድሕዶም እናቃለሰት ‘ንስኺ ከኣ ትዓርቢ ኣለኺ! - ናብ ሞት ከተብጽሕኒ ተብተብ ኢልኪ!’ ተዛረበት ምስ’ታ ጸሓይ። “ሎሚ ድማ ዓሪባ! ኦ ኣምላኸይ!

ካብ’ዞም ደቀይ ክትፈላልየኒ ዲኻ! ክመውት ኣይደልን እየ፡ ምስ ደቀይ ክነብር እየ ዝደሊ” ብዓውታ ቆዘመት። “ምእንቲ እዞም ቈልዑ ምእንቲ’ዞም ቈልዑ መሓረኒ!” ጀለምታ ንብዓታ ዘየቋርጽ ዛራ ፈጠረ። ነብሲ-ወከፍ ካልኢት ካብ’ታ ዕለት እናተቘርመመት እንክትሓልፍ፡ ተስፋኣ እናተቘርመመ ብራዕዲ ተዋሕጠት። ግንባራ ኣብ ብርኪ እግራ ደፊኣ ተሰቕሰቐት? እቲ ደራሲ፡ ሓሳቡ ብዓቢ መትረብ ከም

ዝውሕዝ ማይ ፈሰሰሉ። መንፈሱ ንኣካሉ ሓዲጉ ከም ዝተሸርበ ግኡዝነቱ መስከረ። ዓቕሚ ርእየቱ ምስ’ቲ ፈይ ዝበለ ጸላም ከቃልስ ኣዒንቱ ምስ ወረቐቱ ከጣብቕን በለ። ኣብ ተምሳጥ ከም ዝተመርገ ሃሊሉ ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ ሃንደበት ኣቋረጸ። ንእለቱ ድማ ወጅሁ ብተስፋ ኣልቦ ስምዒት ተኸድነ። “ባባየ ባባየ” እታ ጸወታን ሰሓቕን

ዘልመዳ ሎሜ፡ እናተናጠረት ህሩግ

በለቶ። ዳሮን ቅንዕ ኢሉ ኣይጠመታን። “ባባ ባባ” “ኣቤት ንኽብላ ህንጥዩነታ እናዓበየ መንከሱ ሓዘት። ኣብ ፊቱ ደው ኢላ ተዓዘበቶ። ዋላ ሓንቲ ምንቅስቓስ ኰነ ድምጺ ኣይገበረን። ኣእዳዋ ኣብ ገጹ ኣንበልበለተን። ሰም እውን ኣይበለን። ሓፍ ኮፍ እናበለትን እናስሓቐትን ኣድህቦኡ ክትምንዝዖ ፈተነት። ኣፋ እናጎማጸጸት ዝተፈላለየ ምንቅስቓስ ገበረት። ግልጽ ኣይበላን። ዓቕላ ዝወደአት ሎሜ ንወረቐቱ ብርሓት ክልተ ኣእዳዋ ደፈነቶ። ትም! መትንታት ናይ ወተጉ ክሳብ ዝውጠሩ

ሓረቐ። ስምዒቱ ክስዕሮ እናበለ ኣዒንቱ ኣጨምቲሉ ጠመታ። ሎሜ ግብረ-መልሲ ክህባ ኣእዳዋ ከየልዓለት ብስቕታ ተጸበየቶ። ተጠማመቱ። ብኣንክሮ ኣንበበቶ

ንወላዲኣ። “ባባ ምሽ ትፈትወኒ ኢኻ” በለቶ። ሕርቃኑ ንእለቱ ካብ ኣካላቱ ክባረር ተፈለጦ። “እፈትወኪ እወ ሎሜ ጓለይ”፡ ብኣንክሮ ጠመታ። “ባባየ ምሽ እዞም ኮኾብ ኣዲኦም ጸሓይ

እያ። እንታይ ኰይና ደኣ ገዲፋቶም ከይዳ?

“ጽባሕ ክትምለሶም እንድያ?” በላ ጸጉሪ ርእሳ እናፈተለ። “ እ ሞ ሕ ጂ

ጸልማት ከ ሎ ምስ

መ ን ክ ሓ ድ ሩ

እዮም? ክፈልሑ እንድዮም!” “ሕጂ ደኣ ወርሒ ኣላንዶ?

ኣደኦም ክትከውን እያ”“ኪድ ወርሒ ደኣ፡ ጽቡቕ ገይራ

ዘይትውላዕሲ” “ጸሓይ ዕራርቦ ፍርቂ ኣካላ ንከውሊ

ሰዲዳ ከድኩ እናበለት ኣብ ገጻ ደጉሐት። ጸሓይ ናብ ዕርበት ገጻ ብዝዘበለት፡ ኣድማስ ቀጢን ሕብሪ ከም ዝተኻዕዎ ናብ ቅይሒ ኣንቀለ። ከዋኽብ’ቲ ብድኹም ብርሃን ኣብ ሰማይ ተዘሪኦም ይረኣዩ። ወርሒ እውን ልዓት ዘይብሉ ማዕጺድ መሲላ ተቐልቀለት። ኣዒንቲ ዛይድ ማዕጾ ከም ዘይብሉ

ኣፈፌት ጋህ ኢለን፡ መኻፍቲ ኣፋ ተገፍቲኑ ንፋስ ኣብ ዘይፈልጥ መሬት ከም ዝበቖለ ተኽሊ ደሪቓ ነበረት። ነቲ ብሓደ ዕራርቦ ተኸዊሉ ክውሕጣ ዝቐረበ ሞት ክትፍትኖ ከም ዝደለየት! ሉለይን ኣዳምን ከም’ቲ ኣብ ጎልጎል

ቀጽሪ፡ ኣብ መረጼን ኣዒንታ እውን ብጽላሎቶም ይዕንድሩ ነበሩ። ሉለይ ካዕካዕ እናበለት ኣብ ሑቕፊ ኣደኣ ተሸጐጠት። “ማማየ ትፈትውኒ ኢኺ ምሽ!” ንውሽጣ ዝሓቖነ ሕቶ ደርበየት። “እፈትወኪ እወ. . .ህህህህህህህ” ካብ መዓሙቓ ስቕስቕ ኢላ በኸየት። “ማማ ንዓይ ከኣ ምሽ ትፈትውኒ ኢኺ” ኣዳም ቅንኢ እናተሰመዖ ኣብ ሑቕፋ ሕስይስይ በለ። “እ. .ወ. .ወ . . . .” ቃላትን እህህታን ሓንፊጻ ኣድሃየት። ካብ ሞት ከድሕንዋ ከም ዝሃረረት መመሊሳ ኣጥቢቓ ሓቖፈቶም። ንብዓታ ኸኣ ኣብ እንግድዓ ደቃ ኣንጠብጠበ።

“ኣንቃዕሪራ ናብ ሰማይ ጠመተት። ኣብ ኣሰር ጸሓይ ዝተቐልቀሉ ከዋኽብቲ ኣደኦም ከም ዝገደፈቶም ቈልዑ ሕልምልም ኢሎም ነበሩ። ዝኽትምና ደቃ ኣብ’ቶም ከዋኽብቲ ተዓዘበቶ። ነታ ሃሳስ ወርሒ ምስ ሕስምቲ ሰይተቦ ኣመሳሰለታ። ሉለይን ኣዳምን፡ ከም’ቶም ከዋኽብቲ ብጽምዋ ተበሊዖም ሕልምልም ክብሉ ተራእይዋ። “ኣታ ፈጣሪ ሞት እናረኣኻዮ

ክመጽእ ከሎ ክንደይ ይሓስም!? “በሉ እስከ ንዑናይ ንገዛና፡ ንሓንቲ ለይቲ ክሓቝፈኩም! ሎሚ ከኣ ሓሊፋ በቃ!” እናስተንተነት ብድድ በለት። ኣብ ቤታ፡ ስእልታታ በብሓደ

እናገናጸለት ረኣየቶ። ናይ ንእስነታ፡ ምስ ገርዘወት፡ ኣደ ቈልዑ መስ ኰነት. . . ። ኩሉ ነገር ከም ሓድሽ ነገር ኰይኑ ተርኣያ። “‘ዞም ደቀይ ብዘይብኣኹም እንታይ

ክኸውን እየ። ኣብ ጸላም ምስ መን ከሕልፎ እየ?’ ሽዑ ንሽዑ ልቦና ከም ዝሰኹዓትሎም ጽን ኢሎም ንኽሰምዑዋ ተሃንጠየት። ብድድ ኢላ ንሎሜ ብምናታ ዓትዒታ ሓዘታ። ‘ንዓ ንስኻ ድማ ንዓ እየ ዝብለካ ዘለኹ’ ኣጓጠጠትሉ። ክልቲኦም ደቃ ሰንቢዶም ብኹራ ጠመቱዋ። ንእለቱ ድማ መንፈሳ ተዘርገ። ‘ንዑ’ሞ ሓንሳብ ኮፍ በሉ፣ ደሓር ከም ድላይኩም ክትጻወቱ ኢኹም ሕራይዶ ዞም ደቀይ!” ናብ ምቅብጣር ኣተወት። ‘ኣነ እንተ ሞይተ ምስ መን ክትቅመጡ ይሕሸኩም? ብዕቱብ ሓተቶም። ኣዳምን ሉለይን ተጠማሚቶም ሰሓቑ። ‘ዶክተር ክትሞቲ ኢኺ ኢሉኒ እዩ’ኮ - ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ እያ ተሪፋትኒ ዘላ። ንገሩኒ’ባ ከይሞትኩ ከለኹ ዞም ደቀይ? ንብዓታ ጸረረ። ብዝተደናገረ ስምዒት ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። ‘ምስ መን ይሕሽኩም?’ በለቶም ደጊማ። ምሳኺ በለታ ሉለይ። ‘ኣነ ደኣ ናብ ጉድጓድ ናብ ጸልማት እንድየ ዝኸይድ ዘለኹ። ኣብኡስ ኣይትደልዩን’“‘ኣዳም’ በለቶ ነቲ ቦኽሪ ወዳ።

ምእንቲ ከይትርስዑኒ ኩሉ ግዜ ስእለይ ረኣዩ ኢኹም! ንፉዓት ኩኑ ዞም ደቀይ!. . .’ ሉለይ ካዕካዕ እናበለት ኣብ ዓራታ ተናጠረት። “ሰዓታት ለይቲ ብሃታ ሃታ ከም

ዝሓለፉ፡ ኣዒንቲ ኣዜብ ከይተኸድና ወገግ በለ። ኣዜብ መስኮት ከፊታ፡ ኣዒንታ ናብ ግዳም ሰደደተን። ጸሓይ ኣብ ከውሊ ኰይና ብዝሰደደቶ ጮራ ንኣድማስ ወርቃዊ ሃሪ ጎልቢባቶ ነበረት። ኣዜብ ከም ሕጉስ ቈልዓ ኣብ ዓራታ ተሰራሰረት። “ወጊሑ፡ ወጊሑ. . . ሉለይ ኣዳም ምድሪ ወጊሑ” ንኽልተኦም ነቕነቐቶም። ሉለይ ፍንሕንሕ ኢላ ናብ ድቃሳ ተመልሰት። ኣዳም እውን ዕሚም እናበለ መሊሱ ተጎልበበ። “ወጊሑ እኮ እዩ፡ እታ መዓልቲ ሓሊፋ፡ ጸሓይ ትወጽእ ኣላ ንዑባ ረኣይዋ. . .” ኣዒንታ ካብ ትርኢት ኣድማስ ከይፈለየት ነውነወቶም። መሬት በርሃው እናበለ ብዝኸደ መንፈሳ እውን በርሃው በለ” ዳሮን ካዕቦ ምስትንፋስ ሰዲዱ

ኣስተርሓየ። ሎሜ፡ እናጎየየት መጺኣ “ባባ ንዓናይ ገዛና ጸልማት ኰይኑ!” ክትብሎ ከላ፡ ‘ደራሲ’ ዝብል ጽሑፍ ኣንቢሩ ነበረ። ጸኒሑ ግን ኢዱ ኣርኒቡ ናብ ላዕሊ ብምንቅዕራር፡ “ደረስቲ፦ ሎሜ ዳሮንን ዳሮን ባህረን - ክልተ ኣስማት ኣንበረ። “ደራሲት ሎሜ ዛንታና ወዲእና ኢና” - ካብ መንበሩ ተንሰአ።

መበል 13 መዓልቲጥዑምዝጊ ተስፋይ

Page 5: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 5 መበል 26 ዓመት ቁ.298

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

እቲ መንገዲ ብተደጋጋሚ ዝሓለፉዎን ከም ኣጻብዕቲ ኣእዳዎም ዝፈልጡዎን እንተ ዀነ’ኳ፡ ሰራዊት ደርግ ለውጢ ክገብር ስለ ዝኽእል፡ ከቋጻጽሮም ኣብ ዝኽእል ቦታ ተመሳሲሎም ብቐትሩ ኩነታት ከጻርዩ እዩ መደቦም። ኣብ ሩባ መርከን፡ ንገዛእ-ነብሶም

እናሓለዉን ከባቢኦም እናተጸናጸኑን ምድሪ ወገግ በለት። ናይ ምሉእ መዓልቲ ናይ ምክትታል ስራሕ ዝጅምሩሉ እዋን ኣርኪቡ። ጽቡቕ ገይሩ ከይበርሀ ከሎ፡ ነቲ ከባቢ ከቈጻጽሮም ኣብ ዝኽእል ቅርጺ መሬት ተደብዮም ዕለታዊ ስርሖም ፈለሙ። ነቲ ጸላም ተጎልቢቦም ክብርብሩዎ ዝመረጹዎ ቦታ፡ ኣብ ዕላማ ኣዒንቶምን ክሻፋን ኣእትዮም፡ ደቂቕ ምንቅስቓስ ከይተረፈ ኣብ መዝገብ ምስፋር ተተሓሓዙዎ። የማነ-ጸጋም ክሳድ እንዳ ስጋ፡ ኣብ

ልሙድ ናይ ሓለዋ ዕዮ ዝተጸምዱ ወተሃደራት ይረኣዩዋ። ሳሕቲ እውን ብገለ ስራሕ ዝንቀሳቐሱን ተውዛሕዛሕ ዝብሉን ወተሃደራት ኣብ ኣዒንቲ እቶም ሰለይቲ ይኣትዉ ነበሩ። ኣብ’ታ ጸባብ ክሳድ ግን ናይ ወተሃደራት ምንቅስቓስ ኣይረአን። እዚ እቶም ሰለይቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኰይኖም ይከታተሉዎ ብምንባሮም ልሙድ ተርእዮ ነበረ። ንሳቶም ብቐንዱ ክዕዘቡዎ ዝደልዩ፡ ንመጽናዕቶም ክጸሉ ዝኽእል ጋሻ ነገራት እዩ። ሓድሽ ክስተት ክሳብ ዘይተረኽበ ኸኣ፡ ብተዛማዲ ኣብ ውሑስ ኩነታት ምንባሮም እዮም ዘረጋግጹ። ግን ከኣ እንዳ ስጋ ካብኣቶም ኣብ ኣስታት 200 ሜትሮ ጥራይ ርሒቓ ብምንባራን ብዓውታ ናይ ዝደሃዩ ወተሃደራት ድምጺ ኣብ ኣእዛኖም ይበጽሕ ብምንባሩን፡ እቶም ብገለ ስራሕ ዝንቀሳቐሱ ወይ ድማ ተውዛሕዛሕ ዝብሉ ወተሃደራት ህሩግ ከይብሉዎም ስግኣት ኣይተረፈን። ኣዒንቶምን ክሻፋኦምን ከረኻኽበሉ

ዝኸኣለ - መዓስከራት፡ እንዳ ዋርድያ፡ ሰናጭሮ፡ መሽጎራጕር. . . ብደቂቕን ብዘይምቍራጽን ፈተሽዎ። ናብ እንዳ ስጋ ዝወርዱ ናይ ወተሃደራት መንገድታት፡ ሓድሽ ቅርጺ-መሬት፡ ወይ

እውን ህላወ ወይ ምንቅስቓስ ናይ ሰብ ዝእምቱ ሓበሬታታት. . . እንተ ተረኽበ፡ ምስ’ቲ ናይ ቅድመኡ ብምዝማድ ኣመዛዘኑዎ። ዝተቐየረ ነገር ኣይነበረን። ኣብ’ቶም ወተሃደራት ዝዀነ ይኹን ናይ ምጥርጣር ወይ ናይ ስግኣት ምልክት ኣይረኣዩን። ምዝናይ ናይ ጸላኢኦም፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኩርዅሮኡ ተላሒጎም ሓበሬታ ዝጠብዉ ዝነበሩ ሰለይቲ ኣመት ከም ዘይነበሮ ኣግሂዱሎም። እቲ ቀንዲን ካልኣይን ኣብ እንዳ

ስጋ ከረጋግጹዎ ዝተበገሱሉ ጉዳይ ነተጕቲ እዩ። ገለ ምልክት ናይ ነተጕቲ ክርእዩ እንተ ኽኢሎም፡ ዋላ’ኳ ብኣካል ኣትዮም ምርግጋጽ ዘይተርፍ እንተ ዀነ፡ ፍርቂ ናይ’ቲ ስራሕ ክፋኾሰሎም እዩ። ብኣዒንቶም ይኹን ብኽሻፋ ክረኣዮም ዝኽእል ተሸካሊ ፈንጂ ኣይነበረን። ካብ ማዕዶ ስለ ዘይተራእዮም ግን ‘ነተጕቲ የብሉን’ ዝብል እምነት ኣየሕደሩን። ሳዕረ-ማዕሪ፡ ቈጣቑጢን ኣግራብን ኣብ ዝተዘርኦ ቦታ፡ ተሸከልቲ ነተጉቲ ብቐሊሉ ክረአዩ ዝኽእሉ ኣይኰኑን። ኣብ ርእሲኡ እውን ሰራዊት ደርግ፡ ስዉር ናይ ኣጸዋውዳ ሜላ ከም ዝጥቀም ኣይጠፍኦምን። ናይ ትሕቲ መሬት ነተጕቲ ምንባሮምን ዘይምንባሮም ከረጋግጹ እንተ ዀይኖም እውን፡ ናብ’ቲ ቦታ ከይዶም ክፍትሹ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ጉዳይ ነተጕቲ ለይቲ እዮም ከጥልሉ። ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ዘገድሶም፡ በየናይ

ኣንፈት ናብ እንዳ ስጋ ከም ዝኣትዉ ምውሳን እዩ። ምንቅስቓስ ይኹን ንተረኣይነት ዝሓሸ ቦታ ብምምራጽ፡ ለይቲ ናብ እንዳ ስጋ ኣብ ዝሰግሩሉ እዋን ዝረግጽዎ ነብሲ-ወከፍ ቦታ ብቐትሩ ሰኣሉዎ። ክኸዱን ክምለሱን ውሑስ መንገዲ ዝሕዝሉ ንድፊ ኣብ ኣእምሮኦም ኣንቢሮም። ኣብ ኣፍንጫ ጸላኢኦም ንዝርከብ ሓደገኛ ቦታ ደቂቕ ወጀሃላነት ብዘየፍቅድ ዕቱብ ጥንቃቐ እንተ ዘይሰጊሮሞ፡ ሰለይቲ ምዃኖም ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ እዩ። እዋን ናብ ምዕራቡ ገጹ ኣብ ዝኸደሉ፡ መጽናዕቶም ተጻፊፉ ነበረ። ዋላ’ኳ እንዳ ስጋ ጸባብን ዓማቝን

ብምዃና ሰራዊት ደርግ ኣብ ስንጭሮኣ

ተሸካሊ ነታጒ ከጻውድ ምችእቲ እንተ ዘይኰነት፡ ካብ ገረብ ናብ ገረብ ወይ ካብ እምኒ ስልክታት ብምስግጋር (ብኣጸዋውዓ ተጋደልቲ ቴስታ) ከጻውደላ ከም ዝኽእል ጥርጣረ ነበሮም። መዓስከራት፡ ደጀናት ይኹኑ ዕርድታት ሰራዊት ደርግ ብተደራራቢ መስርዕ ተቐበርቲን ተሸከልቲን ነተጉቲ ዝተሓጽረ ምዃኑ እውን ልዕሊ ማንም ንሳቶም ይፈልጥዎ። በዚ ምኽንያት፡ የማን ጸጋም ክሳድ እንዳ ስጋ፡ ፈንጂ ከም ዝዝረኦ ጥርጥር ኣይነበሮምን። ብጸላኢ ተራእዮም ወይ ካልእ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ብቕልጡፍ ክወጽኡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ድሕረኦም ዝተፈተሸ ወይ ብተዛማዲ ዘተኣማምን መንገዲ ክገድፉ ግድነት እዩ። ነዚ እውን፡ መኸዲን መምጽኢን ዝዀኖም ቅርጺ መሬት ክስእሉ ነበሮም። ኣብ ርሑቕ ይኹን ቀረባ ከባቢታት

ክሳድ እንዳ ስጋ ፍልይ ዝበለ ተርእዮ ኣይገጠሞምን። ክሳብ ሽዑ፡ ዕርድታት ይኹን ደጀናት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብ’ቲ ኣቐዲሞም ዘጽንዕዎ ኩነት ስለ ዘይተቐየረ፡ ኣብ ናይ ለይቲ ምንቅስቓሶም ብተዛማዲ ሓደጋ ከም ዘየጋጥሞም እምነት ኣሕደሩ። ኣብ ቈጣቑጢን ደንደስን ተላሒጎም

ኣዒንቶም ካብ ዕርድታትን መዓስከርን ጸላኢኦም ከየላቐቑወን ዓሰርተው ክልተ ሰዓታት ናይ ቀትሪ ሓለፋ። ናብ እንዳ ስጋ ክብገሱ ናይ ኣስታት ሓንቲ ሰዓት ግዜ ጥራይ ነበሮም። ጸሓይ፡ ኣካላ ሓቢኣ ጩራታታ ኣብ ኣድማስ ምስ ሓደገት፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ መንቃዕ ተጨቢጡ ዝወዓለ ኣካላቶም ከፈታትሑ ፍኒሕኒሕ በሉ። ደም ከም ዝተሓጽበ ቀይሑ ዝጸንሐ ኣድማስ፡ ሕመት ከም ዝተቐብአ - ጠቐር ክኽደን ውሑዳት ደቓይቕ ጥራይ እዩ ወሲዱሉ። “ንበገስ” - ዝብገሱሉ ምቹእ እዋን ሽዑ

ምንባሩ ንኹላቶም ግሁድ እዩ ነይሩ። ንሓድሕዶም ኣሕሸዅሸኹ፣ ድምጾም ካብ ድምጺ ትንፋሶም ክሓልፍ የብሉን። ድምጺ ጸላም ወይ ድምጺ ለይቲ

መንገዱ ነዊሕ እዩ። ዓይኒ ጸላም እውን ንቕርኒቡ ዝኣምን ኣይኰነን። ሓደ ካብኣ’ቶም፡ መሓውሩ ከም

ተሰባሪ ኣቕሓ ብቐስታ እናንበረ ተበገሰ። እቲ ሳሕቲ ናይ ወተሃደራት ይኹን ካልእ ድምጺ ክስመዖ ዝወዓለ መዓስከር ወተሃደራት፡ ምስ ዕራርቦ ዓሪቡ እዩ። ኣእዛን፡ ቅንጣብ ድምጺ ንኸየሕልፋ ኩር ኢለን። ኣዒንቲ፡ ክንዮ ደረት ትርኢት ክጕርጉራ ከም ዝደለያ ንጸላም ክስንጥቓ ሒዅ በላ። ድሕሪ 10 ሜትሮ ከኣ ካልኣይ ሰዓበ። ነብሲ-ወከፍ ቅድመኡን ድሕረኡን እናተኸታተለ ናይ ዓይኒ ርክብ ከይበተኸ ክቕጽል ኣለዎ። እቲ ሓውሲ ድፍድፍ ጸላም፡ ኣብ ናይ ዓሰርተ ሜትሮ ርሕቐት ከም ቃሕታኻ ኣካል ሰብ ዘርኢ ኣይነበረን። ነብሲ-ወከፍ ሰብ፡ ነቲ ኣብ ቅድመኡ ከም ዝንቀሳቐስ ጠቐር ኰይኑ ዝረኣዮ ብጻዩ ብዕቱብ ይከታተል። ዓሰርተ ሜትሮ ብዝኣክል ርሕቐት ተፈናቲቶም፡ ሓሙሽተኦም ናብ’ታ ተደላዪት ቦታ ተንቀሳቐሱ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ሚእቲ

ሜትሮ፡ ክንዲ ናይ ሓደ ኪሎ ሜተር ግዜ እንተ ወሰደት ንቡር እዩ። ናይ ስምዒት ህዋሳት፡ ብጥርዚ ዓቕሞም ዝሰርሑሉ እዋን እዩ። ደቃቕ ጸጸር እትህቦ ድምጺ ወይ እውን ካብ ትንፋስ ዘይሓልፍ ሕሹኽታ ምክትታል ከድሊ እዩ። ኣብ’ቲ ገያጽ መሬት፡ ብዘይድምጺ ንምስጓም ብቐሊሉ ዘይምለኽ ጥበብ የድሊ። ገለ ሓሸሽታ እንተ ተሰሚዑ፡ ድምጺ ንዘይምድጋምን ኣንጻር ሓይሊ ምስምዑን ዘይምስምዑን ንምርግጋጽን ንነዊሕ እውን ተጸቒጥካ ምጽናሕ ንገዛእ-ርእሱ ፈታኒ ዓቕሊ ዝሓትት እዩ። ኣእጋር ዝረግጻኦ ምድሪ ብውሑስ መንገዲ ክፍተሽ ኣለዎ። ናይ ሽዑ መራሒ ናይ’ታ ጉጅለ፡

ተቐባሪን ተሸካሊን ፈንጅታት እናፈተሸ፡ ዝተወሰነ ሜትሮታት ናጻ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ፡ ዳሕረዎት የማነ-ጸጋም ከይበሉ በቲ ዘጽረዮ መሬት ከም ዝስዕቡ ከረጋግጽ ዓቢ ሓላፍነት ይስከም። ብዘይዝዀነ ይኹን መኻልፍ መንገዲ

ተፋሪቑ። ናብ’ታ ክሳድ እናቐረቡ ኣብ ዝኸዱሉ እውን ግን፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን እዋን ጥንቃቐ ኣድልዩዎም። ለይቲ ዋርድያ ከም ዝሓድሩዋን ዘይሓድሩዋን ኣየረጋገጹን። ናይ ነተጕቲ ስግኣት ገና ኣይተቐንጠጠን። ናይ ጸላኢኦም ሃንደበታዊ ናይ ጸረ-ስለያ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ኣየናይ ግዜን ቦታን ጎፍ ክብሎም ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኣይኰነን። ምድሪ ምስ ዓረበ ዝተበገሱ ሰለይቲ፡ ናብ

ለይቲ ኣብ ዘገማግም እዋን ጥቓ እንዳ ስጋ በጽሑ። ወርሒ፡ ገና ከይተራእየት ከላ ባናኣ ኣቐልቂላ ‘እመጽእ ኣለኹ’ በለት። ወርሒ ምቕልቃላ፡ ነቶም ተጸናጸንቲ ጽቡቕን ሕማቕን ክስተት ነበረ። ወተሃደራትን ነተጕቲን ብቐሊሉ ከዐዝቦም ዝኽእል ብርሃን ክረኽቡ እዮም። ንዓይኒን ኣፈሙዝን ጸላኢኦም ክቃልዑ ከኣ ዝቐለለ ክኸውን እዩ። ዋላ’ውን ወርሒ እንተ ወጽአት ግን፡ ንዓይኒ ብዘየቃልዕ ስልቲ ስርሖም ምቕጻል ጥራይ እዩ። ድሕሪ ኣድካሚ ናይ ሰለይ ጕዕዞ፡

ካብ እንዳ ስጋ ካብ ሰላሳ ሜትሮ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ በጽሑ። ሓደ ዕሙቕ ዝበለ ቦታ ጥራይ እዩ ፈልዩዎም። ኣብ ዘዝነበሩዎ ቦታ ደው ኢሎም ሓበሬታ ተጸበዩ። ወርሒ ወጺኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ኣድማስ ተፈንቲታ ዝዓቕማ ብርሃን ክትህብ ስለ ዝጀመረት፡ ክረኣዮም ክሳብ ዝኽእል ርሕቐት ብጠመተ ከይፈተሹ ምንቅስቓስ ንሓደጋ ዘቃልዕ ነበረ። ካብኡ ንንየው ኩላቶም ተሰሪዖም ናብ’ታ ክሳድ ከብሉ ዝከኣል ኣይኰነን። ጽበት ናይ’ቲ ቦታ፡ ከም ተመን ለሚሞም ኩነታት ዘጻርዩ ንሓደ-ክልተ ሰባት እምበር፡ ንጉጅለ ዝጸውር ኣይኰነን። ክልተ ሰባት ጥራይ እዮም ናብ ክሳድ እንዳ ስጋ ተጸጊዖም ኩነታት ከረጋግጹ። ተስፉ፡ ግርማይ (ወደርባዕተ)፡ መሓሪ (ኮማንድስ) ኩሉ ነገር ንምክትታልን ንውሕስነትን ተፈናቲቶም በቦታኦም ሓዙ። እዞም ሰለስተ ምክትታል ምስ ጀመሩ ኸኣ፡ መጎስን ነጋን ብሰላሕታ ናብ’ታ ክሳድ ክስጉሙ ጀመሩ። ናይ’ቲ ከባቢ ሳዕሪን ቆጣቑጢን፡ ካብ

ትርኢት ጸላኢኦም ንኽስተሩ ዝሕግዝ እንተ ነበረ’ኳ፡ ዝረግጹዎ ቦታ ንኽሪኡ ስለ ዝጋርዶም ስጉምቶም ዝሑልን ዓቕሊ ዝፍትንን እዩ ዝነበረ። መጎስን ነጋን፡ ብኣዝዩ ህዱእ ኣሳጕማ ንቕድሚት ገጾም ቀጸሉ። ወዲ ኣርባዕተ ብብርሃን ወርሒ ተሓጊዙ ብኽሻፋ ክከታተል ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣዒንቶም ወርዊሮም ክሳብ’ቲ ክርእይዎ ዝኸኣሉ ይቈጻጸሩ።

ይቕጽል. . .

እቶም ሓሙሽተ ሰለይቲን ጠንቃም ሰዓትን

ሳልሳይ ክፋል

Page 6: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 6 መበል 26 ዓመት ቁ.298

ጆሜ/ ደጀን ተኽለ

ኣሚራ፡ ካብ’ታ ንሰናይኪ ትምነ ልበይ ሕውነታዊ ሰላምታይ ይብጻሕኪ። ሕብሪ ህይወት ብዙሕ እዩ። ካብቲ ህይወት ትህበና ዕጫ ክንወጽእ’ኳ እንተዘይከኣልና። ብምርጫና ንወድቆ ግን ይበዝሕ። ኣሚራ፡ ብሕውነት ካብ ንጓዓዝ ሓጺር ኣይገበርናን። ምሕዝነትናን ምቅርራብናን

ካባና ሓሊፉ ናብ መሓዙትክን ኣዕሩኽተይን ሰጊሩ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብንጹህን ሓቀኛ እምነትን ስለዝተቐራረብና እዩ።ኣሚራ፡ ከም ሰብ ኣዚኺ ንፍዕቲ፡ ተባላሓቲትን መኽበሪት ሰብን ኢኺ።

ኣብ ህይወትኪ ብዙሓት መደባት’ውን ኢኺ ትሕንጽጺ። ኣብ ምትግባር ግን ኣይግድን። ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን መደብኪ ርሕርሕ ተብልዮ። በዚ ጉዳይ ብዙሕ ኢና ተዘራሪብና፡ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ናብ ተግባር ስለዘይተለወጠ ግን ፍረ ክህብ ኣይከኣለን። ኣሚራ፡ ወዲ-ሰብ ምንባሩ ብዘይ ራኢ፡ ራኢኡ ብዘይ መስዋእቲ ክነብር እንተሓሲቡ

ይነብር’ምበር ኣየስተማቕርን። ኣብ ህይወት ትበጽሖ ጫፍ እንተዘይብልካ፡ ምንባርካ ከም ተራ ምንባር’ዩ ዝድምደም። ስለዚ፡ ኣብ ድላይኪ ከም ድላይኪ ክትበጽሒ፡ መፍትሕ ዓወት ኣብ ኢድኪ እያ ዘላ። ኣብ’ታ ትወድቅላ ህሞት ናይ ዓወት ተስፋኺ ብዕጽፊ ብርሃኑ ክውልዕ ኣለዎ። ውድቀት ዘብልሓና መብረድ ደኣ’ምበር፡ ካብ መገድና ዝኣሊ ጸድፊ ከም ዘይኰነ ምስትውዓል ከድልየኪ እዩ። ኣሚራ፡ ህይወት ብድሆ ምዃና ኣይዘንጋዕኩን። ብድሆታት ህይወት ማሕለኻኦም

በቲኽና ክንሰግሮም ከለና፡ ዝያዳ’ቲ ክንወድቕ ከለና ንጉህዮ ሓጐስ ኢና ነስተማቕር። ስለዚ፡ ቀቢጸ ተስፋ ኣብ ጥቓኺ ኣይተቕርብያ። ካብቶም ዘውድቑኺ ነገራት ምህዳም ዘይኰነ ምግጣሞም መንገዲ ከም ዝጸርግ ኣስተብህሊ። ንጸልማት ብብርሃን እናሰዓርኪ፡ ራኢኺ ኣብ ምዕራፉ ኣብ ምብጻሕ ኣይትተሓለሊ። ኣብ ብእምነት ዝተነድቀ ተስፋ ዓወት ግድን ስለዘሎ።

ደብዳበ ፍቕሪደብዳበ ፍቕሪ

ንጸልማት ብብርሃን ...

ሳሊ ኣዒንታ ብሓደጋ ካብ እትስእን ነዊሕ እዋን’ያ ገይራ። ኩሉ ህይወታ ዘበለ ከኣ ኣዝዩ ኣሰልክይዋን ኣጽሊእዋን ነበረ። እቲ ወትሩ ኣብ ጎድና ዝህሉ ጂሚ ኣፍቃሪኣ እንተዘይህሉ ብዘይምግናን ህይወታ ክሳዕ’ዚ ዘላቶ ክጸንሕ ኣይመፍቀደትን። ብሳላኡ ክሳዕ ሕጂ ብተስፋ ተሳልያ ኣላ። ሌላኦም ዋላ’ኳ ድሕሪ ኣዒንታ ምስኣና እንተዀነ፡ እሙን ኣፍቃሪ ኮይኑላ’ዩ። ንጂሚ ኣብቲ ኣዒንታ ዝሰኣነትሉ እዋን’ያ ኣብ ሆስፒታል ተላልያቶ። ኣዝዩ ጥዑይን ርህሩህን ስለዝነበረ ከኣ ከይደንጎየት’ያ ንሕቶ ፍቕሩ ብእወታ መሊሳ። እንተዀነ፡ እቲ ኣዝዩ ዘጨንቓ ዝነበረ ጉዳይ፡ ምስ ጂሚ ዝጀመረቶ ርክብ ዓይነ-ስውርቲ ብምዃና ኣብ ሓዳር ከይበጽሐ ከይቁጸ’ዩ።ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ’ውን ከም

ወትሩ ጂሚ ካብ ገዛ ነቒሉ ናብኣ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ነቲ ናይ ወትሩ ዘረብኣ ብምድጋም “ጂሚ ብዙሕ ኣሸጊረካ፡ ህይወት ብዘይ ኣዒንቲ ኣሰልቻዊት’ያ። ስለዚ፡ በጃኻ! ግዜኻ ንዓይ ክትብል

ኣይተባኽን።”ጂሚ፡ ብርህራሀ ናብ ገጽ

ሳሊ ጠመተ “ሳሊ በጃኺ! ከምኡ ኣይትበሊ። ኣነ ኣብ ጎንኺ ኣለኹ፡” ብምባል ጸጒሪ ርእሳ እናዳህሰሰ ክእብዳ ጀመረ። ሳሊ ገና ኣዒንታ ንብዓት እናጅረብረበ “ህይወት ንዓይ ትርጉም የብላን። ኣብ ዝጸልመተት ዓለም ክነብር ድላይ የብለይን። ክምርዓወካ እንተዀይነ፡ መጀመርያ ኣዒንተይ ብርሃን ክርእያ ኣለወን። ብሰንከይ ሕማቕ ህይወት ከተሕልፍ ዝምነየልካ ኣይኰንኩን፡” ርእሳ ኣብ ኣፍ ልቡ ኣተርኢሳ ክትንኽነኽ ጀመረት። ጂሚ ሕጂ’ውን ነተን ብፍቕሪ ጸጒሪ ርእሲ ሳሊ

ዝድህስሳ ዝነብራ ኣእዳዉ ካብ ርእሳ ከየውረደ፡ “በጃኺ ሳሊ! ከምኡ ጌርኪ ተስፋ ኣይትቑረጺ። ኣነ ዋላ’ውን ዓይነ-ስውርቲ እንተዀንኪ ተገድስኒ ኢኺ።” ተገዲሱ ክእብዳ ተራእየ።ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከኣ ንሳሊ

ኣዒንቲ ዝልግስ ሰብ ተረኽበ። ሲስተር፡ ናብቲ ሳሊ ዝነበረቶ ክፍሊ ብምምጻእ፡ “ሳሊ፡ ኣዒንቲ ዝልግሰልኪ ሰብ ረኺብና ኣለና። ስለዚ፡ ጽባሕ ኦፕረሽን ክትገብሪ ኢኺ፡” ብምባል ኣበሲራታ ኣብቲ ክፍሊ በይና ሓዲጋታ ወጸት። ሳሊ ካብ ዓራት ወሪዳ ብኽልተ እግራ ብምቛም፡ ኣብቲ ክፍሊ ናብ ዝነበረት ተሌፎን ብምኻድ ልዓት ኣልዒላ ንጂሚ ከተበስር ተሃወኸት። እንተዀነ፡ ዝደወለቶ ቊጽሪ ዘልዕል ሰብ ኣይነበረን። ናብ ዓራታ ተመሊሳ ከኣ ሓሳብ ከተውርድን ከተደይብን ጀመረት። እቲ ብርሃን ምስ ርኣየት ቀዳማይ ክትርእዮ እትደሊ ሰብ ጂሚ ክኸውን ከምዘለዎ ብሓሳብ ደምዲማ ነበረት። ብዛዕባ ምስ ጂሚ ኣፍቃሪኣ ዘሕልፍዎ መርዓን ዝምስርትዎ ሓዳርን ከተሰላስል ከይተረድኣ ድቃስ ሒዝዋ ተዓዝረ። ንጽባሒቱ ንግሆ ከኣ ኣዒንቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ብዓወት ተዛዘመ። ሳሊ፡ ዳግማይ ብርሃን ክትርኢ በቒዓ። ነታ

ፈጺመ ኣይጠዓስን’የኣዒንታ ብጽልሙታተን ትፈልጣ ክፍሊ ብህድኣት ኣስተማቐረታ። ኣብ መንጎ ሓሳባት ከላ ከኣ፡ ማዕጾ ናይቲ ዝነበረቶ ክፍሊ ብዘገምታ ክኽፈት ሰምዐት። ኣዒንታ ድማ ናብቲ ማዕጾ ለኣኸት። ሲስተር፡ ሓደ ዓይነ-ስውር መሪሓ ናብ ውሽጢ’ቲ ክፍሊ ብምእታው ኣብ ፊት ሳሊ ደው ኣበለቶ። ንክልቲኣም ኣብኡ ገዲፋ ድማ ንደገ ወጸት። እቲ ዓይነ-ስዉር ብሃሰስታ ኢድ ሳሊ ብምሓዝ፡ “ሳሊ ፍቕረይ፡ ሕጂ ብርሃን ዓለም ርኢኺ ኢኺ። ክትምርዓውኒ ድልውቲ ዲኺ?” ብምባል ሓተታ።ሳሊ ትርእዮ ዝነበረት ምእማን

ክሳብ ትስእን ኰነት። ብጸጋማይ ኢዳ ኣፋ ዓቢሳ ከኣ “ብርግጽ ንስኻ ጂሚ ኢኻ።” ነቲ ንፈለማ ትርእዮ ዝነበረት ናይ ኣዋርሕ ኣፍቃሪኣ ብምጥርጣር ሓተተቶ። ጂሚ ኣእዳዋ ከይፈነወ “ብርግጽ ኣነ’የ” መለሰ። እቲ ንኣዋርሕ ኣብ ጎድና ኮይኑ ዘጸናንዓ ጂሚ ዓይነ-ስዉር ምንባሩ ኣስተውዓለት። ኣእዳዋ ብቐስታ ካብ ኣእዳው ጂሚ ብምስሓብ ከኣ፡ “ይቕሬታ ጂሚ ከምዚ ትመስለኒ ኣይነበርካን። ስለዚ፡ ክምርዓወካ ድልውቲ ኣይኰንኩን፡” በለት። ጂሚ ብሕርቃን ክትኮስ ደልዩ ስምዒቱ ምቁጽጻር ስኢኑ ካብቲ ክፍሊ ብደርገፍገ ወጸ።ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ሳሊ

ካብ’ታ ዝነበረታ ክፍሊ ጠርኒፋ ቅድሚ ምውጽኣ፡ ካብ ጂሚ ዝተላእኸት ደብዳበ ተቐበለት። ሳሊ፡ ካብ ጂሚ ምዃና ምስ ፈለጠት ተቐላጢፋ ፖስታ ብምኽፋት ከተንብባ ጀመረት። ኣብ ቆጽሊ’ታ ወረቐት ብዙሕ ጽሑፍ ኣይነበረን። “ሳሊ ፍቕረይ ብዝገበርክዎ ፈጺመ ክጠዓስ ኣይኰንኩን። ሓደራ ክብለኪ ዝደሊ ግን ነተን ነብሰይ ኣጸልሚተ ዝለገስኩልኪ ኣዒንተይ ተገዲስኪ ተጠቐምለን።” ዝብል ቃላት ምስ ኣንበበት ኣዒንታ ብንብዓት ተሓጽበ። ናብ’ታ ደብዳበ ዝሃበታ ሲስተር ብምጉያይ፡ “ሲስተር ንጂሚ ኣበይ ክረኽቦ ይኽእል?” ብምባል ብተርባጽ ተወከሰታ። ሲስተር ግን ኣድራሽኡ ከምዘይትፈልጦ ሓቢራ፡ ነታ ኣብቲ ክፍሊ ተዓኒዳ ዝነበረት ሳሊ ገዲፋታ ውራይ ስርሓ ገበረት።

ኢሞርታል

ሕጊ ሳምፕችዋሪ

ኣብ ኣውራጃ ሻንዶን ቻይና ዝርከብ እምባ ታይ፡ ንኣሽሓት ዝኣክል ባህላውን ሃይማኖታውን ትርጉም ሒዙ’ዩ ክቕጽል ጸኒሑ። ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ቅዱሳን እምባታት ቻይና እናተባህሉ ብህዝቢ ቻይና ዝጥቀሱ ቦታታት ምዃኑ ይንገረሉ። ምስ ወጋሕታ፡ ልደትን ዳግመ-ሕውየትን (ተሃድሶ) ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ’ዩ

ሳምፕችዋሪ (sumptuary) ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝመጸ ስም እዩ። ክትርጎም ከሎ ከኣ፡ ንዕድጊ ዝወጸ ወጻኢታት (expenditure) ተባሂሉ ድማ ይትርጎም። ኣብ ጥንታዊ ሕጊ ሮማን ግሪኽን፡ ሰባት ካብ ትሕዝቶኦም ወይ ኣታዊታቶም ኣብ ብሕታዊ መጋየጺታት ብዛዕባ ከጥፍእዎ ዘለዎም ገንዘብን ደረት ወጻኢታትን ኣብቲ ንብረት ዝገልጽ ሕጊ እዩ።ነዚ ሕጊ ዝመሳሰል ኣብ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡

ስኮትላንድ፡ ስጳኛን ኢጣልያን ልሙድ ምንባሩ ይግለጽ። ብፍላይ ኣብ እንግሊዝ ብኤድዋርድ ካልኣይ ዝፍለጥ ዝነበረ ንጉስ ኣብ መወዳእታ መፋርቕ 15 ክ/ዘ ነዚ ሕጊ ይኽተል ነይሩ። ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ህዝቢ ኣብ

ህዝባዊ በዓላት ድላዩ መጋየጺታት ክዕድግ፡ ኣብ ካልእ እዋን ግን ንሕጊ ወጻኢታት ክምእዘዝ ኣጽዲቑ።

ዝእመነሉ።ኣብቲ እምባ ንላዕሊ እናደየብካ

ክትቅጽል እንከለኻ ‘ኢሞርታል ብሪጅ’ እናተባህለ ዝጽዋዕ ሓደ ኣደናቒ ባህርያዊ ድንድል የጓንፈካ። ካብ ሰለስተ ዓበይትን ሓያለይ ንኣሽቱ ኣኻውሕን ዝቖመ ድማ’ዩ። ኣብ ትሕቲኡ ዓቢ ስንጭሮ (ሕሉም) ይርከብ። ደቡብ ካብዚ ሰለስተ ዓበይቲ ኣኻውሕ (ደናጉላ) ናብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ኣቃውማ (ኣቀማምጣ) ብልክዕ መዓስ ከም ዝወደቐ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ የልቦን። ይኹን’ምበር ካብ ዝሓለፈ ዘመነ-በረድ (ice age) ኣትሒዙ ከምኡ ኢሉ ከም ዝጸንሐ’ዩ ዝንገረሉ።

እንቅዓ እንቅዓትንፋስኪ ኣውጽእዮንጸልማት ብብርሃንምስዓር ከኣልዮ፡ኩርምይ ደኣ

እንታይ ፋይዳ ኣለዎ ንዝነበረካ እንድዩመሊሱ ዘዕኑ፡

እምበር እዛ ዓለም ደኣዓለም ጣልማይ እንድያ

ንስኻ ትጎዪንሳ ትጸንሕ ሓሊፋፍጹም’ኳ ዘይትህብክንዲ’ቲ ትሃርፋእንተዀነ፡

ክንዲ ዝዀነ ይኹን ኢዳብተስፋ ምጉዓዝ’ዩዘመቅሮ ንመንገዳ።ጆሜ/ ደጀን ተኽለ

መልሲ እተመሳቐለ ቃላት

ንጸልማት ብብርሃን...

መም ያቆብ መርሃዊ (ጃክ)

Page 7: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 7 መበል 26 ዓመት ቁ.298

Page 8: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 8 መበል 26 ዓመት ቁ.298

ይደብስኩምን ኢድኩም ይፍደኹምን። ንዓናን ንዓኻትኩም’ውን ከም ማይን ጸባን ይሓዋውሰና። ነቲ ተወሊዱ ዘሎ ህጻን፡ ጭብጫብ ገረብ ገይሩ የፈድፍዶ።”

ኣቶ ባህልቢ ደበሳይኣቶ መሓረዝጊ ገብረገርግስ

“ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይበልጽ ይብል ንጉስ ዳዊት። እቲ ሽታ ገንዘብ’ዩ፣ ጽቡቕ ስም ግን ነባሪ ክብሪ’ዩ። ንስኻትኩም፡ መግለጺ ክብረትኩም ዝዀነ ጽቡቕ ስምን ነባሪ ክብሪን ረኺብኩም ኣለኹም። ሓዳግ ሰብ ኵሉ ግዜ ክቡር’ዩ። በዚ ወሲድኩምዎ ዘለኹ፡ ንሃገር ምሉእ ኣብነት ኰይንኩም ስለዘለኹም፡ ክብረት ይሃብኩም።”

ቀሺ ሞጎስ ኣስፍሃ

ካብ ሽማግለ ዕርቂ“ከም መንጎኛ ክልተኦም ወለዲ ኰይነ

ኣብ ዝተመላለስኩሉ፡ ብተግባርኩምን ኣቀባብላኹምን ናይ ብሓቂ’የ ተደኒቐ።

‘ክቡር መጠን ነብሱ የኽብረካ’ ከምዝበሃል፡ መርኣያ ክብረትኩምን ጭዋ ባህልናን ኢኹም ገይርኩም። ሕጂ ከኣ ኣምላኽ ደበሳ እዮብ ገይሩ ይደብሶም። በቶም ተሪፎም ዘለዉ ደቆም የሐጕሶም። ነቲ ህጻን፡ ብሰላም የዕብዮን ኣብ ዝብጻሕ የብጽሓዮን።”

ኣቶ ገብረብርሃን ተወልደ

“ነዚ ዕርቂ ክንጅምር ከለና ንዅሉ ኣባል ስድራቤት ኣሰኒናን ኣማእኪልናን ኢና ገይርናዮ። ሰፊሕ ዘተ’ውን ኣካዪድና። ኣብ መስርሕ ዕርቂ ከኣ ብወገን ክልተኡ ስድራቤታት ዘጋጠመና ጸገም ኣይነበረን። ብፍላይ ስድራቤት መዋቲት ብኣኽብሮት ተቐቢሎምና። ስለዚ፡ ክልተኦም ስድራቤታት ዝኣመኑሉ ናይ ሓዋሩ ዕርቂ ተገይሩ ኣሎ። ስድራ እንዳ ኣቶ ጥዑምዝጊ ገብረሚካኤል ዝወሰድዎ ተባዕን ቅዱስን ተግባር፡ መግለጺ መንነቶምን ክብረቶም ኰይኑ ወትሩ እናተዘከሩ ክነብሩ ክገብሮም’ዩ። ብስም ሽማግለ ዕርቂ ከኣ ብልቢ አመስግኖም።”

ማእከላይ ሽማግለ ኣቶ እዮብ ዓሊ

“ኣነ ብወገን ሽማግለ መዋቲት’የ። እቲ ዕርቂ ብሳላ ሰናይ ድሌት ስድራቤት መዋቲን ስድራቤት ሓደጋ ፈጻሚን ኣብዚ ደረጃ ተበጺሑ። ስድራቤት መዋቲት ወሲዶሞ ዘለዉ ስጕምቲ ጽቡቕ ተግባር፡ ጽቡቕ ሕጊን ስርዓትን ስለዝዀነ፡ ንሽማግለ ዕርቂ ሓይሊ ኰይኑ ብሰላም ክንውድኦ ኣኽኢሉና። ንሃገርናን ንህዝብናን ጽቡቕ ኣብነት ብምዃኑ፡ ኵሉ ዜጋ ክኽተሎ ዘለዎ ኤርትራዊ ባህሊ’ዩ። እቲ ተወሊዱ ዘሎ ህጻን የዕብዮ፡ ንፋና’ውን መንግስተ ሰማይ የዋርሳ።”

ጸጋዝኣብ ፍስሃጽዮን ተስፋገርግርስ

“ምሕረት ስለ’ንደሊ . . .”ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ

መንእሰይ ርስቶም ጥዑምዝጊ

ኣማኑኤል በርሀ

= ኣደይ ሓንቲ ዓይኒ ጥራይ እዩ ኔሩዋ። ዋላ’ኳ ምእንታይ ክትብል ሓምሊ ክትሸይጥ ኣብ ጎደና ተሰጢሓ ትውዕል እንተነበረት፣ ሓንቲ ዓይና ምዃና ስለ ዘሕፍረኒ ኣዝየ’የ ዝጸልኣ ኔረ።ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት

ትምህርትና መዓልቲ ወለዲ ኔሩ። ኣደይ ከይመጽአት ክትውዕል ኣዝየ’የ ተማህሊለ። ኣደይ ግን ደበኽ ደኣ በለት። ከም ሽዑ መዓልቲ ሓፊረ ኣይፈልጥን። ብጽልኣት ጥምት ኣቢለያ ከኣ ካብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ወጺአ ገዲፈያ ንገዛ ኸይደ። ንጽባሒቱ እቶም ተማሃሮ፡ “ኒክ፡ ኣዴኻ ሓንቲ’ያ ዓይና” እናበሉ ክላገጹለይ ውዒሎም። ኣደይ ኣዝያ ዝበደለትኒ ኰይኑ ድማ ተሰምዓኒ። አረ ሽዑስ ዋላ ሞት እውን’የ ተመንየላ።ሓደ መዓልቲ፡ “ኣደ ናበይ’ያ ከይዳ

እታ ሓንቲ ዓይንኺ? መስሓቕ ሰብ ክኸውን ዲኺ ወሊድክኒ?!

ከመይ ንስኽስ ጓለይ ጋሕ በሊ።” ኢለያ ተቘጢዐ። ኣደይ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይመለሰትለይን። እቲ ኩሉ ግዜ ዝስምዓኒ ስለ ዝተንፈስኩላ ፍኹስ’ኳ እንተበለኒ፡ ገለ ሕማቕ ነገር ግን ተሰሚዑኒ። ምናልባት ስለ ዘይመለሰትለይ ወይ ስለ ዘይቀጽዓትኒ’ዩ ዝኸውን ሕማቕ ዝተሰምዓኒ። ግን ከኣ ንስምዒታ ጎዲአዮ ኢለስ ኣይሓሰብኩን። ለይቲ ማይ ክሰቲ ኢለ ተሲአ

ናብ ክሽነ ከይደ። ኣደይ ኣብኡ ጭብጥ ኢላ ከይተተስኣኒ ዝተሰከፈት እናመሰለት ብብኽያት ክትፍንፈኽ ጸንሓትኒ። ነተን ዘምለቝኩላ ቃላት ዘኪረ፡ ገለ ነገር ኣብ ልበይ ክወግኣኒ ተፈለጠኒ። ግን ከኣ ዋላ ሽዕኡ’ውን እንተዀነ ብሓንቲ ዓይና ክትነብዕ ምስ ርኣኽዋ መሊሰ ጸሊአያ። ነደይን ንድኽነትናን ኣዝየ ስለ ዝጸላእክዎም ከኣ፡ “ርእሰይ ዝኽኣልኩ ዕዉት ሰብ ክኸውን ኔሩኒ” ኢለ ሓሰብኩ። እዚ ንኽሰልጠኒ ከኣ ኣብ ትምህርተይ ኣዝየ ግዱስ ኰንኩ። ምስ ዓበኹ ድማ ከም ዝተመነኽዎ ኰነለይ - ካብ

ዩኒቨርሲቲ ተመሪቐ ሓዳር መስሪተ። ናይ ባዕለይ ገዛን መኪናን ምጩዋት ቈልዑን ድማ ሃለዉኒ። ካብ ገጽ ኣደይ ኣዝየ ርሒቐ ከምኡ ዓይነት ሓዳር ምምስራተይ ድማ ኣዝየ ሕጉስ ኰንኩ።ሓደ መዓልቲ ጋሻ ክበጽሓኒ ኢሉ

ንገዛይ ክሳብ ዝመጽእ ድማ ሓጎሰይ መመሊሱ ይዓቢ ነበረ። እታ ጋሻ ኣደይ’ያ ዝነበረት። ሽዑ ዝሰንበድክዎ ርኢኹም ኣይትፈልጡን። ጓለይ ነደይ ምስ ሓንቲ ዓይና ምስ ርኣየታ ነፊጻ ከይዳ። በቃ፡ ሰማይ ዝወደቐኒ ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ።“መን ኢኺ? ኣነ ፈጺመ

ኣይፈልጠክን እየ።” ኢለያ። “እንታይ ክትባቑጢ ኢኺኸ ናብ ገዛይ መጺእኪ ጓለይ ተሰንብድለይ። በጃኺ ኪዲ ርሓቕለይ።” ምስ በልክዋ ከኣ ቀስ ኢላ መሊሳትለይ።“ይቕሬታ፡ ኣድራሻ ተጋግየ ማለት

እዩ” ኢላ፡ ከምዘይፈለጠት ዝባና ሂባትኒ ከደት። ኣየለለየትንን ኢለ ከኣ ሕጕስ በልኩ።ሓደ ግዜ ናይ መባእታ

ቤት ትምህርትና ናይ’ቶም ብኣ ዝሓለፍና ተማሃሮን ወለድናን ናይ ምትእኽኻብ መዓልቲ ነበረ። ንበዓልቲ ቤተይ ናብ ስራሕ እኸይድ ከምዘለኹ ሓቢረ ናብ’ታ ናይ ቀደም ቤት ትምህርትና ኣምሪሐ። ኣብ ሞንጎ’ቲ ብዙሕ ህዝቢ ኣደይ ኣይርኣኽዋን - ከም ወላዲት ግን ክትመጽእ’ዩ ኔሩዋ። ድሕሪ’ቲ ጽምብል ከኣ ትኽ ኢለ ናብ’ታ ብድኽነት ዘዕበየትኒ ዑና

ገዛ ኣምራሕኩ። ኣደይ ኣብ መሬት ወዲቓ ርኣኽዋ። ጥብ ትብል ንብዓት ግን ኣየንጠብኩን። ኣብ ኢዳ ድማ ወረቐት ሒዛ ኔራ - ናባይ ዝተጻሕፈት ደብዳበ።“ፍቱው ወደይ፡ ደጊም ሸምጊለ

እየ’ሞ፡ ደጊመ ናብ ከም’ዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ኣይክርከብን እየ። ዘይከብደካ እንተዀይኑስ ስሕት ኢልካ እናመጻእካ ደኣ ርኣየኒ። ኣዝየ’የ ናፊቐካ ዘለኹ። ናብ’ታ ናይ ቀደም ቤት ትምህርትኻ ክትመጽእ ምዃንካ ምስ ፈለጥኩ ኣዝየ’የ ተሓጒሰ። ኣነ ግን ብሰንኪ ሓንቲ ዓይነይ ከየሕፍረካ ምእንቲ ክኸይድ ኣይደለኹን። ክንደይ ግዜ’ሞ ዕንቅፋት ኰይነካ ክነብር።“ትኣምንዶ. . . ቈልዓ ከለኻ

ብሓደጋ ሓንቲ ዓይንኻ ስኢንካ። ከም ወላዲትካ መጠን ሓንቲ ዓይኒ ሒዝካ ክትዓቢ ልበይ ስለ ዘይክኣለለይ ከኣ ሓንቲ ዓይነይ ሂበካ። ብዓይነይ ጌርካ ሓዳስ ዓለም ክትርኢ ምኽኣልካ ድማ ኣዝዩ ባህ በለኒ። ኣብ ግዜ ንእስነትካ ኣብ ጎድነይ ዝነበርካዮ እዋን ኣዝየ’የ

ዝናፍቖ።“እተን ክልተ ግዜ ምሳይ

ዝተቘጣዕካለን መዓልታት ፈጺመ ኣይጉህየለንን እየ። ስለ ተፍቅረኒ ምዃኑ’ዩ ዝርድኣኒ። ብፍላይ ብዛዕባ’ታ ንጓልካ ዘሰንበድኩልካ መዓልቲ ድማ ይቕረ ግበረለይ ኢኻ። ኣዝየ’የ ዘፍቅረካ። ንስኻ ዓለመይ ኢኻ።”ሽዑ ንሽዑ ዓለመይ ርኹምሽምሽ

ክትብል ተፈለጠትኒ። ሕሉፍ ተግባራተይ ብኸመይ ክጽግኖ ከም ዝኽእል ድማ ግብ በለኒ። ምልስ ኢለ ናብ ኣደይ እንተጠመትኩ ብህይወት ኣይነበረትን።= ሓደ ውላድ ጥራይ ዝነበሮም

ሰብ ሓዳር ነበሩ። እቲ ውላዶም ድማ ብፍቕሪ ዓብዩ ሓዳር ብምምስራት ኩሎም ብሓባር ሕጉስ ህይወት ይመርሑ ነበሩ። ድሕሪ ግዜ እቲ ኣቦ ምስ ዓረፈ ግን፡ እቲ እንኮ ወዱ ድማ ነታ ዝሸምገለት ኣደኡ ገዲፉ ሓዳሩ ክፈሊ ወሰነ። ኣደኡ ድማ ንበይና ክትነብር ጀመረት።ሓደ ግዜ ቴለፎን ተደወሎ’ሞ፡

ኣደኡ ብጽኑዕ ሓሚማ ምህላዋን ብህጹጽ ክርእያ ከምዘለዎን ተነግሮ። ኣብ’ታ ዘዕበየቶ ገዛ ምስ በጽሐ ድማ ኣደኡ ኣብ ኣፈፌት ሞት ጸንሓቶ። ኣብ ጥቓኣ ቅርብ ኢሉ ከኣ፡ “ኣደ እንታይ ክገብረልኪ?” በላ።“ፍቱው ወደይ፡ ኣብ’ዛ መዋእልና

ዝተቐመጥናላ ገዛ ቨንቲለተር የብልናን። ስለ’ዚ ቨንቲለተር ከተእትወላ እደሊ’ለኹ። ፍርጅ ብዘይ ምህላዉ’ውን ብዙሕ ግዜ መግቢ ይበላሾ’ሞ ከይ በላዕኩ ዝውዕለሉ እዋን ኣሎ። ስለ’ዚ ፍርጅ ድማ ግዛእ።” በለቶ። ብጠለባት እታ ኣብ ኣፍ ሞት ዘላ ኣደኡ ዝተገረመ ውላዳ፡ “እዚ ኩሉ ዓመታት ከም’ዚ ዓይነት ጠለብ ኣቕሪብኪ ዘይትፈልጥስ፡ ስለምንታይ ሕጂ ከድኩ ከድኩ እናበልኪ ከም’ዚ ዓይነት ጠለብ ተቕርቢ ኣለኺ?” ክብል ተወከሳ።“ዝወደይ፡ ኣነ ነቲ ናይ ምቖትን

ጥምየትን ቃንዛ እጻወሮ ኔረ’የ። ንስኻ ግን ደቅኻ ሓሓዳሮም ምስ ሓዙ ናብ’ዛ ዝዓበኻላ ገዛ’ዮም ክስንድዉኻ። ሽዑ ነቲ ቃንዛ ኣይክትጻወሮን ኢኻ። ብሽዓኻ እዘን ዝብለካ ግበር” በለቶ። ብኣ ኣቢላ ከኣ ተፋነወት።= ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ጃፓን

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ፡ ሓደ ጉጅለ ህይወት ኣድሕን ናብ ዝፈረሰ ገዛ ናይ ሓንቲ ኣደ በጽሑ። ብፍንቃቕ ናይ’ቲ ፍርስራስ ከኣ ኣብኡ ተጸቒጣ ከም ዘላ ርኣይዋ። ኣቃውማኣ ድማ ፍሉይ ነበረ። ጸሎት ተብጽሕ ዘላ ክትመስል፡ ክልተ ኣእዳዋ ኣብ መሬት ኣንቢራ ተንበርኪኻ ተደፊኣ ነበረት። ፍርስራስ ናይ’ቲ ገዛ ኣብ ሕቘኣን ርእሳን ብኸቢድ ሃስይዋ ነበረ። መራሒ ናይ’ታ ጉጅለ ብህይወት

ክትህሉ ተስፋ እናገበረ ተጻጊሙ ኢዱ በቲ ፈቓቕ ኣሕሊፉ ተንከፋ። እንተዀነ እቲ ኣዝዩ ዝሑልን ድሩቕን ኣካላታ፡ ብህይወት ከምዘየላ ነገሮ።

ብህይወት ተደብዮም ዘለዉ ንምድሓን ከኣ፡ ናብ’ቲ ካልእ ህንጻታት ኣምርሑ። መራሒ ናይ’ታ ጉጅለ ግን ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት ናብ’ታ ብህይወት ዘየላ ኣደ ተመልሰ። እንደገና ተጻጊሙ ኣእዳዉ ብምስዳድ ከኣ፡ ብትሕቲኣ እንታይ ከምዘሎ ፈተሸ። ሃንደበት ከኣ፡ “ቈልዓ’ሎ! ቈልዓ’ሎ!” እናበለ ወጨጨ። እታ ጉጅለ ድማ ንድሕሪት ተመሊሳ ብጥንቃቐ ነቲ ፍርስራስ ክትፈናቕሎ ጀመረት። ኣብ ትሕቲ ሕቝፊ እታ ኣደ ድማ፡ ተዛንዩ ኣብ ሽጎማኖ ዝደቀሰ

ወዲ ሰለስተ ኣዋርሕ ህጻን ጸንሖም። እታ ኣደ እቲ ገዛ ክፈርስ ምስ ጀመረ ውላዳ ንምድሓን’ያ ሕቘኣ ሰይራ ኣብ ትሕቲኣ ብምእታው ክትከላኸለሉ ክኢላ ዝብል ትዕዝብቲ ድማ ወሰዱ። በቲ ሓደጋ ከይተሰናበደት ንውላዳ

ኣነቓቓሕቲ ዛንታታት ፍቕሪ ወላዲት

ክንድኡ ተበጃውነት ብምግባራ እናተገረሙ ከኣ፡ ኪኖኡ ኣደንጻዊ ነገር ረኣዩ። ነቲ ሽጎማኖ ምስ ገንጸልዎ ሞባይል ቴለፎን ኣብ ልዕሊ’ቲ ቈልዓ ጸንሖም። ኣብ’ታ ሞባይል ድማ፡ “ብህይወት እንተተሪፍካ መጠን ክንደይ ከም ዘፍቅረካ ዘክር ኢኻ” ዝብል፡ ምስ ምንባር እናተጋደለት ዝጽሓፈቶ መልእኽቲ (መሰጅ) ጸንሐ።

Page 9: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 9 መበል 26 ዓመት ቁ.298

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

ደንደን ክብራ ዓቂባ

3-1 ቀይሕ ባሕሪ

ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-ስፖርት ሻምፕዮን ሱፐር ዲቪዥን ኤ ዞባ ማእከል ደንደን፡ ሎሚ ዓመት እውን መግትኢ ኣይተረኽባን፣ እዛ ዓርሞሸሽ ክለብ፡ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመተ-ስፖርት ውድድር ሻምፕዮና፡ ብኣጋኡ ምዕዋታ ኣብ ርእሲ ምፍላጣ፡ ኣብ ናይ መዛዘሚ ጸወታኣ እውን ኣይተኻእለትን፣ ንቐይሕ ባሕሪ 3ብ1 ብዝኾነ ውጽኢት ቀጺዓ ብቕድሚ ትማሊ ብወግዒ ክብራ ዓቂባ ኣላ፣ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ሻምፕዮና ኵዕሶ

እግሪ ሱፐር ዲቪዥን ኤ ዞባ ማእከል መጋረጃኡ ዝዓጸወሉ ዕለት፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ቀዳማይ ግጥም ናይቲ ዕለት ኣዱሊስን ኣስመራ ቢራን ክስረዝ ተገዲዱ እዩ፣ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ተዓዘብቲ ዝተረኽቡሉ

ካልኣይ ግጥም ናይቲ ዕለት (ቀይሕ ባሕሪን ደንደንን ምዃኑ እዩ)፡ ደንደን ኣብ መበል 48 ካልኢት ፊልሞን ጥዑምእዝጊ ብዘመዝገባ ሸቶ እያ መሪሕነት ሒዛ፣ እታ ሸቶ ንተጻወትቲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ተወሳኺ ሃልኪ ከተእትዎም እንከላ፡ ንዕዉት ስራሕ መስመር ምክልኻል ደንደን ድማ ኣርኣየት፣ኣብቲ ደንደናውያን ዝተጸንዐ ጸወታ

ዘንጸባረቑሉ ግጥም፡ ኣብ መበል 33 ደቒቕ እውን ንመጋጥምቶም ዘዐንዘዘት ሸቶ ብቕላዕ መቕጻዕቲ ኣመዝገቡ፣ ዋና ናይታ ሸቶ ከኣ ዳግማይ ፊልሞን ጥዑምእዝጊ ነበረ፣ ድሕሪ እዛ ሸቶ ሚዛን ጸወታ ናብ ተጻወትቲ

ደንደን ዘዘወ፣ ኣብ መበል 45 ደቒቕ እውን ሓለቓ ጋንታ ኣቢሰሎም ቴድሮስ ዝፈተናን ሓላዊ ልዳት ቀይሕ ባሕሪ ንስክላ ዘውጽኣን ፈተነ ድማ እታ ደንደን 3ብ0 መሪሓ ናብ ዕረፍቲ ክትወጽእ ዕድል ዝኸልአት ነበረት፣ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝቐጸለ ጸወታ፡ቀይሕ

ባሕሪ ካብ ናይ ቅድሚ ዕረፍቲ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ከተርኢ ክኢላ እያ፣ መዋእል ተስፋይ፡ ሻም ፍስሃየን ሮቤል ሰለሙንን

እቶም ጻዕሪ ዘካየዱ ተጻወትቲ እኳ እንተነበሩ፡ ሸቶ ከቑጽሩ ግና ኣይከኣሉን፣ደንደን ሳልሰይቲ ሸቶ ኣብ 61 ደቒቕ

ብመገዲ መድሃኔ ስዩም ብምብርካባ መሪሕነታ ኣደልደለት፣ብመንጽሩ፡ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ተደጋጋሚ

ፈተነታት ኣብ መበል 80 ደቒቕ ካብ መዋእል ተስፋይ ካብ ባዶ እተድሕና ሸቶ ኣመዝገበት፣ ጸወታ ድማ ብዓወት ደንደን 3ብ1 ተዛዘመ፣ኣሰልጣኒ ክለብ ደንደን ኢሳያስ ኪዳነ

ብዛዕባ እቲ ዓወት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንክለቡን ንደገፍቱን ዮሃና ድሕሪ ምባል፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውድድር ሻምፕዮን ንምዕቃብ ዘካየድዎ ጻዕሪ ብዓወት ምፍጻሙ ኣዝዩ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ፣ ንሱ፡

ምስጢር ዓወት ክለቡ ድማ ውህደትን ናይ ዘይተሳዕርነት መንፈስ ተጻወትቲን ምዃኑ ኣረዲኡ፣ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሮቤል ኪዳነ ድማ

ተራ ደቂ ጋንታኡ ኣብ ዓወቱ ኣዝዩ ዕዙዝ ምንባሩ ገሊጹ፣ድሕሪ እቲ ግጥም፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን

ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ጣሃ ኑር መ/ብርሃን ሓጺር ቃል ኣስሚዑ ነይሩ፣ ንሱ፡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮና 2016/’17 12 ጋንታታት ሱፐር ዲቪዥን ኤ ተሳተፍቲ ምንባረን፡ 132 ግጥማት ድማ ከምዘካየዳን ገሊጹ፣ ብሓፈሻ 313 ሸቶታት ክምዝገብ እንከሎ፡ 423 ብጫ ካርድ፡ 40 ቀይሕ ካርድ ከምኡ ድማ ሓደ ተጻዋታይ ንሓደ ዓመት ከምዝተቐጽዐን ኣረዲኡ፣ ብተወሳኺ ሰለስተ ኣሰልጠንቲ፡ ሓደ ሓኪምን ሓደ መራሒ ጋንታን ንሰለስተ ወርሒ ከምዝተቐጽዑ እቲ ፕረዚደንት ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ወሲኹ ሓቢሩ፣ኣብ ዓመተ ስፖርት 2016/17 ሻምፕዮና

ግጥማት ሱፐር ዲቪዥን ኤ ካብ ዝዳነዩ ፈደራል ዳኛ ኣቶ ሄኖክ ተስፋሚካኤል፡ ኣቶ ሳሚኤል ግርማይ፡ ኣቶ ኣሮን ገብረ ክርስቶስን ኢተርናሽናል ዳኛ ኣቶ ዮውሃንስ ተወልደን መተባቢዒ ገንዘብን ዋንጫን ተሸሊሞም፣ኣብዚ ውድድር ሻምፕዮን 13 ሸቶ

ብምምዝጋቡ ብሉጽ ኮይኑ ዝቐረበ ተጻዋታይ ክለብ ደንደን ሮቤል ኪዳነ ናይ ገንዘብ

ሽልማትን ዋንጫን ክወስድ እንከሎ፡ ናይ ጠባይ ዋንጫ ድማ ጋንታ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ገዛባንዳ ዓቲራ፣ ኣብ’ዚ ሻምፕዮና 2016/’17 ኣብ ዝተኻየደ

ግጥም ኵዕሶ እግሪ ሱፐር ዲቪዥን ኤ፡ ተዓዋቲት ጋንታ ደንደን 20,000 ናቕፋን ወርቂ መዳልያ ክትወስድ እንከላ፡ ካልኣይቲ ዝወጸት ቀይሕ ባሕሪ ድማ 15,000 ናቕፋን ብሩር መዳልያ ተሸሊማ፣ ሳልሰይቲ ዝወጸት ኣዱሊስ ከኣ 10,000 ናቕፋን ነሓስ መዳልያን ወሲዳ፣ ዕዉታት ካብ ናይ ክብሪ ዕዱማት ናይቲ

ዕለት ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ፊሊጶስ ወልደ ዮውሃንስ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮመዳን ዑስማን ኣውልያይን ካልኦትን ምውሳዶም ጸብጻብ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ፈደረሽን ለተብርሃን ወ/ኣረጋይ ይውስኽ፣

** ** **

ሉዊስ ሜንከዝ ናብ ዳይመንሽን ዳታ

ተመሊሱደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ክለብ

ኢማራትስ ሉዊስ ሜንከዝ፡ ናብ ናይ ቅድም ክለቡ ዳይመንሽን ዳታ ንሓደ ዓመት ክወዳደር ምምላሱ ሳይክሊን ኒውስ ትማሊ ኣፍሊጣ፣እዚ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቁንጹብ ተቐዳዳማይ፡

ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ቱር ደ ፍራንስ ሻሙናይ ተርታ ኣብ ርእሲ ምሓዙ፡ ዘርኣዮ ብቕዓት እውን ኣዝዩ መሳጢ ምስ ምንባሩ ኣቓልቦ ዓበይቲ ክለባት ክስሕብ ክኢሉ እዩ፣ ብፍላይ ዓቐብ ናይ ምሕኳር ክእለቱ ጥርዚ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ሜንከዝ፡ ኣብ 2016 ምስ ላምፕረ መሪዳ ክጻወት ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ኣብ 2017 ናብ ኢማራትስ ተሰጋጊሩ፣ ኣብ 2013 ምስ ክለብ ኤምቲኤን ኵቤካ

ደረጃኡ ዘበረኸ ሜንከዝ፡ ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቮልታ እስጳኛ ዓስራይ ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ እዩ፣ እዚ ወዲ 25 ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ

ውድድር ቱር ደ ፍራንስ ምስ ዳይመንሽን ዳታ ኣፈናዊ ስምምዕ ድሕሪ ምክያዱ እዩ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ክታሙ ከንብር ክኢሉ፣

** ** **

ሮናልዶ ሓሙሽተ ጸወታታት ክቕጻዕ . . .ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ቀዳማይ

እግሪ ዋንጫ ሱፐር እስጳኛ፡ ሸቶ ዘመገበ ኮኾብ ተጻዋታይ ክለብ ሪያል ማድሪድ ክርስትያኖ ሮናልዶ ንዳኛ ብምድፍኡ ናይ ሓሙሽተ ጸወታታት መቕጻዕቲ ከምዝተበየኖ ተሓቢሩ፣

ኣብቲ ብዓወት ክለብ ሪያል ማድሪድ 3ብ1 ዝተፈጸመ ግጥም፡ ሮናልዶ፡ ፈለማ ማልያኡ ብምውጽኡ ብጫ ካርድ ክወጾ እንከሎ፡ ኣብ ካልኣይቲ ፍጻመ ድማ ንምውዳቕ ዘርኣዮ ተዋስኦ ካብ ሜዳ ከባርሮ ኣገደዶ፣ ነዚ ውሳነ ዘይተቐበለ ሮናልዶ፡ ነቲ ግጥም ንዝመርሐ ዳኛ ሪካርዶ ደ ብሩጎስ ክደፍኦ እዩ ተራእዩ፣ ትማሊ ንሕትመት ዝቐረባ ጋዜጣታት እስጳኛ፡ ሮናልዶ በቲ ዝፈጸሞ በደል ብዓንቀጽ 96 መምርሒ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ናይታ ሃገር ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 12 ጸወታታት (ኣብ ኩሉ እስጳኛ እተአንግዶ ውድድራት) ክቕጻዕ ከምዝኽእል ገሊጸን ነይረን፣ ኣማስያኡ ግና ሓሙሽተ ጸወታታት ከምዝተቐጽዐ ሓቢረን፣

ተጻዋታይ ባርሴሎና ጀራርድ ፒኵ ናብ ገዛእ ልዳቱ ዘቑጸራ ሸቶ ንሪያል ማድሪድ መሪሕነት ዝሃበት እኳ እንተነበረት መሲ ግና ብፍጹም ቅላዕ ከመዓራርያ ግዜ ኣይወሰደን፣ ሮናልዶ፡ ብዘደንቕ ጥበብ ዘቑጸራ ሸቶ፡ ንመሪሕነት ሪያል ማድሪድ ክትመልስ እንከላ፡ ነታ ሸቶ ንምጽንባል ማልያኡ ምውጽኡ ግን ንጋንታኡ ሪያል ማድሪድ ዋጋ ከምዘኽፈለ ሓያለ ተንተንቲ ተሰማሚዖም፣

ማርኮ ኣሴንሲዮ ሳልሰይቲ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ሪያል ማድሪድ እዩ፣ግጥም ካልኣይ እግሪ ዋንጫ ሱፐር እስጳኛ ጽባሕ ካብ ሰዓት 10፡00 ምሸት ጀሚሩ ኣብ ሜዳ

በርናቡ ክካየድ እዩ፣

መደብ ጸወታሎሚ

ግጥም መጻረዪ ፕለይ ኦፍ ሻምፕዮንስ ሊግ

ሆፈንሃይም - ሊቨርፑል 9፡45

ዜና ብሓጺሩ . . .+ ኮኾብ ተጻዋታይ ክለብ ቸልሲ

ዲያጎ ኮስታ፡ ክለቡ “ከም ገበነኛ” እያ ትእርየኒ ክብል መረረኡ ኣስሚዑ፣ እዚ ወዲ 28 ዓመት ኣጥቃዒ፡ ዋላ’ኳ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቸልሲ ኣብ ዝተሰለፈለን 35 ጸወታታት 20 ሸቶታት ብምምዝጋብ ነታ ለንደናዊት ክለብ ዋንጫ ከተልዕል ዓቢ ኣስተዋጽኦ እንተገበረ፡ ሎሚ ዓመት ግና ‘ሓዲግ’ ምህላዉ ይፍለጥ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ዝተኻየደ ግጥም ፍጻመ ኤፍ ኤ ካፕ ማልያ ክለብ ቸልሲ ክወዲ ዘይከኣለ ኮስታ፡ ዓቕሉ ከምዝወድአን ክለቡ ኣብኡ ዘለዋ ኣረኣእያ ድማ ናይ ምቕያር ተኽእሎኣ ኣዝዩ ትሑት ምህላዉን ወሲኹ ገሊጹ፣ ናብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ዳግማይ ናይ ምምላስ መደብ ዘለዎ ኮስታ፡ ምስ ተቐየርቲ ተጻወትቲ ልምምድ ከካይድ ብክለብ ቸልሲ ከምዝተሓተተ እውን ንመራኸቢ ብዙሃን የረድእ፣ 30 ሚልዮን ፓንውድ ንዓመት መሃያ እናተቐበለ ክጻወት ብቻይናውያን ክለባት ጻውዒት ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ኮስታ፡ ኣብ 2014 እዩ ናብ ቸልሲ ኣቕኒዑ፣ ክልተ ግዜ ድማ ዘውዲ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ኣልዒሉ፣

+ ብ200 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ባርሴሎና ናብ ፒኤስጂ ብምስግጋሩ

ክብረወሰን ምስግጋር ተጻወትቲ ዝሓዘ ብራዚላዊ ነይማር፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣብ ፈላሚ ጸወታኡ ሸቶ ኣመዝጊቡ፣ ኣብቲ ክለቡ ፒኤስጂ ንጕይንጋምፕ 3ብ0 ዝሰዓረትሉ ግጥም፡ ኢኮኮ፡ ካቫኒን ነይማርን ነተን ሸቶታት ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ኣመዝጊቦመን፣ ፈለማ ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ መስመር ምጥቃዕ ዝተሰለፈ ነይማር፡ ምስ ግዜ ኣብ ማእከል ናይቲ መስመር ክነጥፍ እዩ ተራእዩ፣ ንሱ፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ግጥም 128 ግዜ እግሩ ምስ ኵዕሶ ኣራኺቡ፣ እዚ ፒኤስጂን ጕይንጋምፕን ዘካየዳኦ ግጥም ኣብ 183 ሃገራት ብቐጥታ ፈነወ ተለቪዥን ተመሓላሊፉ፣

+ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩስያ ዶርትመንድ ንተጻዋታያ ኦስማን ደምበለ ንዘይተወሰነ እዋን ካብ ጸወታ ከምዘደስከለቶ ኣፍሊጣ፣ ቅድሚ ሳልስቲ ብባርሴሎና ጻውዒት ዝቐረበሉ እዚ ወዲ 20 ዓመት ፈረንሳዊ ተጻዋታይ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ልምምድ ብዘይ ፍቓድ ብምኳሩ እዩ እቲ ናይ ምድስካል ውሳነ ዝተወስዶ፣ ካብ ሬንስ ናብ ዶርትመንድ ኣብ ግንቦት 2016 ዝተሰጋገረ ደምበለ፡ ኣብቲ እዋን ንሓሙሽተ ዓመታት ማልያ

ዶርትመንድ ክወዲ ክታሙ ኣንቢሩ እዩ፣

+ ተጻዋታይ ኣርሰናል ነበር ደኒስ ቤርክሃምፕ ኣብ 2002 ዘመዝገባ ሸቶ “እታ ዝበለጸት ሸቶ ናይዚ 25 ዓመታት ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ” ተባሂላ፣ ቤርክሃምፕ፡ ጋንታኡ ኣርሰናል ምስ ኒውካስል ገጢማ 2ብ0 ዝተዓወትትሉ ግጥም እዩ ነታ ሸቶ ኣመዝጊብዋ፣ ቤርክሃምፕ፡ 31 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካቡ ክዕወት እንከሎ፡ ተጻዋታይ ሊድስ ቶኒ የቦሃ ኣብ 1995 ኣብ ሰኪዔት ዊምበልደን ኵዕሶ ንምቕማጥ ዝተጠቕመሉ ጥበብ ድማ ካልኣይ ክስራዕ ኣብቂዕዎ፣ ሩኒ ኣብ 2011 ምስ ኣብ ሰኪዔት ማንሲቲ፡ ዊልሸር ኣብ 2013 ኣንጻር ኖርዊች ኣብ ዝተሰለፈሉ ከምኡ ድማ ቴሪ ሀንሪ ኣብ 2002 ኣንጻር ቶተንሃም ኣብ ዝገጠመሉ ዘቑጸርወን ሸቶታት ክሳብ ሓሙሻይ ዝተሰርዓ እየን፣ ኣብ 1992 ዝተመስረተ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ልዕሊ 25,000 ሸቶታት ኣአንጊዱ፣

+ ራዳመን ፋልካኦ ሃትሪክ ኣብ ዝሰርሓሉ ግጥም ዲጆንን ሞናኮን፡

ኪልያን ምባፐ ኣብ መንበር ተቐየርቲ ምጽንሑ ኣቓልቦ መራኸቢ ብዙሃን ስሒቡ፣ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ክለብ ሞናኮ ዘውዲ ሊግ 1 ፈረንሳ ክትደፍእ 15 ሸቶታት ዘበርከተ ምባፐ፡ ብክለብ ፒኤስጂ ይህደን ምህላዉ ይፍለጥ፣ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት 26 ሸቶታት ዘቑጸረ እዚ ወዲ 18 ዓመት ተጻዋታይ፡ ኣሰልጣኒኡ ብውሽጣዊ ናይ ክለብ ውሳነ ኣብዚ ናይ ትማሊ ሰንበት ጸወታ ከምዘይተሰለፈ ኣረዲኡ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሞናኮ ምስ ቶሉስ ገጢማ 3ብ2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ብሰንኪ ማህሰይቲ ተቐይሩ ካብ ሜዳ ዝወጸ ምባፐ፡ ትማሊ ሰንበት ጋንታኡ 4ብ1 ኣብ ዝተዓወተትሉ ጸወታ ክስለፍ ዘይምኽኣሉ “ናብ ፒኤስጂ ከቕንዕ ይኽእል እዩ” ንዝብል ዜና ድርዒ ኮይንዎ ይርከብ፣ ፒኤስጂ ነዚ ተጻዋታይ 180 ሚልዮን ዩሮ ከምዝሰልዓልትሉ ይግለጽ፣

+ ኒውካስል ንኣጥቃዒ ክለብ ስቶክ ጆሰሉ ብ5 ሚልዮን ፓውንድ ምዕዳጋ ተሓቢሩ፣ እዚ ወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ ኣብ ሰነ 2015 እዩ ካብ ጀርመናዊት ክለብ ሃኖቨር 96 ብ5 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ስቶክ ተሰጋጊሩ፣ ብሓፈሻ፡ ኣብ 27

ጸወታታት ስቶክ ዝተሰለፈን ኣርባዕተ ሸቶታት ዘበርከተን ጆሰሉ፡ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ኣብ ክለብ ዲፖርቲቮ ላ ኩሩኛ ብመልክዕ ልቓሕ ተጻዊቱ፣ ንሱ 24 ግዜ ኣብ ዝተሰለፈለን ሽዱሽተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ፣ ሓደ እዋን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ እስጳኛ ትሕቲ 21 ዓመት ዝነበረ ጆሰሉ፡ ምስ ክለባት ሪያል ማድሪድ፡ ሴልታ ቪጎን ሆፈንሃይምን ምጽዋቱ ይፍለጥ፣ ኣብ ክልተ ግጥማት ማልያ ክለብ ሪያል ማድሪድ ክወዲ ዝኸኣለ ጆሰሉ፡ ኣብዚ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ፡ ሻዱሻይ ሓድሽ ተጻዋታይ ናብ ክለብ ኒውካስል ዝተሰጋገረ ኮይኑ ንረኽቦ፣

+ ብባርሴሎና ዝህደን ዘሎ ተጻዋታይ ክለብ ሊቨርፑል ፊሊፕ ካውቲኖ፡ ሎሚ ክለቡ ምስ ሆፈንሃይም ኣብ እተካይዶ ግጥም ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ፕለይ ኦፍ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ከምዘይተመረጸ ተሓቢሩ፣ እዚ ኣብ ምጥቃዕ ዘድሃበ ምክፍፋል ዝጻወት ወዲ 25 ዓመት ብራዚላዊ፡ ትማሊ ቀዳመ ሰንበት ጋንታኡ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ምስ ዋትፎርድ ገጢማ 3ብ3 ኣብ ዝተፈላለየትሉ ግጥም እውን ብሰንኪ ማህሰይቲ ኣይተሰለፈን፣

** ** **

Page 10: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 10 መበል 26 ዓመት ቁ.298

ደሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

እምነት ኣማኑ

ኤል

ዞባ ደቡብ ሰንዓፈ

ወ/ሮ ስዒዳ ሙሳ ዑመር፡ ተጸዋዒ በዓልቤተይ ኣቶ ማቱ ማሕሙድ ን8 ዓመት ዝኣክል ድሃይ ይኹን ኣድራሻ ስለዘይብለይ ይጸወዓለይ ስለዝበላ፣ ተጸዋዒ ብኣካል ወይ ድማ ብሕጋዊ ወኪሉ ን30/10/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ንሱ ኣብዘይብሉ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ውሳነ ክህብ ኢዩ።

ገብረ ተወልደብርሃን ተስፋ ምባል ተሪፋ፡ ስምኦን ተወልደብርሃን ተስፉ ተባሂሉ ይትኣረመለይ፡ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/10/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይድማ

ኣቶ ግርማይ ገብረእየሱስ ዓይኒቆብጾ፡ ወደይ ዘራእብሩኽ ግርማይ ገብረእየሱስ ስለዝተሰወአ፡ ውላድ’ውን ስለዝይገደፈ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ፡ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/9/17 ሰዓት 9፡00 ናይ ንግሆ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ድባርዋ

ሮዳስ ተኪኤ ኣስማው ምባል ተሪፋ፡ ሮዳ ተኪኤ ኣስማው ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/9/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሰተ ገብረብርሃን ሓጎስ ምባል ተሪፋ፡ ተመስገን ገብረብርሃን ሓጎስ ተባሂሉ ይትኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/9/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲመንጎቲ

ወ/ሮ ኣለም ኣርኣያ ተስፋሚካኤል፡ ወለድና 1. ኣቶ ኣርኣያ ተስፋሚካኤል ክፋይ 2. ወ/ሮ ከበደሽ ኣብርሃለይ ሃብተሚካኤል ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/8/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማእለውያ

ከሳሲት ወ/ሮ ገነት ተ/ገርግስ ጎነጽ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ኣስፋው ኪዳነ ቀላቲ ከሳሲት ናይ ሓዳር ክሲ መስሪታ ስለዘላ፡ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ን19/8/17 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ጉዳዩ ኣብዘይለወሉ ክርአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተኾንብያ

ከሳሲት ወጋሕታ የማነ፡ ተኸሳሲ ክብሮም መልኣከ በዓልቤተይ ኣብ 2008 ቃልኪዳን ኣሲርና ካብ ክልተና ኣብራክ 2 ቆልዑ ወሊድና ካብ 2012 ንወጻኢ ሃገር ምስ ከደ ደሃይ ስለዘይብለይ፡ ፍትሕ ይፈጸመለይ

ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/9/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይሃልዩ ፍትሕ ክፍጸመላ ትእዛዝ ንህብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዑና ዓንደሞ

ከሳሲት ወ/ሮ መብርሂት ማሓረና፡ ተኸሳሲ በዓልቤተይ ተስፋይ ነጋሲ በየነ ብሕጋዊ ልምዲን ባህልን ተመርዒና ካብ ኣብራኽና 1 ቆልዓ ወሊድና እንተኾነ በዓልቤተይ ካብ 2009 ናብ እስራኤል ምስ ከደ ደሃይ ስለዘይብለይ፡ ተጸዊዑ ናብ ዘመድ ሽማግለ ፍትሕ ክምረሓለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ውክልና ስልጣን ን18/8/17 ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ዓዲቐይሕ

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ኣልጋነሽ ተመልሶ ተላ፡ ሕጋዊ ወኪል ኣቶ ፍቕረ መለስ ቱርኻይ ተኸሰስቲ ወረስቲ ነ/ፍ ድጊያት ዶሞዝ ሓጎስ ነፍ/ሄር ንግስቲ ደሞዝ+7 ነፍ/ሄር ሙሉጌታ ደሞዝ+8 ወረ/ነፍ/ሄር ሃይለሚካኤል ዶሞዝ+5 ወረ/ነፍ/ሄር ዘውዲ ዶሞዝ+5 ወረ/ነፍ ሃይለስላሴ ደሞዝ +8 ነፍ/ሃይለመለኮት ደሞዝ +3 በላይነሽ ደሞዝ፡ ምቅሊት ክርከር ውርሻ ይካየድ ስለዘሎ፡ ተኸስስቲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪልኩም ን26/9/17 ይቕረብ። ተኸስስቲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሎም እንተዘይቀሪቦም ጉዳዮም ንሳቶም ኣብዘየለውሉ ክርአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ዓዲ ዃላ

ጎይትኦም ክፍሉ ወልደገብርኤል ምባል ተሪፋ፡ ጎይትኦም ክፍለ ተባሂሉ ይትኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/10/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ምልክታሲዒድ ስራጅ መሓመድኑር ዝተባህልኩ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ገዛባንዳ ፕሎት 4R

ፓርሰል ‘I1’ ASP 00019716 ስፍሓት 250 ት/ሜ ዝኾነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ፡ ንኣቶ ይሕደጎ ተስፋገርጊስ ገብረዝጊ ስለ ዝሽጥኩሉ፡ ናብ ስሙ ከመሓላልፈሉ ስለዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ናይ መአገዲ ትእዛዝ ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ቤ/ጽ/ሃ/ካዳስተር ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ይሕደጎ ተስፋገርጊስ ገብረዝጊ

ግርማይ ገብረመድህን ገብረየውሃንስ፡ ቁጽሪ ምስክር ወረቐት 118487 መወከሲ ቁጽሪ 120697 ብስም ወ/ሮ ኣብርሀት በርሀ ተድላ፡ ዝተመዝገበ ስለዝጠፋኣና፡ ዝረኸበ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ፡ ብቁጽሪ ቴሌፎን 07203374 ክሕብረና። እንተዘይኮይኑ መተካእታ ክሓትት ምዃነይ ይሕብር።

ግርማይ ገ/መድህን

ወ/ሮ ኣብርሀት ገብረእግዚኣብሄር ገብረሚካኤል፡ ዝተፈቕደለን ናይ ድኳን ንግዳዊ ትካለን ‘ሊለት ድኳን’ (LILIET SHOP) ተባሂሉ ክስየመለን ስለዝሓተታ፡ እዚ ናይ ንግዲ ስም ቅድሚ ምምዝጋብና፡ ዝቃወም ኣካል እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ መአገዲ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንምዝግቦ ነፍልጥ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ

ኣብ ዞባ ማእከል ከተማ ኣስመራ ን/ዞባ ቲራቮሎ ዚፕ-ኮድ 1A744 ፕሎት ‘78’ ፓርሰል-ጎ-ናግራን ቁ-ገዛ 27 ስፍሓቱ 450 ት/ሜ ዝኾነ ገዛ ብመለለዮ ቁ.ንብረት 1፡008075 ብስም ነ/ሄር ብርኽቲ ተኽለ ዓንደናይዝጊ ዝተመዝገበ ብውርሲ ዝረኸብናዮ፡ ናይ ስም ምትሕልላፍ ክንገብረሉ ስለዝደለና፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ ወይ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ሒዙ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪን ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ካዳስተርን ይቕረብ።

ገነት ወርቄ

ነቲ ብስመይ ዝተመዝገበ ኣብ ኣስመራ ዞባ 4 ምም/04 ናይ ሕጂ ኣብ ምም/ን/ዞባ ቲራቮሎ 545.50 ት/ሜተር ቁ.ሎታ 30 ቁ.ፓርቸላ ‘B’ ቪላ ቀንዲ ክፍልታት 7 ሓገዝቲ ክፍልታት 5 መወዳውብቱ ብሰሜን ምስ ፓርሰል ‘ኢ’ብደቡብ ምስ ፓርሰል ‘ሲ’ ብምብራቕ ምስ መንገዲ ብምዕራብ ምስ ፓርሰል ‘ኢ’ ቁ.ምስክር ወረቐት 119884 መወከሲ ቁ.108908 እቲ ናይዚ ገዛ ዋንነት ሰነድ ስለ ዝጠፍኣኒ፡ ብዛዕባ እዚ ሰነድ’ዚ ብትሕጃን ብዕዳን ወይ ብውሕስነት ወይ’ውን ብመሽጣ ሒዘዮ ኣለኹ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ፡ እዚ ምልክታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ኖታሪ (ዳስተር) ይኹን ክፍሊ ተክኒክ ይቕረብ። እዚ ምስ ዘይቀርብ መተካእታ ሰነድ ዋንነት ካብ ዝምልከቶ ሓቲተ ብስመይ ከውጽእ ምዃነይ በዚ ምልክታይ ይሕብር ኣለኹ።

ኣቶ መሓመድ ሱሌማን ዓ/ቃድር

ሳባ ተኽለ ኣብርሃ ዝተባሃልኩ፡ ካብ ኣደይ ሓረጉ ሃብተ ስባህቱ፡ ብውህብቶ ዝረኸብኩዎ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጎደና ይጋሊ ክፋል ቁጽሪ 10 ዝርከብ ክፍልታት ምቕሊት ማለት ፕሎት 107 ፓርሰል ‘D’ ዚፕ ኮድ 1A/172 ብስም ወ/ሮ ሳባ ተኽለ ኣብርሃ ሊብሬቶ ከውጽእ ስለዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ናብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሳባ ተኽለ ኣብርሃ

ምልክታ ጨረታጨ/ትም/ዞባ ጋሽ ባርካ ንኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቑርደት ጎፕ፣ፎርቶን ንተመሃሮ

ንመግቢ ዝኸውን ኣሕምልቲ ካብ 25/09/2017 ክሳብ 31/12/2017 ዘቕርቡ ንምርካብ ግዱሳት ተጫረትቲ ንዕድም።

ተጫራታይ ከማልኦ ዝግባእ

1. ናይ 2016 ዝተሓደሰ ልቸንሳ ኮፒ የቕሩቡ።2. መኽበሪ ጨረታ 10.000.00 ናቕፋ ካሽ ወይ C.P.O የትሕዙ።3. ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ትምህርቲ ዞባ ጋሽ ባርካ ይውሰድ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ብቁ.ተ.731015/731216 ተወከሱ።4. ግዜ ጨረታ ክሳብ 6/9/2017 ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ 7/9/2017 ሰዓት 12፡00

ቅ.ቀ ተጫረትቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።5. ቤት ጽሕፈት ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ጨረታ ክስርዝ መሰሉ’ዩ።

Page 11: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 11 መበል 26 ዓመት ቁ.298

Essential

x Mathematics x English x Science x S. Studies

ኣመና ሓገዝቲ መጻሕፍቲ

ሰለስቲኤን መጻሕፍቲ፡ ኣብ ክፍሊ ዀነ ኣብ ገዛ፡ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ፡

ዝደለኹምዎ ዓ/ትምህርቲ ኽትመሃሩ፡ ከተጽንዑ፡ ክትውከሱን ክትፍተኑን

ኣዝየን ይሕግዛ!

4 ዓይነት ትምህርቲ [ስነ-ቍጽሪ፡ እንግሊዝኛ: ሳይንስ፡ ማ/ትምህርቲ] ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ Essential (ኢሰንሺያል)

ንዝያዳ ሓበሬታ፥ 07142402/ 07461121

ንተመሃሮ 6ይ፡ 7ይ፡ 8ይ ክፍሊ

Essential

x Mathematics x English x Science x S. Studies

Grade 7

6ይ ክፍሊ

Essential

x Mathematics x English x Science x S. Studies

Grade 8

7ይ ክፍሊ

8ይ ክፍሊ

Grade 6

ምልክታ ጨረታ

ኣሕዳሪ ቤ/ት ጻብራ ናቕፋ ንመብሰሊ መግቢ ዝውዕል ዕንጸይቲ ክንዕድግ ስለዝደለና፡ጉዱሳት ነጋዶ ንጨረታ ንዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎም ዘለዎም ነጥብታት

1. ናይ 2016 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ኦሪጂናል ምስ ቅዳሕ ከምኡ’ውን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈልሉ ናይ 2016 ሰነድን ኤርትራዊ መንነት ወረቐትን ብፎቶ ኮፒ የቕርብ። 2. ተጫራቲ ንመጫረቲ ወረቐት (ሰነድ)50 ናቕፋ ከፊሉ ይወስድ።3. ተጫራቲ ንመኽበሪ ጨረታ 50,000.00 (ሓምሳ ሽሕ) ናቕፋ ብቸክ (C.P.O) ትሕጃ

የትሕዝ።4. ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ን30 መዓልቲ

ዝጸንሕ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክፉት ኮይኑ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጨንፈር ዕድጊ ቁ.20 ተጫረትቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽቡሉ ይኽፈት።5. መጫረቲ ሰነድ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቁ.20 ምውሳድ ይከኣል። ወይ ብቴለፎን

200593/123749 ምውካስ ይከኣል።6. ተጫረትቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጉቡኦም ዘማልኡ ወይ ዘይምልከቶም ክኾኑ ኣለዎም።7. ተጫረትቲ ዋና ልቸንሳ በዓልቲ ቤቱ/በዓልቤታ ወይ ውላዶም እንተዘይኮይኑ ካልእ

ኣካል ክውከል ኣይፍቀድን። 8. ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ’ዚ ብኸፊል ወይ ብሙሉኡ

ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ምልክታሀ) ጉንቸታ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ብሕቲ ማሕበር በዞም ዝስዕቡ ኣባላት ማሕበር ቆይሙ

ኣሎ።

ስም ዜግነት ኣድራሻ ብርኪ1. ግርማይ እስቲፋኖስ በይን ኤርትራዊ ባረንቱ 202. በራኺ ወልደኣብ ካሕሳይ ኤርትራዊ ባረንቱ 203. ኣብርሃም ክፍሉ ይሕደጎ ኤርትራዊ ባረንቱ 204. ተስፋይ ያቆብ ገብረማርያም ኤርትራዊ ባረንቱ 205. ሰለሙን ገብረገርግሽ ገ/ማርያም ኤርትራዊ ባረንቱ 20

ለ) ስም ማሕበር ጉንቸታ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ብሕቲ ማሕበር። ሐ) ዋና ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኣብ ባረንቱ ዞባ ጋሽ ባርካ እዩ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ ከኣ ጨናፍር ክህልዋ ይኽእልመ) ንግዳዊ ዕላማ ማሕበር እዞም ዝስዕቡ እዮም

1. ምፍንቃል እምኒ 2. ምጽዓን ሑጻ3.ምሻጥ እምንን ሑጻን 4. ካልእ ተዛማዲ ንጥፈታት

ረ) ናይዛ ማሕበር ርእሰ ማል ናቕፋ 100.000.00 (ሓደ ሚእቲ ሽሕ) ኮይኑ ናብ 100 ብርክታት ዝተመቕለ ኮይኑ ዋጋ ሓደ ብርኪ ናቕፋ 1,000.00 (ሓደ ሽሕ) ይኸውን።ሰ) ኣቶ በራኺ ወልድኣብ ንዘይተወሰነ እዋን ከም ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ከገልግል

ተሸይሙ ኣሎ።ሸ) እዚ ማሕበር ብስልጣን ኣባላት ንዘይተወሰነ ግዜ ተመስሪቱ ኣሎ።

ጉንቸታ ሓ/ዝ/ብ/ማ

ምልክታሚሎት መሽጣ ኣሕመልትን ፍረታትን ሓ.ዝ.ብ.ማ ብ18/7/17 ኣብ ዘካየዶ ዘይምዱብ ኣኼባ፡

ኣቶ ተኪኤ ገብሩ ሃይለሚካኤል ንዘይተወሰነ ጊዜ ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ከገልግል መሪጽዎ ከምዘሎ ንህዝቢ ይሕብር።

ሚሎት መሽጣ ኣሕምልትን ፍረታትን ሓ.ዝ.ብ.ማ

ምልክታመሓመድ ኣሕመድ ዓብደላ ዝተባሃልኩ፡ ነቲ ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ገዛባንዳ ጎደና

ዓዲ ያቆብ ቁጽሪ 14 ዚፕ ኮድ 1A192 ፕሎት 11 ፓርሰል B መለለዩ ቁጽሪ ንብረት 108095 ዝኾነ፡ መንበሪ ገዛ ብስም ወላዲና ነ/ሄር ኣሕመድ ዓብደላ ነሽዋን፡ ዝተመዝገበ ናብ ስም ወረስቲ ከነመሓላልፎ ስለዝደለና፡ ዝቃወም እንተሎ፡ እዚ ምልክታ’ዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ናይ መአገዲ ትእዛዝ ወይ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓፕሊክ ኖታሪን ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ካዳስተርን ይቕርብ።

ኣቶ መሓመድ ኣሕመድ ዓብደላ

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ኣንገሶም ቦኽረጽዮንን ተኸስስቲ ወረ/ነፍ/ሄር ቦኽረጽዮን ከተማን ዘሎ ሲቪላዊ ክርክር ተኸስስቲ ቁጽሪ 13 ኣቶ መብራህቱ ቦኽረጽዮን ከተማ ቁጽሪ 16 ወ/ሮ ሓዳስ ኣስረስን ቁጽሪ 17 ወ/ሮ ቅድስቲ ገብረመድህንን ብኣድራሽኦም ክርከቡ ስለዘይከኣሉ ተጸዊዖም ን11/10/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋብኣያ ቁጽሪ 35 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ግን ንሶም ኣብዘይብሉ ክርአን ክውሰንን ምዃኑ የፍልጥ።

ኣብ መንጎ ብፍ/በ/መሰል ኣቶ ዳኒኤል ገብረዝጊ፡ ብፍርዲ በዓል ዕዳ 1. ኣቶ ሳሚ ዓብዱ ኣሕመድ ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር፡ ተጸዋዒ 5/10/17 ኣብ ላዕለዋይ ቤ/ፍ ሲቪል መጋብኣያ ቁ. 29 ይቐረብ። እንተዘይቀሪቡ ጉዳዩ ኣብ ዘየለ ክርአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ደሳለኝ ወልደሚካኤል የዕብዮ ስም ወላዲተይ ኣይናኣለም ሓጎስ ምባል ተሪፋ፡ ለተንጉስ ዑቕባሚካኤል ወልደስላሴ ተባሂሉ ይትኣረመለይ፡ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/9/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋቢያ ሲቪል ቁ.39 ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ከረን

መርየም እድሪስ ሙሳ ምባል ተሪፋ፡ መርየም እድሪስ ኣድም ተባሂሉ ይትኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/9/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ ሞንጎ ከሳሲት ጅምዕያ ሳልሕ መሓመድ፡ ተኸሳሲ እድሪስ መሓመድዓሊ

ዑትማን ናይ ኣቦነት ክሲ ተኸፊቱ ስለዘሎ፡ ተኸሳሲ ብኣካል ወይ ብወኪሉ ን3/10/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ዓዲዃላ

ኣብ መንጎ ኣቶ ተስፋይ ገብረመስቀል ገብረማርያም ተጸዋዕቲ 1.ኣቶ ጻውሎስ ገረመስቀል ገብረማርያም ወራሲ መዋቲ ገብሪሂወት ገብረመስቀል 2.እንድርያስ ገሪሂወት 3. ተስፋጋብር ገብሪሂወት 4. በሪሁ ገብሪሂወት 5. ዮናስ ገብሪሂወት ኣብ ቤት ፍርዲ ዘሎ ናይ ውርሲ ምክፍፋል ክሲ ተጸዋዕቲ ን29/9/17 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ውክልና ናብ ቤት ፍርዲ ቅረቡ። እንተዘይቀሪቦም ኣብዘየለውሉ ውሳኔ ክንህብ ምዃንና ንሕብር።

ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ባጽዕ

ፋጥና ዑመር መሓመድ ምባል ተሪፋ፡ ፋጥና መሓመድ ኢብራሂም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/6/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሰብ

መሓመድ ዓሊ ሽኽዲን ምባል ተሪፋ፡ መሓመድ ዓሊ ሽኽዲን ሬዶ ተባሂሉ ክእረመለይ፡ ከምኡ’ውን ስም ኣደይ ዛህራ ኢጋሕለ ዑትባን ተባሂሉ ክእረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/10/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ት/ዕድመ ሓንድያ ስዒድ እስማዒል ብሞግዚት ሃዋ እድሪስ ኣቢላ ሓንድያ ስዒድ እድሪስ ምባል ተሪፋ፡ ሓንድያ ኣንዋር ዓብደልቃድር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/9/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ጋሽ ባርካ ኣቑርደት

ትዕበ ንኣምን ተስፋምካኤል ምባል ተሪፋ፡ ትዕበ ኣማኑኤል ተ ስ ፋ ሚ ካ ኤ ል ተባሂሉ ይትኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/9/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ብስራት!!ኣላንቲ መውዓሊ ህጻናት:- ተልእኾና ንቆልዓ ብኣካል፡ ብኣእምሮ፡ ብማሕበራዊ፡ ስምዒታውን ቋንቋውን መዳያት ብርትዓዊ ዋጋ

ምምዕባል እዩ። ብጹሑና- ብ ኣገልግሎትና ክትዓግቡ ኢኹም ! ብሉጽ ኣገልግሎት - ብርትዓዊ ዋጋ !

ኣድራሻና- ገጀረት-ከባቢ ሲነማ ኣፍሪቃ ቴለ 187431

Page 12: !WPù Z §ÄvqE W U´³ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15082017.pdf · ÿÉ W2 ÁÎW! v2 qHE WÎv 3 ÿÌ ÍWv !·H [U! #!ï Çv J±!°É 2 [ ¶U 2qW r4 ö±vE

ሓዳስ ኤርትራ 15 ነሓሰ 2017 - ገጽ 12 መበል 26 ዓመት ቁ.298

Sabur Printing ServicesSabur Printing Services

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ባርናቢ ጆይሲ፡ ካልኣይ ዜግነት ዘለዎ ኰይኑ ብምጽንሑ፡ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።እቲ ኣውስትራልያዊ በዓል-ስልጣን፡ ናይ

ኒውዚላንድ ተወሳኺ ዜግነት ከምዘለዎ ድሕሪ ምርግጋጹ’ዩ ካብ ስልጣኑ ብህጹጽ ክወርድ ጻውዒት ዝቐርበሉ ዘሎ።ሕጊ ኣውስትራልያ፡ ካልኣይ ዜግነት

ዘለዎ ሰብ፡ ኣብታ ሃገር መንግስታዊ ስልጣን ክሕዝ ዘየፍቅድ ምዃኑ ይጥቀስ።ባርናቢ ጆይሲ፡ ዋላ’ኳ ኣብ

ኣውስትራልያ ተወሊዱ እንተዓበየ፡ ወላዲኡ ኒውዚላንዳዊ ብምንባሩ እታ ሃገር ብዘይጠለቡ ዜግነት ከምዝሃበቶ’ዩ ዝንገረሉ። ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣውስትራልያ፡

እቲ በዓል-ስልጣን ማንታ ዜግነት ከምዘለዎ ተረጋጊጹ ብምህላዉ፡ ብህጹጽ ስልጣኑ ክሓድግ ይጽውዓ ኣለዋ።ይኹን እምበር ንሱ፡ ናይ ኒውዚላንድ

ኣውስትራልያ - ስልጣን ም/ቀ/ሚኒስተር ኣብ ምልክት ሕቶ

ዜግነት ክረክብ ዘቕረቦ ጠለብ ከምዘይነበረ ብምምልካት፡ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ውሳነ ክወሃቦ ጥርዓን ኣቕሪቡ ምህላዉ ኣረዲኡ።እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣባል

ባይቶ ኣውስትራልያ ብምዃኑ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ እንተደኣ ተወሲኑ፡ ህላወ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ሓደጋ ከምዝኣቱ ምንጭታት’ታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ፡ ሚኒስተር ማይን ጸጋታትን ኣውስትራልያ ዝርከቦም ሓያሎ ፖለቲከኛታት፡ ካልኣይ ዜግነት ብምጽናሖም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምእተገደዱ ይግለጽ።ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣውስትራልያ፡

እቶም ፍርቂ - ማለት ኣስታት 12 ሚልዮን ኣብ ደገ ዝተወልዱ ኰይኖም፡ መበቈላውያን ዜጋታት’ታ ሃገር ካብ ሰለስተ ሚእታዊት ከምዘይበዝሑ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሞን ጃኢን፡ ስግኣት ኲናት ሰሜን ኮርያ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ ንጉዳይ ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ከተናድየሉ ጸዊዑ።እቲ ፕረዚደንት፡ መሓዙት ኣመሪካ

ዝዀና ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ውግእ ንምግታእ፡ ዝከኣለን ክጽዕራ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።ንሱ፡ ምስቲ ኣብ’ቲ ዞባ ዑደት

ዘካይድ ዘሎ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል-ስልጣን ኣመሪካ ጀነራል ዳንፎርድ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣመሪካ ወጥሪ ሰሜን ኮርያ ንምፍታሕ ተሃንዲዳ ናብ ኲናት ክትኣቱ ከምዘይብላ ኣተሓሳሲቡ።ተደጋጋሚ ፈተነ ሚሳይልን ኑክሌሳዊ

ቦምብን እተካይድ ዘላ ሰሜን ኮርያ፡ ንኣመሪካ ንምጥቃዕ ድልውቲ ምህላዋ ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን፡ ኣመሪካ ብወገና ቅልውላው ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ እንተዘይተረኺብሉ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ምድላዋት ትገብር ከምዘላ እያ ተጠንቅቕ። “ፒዮንግያንግ ንደሴት ’ጉዋም’ (ኣብ ምዕራባዊ ፓሲፊክ እትርከብ ግዝኣት ኣመሪካ) ምስ እተጥቅዕ፡ ናብ ዓቢ ጸገም ክትኣቱ’ያ” ዝበለ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ዓቕላ ትጽንቅቕ ምህላዋ ምግላጹ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ይጽውዕ

ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ “ቀዳምነት እንሰርዖ ሃገራዊ ረብሓታትና’ዩ፡ እዚ ድማ ብኲናት ዘይኰነ ብሰላም’ዩ ዝረጋገጽ” ብምባል ሃገሩ ካብ ኲናት እትረብሖ ነገር ስለዘየለ፡ እንኮ ምርጫኣ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ጥራይ ምዃኑ ኣረዲኡ።ሓይልታት ኣመሪካን ጃፓንን ኣንጻር

ሰሜን ኮርያ ዝቐንዐ ን18 መዓልታት ዝጸንሕ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብቲ ዞባ ስግኣት ኲናት ሰፊኑ ምህላዉ ምንጭታት’ቲ ከባቢ ሓቢሮም። ሰሜን ኮርያ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡

ኣብቲ ዞባ ክትክሰት እትኽእል ንእሽቶ ግጭት፡ ናብ ዝዓበየ ውግእ ከተምርሕ ዝለዓለ ተኽእሎታት ከምዘሎ ብምምልካት፡ ክገጥማ ዝኽእል ኲናት ብኑክሌሳዊ ቦምብ ከም እትምልሰሉ’ያ ተጠንቅቕ ዘላ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ህንዲ ኣብ እትርከብ ዞባ ማንዲ፡ ሓያል ዝናብ ብዘስዓቦ ሓደጋ መንደራጋሕ፡ 46 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ኣብ እግሪ ኣኽራን ሂማላያ

ኣብ ዝተደኰና ዓድታት እዩ ተኸሲቱ። እቲ መደረጋሕ ንሓያሎ መንበሪ ገዛውቲ ክደፍነን እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ክልተ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳት እውን ካብቲ እምባታታት ብዝወረደ ሓመድን ኣእማንን ከም እተዓብጣ ምንጭታት’ቲ ከባቢ ሓቢሮም።ኣብቲ ከባቢ ዝመደበሮም ወተሃደራት

ህንዲ ነቶም ብደናጉላ ዝተጸቕጡ ግዳያት ንምድሓን ከምዝተጓየዩን ንሓያሎ ሰባት ከድሕኑ ከምዝኸኣሉን ሓቢሮም። ሰበ-ስልጣን ህንዲ ከምዝሓበርዎ ብከቢድ ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቚቦም ኣለዉ። ብዝተፈላለየ መሳርሒታት ተሓጊዞም ኣብ መስርሕ ምድሓን ግዳያት ዝሳተፉ ዘለዉ ወተሃደራት ህንዲ

ህንዲ - ብመንደራጋሕ 46 ሰባት ሞይቶም

ጻዕርታቶም ይቕጽሉ እኳ እንተ ሃለዉ፡ እቲ ብሞንሱን ዝፍለጥ ዝናብ ብዘይ ምቁራጹ፡ እቲ መስርሕ ዕንቅፋት ገጢምዎ ምህላዉን፡ ተወሳኺ መንደራጋሕ ከይስዕብ እውን ስግኣት ከምዘሎን ተሓቢሩ።ካብተን ብሓደጋ መንደራጋሕ ዝተደፍና

ኣውቶቡሳት ሓንቲ ሰባት ጽዒና ከምዝነበረት ዝገለጸ ኣፈኛ ሰራዊት ህንዲ፡ “15 ሜትሮ ንታሕቲ ብመንደራጋሕ ተሽፊና ብምህላዋ፡ ነዚ ንምፍሓሩ ግዜ ከምዝወስድን፡ ብኡ

መንጽር ክድሕን ዝኽእል ህይወት ከምዘይህሉን ይርድኣኒ’ሎ” ክብል ሓቢሩ።ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ፡

በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ከምዝጐሃየ ብምግላጽ፡ ንስድራቤት ናይቶም ግዳያት ሓገዝ ክወሃብ ኣዚዙ።ኣብ ህንዲ ሞንሱን ወቕቲ ናይዛ ዓመት

ካብ ዝጅምር፡ ኣማኢት ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ዝናብ ሞንሱን 2 ሚልዮን ህዝቢ ህንዲ ከምዝጸሉ ይንገር።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ቡርኪናፋሶ - ኡጋዱጉ ብዝተኻየደ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ 20 ሰባት ተቐቲሎም ሸሞንተ ከምዝቘሰሉ ቢቢሲ ሓቢሩ።ሰለስተ ብረት ዝዓጠቑ ናብ ኣፍ-ደገ ሓንቲ

ቤት-መግቢ ብምእታው ብዝኸፈትዎ ናይ ኣልማማ ተዂሲ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ግዳይ ሞተን መቚሰልትን ከምዝዀኑ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም። ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ዕጡቓት፡ እቶም ክልተ ብፖሊስ ከም እተቐትሉ፡ ደሃይ ናይ’ቲ ሓደ ግን ዛጊት ከም ዘይተፈልጠ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሓቢሮም።እቲ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ከም

እተፈጸመ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ፡ ብኣባላት ናይ’ቲ ኣብ ዞባ ሳሕል ዝንቀሳቐስ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ኣል-ቓዒዳ ክኸውን ከም ዝኽእል ፖሊስ ሓቢሩ። ፖሊስ ናይ’ታ ከተማ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሰባት ብሞቶር-ብሽክለታ ብምምጻእ፡

ሃንደበት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጠያይት ከዝንቡ ተራእዮም። ናይቶም ግዳያት መንነት ዛጊት ይጻረ’ኳ እንተ ሃለወ፡ ሓደ ቱርካውን ሓደ ፈረንሳውን ከም ዝርከብዎም ፖሊስ ከምዘረጋገጸ ሓቢሩ።ቡርኪናፋሶ፡ ሓንቲ ካብተን ግብረ-ሽበራ

ንምግታእ ዞባዊ ኪዳን መስሪተን ዘለዋ

ቡርኪናፋሶ - መጥቃዕቲ ቦምብ 20 ሰባት ቀዚፉ

ሃገራት ኰይና፡ ብተደጋጋሚ እዋን ዒላማ ናይቲ ኣብ ሰሃራ ዝንቀሳቐስ ክንፊ ኣል-ቓዒዳ ክትከውን ምጽናሓ ይፍለጥ። ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ኣብ 2016 ኣብ

ወርሒ ጥርን ታሕሳስን ከምኡ’ውን ኣብ 2017 ኣብ ወርሒ መጋቢት ተመሳሳሊ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ መዛግብቲ ፖሊስ’ታ ሃገር ይጠቕሱ።

ኣብ ቻይና፡ ወልፊ ኢንተርነት ሓደ ካብ ሕዱራት ሕማማት ስነ-ኣእምሮ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኣቚጺሩ ኣሎ። እታ ሃገር ብፍላይ በዚ ሕማም ንዝተጠቕዑ ሰባት ንምፍዋስ ዘገልግላ ማእከላት ጥዕና ከም ዘለዋኣ ድማ ይግለጽ። የግዳስ ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ሓደ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ መንእሰይ ድሕሪ ምማቱ፡ ኣብ ልዕሊ’ተን ማእከላት ወቐሳታት ይስዕብ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ክስተት ኣብ ኣንሁ ዝተባህለ ዞባ’ዩ ተኸሲቱ። ስሙ ብስቱር ክተሓዝ ዝተደልየ ወዲ 18 ዓመት ቻይናዊ ግዳይ ወልፊ ኢንተርነት፡ ኣብ ሓደ ማእከል ጥዕና ተዓቚቡ እንከሎ’ዩ ሞይቱ። ኣብ ሬሳኡ ድማ ብዙሕ ኣካላዊ በሰላታት ከምዝተረኽበ ሓካይም ገሊጾም። ብድሕሪ’ዚ ድማ’ዩ ፖሊስ ንኹሎም ኣባላት ናይቲ ማእከል ጥዕና፡ ኣብ ቀይዲ ከእትዎም ዝወሰነ። እቲ ‘ማእከል ጥዕና’፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ወልፊ ኢንተርነት ከም ዘማዕበሉ ዝተገልጹ ኰተቴ፡ ወተሃደራዊ ዲስፕሊናዊ መቕጻዕቲን መግረፍትን ከም ዝኽተል’ዩ ዝግለጽ። ሓያሎ ንውሉፋት ኢንተርነት ንምፍዋስ ዝተሃንጻ ትካላት፡ ኣብ ልዕሊ ተሓከምቲ ሕሱም መግረፍቲ ከምዝጥቀማ፡ ዜጋታት ወግሐ-ጸብሐ ከማርሩ ምጽንሖም ጋዜጣታት ቻይና ይገልጻ።“ወደይ ናብ’ቲ ትካል ምስ ወሰድኩዎ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ’ዩ ሬሳኡ

ዝተመልሰኒ፡ ኣካላቱ ድማ ብሕሱም ምቕጥቃጥ መርኣዪ ኣይነበሮን” ክትብል ወላዲት ናይ’ቲ ግዳይ ሓቢራ። ድሕሪ ሞት ናይ’ቲ መንእሰይ፡ መንግስቲ ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ’ተን ንውሉፋት ኢንተርነት ንምእራም ተባሂለን ዝቘማ ትካላት፡ ጽኑዕ ቁጽጽር ክገብር’ዮም ሓያሎ ቻይናውያን ዝጽውዑ ዘለዉ።

ሊድያ በረኸት

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ተወሳኺ