Tig Text

12
መበል 25 ዓመት ቁ.74 ረቡዕ 25 ሕዳር 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 9 ሕሉፍን መጻኢን ጉዕዞ ኣሰልጠንቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ገጽ 2 “ምክንኻን ኣከባቢ ኣካል ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂና እዩ” ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ገጽ 3 ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና፡ ብንቕሓት ሕብረተሰብ ንመክቶ ገጽ 7 ትርኢት ክልት ኣዒንቲ...? ገጽ 5 ዓርከ-ምሕዝነት ፈደረሽን ሰራሕተኛታት ዓለባ፡ ቈርበትን ሳእንን፡ “ሓያል ውዳበ ንኣድማዒ ማሕበር” ብዝብል ቴማ፡ ብ20ን 21ን ሕዳር ኣብ ኣስመራ 4ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ወከልቲ መሰረታውያን ማሕበራት’ቲ ፈደረሽን ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ ኣብ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ሓላፊት ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ወ/ት ሮማን ገብረየሱስ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ዝተወጠኑ መደባት ስራሕ ፈደረሽን ሰራሕተኛታት ዓለባ፡ ቈርበትን ሳእንን 4ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ ብመቓን ግዜን ትግባረን፡ ክብጽሑ ዝተሓስቡ ዕላማታት፡ ከምኡ’ውን ምስ ራኢን ክውንነትን ተዛሚዶም ክግምገሙ ከምዝግባእ ጠቒሳ፡ ብኣስራሕቲ ክርአ ዝጸንሐ ንሰራሕተኛታት ብፍላይ ድማ ንደቂ-ኣንስትዮ ናይ ምንካይ ተርእዮ፡ ንኣባልነት’ቲ ፈደረሽን የዳኽሞ ከምዘሎ ብምምልካት፡ ፈደረሽን ኣብ’ዚ ኣተኩሩ ክሰርሕ ኣዘኻኺራ። ኣደ-መንበር’ቲ ፈደረሽን ወ/ት ያየሽ መሓሪ ብወገና፡ ጉባኤ ድሕሪ 10 ዓመታት ይካየድ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ፈደረሽን፡ ትካላትን መሰረታዊያን ማሕበራትን ቀጻሊ ርክባትን ምብህሃልን ስለዝነበረ፡ ህልው ኩነታት ፈደረሽን ዝምስገን ምዃኑ ጠቒሳ፡ ንደቂኣንስትዮ ብስሩዕ ስልጠናታት ክወሃብ እንተኽኢሉ፡ ኣብ ርእሲ ምውሳኽ ቊጽሪ ኣባላት ፈደረሽን፡ ምህርቲ ኣብ ምዕባይ’ውን ወሳኒ ስለዝኾነ፡ ሃኮሰኤ ፍሉይ ቈላሕታ ክገብረሉ ተላብያ። ጉባኤኛታት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተን ክትዕን፡ ነቲ ፈደረሽን ዘካይዱ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን፡ ከምኡ’ውን ኣብ 7ይ ጉባኤ ሃኮሰኤ ዝሳተፉ መሪጾም። ራብዓይጉባኤፈደረሽንሰራሕተኛታት ዓለባ፡ ቈርበትን ሳእንን ኣብ መወዳእታ፡ “መሰረታዊያን ማሕበራት ቈላሕታ ክወሃበን፡ ኣብ መሪሕነት ናይ ተመኲሮ ምውርራስ ክህሉ፡ ኲነታት ደቂኣንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ ክድህሰስ፡ ምስ ወሃብቲ ስራሕ ዘሎ ዝምድና ክተርር” ዝብሉ ዝርከብዎም ለበዋታትን ውሳነታትን ብምሕላፍንደምዳሚኣዋጅብምውጻእን ተዛዚሙ። ኤርትራውያን ነበርቲ መልበርን -ኣውስትራልያ፡ ውህደቶም ብምሕያል ንንሃገራዊ ረብሓ ቀዳምነት ዝህብ ንጥፈታት ከደንፍዑ፡ ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ምስኣቶም ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንሕብረ- መልበርን፡ ኤርትራውያን ንሃገራዊ ረብሓ ዘቐድም ንጥፈታት ከደንፍዑ መዘኻኸሪ ቀሪቡ ስ/ ሄኖክ መኮነን ብዙሓዊ ተጻብኦታት ዝመከቱ፡ ሳላ ጽንዓቶምን ስጥመት መሳርዖምን ምዃኑ ኣቶ መሓሪ ጠቒሱ፡ ሕጂ’ውን እዚ ሓይሊ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ተኣምር ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ። ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ ኣብ መወዳእታ፡ ንምቕያር ወረቐት መንነትን ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ንዝካየድ ፈስቲቫልን ጽንብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራን ንምምዕራግ፡ ኣድላዪ ምቅርራባት ክግበር ጸዊዑ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ምቕያር ባጤራ ባንክ ኤርትራ፡ ንመስርሕ ምቕያር ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣውጺኡ። እቲ ናብ ኤሪና ዝተላእከ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ፦ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብን ጻዕቂ ተገልገልቲ ኣብ ባንክታት ንምፍዃስን፡ ካብ ሓሙስ ዕለት 26/11/2015 ክሳብ ረቡዕ ዕለት 2/12/2015 - እንተላይ ቀዳመ-ሰንበት ሓዊስካ፡ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ንኡሳን ዞባታት ምምሕዳርን ግንባርን ዞባ ማእከል ኣገልግሎት ምቕያር ባጤራ ክወሃብ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለታት ዝወሃብ ኣገልግሎታት፡ ልዕሊ ናቕፋ 20 ሽሕን ትሕቲ ናቕፋ 100 ሽሕን ንዘለዎም ጥራይ’ዩ። ካብ ሓሙስ ዕለት 3/12/2015 ክሳብ ረቡዕ ዕለት 30/12/2015 ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ፡ ንኹሉ ትሕቲ ናቕፋ 20 ሽሕ ዘለዎ፡ እቲ ኣገልግሎት ብተመሳሳሊ ኣብ’ዚ ኣብያተ-ጽሕፈት ይቕጽል። ንዝርዝሩ፡ ኣብ ከባቢኹም ንዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ተወከሱ። ካብኡ ንላዕሊ መጠን ዝቕየር ገንዘብ ዘለዎም ግና፡ ኣብ ባንክታት ብምኻድ ኣገልግሎት ይረኽቡ። ኣብኩሉኣካላትመንግስትንግንባርንዝርከቡሰራሕተኛታት’ውን፡ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ኣብ ተትካሎም ይረኽቡ። ጀርመናውያን ክኢላታት ብግብሪ እናመሃሩ

description

Tigrinya text document from Haddas Ertra News paper

Transcript of Tig Text

Page 1: Tig Text

መበል 25 ዓመት ቁ.74 ረቡዕ 25 ሕዳር 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 9ሕሉፍን መጻኢን ጉዕዞ ኣሰልጠንቲ ሚኒስትሪ

ምክልኻል

ገጽ 2“ምክንኻን ኣከባቢ

ኣካል ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂና እዩ” ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን

ገጽ 3ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና፡ ብንቕሓት ሕብረተሰብ ንመክቶ

ገጽ 7ትርኢት ክልት ኣዒንቲ...?ገጽ 5

ዓርከ-ምሕዝነት

ፈደረሽን ሰራሕተኛታት ዓለባ፡ ቈርበትን ሳእንን፡ “ሓያል ውዳበ ንኣድማዒ ማሕበር” ብዝብል ቴማ፡ ብ20ን 21ን ሕዳር ኣብ ኣስመራ 4ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ወከልቲ

መሰረታውያን ማሕበራት’ቲ ፈደረሽን ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ ኣብ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ሓላፊት ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ወ/ት ሮማን ገብረየሱስ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ዝተወጠኑ መደባት ስራሕ

ፈደረሽን ሰራሕተኛታት ዓለባ፡ ቈርበትን ሳእንን 4ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ

ብመቓን ግዜን ትግባረን፡ ክብጽሑ ዝተሓስቡ ዕላማታት፡ ከምኡ’ውን ምስ ራኢን ክውንነትን ተዛሚዶም ክግምገሙ ከምዝግባእ ጠቒሳ፡ ብኣስራሕቲ ክርአ ዝጸንሐ ንሰራሕተኛታት ብፍላይ ድማ ንደቂ-ኣንስትዮ ናይ ምንካይ ተርእዮ፡ ንኣባልነት’ቲ ፈደረሽን የዳኽሞ ከምዘሎ ብምምልካት፡ ፈደረሽን ኣብ’ዚ ኣተኩሩ ክሰርሕ ኣዘኻኺራ። ኣደ-መንበር’ቲ ፈደረሽን ወ/ት

ያየሽ መሓሪ ብወገና፡ ጉባኤ ድሕሪ 10 ዓመታት ይካየድ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ

መንጎ ፈደረሽን፡ ትካላትን መሰረታዊያን ማሕበራትን ቀጻሊ ርክባትን ምብህሃልን ስለዝነበረ፡ ህልው ኩነታት ፈደረሽን ዝምስገን ምዃኑ ጠቒሳ፡ ንደቂኣንስትዮ ብስሩዕ ስልጠናታት ክወሃብ እንተኽኢሉ፡ ኣብ ርእሲ ምውሳኽ ቊጽሪ ኣባላት ፈደረሽን፡ ምህርቲ ኣብ ምዕባይ’ውን ወሳኒ ስለዝኾነ፡ ሃኮሰኤ ፍሉይ ቈላሕታ ክገብረሉ ተላብያ።ጉባኤኛታት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ

ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተን ክትዕን፡ ነቲ ፈደረሽን ዘካይዱ ማእከላይ ባይቶን

ፈጻሚት ሽማግለን፡ ከምኡ’ውን ኣብ 7ይ ጉባኤ ሃኮሰኤ ዝሳተፉ መሪጾም።ራብዓይ ጉባኤ ፈደረሽን ሰራሕተኛታት

ዓለባ፡ ቈርበትን ሳእንን ኣብ መወዳእታ፡ “መሰረታዊያን ማሕበራት ቈላሕታ ክወሃበን፡ ኣብ መሪሕነት ናይ ተመኲሮ

ምውርራስ ክህሉ፡ ኲነታት ደቂኣንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ ክድህሰስ፡ ምስ ወሃብቲ ስራሕ ዘሎ ዝምድና ክተርር” ዝብሉ ዝርከብዎም ለበዋታትን ውሳነታትን ብምሕላፍን ደምዳሚ ኣዋጅ ብምውጻእን ተዛዚሙ።

ኤርትራውያን ነበርቲ መልበርን -ኣውስትራልያ፡ ውህደቶም ብምሕያል ንንሃገራዊ ረብሓ ቀዳምነት ዝህብ ንጥፈታት ከደንፍዑ፡ ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ምስኣቶም ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ።ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንሕብረ-

መልበርን፡ ኤርትራውያን ንሃገራዊ ረብሓ ዘቐድም ንጥፈታት ከደንፍዑ

መዘኻኸሪ ቀሪቡ

ስ/ ሄኖክ መኮነን

ብዙሓዊ ተጻብኦታት ዝመከቱ፡ ሳላ ጽንዓቶምን ስጥመት መሳርዖምን ምዃኑ ኣቶ መሓሪ ጠቒሱ፡ ሕጂ’ውን እዚ ሓይሊ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ተኣምር ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ

ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ ኣብ

መወዳእታ፡ ንምቕያር ወረቐት መንነትን ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ንዝካየድ ፈስቲቫልን ጽንብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራን ንምምዕራግ፡ ኣድላዪ ምቅርራባት ክግበር ጸዊዑ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ

ምቕያር ባጤራ

ባንክ ኤርትራ፡ ንመስርሕ ምቕያር ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣውጺኡ።

እቲ ናብ ኤሪና ዝተላእከ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ፦

• ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብን ጻዕቂ ተገልገልቲ ኣብ ባንክታት ንምፍዃስን፡ ካብ ሓሙስ ዕለት 26/11/2015 ክሳብ ረቡዕ ዕለት 2/12/2015 - እንተላይ ቀዳመ-ሰንበት ሓዊስካ፡ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ንኡሳን ዞባታት ምምሕዳርን ግንባርን ዞባ ማእከል ኣገልግሎት ምቕያር ባጤራ ክወሃብ’ዩ።

• ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለታት ዝወሃብ ኣገልግሎታት፡ ልዕሊ ናቕፋ 20 ሽሕን ትሕቲ ናቕፋ 100 ሽሕን ንዘለዎም ጥራይ’ዩ።

• ካብ ሓሙስ ዕለት 3/12/2015 ክሳብ ረቡዕ ዕለት 30/12/2015 ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ፡ ንኹሉ ትሕቲ ናቕፋ 20 ሽሕ ዘለዎ፡ እቲ ኣገልግሎት ብተመሳሳሊ ኣብ’ዚ ኣብያተ-ጽሕፈት ይቕጽል። ንዝርዝሩ፡ ኣብ ከባቢኹም ንዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ተወከሱ።

• ካብኡ ንላዕሊ መጠን ዝቕየር ገንዘብ ዘለዎም ግና፡ ኣብ ባንክታት ብምኻድ ኣገልግሎት ይረኽቡ።

• ኣብ ኩሉ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት’ውን፡ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ኣብ ተትካሎም ይረኽቡ።

ጀርመናውያን ክኢላታት ብግብሪ እናመሃሩ

Page 2: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ኣስቴር ካሕሳይሰላም ክፍለማርያም

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

ለይ-ኣውት

ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ምስ ቤት ጽሕፈት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ብምሽራኽ ብ18 ሕዳር ኣብ ምብዳህ ክሊማዊ ለውጢ ዘተኮረ ዋዕላ ኣካዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ሚኒስተራት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ክኢላታት ስነ ኣከባብን ዝተረኽብሉ ዋዕላ ሚኒስተር ተስፋይ ገብረስላሴ ናይ ዘቕረቦ ቃል ጽሟቕ ትሕዝቶ እንሆ። ተርጓሚ የማነ ሃይለ፦

ክሊማዊ ለውጢ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት መበል 21 ክፍለ-ዘመን እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ህዝቢ ዓለም ካብቲ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ፓሪስ - ፈረንሳ ዝካየድ መበል 21 ዓለማዊ ዋዕላ ክሊማ ልዑል ትጽቢት ኣለዎ። ከምኡ ስለዝኾነ

“ምክንኻን ኣከባቢ ኣካል ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂና እዩ” ሚኒስተር

መሬት፡ ማይን ኣከባብን

ድማ’ዩ እዚ ናይ ሕጂ ዋዕላና ኣብ ልክዕ ግዜኡ ተወዲቡ ዝካየድ ዘሎ። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተረኺበ ንመትከል ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ዘንጸባርቕ ሓሳባት ወስ ከብል ከለኹ ከኣ ሓጎስ ይስማዓኒ። ተመራመርቲ ክሊማ፡ ምውሳኽ ዓለማዊ

ዋዒ ነቲ ንቡር ክሊማ ለዊጡ፡ ህይወት ኣብ መሬት ከምዘይከኣል ክገብር ዝኽእል ሳዕቤናት ክህልዎ ከምዝኽእል ከጠንቅቑና ጸኒሖም ኣለዉ። እዚ፡ ካብ ሕጂ ንንየው ትንበያ ወይ ገምጋም ኣይኮነን። ድሮ ኣብ

ብዙሕ ከባቢታት ዓለም እቲ ሳዕቤናት ብግብሪ ክርአ ስለዝጀመረ። ሰነዳት ከምዘነጽርዎ፡ ቅድሚ ሓደ ክፍለ-ዘመን ኣቢሉ ኩነታት ኣየር ክምዝገብ ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ እዘን ዝሓለፋ ክልተ-ዕሱር ዓመታት እተን ዝወዓያ እየን።

ዋላ’ኳ ክሊማ ብባህርይ ክፈላለ ዝኽእል እንተኾነ፡ ተመራመርቲ ግን እዚ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ዝተራእየ ወሰኽ ዓለማዊ ዋዒ ጠንቁ ንጥፈታት ወዲ ሰብ ምዃኑ እዮም ዘረጋግጹልና። ኣብ ዝተፈላለየ ኢንዱስትርያውን ሕርሻውን ንጥፈታት ተተፊኡ ዝተዋህለለ ካርቦንዳይኦክሳይድን ካልኦት ሃሰይቲ ባእታታትን ድማ’ዮም ዓቢይ ብድሆ ፈጢሮም ዘለዉ።እቲ ስነ-መጎት ከኣ ንጹር እዩ። ኣብ

ልዕሊ መሬት ዘሎ ኣየር (ኣትሞስፌር) ብጽዑቕ ክብደት ናይዞም ዝጠቐስናዮም ጋዛት ምስተጎብአ፡ ነቲ ካብ መሬት ተንጸባሪቑ ዝምለሶ ዋዒ ስለዝዕቅቦ፡ ዓለማዊ ዋዒ ይውስኽ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ኩልና ከምእንፈልጦ፡ ህዝብታት ናይተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምውሳኽ

ዓለማዊ ዋዒ ዘበርክትዎ ግደ ኣዝዩ ሒደት እዩ። እቶም ብሳዕቤናቱ ዝያዳ ዝህሰዩ ግን ንሳቶም’ዮም። እዚ ምናልባት፡ ምስቲ ሓድሽ ኩነታት ክለማመዱ ስለዘይከኣሉ ወይ’ውን ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኦም ዝያዳ ተጠቃዕቲ ስለዝገበሮም ክኸውን ይኽእል። ኮይኑ ግን፡ ሳዕቤናት ዓለማዊ ዋዒ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን ኣሻቓልን ግዜ ዘይህብን ሓደጋ ኮይኑ ኣሎ። ካብቲ ሳዕቤናት ከተምልጥ እትኽእል ዝኾነት ሃገር የላን። እዞም ሕጂ እንዕዘቦም ዘለና ናይ

ኣከባብያዊ ብከላ ተርእዮታት፡ ኣብ ቅድሜና እንታይ ይጽበየና ከምዘሎ ዝሕብሩ እዮም። እቶም ዘይተደለይቲ ሳዕቤናት፡ ኣቐዲምካ ዘይትንበዮ ኩነታት ኣየር፡ እናሻዕ ዝደጋገምን ንብዙሕ ከባቢታት ዝትንክፍን ናይ ዋዒ ማዕበል፡ ከቢድ ደርቂ፡ ዘይንቡር ትሮፒካዊ ህቦብላታት፡ ኣዕናዊ ውሕጅን ዕልቕልቕን፡ ምጉዳል ምንጭታት ጽሩይ ማይ፡ ምምካኽ ኣብ ዋልታታት ዓለም ዝርከብ በረድን ምውሳኽ መጠን ውቅያኖሳትን፡ ምብራስ ኣግራብን ጫካታትን፡ ምንካይ ፍርያምነት ሓመድ፡ ምንካይ ሕርሻዊ እቶትን ምጽናት ናይ ገለ ዓሌታት እንስሳን፡ ምንካይ ጸጋታት ዓሳን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጽልዋታትን እዮም።ትንታነ ዓለማዊ ዋዕን ክሊማዊ

ለውጥን ከም ሳዕቤኑ ዝርአ ኣከባብያዊ ምንቁልቋልን፡ ኣብቶም ሱር ጠንቅታት ከነድህብ ይሓቱና ኣለዉ።

ዘመናዊ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣደ መሬት ጨካንን ዘይግደስን እዩ። ሱር ጠንቂ ናይዚ ኣዕናዊ ባህርያት’ዚ ኣብዚ ህሉው ዓለማዊ ስርዓተ ቁጠባ ዝተሰረተ እዩ። እዚ ውጽኢቱ ንነብስና ከምእነዕሹ ዝገብረና ዘሎ ህሉው ዓለማዊ ስርዓተ ቁጠባ፡ ነቲ ዝምርኮሰሉን ዝቖመሉን ባህርያዊ ጸጋታት እዩ ዘዕኑ ዘሎ።ህሉው ዓለማዊ ስርዓተ ቁጠባን እቲ

ብድሕሪኡ ዘሎ ኣተሓሳስባን ንዓለምና ናብ ፍኖት ርእሰ-ዕንወት ኣምሪሖምዋ ኣለዉ። ነዚ፡ ቀጻልነት ዘይብሉ ኣገባብ እቶትን ናይ ዘይዓግብ ሸውሃት ባህልን ብምዅስኳስ ከምኡ’ውን ነቶም ንሓዋሩ ክንጥቀመሎም ዝግባእ ድሩታት ጸጋታት ልዕሊ ዓቐን ብምምዝማዝ እዮም ዝትግብርዎ። ብሓጺር ኣገላልጻ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት፡ ነቶም ማእለያ ዘይብሎም ኣከባብያዊ ክሳራታትን ምምዝባላትን ኣብ ግምት ዘየእቱ ስርዓት እዩ።

ሕጂ ግን ክንበራበረሉ ዘለና እዋን እዩ። እቶም ነቲ ዘይተርፍ ዝመስል ሓደጋ ዘስተውዓሉ ኣህጉራውያን ምትእኽኻባትን ዋዕላታትን፡ ከም ቀደምና ምስራሕ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝተሓላለኸ ጸገማት ዓለማዊ ዋዒን ክሊማዊ ለውጥን መፍትሒ ክኾነና ከምዘይክእል እዮም ዝነግሩና ዘለዉ።ኤርትራ ንሕልኽላኽ፡ ክብደትን

ሳዕቤናትን ክሊማዊ ለውጢ ብግቡእ እያ እትርድኦ። እቲ ክሊማዊ ለውጢ ምስ ድኽነት፡ ሕጽረት መግቢ፡ ድሕረት፡ ሕማማትን ምንቁልቋል ኣከባብያዊ ብዙሕነትን ዘለዎ ጽኑዕ ምትእስሳር ንዓና ንጹር እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኤርትራ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይ ዝህልዎ ኣሰቃቒ ሳዕቤን ስለእትርዳእ፡ ብህጹጽ ናይ ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን ለውጢ ክህሉ ትድግፍ። ሕጂ ‘እከለ እዩ ዓገበኛ’ ኢልካ

ንምክሳስን ‘ኣነ ኣይኮንኩን’ ኢልካ ካብ ሓላፍነትካ ንምህዳምን ዝኸውን ግዜ የብልናን። ክብደት ናይዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆ ክሊማዊ ለውጢ፡ ብሓባር ብሕልና ክንሓስብን ውጽኢታዊ ስራሕ ክንሰርሕን እዩ ዝቕስበና። ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ደቡብ ኣመሪካን ዝርከብ 2.8 ቢልዮን ህዝቢ ዘመናዊ ጸዓት ኣይረክብን እዩ። ንዘቤታዊ መዓላ ኣብ ዕንጨይትን ካልእ ያታዊ ምንጪን እዩ

ዝምርኮስ። ከም ሳዕቤኑ፡ ብከላ ውሽጢ ገዛ ልዑል እዩ። ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ከባቢታት’ዚ ብከላ ዝመበገሲኡ ሕማማት ዓይንን ስርዓተ ምስትንፋስን ግኑን እዩ።ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት

ዘሎ ልዑል ጠለብ ናይ ዘመናዊ ጸዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክኢላታት፡ ዓለማዊ ጠለብ ጸዓት ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ክፍለ-ዘመን ልዕሊ ዕጽፊ ክውስኽ ምዃኑ ይንበዩ። ሃገራት ጸዓት ንምፍራይ ከከም ድላየን ኣብ ካርቦን ዝሰረቱ ናይ ጸዓት ቴክኖሎጂ ክምርኮሳ እንተደኣ ተገዲፈን፡ እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ዝስሕቶ ሰብ የለን። ነዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማትናን ክህሉ

ዝኽእል ወሰኽ ናይ ጠለብን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓለማዊ ዋዒ ንምቝጻይ፡ ጭቡጥ ኣህጉራዊ ግብረ መልሲ ከድሊ እዩ። እቲ ኣህጉራዊ ግብረ-መልሲ ከኣ ኣብ

ምንካይ ናይቶም ካብ ኢንዱስትሪታትን ካልእን ዝትፍኡ ተጓዳእቲ ጋዛትን ኣብ ምጽራግ ኣዝዩ ውሑድ ትፋእ ናይ ጋዛት ዘለዎ ፍኖትን ከተኩር ኣለዎ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምህራም ከኣ፡ ቀያዲ ሕጋዊ ናይ ክሊማ ስርዓት ናይ ግድን ከድሊ እዩ።ኤርትራ፡ ምንካይ ዓለማዊ ዋዕን ትፋእ

ተጓዳእቲ ጋዛትን ዝውሰዱ ተበግሶታትን፡ ቅድም ቀዳድም ናይቶም በከልቲ ኣካላት ሓላፍነት ምዃኑ ትኣምን። ስለዚ፡ እተን ቀንዲ በከልቲ ዝኾና ምዕቡላት ሃገራት፡ ቴክኖሎጂያውን ፊናንስያውን ዓቕሚ እውን ስለዘለወን፡ ናብ ጽሩይ ምንጪ ጸዓት ንምስግጋር ውጽኢታዊ ስጉምቲ ክወስዳ ኣለወን። ከምኡ ክብል ከለኹ ግን፡ እዚ ሓፍ ዘይብል ብድሆ ምንካይ ዓለማዊ ዋዒ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ጥራይ ክጸዓን ኣለዎ ማለተይ ኣይኮንኩን። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣየር

ዝትፋእ ካርቦን ወይ ካልእ ጋዝ ዳርጋ የለን እዩ ክበሃል ዝከኣል። ካብቲ ዝፍቀደላ ዓቐን ካርቦን ኣዝዩ ዝወሓደ እያ ተህልኽ። እዚ እናኾነ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሩ ይኹን ብደረጃ ዓለም፡ ክሊማውን ኣከባብያውን ጸገማት ብግቡእ ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ እዩ ዝኣምን። ብሓቂ ከኣ፡ ምክንኻን ኣከባቢ ሓደ ካብ ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂና እዩ።

የቐንየለይ!

Page 3: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 3

ንኣተኣላልያ ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ዝምልከት ስልጠና ካብ 7 ክሳብ 14 ሕዳር ኣብ ኣደራሽ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣስመራ ከምዝተዋህበ ብዜና ተገሊጹ’ዩ። እቲ ስልጠና ብሰለስተ

ጀርመናያውን ክኢላታት ፊዝዮተራፒ ዝተዋህበ ኰይኑ፡ ካብ ዞባታት ዝተዋጽኡ 56 ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ ኣባላት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንኩላን ኤርትራን ሃገራውያን ማሕበራትን ተሳቲፎም ነይሮም። እቲ ስልጠና ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ክፋሉ ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ብኸመይ ሕማም ኦቲዝም ይኹን ዳውንሲንድሮም ከምዘለዎም ተለልዮም ኣብ ዝብል ዘተኰረ’ዩ ነይሩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቅልጡፍ ምትእትታው (Early intervention)ን ኤይ.ቢ.ኤይ (Applied Behavior Analysis)ን ዝብል ትምህርቲ ተዋሂቡ። ቅልጡፍ ምትእትታው ክበሃል ከሎ፡ ሓደ ቈልዓ ዘይንቡር ባህሪያት ከርኢ ኣብ ዝተዓዘብካዮ ህሞት ብኸመይ ብህጽጹ ጣልቃ ኣቲኻ ንምሕጋዙ ስጉምቲ ትወስድ’ሞ፡ ካብቲ ገጢሙዎ ዘሎ ጸገማት ብዝለዓለ ከተድሕኖ ከምእትኽእል ምኽሪ ዝህብ’ዩ። እዚ፡ ብቐሊሉ

ብወለዲ ዝትግበር ኰይኑ፡ ውጽኢታዊ ሜላ ናይ ኣተኣላልያን ቅልጡፍ ኣፈዋውሳን ኣብ ልዕሊ’ቲ ጸገም ዘለዎ ህጻን ከምዘምጽእ ድማ ተገሊጹ። በዚ መሰረት፡ እቲ ፍልጠት ካብ ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ወለዲ ብዝቐልጠፈ

ተሰጋጊሩ፡ ወለዲ ብኣጋኡ ክነቕሕሉ ከምዝግባእ ክግበር ከምዘለዎ ተነጺሩ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝቐረበ ትምህርቲ

ብዛዕባ ኤይ.ቢ.ኤይ (ABA) ድማ፡ ነቲ ቈልዓ ኣብ ናቱ ደረጃ ኣቲኻ ኣብ ባህሪኡ፡ ኣብ ስምዒቱ፡ ኣብ ትምህርቱ፡ ወዘተ ከመይ ገይርካ ብግብሪ ትሕግዞ ዝብል’ዩ ነይሩ። ዕላማኡ ድማ ወለዲ ኩነታት ደቆም ብዕምቆት ፈሊጦምን ተረዲኦምን፡ ዓቕሊን ህድኣትን ገይሮም ንደቆም ከመይ ገይሮም ክሕግዝዎም ከምዘለዎም ዝሕብር ትምህርቲ’ዩ። እቶም ክኢላታት፡ ነቲ ናይ ኤይ.ቢ.ኤ ትምህርቲ፡ ኣብ ተሞኩሮኦም ዘጋጠሞም ኣብነታት እናሰነዩ ብክለሰ ሓሳብን ብግብሪን’ዮም ንተሳተፍቲ’ቲ ሰሚናር ኣቕሪቦሞ። ትምህርቲ ኤይ.ቢ.ኤይ፡ ኣብ ልዕሊ

ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ፡ ዕዉት ውጽኢት ክህብ ዝኽእል ዝዓበየ መሳርሒ ከምዝዀነ ድማ እቶም ክኢላታት ኣስሚሮምሉ። ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ሰሚናር

ብዛዕባ ፊዝዮተራፒ ዝምልከት ኣስተምህሮ’ዩ ተዋሂቡ። እዚ ከኣ፡ ንሓደ ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጸገም ዘለዎ ቈልዓ ከመይ ገይርካ ተንቀሳቕሶን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትገብረሉን ከምእትኽእል ዝግለጽ’ዩ ነይሩ። እቶም ክኢላታት፡ ነቲ ትምህርቲ ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ዘለዎም ቈልዑ ብኣካል ከምዝመጹ ብምግባር፡ ንሓደ ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ዘለዎ ቈልዓ ብኸመይ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ትገብረሉ ብተግባር ኣርእዮምን ተመኲሮኦም ኣካፊሎምን።ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ዘለዎም

ቈልዑ፡ ብመጥባሕቲ ይኹን ብሕክምና ኣካላቶም ከምዝንቀሳቐስ ክትገብሮ ዝክኣል ከምዘይኰነ ርዱእ ነገር’ዩ። ኣፍልጦ ብዛዕባ

ፊዝዮተራፒ ይኹን ኤይ.ቢ.ኤይን ምህላው ግን፡ ኣቦን ኣደን ሓቢሮም ነቲ ቈልዓ ኣብ ገዛ መሰረታዊ ኣልያን ደቀቕቲ ምንቅስቓሳትን ክገብሩሉን ጸገማቱ ከቃልሉን ዕድል ዝፈጥረሎም ከምዝዀነ፡ ነቲ ስልጠና ዝሃበ ክኢላ ፊዝዮተራፒ፡ ጀርመናዊ ዶክተር ቶማስ ድሪክሰን ሓቢሩ። ዶክተር ቶማስ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናብ ኤርትራ ሕጂ ንራብዓይ ግዜኡ ዝመጽእ ዘሎ ኰይኑ፡ ደቆም ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ዘለዎም ወለዲ፡ ብዛዕባ ፊዝዮተራፒን ኤይ.ቢ.ኤን ዘለዎም ኣፍልጦ ብቐጻሊ ከዕብዩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ። ካብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ብስነ-ልቦና

ብቐዳማይ ዲግሪ ተመሪቓ ኣብ ማሕበር ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንኩላን ኤርትራ ከም ክኢላ ስነ-ልቦናን ኣማኻሪት ወለዲን ኰይና ሃገራዊ ግቡኣ ኣብ ምፍጻም እትርከብ ወ/ት ኣርሴማ ገርግሽ፡ ነቲ ብክኢላታት ፊዝዮተራፒ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ከመይ ከምዝነበረ ክትገልጸና ተወኪስናያ ኔርና። ንሳ ፈለማ ብዛዕባ ንፊዝዮተራፒ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ሰሚናር ኣመልኪታ ክትገልጽ ከላ፡ “እቲ ናይ ፊዝዮተራፒ ትምህርቲ ናይ ልዕሊ መዓንጣን ትሕቲ መዓንጣን ምንቅስቓሳት ዘጠቓለለዩ ኰይኑ፡ ኣብ መሓውራት፡ ኣእጋር፡ ኣእዳውን ኣጻብዕቲን፡ ናይ ክሳድን ናይ ዓንዲ ሕቖን ካልእን ዘተኰረ’ዩ ነይሩ። እዚ ከኣ፡ ንኽትርድኦ ብዙሕ ትምህርቲ ዘየድልዮ፡ ሓንቲ ኣደ ወይ ኣቦ ሓንሳብ ምስ ርኣዮ ክደግሞን ኣብ ውላዱ ብዘይ ጸገም ከተግብሮን ዝኽእል ውጽኢታዊ ሜላ ኣተኣላልያ ስለዝነበረ፡ እዋናዊን ኣድማዒን’ዩ ነይሩ’’ ኢላ። ወ/ት ኣርሴማ፡ እቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ ኣብ ወለዲ በጺሑ ምስ ዝምሃርዎ፡ ኣብ ጭዋዳታትን መሓውራትን ናይቲ ቈልዓ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእን እቲ ቈልዓ ከምዝንቀሳቐስ ክገብሮን ዝኽእል ስለዝዀነ፡ ኣብ ኩሎም ወለዲ ከምዝባጻሕ ንምግባሩ፡ ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንኩላን ኤርትራ (ሃማኣምስኤ) ከምዝሰርሓሉ ኣረዲኣ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ትምህርቲ ነቶም ሕክምናዊ ሞያ ዘለዎም ካብ ኩለን ዞባታት ዝመጹ ክኢላታት ብምውሃቡ፡ ኣብ ሞያኦም ተወሳኺ ፍልጠት ዝውስኸን ኣብ ኣተኣላልያን ክንክንን ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንኩላን ዝሕግዞም ምዃኑን ኣብሪሃ።ኣቦ መንበር ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣዊን

ምዕባለኣዊን ስንኩላን ኤርትራ ሌ/ኮለኔል ብርሃነ ቦዂረጽዮን ብግደኡ፡ እቲ ብማሕበሮም ዝተወደበ ሰሚናር፡ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንኩላን ኤርትራ ኣፍልጦ ኣዕቢኻ፡ ኣብ ኣተኣላልያኦም

ዘድሊ ሓልዮንት ክንክንን ከምዝግበር ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ። ንሱ ኣስዒቡ፡ እቲ ንሰሙን ዝቐጸለ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ኤይ.ቢ.ኤይን ብፊዝዮተራፒን፡ ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ንዘለዎም ቈልዑ ኣብ ምፍዋስ ሓጋዚ ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎ ግጉይ ኣመላኻኽታ ኣሪሙ፡ ወለዲ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ደቆም ክሕብሕቡ ዘዘኻኽር ከምዝዀነ ወሲኹ ኣረዲኡ።“ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን

ስንክልና፡ ምስ ኣእምሮ ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ፡ ካብ ካልኦት ስንክልናታት ኣዝዩ ተሓላለኸን ዝኸበደን’ዩ” ዝበለ ሌ/ኮለኔል ብርሃነ ቦዂረጽዮን፡ ኣእምሮ ንኹሉ ነገራት - ንምስትውዓል፡ ምንቅስቓስ፡ ምርኣይ፡ ንምሕሳብ፡ ሽግራት ምፍታሕ . . . ስለዝቕመር፡ ናይ’ዚ ምስንካል ኣብ ኩሉ ኣካላት ዝተናኽፍ ከምዝዀነ ሓቢሩ። ምሉእ ጥዕና ዝበሃል፡ ማሕበራዊ፡ ኣእምሮኣዊን ኣካላውን ኩነታትካ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ክህሉ ከሎ ምዃኑ ብምምልካት ከኣ፡ ኮለኔል ብርሃነ፡ ኣእምሮ ምስ ዝስንክል፡ ብዝግበረሉ ሓልዮት፡ ክንክን፡ ቅልጡፍ ምትእታውን ዝተፈላለየ ደገፋት ክምዕብልን ክመሓየሽን ዝኽእል ስለዝዀነ፡ ወለዲ ብስንክልና ደቆም ተስፋ ከይቆረጹ፡ ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምዃን ኣብ ኣተኣላላያ ደቆም ተራኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ። ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ብመርገም ከም ዝመጸን ዕጫ ናይ ሓንቲ ስድራ ከምዝዀነም ዝገልጽ ድሑር ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ክውገድ ዝኽእል፡ ንቕሓት ህዝቢ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ዘዕቢ ጐስጓሳትን ሰሚናራት ምስ ዝወሃብ ምዃኑ

ብምሕባር ከኣ፡ ማሕበር ኣብ ኩለን ዞባታት እናተንቀሻቐሰ ምስ መሳርኽቱ ብምዃን ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ። “ወለዲ፡ ብዛዕባ ኤይ.ቢ.ኤ ይኹን

ፊዝዮተራፒ፡ መሰረታዊ ኣፍልጦ ምስ ዝህልዎም፡ ርእሶም ክኢሎም ንውላዶም ኣብ ገዛኦም ግቡእ ክንክንን ፈኰስቲ ምንቅስቓሳትን ንኽገብሩሉ ዕድል ዝፈጥርን ብተደጋጋሚ ናብ ሕክምና ካብ ምምልላስ ዘድሕንን’ዩ’’ ድሕሪ ምባል፡ ኮለኔል ብርሃነ ቦዂረጽዮን፡ ንቕሓት ወለዲ ሓፍ ንምባል፡ ኣብ ዝሕለፈ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ማሕበር፡ ብዛዕባ ሜላታት ኣተኣላልያ ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንኩላን ዘለዎም ቈልዑ ዝብል፡ ኣብ 15 ንኡሳን ዞባታት ናይ ሽዱሽተ ዞባታት ሃገርና ን650 ወለዲ ስልጠና ከምዝሃበ ገሊጹ። እቲ መደብ ብዝሓየለ ክቕጽል ምዃኑ ከኣ ሓቢሩ።

ኣቶ ጊደዎን ይርጋው፡ ሓላፊ ኣሃዱ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ወኪል ሚኒስትሪ ጥዕና ንሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንኩላን ኤርትራን’ዩ። ንሱ ነቲ ሰሚናር ካብ ዝተኸታተሉ ኣባላት ሚኒስትሪ ጥዕና ሓደ’ዩ ነይሩ። እቲ ብክኢላታት ዝቐሰምዎ ሰሚናር ነቲ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝጸንሐ ኣፍልጦን ግብራዊ ተመኲሮን ዘሐይልን ዘራጒድን፡ ሓሳባት ኣብ ምምልላእን ተመኲሮ ኣብ ምልውዋጥን ድማ ውጽኢታዊ፡ ምስቲ ኣገልግሎት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብደረጃ ኮሚኒቲ ዝብል ፖሊሲ ሚኒስትሪታት ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝሰማማዕን ኰይኑ ከምዝረኸቦ ይገልጽ። ሚኒስትሪ ጥዕና ንኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ዘለውም ዜጋታት፡ ብመገዲ ኣብ ኦሮታ ዝርከብ ማእከል ፊዝዮተራፒን ኣብ እንዳ ህጻናት ዝርከብ ክፍሊ ፊዝዮተራፒን ኣቢሉ ብናይ ቀጻሊ ብቕዓት ሓገዛት ክገብረሎም ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣቶ ጊደዎን፡ ከም ውጽኢቱ

ርኡይ ምዕባለ ዘምጽኡ ህጻናት ከምዘለዎ ኣረዲኡ። እቲ ዝተቐስመ ፍልጠትን ተመኲሮን ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ስራሓት ዘሐይል ስለዝዀነ፡ ሕጂ’ውን ናብ ወለዲ’ዞም ዝተጠቕሱ ህጻናት ንምትሕልላፍ፡ ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንኩላን ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ወለዲን ንምዕባለ’ዞም ህጻናት ተወሃሂዶም ክሰርሑ ተላብዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ክኢላ ስነ-

ልቦና ወ/ት ኣርሴማ ገርግሽ፡ ወለዲ፡ ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ሕማም ዘይኰነስ፡ ኩነት ምዃኑ ፈሊጦም፡ ንደቆም ክሓብእዎም ዘይኰነስ፡ ምስ ማሕበርን ክኢላታትን ብቕልጡፍ ተዛትዮም ደቆም ካብ

ዝገደደ ስንክልና ከድሕኑን ከሐክሙን ኣዘኻኺራ። ብተወሳኺ፡ ጠንቂ ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና፡ ኣቦ ወይ ኣደ ከምዘይኰነ ተረዲኦም፡ ክልተኦም ወለዲ ሓቢሮም ክሰርሑን ውላዶም ክከናኸኑን መኺራ። ኣቦታት ብስንክልና ውላዶም መመኽነይታ ገይሮም፡ ካብ ሓዳር ክሃድሙን ክፋትሑን ፍጹም ከምዘይግባእ ድማ ኣገንዚባ። ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣዊን

ምዕባለኣዊን ስንኩላን ኤርትራ (ሃማኣምስኤ)፡ ኣቐዲሙ ብሃገራዊ ማሕበር ኦቲዝምን ዳውንሲንድሮምን ዝጽዋዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ሕዳር 2010 ግና እዚ ሕጂ ሒዙዎ ዘሎ ስም ሒዙ ብወግዒ ዝቘመ’ዩ። ንዝበዝሐ ክፋል ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና ዘለዎም ዜጋታት ዝሓቚፍ ብምዃኑ ድማ፡ ብኮማዊ ተሳትፎ ምሕያሉን ምትብባዑን መድረኽ ዝጠልቦ’ዩ።

ኣእምሮኣዊን ምዕባለኣዊን ስንክልና፡ ብንቕሓት ንመክቶ

ወ/ት ኣርሴማ ገርግሽ

ኣቶ ጊደዎን ይርጋው

ሌ/ኮ ብርሃነ ቦኽረጽዮን

ጀርመናውያን ክኢላታት ብግብሪ እናመሃሩ

ስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትዮሴፍ ሃይለማርያም

Page 4: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 4

ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ወላ’ኳ ክሳብ ዝደልዎ ጉዳይ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ጽኑዕ ድልየት ከም ዘለዎ እንተገለጸን መሲሉ እንተ ቐረበን፡ ይኣኽለኒ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ሰራዊትን ኣጽዋርን ምስ ኣከበ ግን ማዕረ’ቲ ዝኣከቦ ኣጽዋር ብጭርሖታት ምድሪ እዩ ኣናዊጹ። “ተገንጸልቲ ሸፋቱ ክድምሰሱ እዮም! – “ኤርትራ ናይ ተገንጸልቲ መቓብር እምበር፡ መንበሪት ኣይክትከውንን እያ!” – !!!” – “ቀይሕ ባሕርና ብቐይሕ ደምና ተኸቢሩ ክነብር እዩ!”. . . ንሰራዊቱ ሞራል፡ ንተጋደልቲ ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራን ድማ ራዕዲ ክፈጥሩ ዝኣመነሎም ጭርሖታት ኣብ ምሉእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቃሊሑ። ኣብ’ቲ ሰራዊት ደርግ ንዓለም ምሉእ ብዓውታ ዘስማዓሉ እዋን፡ ተጋደልቲ፡ ዝበዝሓ ማዕከናት ዜና ዓለም ከቃልሓኦ ዘይደለያ ግብራዊ ስርሒት እናፈጸመ፡ ንስርዓት ደርግ ሓሓሊፉ እናጎጠየ ድምጹ ኣበሪኹ ብዓቕሊ ጽበት ከም ዝጭርሕ ይገብሮ ነበረ። ደርግ ሰላማዊ ፍታሕን ናይ ሓይሊ ጭርሖታትን እናቃልሐ፡ ከተማታት ኤርትራ በብሓደ ሓራ እናዀና መዓልቲ ጥፍኣቱ ይቃረብ ነበረ። ማዕከናት ዜና ስዕረት ደርግ ዘይተርፍ ምዃኑ ምስ ተገንዘባ፡ ድሮ ኣእዛነን ካብ ዓውታ ደርግ ኣልየን፡ ንዓወታት ተጋደልቲ ምቅላሕ ክላመዳ ጀመራ። ናጽነት ኤርትራ “ሎሚዶ ጽባሕ” ተባህለላ። ስርዓት ደርግ፡ ብዝዀነ ይኹን መንገዲ፡

ምስ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ደምበ ዝርከባ ሃገራት ተጸጊዑ፡ መጠን-ኣልቦ ሓገዝ ብምርካብ ንሰውራ ኤርትራ ዘጥፍኣሉን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝቘንረሉን መንገዲ ደኣ’ምበር፡ ወላ ሓንቲ ዝተሓንጸጸ ሃገራዊ ፕሮግራም ከም ዘይነበሮ ግሁድ ነበረ። ስለ ዝዀነ እዩ ድማ እቶም ስርዓት ሃይለስላሰ ካብ ስልጣን ብምእላዩ ሕጉሳት ዘይነበሩ ኣመሪካን መሻርኽታን ገጽ ምስ ከልእዎ፡ ገጹ ናብ ሩስያን ሰዓብታን ክቕይር ሕንኽ ዘይበለ። ዝምድና ስርዓት ሃይለስላሴ ኣሜሪካ ምስ እትርከበን ርእሰማላውያን ሕኒን ከብላ ዝጸንሐ ሩስያ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም “ጠፋእና ለማዕና ኣባኹም ኢና” ዝዓይነቱ

ሕቶ ምስ ኣቕረበላ ድማ፡ ጽልዋኣ ኣብ

ደርግ ማዕረ ኣጽዋሩ ጭርሖታቱ

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ኣፍሪቃ ንምዕባይ ክትብል ይትረፍዶ ክልተ ግዜ፡ ሓንቲ ግዜ እውን ኣዕሚቛ ከይሓሰበት ሃሪ ኣንጺፋ ተቐቢላቶ። ድሮ ድማ ናይ መትከል ይኹን ናይ ተመኩሮ ሰረት ዘይብሉ ዝምድና መስረቱ። መንግስቱ ኣብ ሶቭየት መኽዘን ኣጽዋር ከም ዝወነነ ወግሐ ጸብሐ ሓጻውን ጓረተ። ሽዑ እዩ ድማ፡ ዓቕሚ ሰራዊቱ ኣብ ዓንቀር ዝበጽሐን ተጋደልቲ ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ወፈራ ኣሰሮም ዝጠፍእ ዝመሰሎን። መጉልሒ ድምጽን ማዕከናት ዜናን ደርግ፡ ማሕበርነታውያን ዝበሃሉ መንግስታት ዝፈትዉዎ ጭርሖ ዕለታዊ ስርሖም ኮነ። መናድቕ ከተማታትን ገጠራትን ብጭርሖታት ተላሕሚጦም ሕብራውያን መሲሎም። ንስርዓት ደርግ ምስ ገስገስቲን ደሞክራሲያውያንን ሓይልታት ዝሰርዕ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጽሐ። ኦጋዴን፡ ጅጅጋ፡ ካራማራ. . . ኣብ ዝተባህሉ ወሰናስን ኢትዮጵያን ሶማልን፡ ኣንጻር ሶማላውያን ተዋጊኡ ስዒሩ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ንሓደ ዓቢ ኣፍሪቃዊ መንግስቲ ዝኣክል ካብ ሰዓረስ፡ ነቶም “ሸፋቱ” ዝበሎም ተጋደልቲ ኤርትራ ንምስዓር ከቢድ ከም ዘይኰነ እምነት ነበሮ። ሽዑ እዩ ድማ “ናይ ምብራቕ ዓወት ኣብ ሰሜን ክድገም እዩ!” እናበለ ናይ ሶማልን ኢትዮጵያን ሰራዊቱ ናብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ሰራዊቱ ዝደረቦ። መቸም - ንብርቱዕ ውሕጅ ሓሓሊፍካ ብመስኖታት እናኣለኻን ኣብ መጻብቦ ሓውሲ ዕግት እናበልካን እንተ ዘየፋዂስካዮ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ከተብሎ እንተ ፈተንካ “ለኻኺምካኒ ሕለፍ” ማለት ምዃኑ ለባምን ንጽባሕ ዝሓስብን እዩ ዝፈልጦ። ሽዑ እዩ ድማ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንብዙሓት ሃገራውያን ዘሻቐለ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ክገብር ዘንቀደ። ደርማስ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ብዝተናውሐ ቅዲ ኲናት ጥራይ ኣላሽ ከም ዝብል ዘይፈለጠ ደላይ ናጽነት ከይተረፈ፡ ተስፋ ክትርሕቖ ጀመረት። ኣንፈት ሰውራ ኤርትራ ናብ ናቕፋ ገጹ ምስ ኰነ፡ “ናቕፋ መቓብር ተገንጸልቲ ክትከውን እያ!” ዝብል ጭርሖ ደድሕሪኡ ስዒቡ። ብሓቂ ኸኣ ሓያሎ ወገናት፡ ተጋደልቲ ናብ መቓብሮም ዝቐርቡ ዝነበሩ መሲሉዎም “ደጊም ሰውራ ኤርትራ. . .” ክብሉ ተሰሚዖም። ሽሾ ሰራዊት

ደርግ፡ ከባቢ ናቕፋ ንኽበጽሕ ነዊሕ ግዜ ምስ ወሰደሉን፡ ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ፈቐዶኡ ምስ ተሃሞኸን ከኣ፡ ተስፋ ዘጥፍኡ፡ ተስፋ ከፍልሱ፣ ሓቂ ተኸዊሉዎም ዝጸንሐ ድማ ክጠራጠሩ ጀመሩ። ዓውታ ጭርሖታት ግን ኣየቋረጸን። “ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ ወይ ሞት!” – “ብመሪር ቃልስና ክንዕወት ኢና!” ማዕረ ብረትን ሰራዊትን ኣእዛን ሰብ ኣደንቈሩ። ሰውራ ኤርትራ - ድሕሪ ምዝላቕ፡ ንዝተወሰነ እ ዋ ን

ደሃይ ዘጥፈአ እዩ መሲሉ።

ምናልባት ኣብ ግንባራት ሳሕል እንታይ ይፍጸም ከም ዝነበረ ዝፈልጥ ወይ ዝግምት ዜጋ ውሑድ እዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። ግን ከኣ፡ እቶም ኣብ ከበሳታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድቦላ እናወደቑ፡ ዝምእምኦም ፈጺሞም ዝስወሩ ዝነበሩ ተጋደልቲ “ኣለና” ዝብል ደሃይ ካብ ምግዋሕ ኣይተዓግቱን። “ኣብ ጎቦታት ሳሕል ተንጠልጢሎም፡ ናይ መወዳእታ ጥፍኣቶም ይጽበዩ ኣለዉ!” ዝተባህለሎም ተጋደልቲ፡ ኣብ

ኩርኹሮን ኣፍንጫን ጸላኢ ተኹሲ ሂር ከብሉዎ ምስ ተራእዩ ድማ፡ ተስፋ ናይ ተጠራጠርቲ፡ ረስኒ ከም ዝረኸበ ባዙቃ ኣብ ቴርሞሜተር ሓፍ በለ። ስርዓት ደርግ፡ ነቶም ኣብ ሳሕል ከም

ዘይቀደዎ ክፈልጡ ዝኽእሉ ሰብ ልቦናን ነቶም ኣመት ዘይነበሮምን፡ ብዋዕዋዕታን ፈኸራን ካብ ደሃይ ገድሊ ከርሕቘም ቴማታትን ጭርሖታትን ኣጋውሐ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕርሕራይ እናተጨፍጨፈ፡ “ኣብዮታዊ ቃልስና ሸቶኡ ክወቅዕ እዩ!” – “ብዘይጥርጥር

ክንዕወት ኢና!” ዝብሉ ጭርሖታት መኽፈቲ ኣፍ

ካድረታትን ሰዓብቲን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይኑ። እቶም ደሃዮም ከም’ቲ ዝግባእ ክቃላሕ ዕድል ዘይረኸቡ ወራራት ብተኻታታሊ ክፈሽሉ ከለዉ፡ ተኸታታሊ ፕሮፓጋንዳ ስርዓት ደርግ ተፈንዩ። ድሕሪ እዚኣቶም ድማ “ነቶም ኣብ ኣንፊ መቓብር ኰይኖም ይሰሓጉ ኣለዉ!” ዝተባህሉ ተጋደልቲ ንምጥፋእ፡ ኣዋጅ ተደልዩ። መቸም ንዝጠፍኡ ከተጥፍእ፡ ደርማስ

ሓይሊ ምውፋር ከም ዘየድሊ ዝጠፍኦ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ምስ’ቲ ናይ ዓመታት ምድላውን ጽፍጻፍ ሓይሊ ሰራዊትን ኣጽዋርን “ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ሸቶኡ ክወቅዕ እዩ” – “ሸፋቱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክድምሰሱ እዮም!” ዝብሉ ጭርሖታት ግዜኦም ኰይኑ ኣብ ምሉእ ዓለም ተቓልሑ። ኣብ 6ይ ወራር እምባታት ሳሕልን ካልኦት ቦታታትን ናብ ጓህሪ ክቕየሩ ከለዉ፡ ጭርሖታት ደርግ ንህዋ መሊኦሞ። ሽዑ፡ ሓያሎ ወገናት፡ ንመዛዘሚ ናይ’ቲ ከይተጀመረ ከም ዝተዓወተ ዝተኣወጀሉ ወራር ዓቢ ድግስ ክግበር ተጸብዮም እዮም። መቸም፡ ብዓይነ ሕልና እንክትርእዮ፡ እቲ ድግስ ክሳብ ክንደይ

ዓቢን ድሙቕን ክኸውን ከም ዝኽእል

ብቓላት ክግለጽ ዝከኣል እውን ኣይኰነን። ኣዋርሕ ምስ ሓለፉ፣ ደሃይ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ሃጢሙ። ብዘይጥርጥር ከም ዝዕወት እምበር፡ ብዘይጥርጥር ከም ዝተዓወተስ ኣይተነግረን። ኣብ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ በቲ ሓደ “የእናት ሃገር ጥሪ” (ጻውዒት ሃገር) እናተባህለ ዳንኬራ፡ በቲ ካልእ ኢ.ሰ.ፓ.ኣ.ኮ. እናተባህለ ጎስጓስ፡ ጸኒሑ እውን “ምምስራት ኢሰፓ” (ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ) እናተባህለ ወዛሕዛሕ. . . ነቲ ግናይ ገጽ ናይ ወራራቶም ክጉልብብ ተደልዩ። ሰላሕታን ካልኦት ወራራትን እውን ስዒቦም። ድሕሪ’ዚ ኣብ ሳሕል ተጠማመት ኰይኑ። ኣሃዱታት ንህዝባዊ ግንባር ጽኑዕ ግንባራት ብምዕቃብ፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ከበሳን ቆላን ክዕንድራሉ ጀመራ። ብሰሜን ደምሲሰን ብደቡብ፡ ብምብራቕ ጸኒሐን ብምዕራብ እናተናኾዓ፡ ስርዓት ደርግ እናደኸመ ጭርሖታቱ ግን መመሊሶም ከም ዝጋውሑ ገባራኦ። “ውቃው እዝ” ተሓምሺሹ ካብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ተጸርገፈ። እቲ ዕርድታት ተጋደልቲ ሃዶሽዶሽ ንኸብለሎም ካብ ዝነበሮም ጥሙሕ “ናደው” ዝበሉዎ ሰራዊቶም፡ ንገዛእ ርእሱ ምስ ፈረሰ፡ “ሁለተኛው ኣብዮታዊ ሰራዊት” ስም ጥራይ ሒዙ ተረፈ። ካብ ባጽዕን ከባቢኣን ተጎልጒሉ ምስ ወጽአ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሕልሙ ጥራይ ተረፈ። ጭርሖታትን በሃልቶምን ንዛንታ ጥራይ፡ ኤርትራ ድማ ናብ ናጽነት ምስንባት ኰነ።

ደርጋውያን - ቅድም ርኣዩኒ ርኣዩኒ፡ ዳሕራይ ሕብኡኒ ሕብኡኒ!

ንደርማስ ጸላኢኡ ምስ ደርማሳት ዘራያቱ ኣላሽ ዘበለ ታጋዳላይ!

Page 5: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 5

ልቦናን ፍልስፍናን

ዓርከ-ምሕዝነት

“ኣብ ዕርክነት ካብቲ በቲ እንፈልጦ ንላዕሊ፡ በቲ ዘይንፈልጦ ኢና ዝያዳ እንሕጐስ።” - ፍራንስዋ ራችፎከልድ“ብዙሓት ኣዕሩኽ ዘለዉዎ፡ ዋላ ሓደ

ዓርኪ ከም ዘይብሉ ይቝጸር።” - ቶማስ ፉለር“ነፍሲ ወከፍ ዓርኪ ኣብ ውሽጥና ንዘላ

ዓለም ይውክል።ዓርኪ እንተ ዘይብልና፡ እታ ዓለም ዘይክትፍጠር ትኽእል። ምስ ኣዕሩኽትና ብምርኻብ ጥራይ ኢና ሓዳስ ዓለም ክንወልድ እንኽእል።” - ኣኒስ ኒን

ብኣምሆይ ሓንቲ መንእሰይ ናብ ሞባይለይ ደዊላ፡ “ቍጽሪ ሞባይልካ ካብ መጽሓፍካ’የ ረኺበያ።” ኢላትኒ።“ግርም።”“ከተማኽረኒ ደልየ ነይረ።”“ዓቕመይ ጥራይ ይኹን።”“ኣፍቃሪ ኣለኒ፡ … እባ ኣፍቃሪ

ነይሩኒ።” “ሕጂ ብሓንሳእ የለኹምን ማለት

ድዩ?”“ናብኡ እንድየ ክመጽኣካ!” ቀልጢፋ

ሓሪቓ።“እቕረታ ሃዊኸኪዶ ሓቀይ?”“ጸገም የለን።” ሓያል ኣተነፋፍሳኣ ኣብ

እዝነይ ዓሊቡ።“ንኣፍቃርየይ ንግዜኡ ዮናስ ንበሎ።

ንዕኡ ትኽ ትንፋስ ዓርኪ ነይርዎ። ንዕኡ ድማ ሳሚ ንበሎ። ንዓርኪ ሳሚ ኸኣ፡ ሰላም ንበላ። ንምርድዳእ ክጥዕመና ኢለ’የ።”“ጽቡቕ። ሞባይልኪ ከይትውድኣኪ

ኣሕጽር ኣብልዮ።”“ደሓን ካርድ ኣእትየላ’የ። ግዜኻ

ክቝጥበልካ ግና፡ ከሕጽሮ’የ።”“ቀጽሊ።”“ዮናስን ሳሚን መጣፍእቲ ኣዕሩኽ

ስለ ዝነበሩ፡ ኣነ ንሳሚን ሰላምን ቀንዲ መሓዛኦም ኮይነ።” ኣዕሚቛ ከተስተንፍስ ሰሚዐያ። “ማራ ስለ እተፋተና፡ መርዓ ናይ ኣርባዕቴና ኣብ ሓደ ሆቴል ክንገብሮ ተሰማሚዕና።”“ጽብቕቲ ሓሳብ።”“ሓሳብ ብተግባር እንተ ዘይተሰነየ’ሞ

እንታይ ይዓብስ?!” ክትቍጣዕ ግዜ ኣይወስደላን’ዩ። “ዘይተጸበኽዎ ዮናስ ተሓቢኡ ምስ ሰላም ክዘውር ከም ዝጀመረ ሰሚዐ።”“ባዕልኺኸ ኣረጋጊጽክዮ?”“ኣረጋጊጸዮን ፈረቓን! ሕጂ ደኣ

ኣግሂዶሞ’ኮ እዮም።”ሳሚኸ እንታይ ይብል?”“ከማይ ሓሪሩ ተሪፉ ግዲ!”

“ዘሕዝን’ዩ።” መሊቝኒ’ዩ።“ሕጂ ከተማኽረኒ ደልየ ዘለኹ፡ ምስ

ሳሚ ፍቕሪ እንተ ጀመርኩ ከመይ ይመስለካ?”ዘይተጸበኽዎ ሕቶ ስለ ዝኾነ፡ ልበይ

ምሽት ኢላ። “ንሳሚ ትፈትውዮ ዲኺ?”“ከም መሓዛይዶ?”“ከም ኣፍቃሪኺ እምበር።”“ሓቂ ይሓይሽ ከም ኣፍቃሪስ ኣብ

ሓንጐለይ ኣየእተኽዎን ጸኒሐ።”“ስለምንታይ ደኣ ብፍቕሪ ምስኡ

ክትቅጽሊ ትሓትኒ ኣለኺ?”“‘ኣላፋቻ’ ናይ ዮናስ!”“ንዮናስ ንግዜኡ ጥራይ ኢኺ

ከተሕርቕዮ። ንሓዋሩ ግና፡ ንነብስኺ ኢኺ ከተሕርቕያ። ጌጋ ብጌጋ ከም ዘይእረም ኣይትስሕትዮን ትኾኒ።”“ንሱ ደኣ ጽቡቕ ኣለኻ። እሞ እንታይ

ደኣ ይሕሸኒ?”“ሓሪቕካ እንከለኻ እትወስዶ ስጕምቲ፡

መብዛሕትኡ ግዜ ቅኑዕ ኣይከውንን’ዩ። ስለዚ፡ ጕዳይ ፍቕሪ ኣብ መጻኢ ህይወትኪ ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ግዜ ሂብኪ ማለት ምስ ተረጋጋእኪ ክትውስኒ’የ ዘማኽረኪ።” “እሞ ኻልእ መዓልቲ እንተ ደወልኩልካ፡

ከመይ ይመስለካ?”“ደስ እናበለኒ እቕበለኪ።” ወለድና ጸጸር ውሒጦም ‘ኣኽዓየ’

ወይ ‘ኣዳኖይ’ ዝበሃሃልሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዕላል የዘንትዉልና እዮም። ዓርከ-ምሕዝነቶም ክሳብ ትንፋሶም እትሓልፍ ዝቕጽል እምበር፡ ንግዜያዊ ረብሓ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ግዜናኸ ዓርከ-ምሕዝነት ከመይ ኣሎ? ኣብ ዓርከ-መሕዝነት ምትእምማን

እንተ ጠፊኡ፡ ከቢድ ዕንወት’ዩ ዝወርድ። ዓርከይ ኢልካ ኣሚንካ ዝቐረብካዮ ሰብ፡ ኣፍቃሪትካ እንተ መንጢሉካ፡ ክፈጥረልካ ዝኽእል ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ቀሊል ሳዕቤን ኣይኮነን ዘለዎ።ብድሕሪ ምትእምማን፡ ኣብ ዓርከ-

ምሕዝነት ምትሕግጋዝ ይመጽእ። ሊቃውንቲ ስነ ልቦና ብራንት በርልሰንን ወንዲ ሳምተርን፡ “ኣብ ዓርከ-ምሕዝነት፡ ምትሕግጋዝ ቀንዲ መሰረት’ዩ።” ይብሉ። ውልቃዊ ጸቕጢ ከጋጥመና እንከሎ፡ ዓርከ-መሓዛና ብዝከኣሎም መጠን ሓገዞም ከወፍዩልና ዳርጋ ኩላትና ትጽቢት ንገብር ኢና።ሓገዝና እነንጸባርቐሎም ዝተፈላለዩ

መንገድታት ኣለዉ። ንዓርከ-መሓዛና ከም እንግደሰሎም ብግልጺ ክንነግሮም ኣለና። “ኣነ ብዛዕባኻ ኣመና’የ ዝግደስ።”

ክንብሎም ኣለና። ዓርከ-መሓዛና ጸገሞም ከካፍሉና እንከለዉ፡ ጽን ኢልና ንስምዓዮም። ዝያዳ ብምሉእ ኣድህቦ ክንሰምዖም እንከለና፡ ዝያዳ ሓገዝ ዘበርከትናሎም ኮይኑ ይስምዖም።ጽን ኢልና ሰሚዕና፡ ኣብ መወዳእታ

እንህቦ መልሲ’ውን፡ ኣብቲ እንህቦም ሓገዝ ዓቢ ባይታ ኣለዎ። ገንጫር ግብረ መልሲ ክንህቦም የብልናን። ብዝተኻእለና መጠን ሽግሮም ዝፈትሕሉ ኣማራጺታት ክንቅርበሎም ኣለና።ገለ ሰባት ዓርከ-መሓዛኦም ጸገሞም

ከዕልልዎም እንከለዉ፡ ‘ጭንቂ ዕላሎም!’ ወይ ‘ምኒኑ’ ብምባል ይርሕቕዎም። ንዓርከ-መሓዛና ንሕና እንተ ዘይሰሚዕናዮም ደኣ’ሞ፡ መን ክሰምዖም ይኽእል?እቲ ኻልእ ኣማራጺ ንዓርከ-መሓዛና

እንሕግዘሉ፡ እቲ ጸገም ኣብ በይኖም ጥራይ ከም ዘይኮነ ከነረድኦም ንኽእል። “ንዓይ’ውን ከምዚ ናትካ ጸገም ኣጋጢሙኒ ነይሩ።” ክንብሎም እንከለና፡ ንስምዒቶም ብዝግባእ ከም እንግንዘቦ ነመልክተሎም።ዓርከ-መሓዛና ክጋገዩ ወይ ክጐድኡና

እንከለዉ ብጸጋ ምቕባል፡ ካልእ መልክዕ ሓገዝ’ዩ። ዓርከ-መሓዛና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዎም እናፈለጥና፡ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን እንተ ተኻቲዕናዮም፡ ክብረቶም ባይታ ዝዘበጠ ኮይኑ ይስምዖም። ብዝተኻእለና መጠን ክብረቶም ኣብ

ምዕቃብ ክንተሓጋገዞም ሰናይ እዩ። ንዓና ጸሪፎም ክብረቶም ዝዓቀቡ ኮይኑ ዝስምዖም እንተ ኾይኑ፡ ልቢ ኣዕቢና ሸለል ንበሎም።ንዓርከ-መሓዛና ኣብ ጎድኖም ደው

ምስ እንብል ወይ ቀጻሊ ብኣካል ምስ እንረኽቦም፡ ዓቢ ሓገዝ ዝመጠናዮም ኮይኑ ይስምዖም። እንሓንሳእ ንጸገማት ዓርከ-መሓዛና ኣብ ምፍታሕ ዓቕሚ ወይ ምኽሪ ዝሓጽረና ኩነታት ኣሎ። ዓርከ-መሓዛና ኣብ ሓዳሮም ምስ

ዝፋትሑ፡ ወለዶም ምስ ዝሞትዎም፡ ኣብ ትምህርቶም ምስ ዝተርፉ፡ ኣብ ዋኒኖም ምስ ዝኸስሩ፡ … ንጸገሞም ብቓል ይኹን ብተግባር ክንፈትሖ ኣይንኽእልን ንኸውን። የግዳስ፡ ገዛእ ርእስና ክንውፍየሎም ንኽእል። ኣብ ግዜ ጓሂኦም ወይ ሓዘኖም ኣብ ጐድኖም ደው ከም ዝበልና ከነእምኖም ኣለና።ሓደ ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ከም

ዘንጸባረቖ፡ “መንእሰያት ሓቀኛ ዓርከ-ምሕዝነት ዝስምዖም፡ ዓርከ-መሓዛኦም ኣብ ጐድኖም ክኾኑሎም እንከለዉ’ዩ።” ዓርከ-መሓዛና ኣብ ግዜ ጸገምናን ሓጐስናን ኣብ ጐድንና ምስ ዝህልዉ፡ ዝፈጥረልና ስምዒት ቀሊል ኣይኮነን። ጆስ እተባህለ ኣመሪካዊ መንእሰይ፡ “ዓሚ

ኣቦይ ኣብ መክሲኮ ሞይቱ። ክመውት እንከሎ ኣብ ጐድኑ ኣይነበርኩን። ሞት ኣቦይ ምስ ተረዳእኩ፡ ኣሌክስ ዓርከይ ካብ ጐድነይ ኣይተፈልየን። “ንሱ ፍሉይ ነገር ዝገበሮ የለን። ብዛዕባ

ሞት ኣቦይ ይኹን ዝፈጠረለይ ስምዒት ከማን ብዙሕ ኣየዕለልናን። ኣሌክስ ካብ ጐድነይ ብዘይምፍላዩ ግና፡ ንዓይ ዓቢ ትርጕም ሂቡኒ። ዋላ ብኣፉ እንተ

ዘይገለጸለይ፡ ንሱ ኣባይ ልዑል ተገዳስነት ከም ዘለዎ ተገንዚበ ኣለኹ።” ብምባል ገሊጹ።ኣብ ሃገርና ኣባል ስድራ ቤትካ እንተ

ሞይትካ፡ ካብ ኣዝማድካ ንላዕሊ ዓርከ-መሓዛኻ እዮም፡ ክሳብ ዓሱር ምሳኻ ኣብ ባይታ ፈፈው ዝብሉ። ብተግባር ስለ ዝጸናንዑኻ፡ መጻናንዒ ቃላቶም ኣየድልየካን’ዩ።ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንዓርከ-

መሓዛኦም ዝሕግዙሉ ኣገባብ፡ ቅሩብ ፍልይ ይብል። ደቀንስትዮ ብዕላል ንመሓዙተን ናይ ምሕጋዝን ምጽንናዕን ፍሉይ ክእለት ኣለወን። ብዛዕባ ሓድሕዳዊ ስምዒተን ኣዕሚቘን የዕልላ። ብዛዕባ ዘሻቕለንን ዘፍርሐንን ጕዳይ ብዘይቃል ዓለም ኢሂን ምሂን ብምብህሃል ይተሓጋገዛ። እዚ ዕላለን ንዝጸንሐን ምሕዝነት መሊሱ የዕምቘ።ደቂ ተባዕትዮ ከም ደቀንስትዮ ብዕላል

ናይ ምጽንናዕን ምትሕግጋዝን ብቕዓት የብሎምን። ስኮት ስወይን እተባህለ ሊቕ ስነ ልቦና፡ “ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ድጕል-ዕርክነት (covert entimacy) እተሓጽሩ’ዮም። እወ ደቂ ተባዕትዮ ዘይቀጥታዊ ሓገዝ ከበርክቱ’ዩ ዝሰልጦም።” በሃሊ’ዩ።ሓንቲ ጓለንስተይቲ ንመሓዛኣ ኣጥቢቓ

ብምሕቋፍ ከተጸናንዓ ትርአ። ወዲ ተባዕታይ ግና፡ ንዓርኩ ኣብ መንኮቡ ብምጥብጣብ ወይ ኣብ ቅልጽሙ ቀስ ገይሩ ብጕስጢ ብምዝባጥ’ዩ ሓገዙ ክገልጸሉ ዝሰልጦ።ደቂ ተባዕትዮ ንኣዕሩኽቶም ብቐጥታ

ብዘረባ ከጸናንዕዎም ስለ ዝጽገሙ፡ ንጸገሞም ከረሳስዕዎም ይሕልኑ። “ንዓናይ እስከ ፊልም ንርአ።” ወይ “ንዓናይ እስከ ዳማ ንጻወት።” እናበሉ ንጸገሞም ከረሳስዕዎም ይሕልኑ።ካብ ዓርከ-መሓዛ ነናትና ትጽቢት

ኣለና። ዝምድናና መታን ክቕጽል ብማዕረ ክንኵስኩሶ ከም ዘለና ዘማትእ ኣይኮነን። ዓርከ-መሓዛ ክፋተዉ፡ ክወሓሓጡ፡ ክተኣማመኑን ክተሓጋገዙን ኣለዎም።ዓርከ-መሓዛ ንሓድሕድና ክንላዘብ

ይግባእ። ኣብ ቃላውን ኣካላውን ምብህሃል ልዑል ምልከት ክህልወና ኣለዎ። ኣብ ምስማዕን ኣተኣላልያ ጸገምን እነማዕብሎ ክእለት፡ ንዕምሪ ዝምድናና እምብዛ ወሳኒ’ዩ።ቅርጺ (fabric) ዓርከ-ምሕዝነት ነዞም

ሸሞንተ ኣገደስቲ ባእታታት ይጥርንፍ፡-# ባህታ (enjoyment)፡- መብዛሕትኡ

ግዜ ዓርከ-መሓዛ ብሓባር ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ፍሉይ ደስታ’ዩ ዝስምዖም። ሳሕቲ

ዘይምስምማዕን ፍሕፈሐን ኣብ መንጐኦም እንተ ኣጋጠመ ድማ፡ ከም ዘሰንብድ ክስተት ክንርእዮ ኣይግባእን።# ምውሕሓጥ (acceptance)፡- ዓርከ-

መሓዛ በታ ሕጂ ዘለዉዋ ክወሓሓጡ ይግባእ። እቲ ሓደ ነቲ ኻልእ ክልውጦ ክህቅን ኣይግባእን።# እምነት (trust)፡- ዓርከ-መሓዛ

ንሓድሕዶም ዝያዳ ከርብሑ ብተግባር ከም ዝንቀሳቐሱ እምንቶ ኣለዎም። “ዋላ ክቋየቘኒ (hassling) እንከሎ፡ ንረብሓይ ምዃኑ ይርደኣኒ’ዩ።”፡ “ኣብ ደረቱ ዝሓለፈ ሕርቃን እንተ ዘይኮይና፡ ደይመደይ ኢላ ኣይትሃስየንን’ያ።” … ዝብሉ ርእይቶታት ካብ ዓርከ-መሓዛ ምስማዕ ዳርጋ ልሙድ’ዩ።# ክብሪ (respect)፡- ዓርከ-መሓዛ

ንሓድሖም ይከባበሩ። ንስኻ ንዓርከ-መሓዛኻ ከም እተኽብሮም ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ንሳቶም’ውን ብማዕረ ከም ዘኽብረካ ኢኻ እትግምት።# ሓባራዊ ምትሕግጋዝ (mutual

assistance)፡- ዓርከ-መሓዛ ንሓድሕዶም ብዘይዕጻይምጻጻይ ይተሓጋገዙን ይደጋገፉን። ኣብ ግዜ ጸገሞም ኩሉ ሳዕ ቅድሚ ሰብ ኣብ ጐድኖም ደው ይብሉ።# ብቐሊሉ ዝኣምን (confiding)፡

- ዓርከ-መሓዛ ንሓድሕዶም ተመኵሮ ህይወቶምን ስምዒቶምን ይካፈሉ።# ምርድዳእ (Understanding)፡- ዓርከ-

መሓዛ ንኽብሪ ሓድሕዶም ይፈልጡ። ንሓድሕዶም እንታይ ዝያዳ ከም ዘገድሶም ድማ ይርድኦም።# ፍንውነት (Spontaneity)፡- ዓርከ-

መሓዛ ንሓድሕዶም ኣብ ዝራኸብሉ ናጻ ኾይኖም እዮም ዘዕልሉ። ሓቀኛ ስምዒቶም ሓቢኦም ክዋስኡ ኣየድልዮምን’ዩ። ኣብ ዓርከ-ምሕዝነት ኣምሰሉ ምዃን ተመራጺ ኣይኮነን።

“ኣብ ህይወትካ ሓደ ዓርኪ ክህልወካ እኹል’ዩ። ክልተ ብዙሓት እዮም። ሰለስተ’ሞ ኸኣ፡ ዘይከኣል’ዩ። ዕርክነት ሓድነት ኣተሓሳስባ’ዩ።” - ሀንሪ ኣዳምስ“ንኣዕሩኽተይ ብቕንዕና ልበይን

መንፈሰይን’የs ዘፍቅሮም።” - ቶማስ ብራውን“ሕጕሳት ኣዕሩኽ ዘጥሪ፡ ካብ ነብሰይ

ክሃድም ስለ ዝደለኹ ኣይኮንኩን።” - ሳሙኤል ጆንሰን

ይቕጽል

ሓሙሻይ ክፋል

ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤል

Page 6: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 6

ቫንያ፡ ‘ግሪኽ’ እተባህለ ዓይነት ትምህርቲ ኽፍተን ቕድሚ ምኻዱ፡ ንምስሊ ዅሎም ቅዱሳን ተሳለመ። ከብዱ ሓቦጭቦጭ እናበለ ኣሸገሮ። ቍሪ ቝሪ ኣበሎ። ልቡ’ውን ካብ መጠን ንላዕሊ ሃረመት። እንታይ ከም ዘጋጥሞ ስለ ዘይፈለጠ ድማ ረዓደ።ኣብታ ዕለት’ቲኣ እንታይ ዓይነት

ነጥቢ ኽረክብ እዩ፧ ክልተ ድዩ ሰለስተ፧ ኣደኡ ምእንቲ ኽትባርኾ ሽዱሽተ ሻዕ ናብኣ ተመላለሱ። ቅድሚ ምኻዱ ድማ፡ ንሓትኖኡ ጸልይለይ ክብል ተላበዋ። ኣብ መንገዲ ንዝረኸቦ ሓደ ተመጽዋቲ ድማ ክልተ ሳንቲም ተዀበሉ።‘ሰናይ ግብረይ ዝመዝገበ ፈጣሪ፡

ንድንቍርናይ ብምቕንጣጥ ክተሓባበረኒ እዩ፡’ ኽብል ድማ ተስፋ ኣንበረ። ውጽኢት መርመራኡ ሕማቕ ከም ዘይከውን እናተተስፈወ ድማ ፈተናኡ ክቕበል ኣብቲ ዝድለ ኽፍሊ ኣተወ።ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝመሃር

ቫንያ፡ ፈተና ምስ ገበረ፡ ደንጒዩ ናብ ገዛኡ ተመልሰ። ትኽ ኢሉ ናብ ክፍሉ ድሕሪ ምእታው ድማ፡ ድምጹ ኣጥፊኡ ብቐጥታ ኣብ ዓራቱ ደዪቡ ደቀሰ። እቲ ቀጢን ገጹ ፈሲሙ፡ ኣብ ዙርያ ቀይሕ ዓይኑ ድማ ጸሊም ቀለቤት ተሳኢሉ ነበረ።ኣደኡ ናብ ዓራቱ ድሕሪ ምኻድ፡

“ግርም፡ ከመይ ተገምጊምካ፧” ክትብል ሕቶኣ ኣቕረበት። ቫንያ ንኣዒንቱ እናጭለምለመን፡

ንሻንፎቱ እናኣታሞመን ብብኽያት

ተንፈቕፈቐ። ገጽ ኣደኡ ብሓንሳዕ ፈሰመ። ኣፋ ኸፊታ፡ ንኣእዳዋ ጨቢጣ ኣብ ዘላቶ ነቐጸት። እቲ ኽትሸቓቕጦ ዝጸንሐት ግትር ስረ ድማ ካብ ኢዳ ሰቲዅ ኣብ ባይታ ነጠበ። “እንታይ ኰይነ ኢልካ ትበኪ

ኣለኻ፧ እምበኣር ወዲቕካ፡ እህ!”“ኣወዳድቓ እንተ በሉኺኸ!

ክልተ ነጥቢ ጥራይ ረኺበ።” “ኣነ ደኣ መዓስ ጠፊኡኒ።

ብባህሪት ይፍለጠኒ ነይሩ እንድዩ።” ኣዕዘምዘመት ኣደኡ፡ ኣስዒባ ድማ፡ “ወይ እቲ ጕደይ! ስለ ምንታይ ኢኻ ኽትሓልፍ ዘይከኣልካ፧ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት፧ ብምንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኢኻኸ ወዲቕካ፧“ብግሪኽ፡ መጻኢ እዋን ፊሮ

እተባህለ ግሲ ምስ ሓተቱኒ፡ ኦይሶማይ ኣብ ክንዲ ዝብል ኦፕሶማይ ኢለ መሊሰ። እታ ቓል ብተሪር ኣሃዱ ቓል እትዛዘም መሲሉኒ ድማ እናደርጸጽኩ ኣድሚጸያ። ተደናጊረ ኣደ። . .ተደናገረ።”“ድሕረኡ፡ መምህር ኣርታክሰኮቭ

ጭረት ዝግበረለን ቃላት በዓል መን ምዃነን ክነግሮ ሓቲቱኒ። ጽቡቕ መሊሰ። ይዅን እምበር፡ ኣብ መንጎ ብጌጋ ንገለ ኽንዲ ኣስማት ስለ ዝሓወስኩ፡ ክልተ ነጥቢ ሂቡ ሰጒጕኒ። ዋይ ኣነ! ንዘይኰነለይ፡ ለይቲ፡ ሰዓት ኣርባዕተ ኽትንስእ ቐንየ!“ኣይፋል፡ ሕጂ ኣነ እምበር

ንስኻ ኣይኰንካን እተሕዝን። ስማዕ ኣንታ ቅርሱስ ቈልዓ! ኣነ እየ ዘሕዝን እብለካ’ለኹ! ኸም ወረቐት ኣብሊኻኒ! ኣንታ ቝሩሕ! ከም ስሚ ንህይወተይ መሪዝካዮ! ዘይትረብሕ ክነስኻ ሕቘይ ክሳዕ ዝጐብጥ ተኸናኺነካ! ወይ ኣነ፡ ብጭንቀት ዓቕለይ ኣጽቢበ። ንስኻ ደኣ እንታይ ገዲስካ። አረ ከመይ ከመይ እዩ ስርሓትካ፧ “እጽዕር ከም ዝነበርኩ ባዕልኺ

ርኢኺ እንዲኺ!” “ኣነስ፡ ‘ውሰደኒ፡ ኣክበኒ፡

ይእኸልኪ በለኒ፡’ እናበልኩ ጸልየ እየ። እንታይ ሓጥያቱ ኸም ዝፈጸምኩ ግን፡ ፈጣሪ ዅሉ ዓለም ደንጒዩኒ… ኣንታ ቓንዛ፡ ካልኦት ሰባት ብዙሓት ቈልዑ ኣለዉዎም። ኣነ ግን፡ ሓደን ዋጋ ዘይብሉን ቈልዓ ጥራይ ኣለኒ።”

ቫናያ፡ ኣደኡ እናነደረት እንክትዛረብ መልሲ ኻብ ምሃብ ተቘጠበ። ንሳ ብወገና፡ ንሓይላ እናኣሓደሰት፡ መመሊሳ ኣዋረደቶ። “ብሰንክኻ፡ ነዛ ዓለም ከስተማቕራ

ኣይከኣልኩን። ክሃርመካዶ፧ ምሃረምኩኻ፡ ነቲ ሓይሊ’ሞ ኻበይ ክረኽቦ እየ። ወላዲተ ዅሉ ዓለም፡ ነቲ ሓይሊ ኻበይ እየ ኽረኽቦ፧” ኣደ ቫንያ፡ ብዙሕ ድሕሪ

ምዝራብ፡ ንገጻ ብኽዳን ሸፊና፡ እናተነኽነኸትን እናነብዐትን በኸየት።ኣብቲ ህሞት’ቲ ቫንያ፡ ብኽቱር

ፍርሒን ጭንቀትን፡ ኸም ተመን በብቝሩብ እናተጠዋወየ ተንቀሳቐሰ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ግንባሩ ኣብ መንደቕ ኣጸጊዑ ተገተረ። ኣብቲ ህሞት’ቲ፡ ኣሞኡ ማዕጾ ኸፊታ እተወት።ኣሞኡ፡ እንታይ ከም እተፈጥረ

ስለ ዝገመተት፡ “እምብኣር እቲ ዝፈራሕኩዎ ተኸሲቱ፡” ክትብል ሓሳባ ገለጸት። ገጻ ብሓንሳዕ ጸምለወ። ከም

ዝጐሃየት ንምግላጽ፡ ንኣእዳዋ እናጋጨወት ምስ ኣጣቕዐት ድማ፡ ደጊማ ተዛረበት።“ክትፈልጢ፡ ምልእቲ ንግሆ

ተረቢጸ ውዒለ። ሓደ ጸገም ከም ዘጓንፈና ድማ ብባህሪት ክስወጠኒ ኣርፊዱ። ንነፍሰይ ሽግር ይመጽእ ኣሎ እናበልኩ ክሕብራ ኣርፊደ። እንሀ ኸኣ መጺኡ። ወይ ጕድ፡ ዕድል ዘይገበርና!”“እወ’ቲ፡ እንሀልኪ በሊ እዚ

መትከኽ ቘልዓስ መመሊሱ የሳቕየኒ ኣሎ።”“ንምንታይ ኢኺ ንዕዑ

ትመዓትዮ ዘለኺ፧ እንታይ ገይሩ ንሱ፧ አረ ስለ ምንታይ ኢኺ ትረግምዮ፧” ኣሞኡ፡ ንርእሳ ዝጐልበበትሉ ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎ መንዲል ፈቲሓ ኣብ ኢዳ ድሕሪ ምሓዝ ንኣደ ቫንያ ኽትቋየቛ ጀመረት። “ክትፈልጢ ንሱ ወላ ሓንቲ

ኣይበደለን። ነቲ ጌጋ ፍተዊ ጽልኢ ንስኺ ኢኺ ትፍጽምዮ ዘለኺ። ንስኺ ኢኺ ተሓታቲት። ስለምንታይ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸም ዝኸይድ ትገብርዮ ኣለኺ፧” ኣሞኡ ሕቶ ኣቕረበት።መልሲ ስለ ዘይረኸበት ከኣ ከም

ብሓዲሽ ነቲ ዝጀመረቶ ሓሳብ ኣውሓዘቶ።“እፈልጥ እየ። ‘ወረጃ’ያ’፡

ግቡእ ነገር እትፍጽም ሰበይቲ’ያ ኽትበሃሊ ኢኺ ትደልዪ። ልክዕ ከምዞም እንዳ ዓበይቲ ዝበሃሉ ሰባት

ክትመስሊ ኢኺ ትደልዪ። ክንደይ መዓልቲ ነጊረኪ፡ ከም ኵዝያ፡ ኣብ ዋኒን ኣዋፍርዮዶ ኣይበልኪኽን፧”ኣደ ቫንያ ኣይመለሰትን። ክንዲ

ዝዀነ፡ ኣሞኡ፡ ኽሳዕ ዝስቈራ ኽትነግራ ወሲና ነቲ ዝጀመረቶ ሓሳብ ወሲኻ ቐጸለቶ።“ኵዝያ ኣብ ዓመት ክንደይ

ከም ዝረክብ ትፈልጢዶ? ንሱ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሩብል እዩ መሃያኡ። ንስኺ ግና ንማዕዳይ ንዒቕኪ፡ ንነፍስኺ ትቐትልያ ኣለኺ። ነቲ ቘልዓውን ‘ተመሃር፡ ኣጽንዕ!’ እናበልኪ ነፍሰ ስጋኡ ወዲእክዮ። ጠምትዮ፡ ይስዕልን ከም ሕሙም ይማስንን ኣሎ። ዓሰርተ ሰለስተ መሊኡ ክነሱ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ይመስለልኪ ኣሎ።”“ኣይፋልክን ናሼንካ፡ ከምኡ

ኣይኰነን እቲ ነገር። እዚ ዅሉ መዓት ዝመጸኒ ስለ ዘሎ፡ ክሳዕ ዘቐንዙዎ ስለ ዘይዘበጥኩዎ እዩ። ክነግረኪ፡ እዚ ርጉም ቈልዓ ክቕጥቀት ኣለዎ።” ንኣጻብዕታ ጨቢጣ እናፈከረት ናብ ወዳ ቐረበት።“ኵርማጅ መድለየካ፡ እንታይ’ሞ፡

ሓይሊ እንድየሞ ስኢነ። ቅድሚ ሓያለ ዓመታት፡ ገና ንኡሽተይ ከለኻ ክሓምጠካ ኸም ዘለኒ ይነግሩኒ ነይሮም። “ጀልጥዮ፡ ዝበጥዮ፡” ኢሎምኒ። ኣነ ግን፡ ሸለል ኢለካ። እዚ ኸም ዝመጽእ ኣየቃለብኩሉን። ሕጂ ግን …”ኣደ ነቲ ዝጠልቀየ ኢዳ

እናኣወጣወጠትን እናነብዐትን ኣብ ሓደ ኽፍሊ ገዛኣ ተኻርዩ ናብ ዝቕመጥ ሰብ ኣምርሐት። ንሱ ዩቪቲሂ ኵዝሚች ኩፖሮሶቭ ይብሃል። ኣብቲ ህሞት’ቲ ኣብ ሰድያ ተቐሚጡ መጽሓፍ ገንጺሉ ኸንብብ ጸንሓ። ዩቪቲሂ ኵዝሚች ኩፖሮሶቭ

በሊሕን ብዙሕ ትምህርቲ ዝቐሰመን ሰብ እዩ። ብኣፍንጫኡ ስለ ዝዛረብ ዓርናስ ድምጺ የቃልሕ። ኣብቲ ገዛ ንዝቕመጡ ሰባት ጥኡም ጨና ብዘለዎ፡ ግን ‘ህንጥሸው’ ብዘብል ሳሙና ይሕጸብ። ወላ ኣብ መዓልቲ ጾም ከኣ ስጋ ይምገብ። ንሱ ነጨበረር እዩ። ድሕሪ

ቝሩብ እዋን ሓዳር ምእንቲ ኽምስርት ድማ ንዕዑ እትኸውንን ብትምህርቲ ዝበሰለትን ጓል ኣብ ምድላይ ይርከብ ነይሩ። ንሱ፡ ካብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ተኻረይቲ ብትምህርቲ ዝበሰለ ሰብ ተባሂሉ’ዩ ዝሕሰብ ነይሩ። ኣደ ቫንያ፡ ነዚ ምሁር ተኻራያይ

ምስ ረኸበቶ፡ ንንብዓታ እናደረዘት “ስምዓኒ ክቡር ዓርከይ፡” ክትብል ሓሳባ ኽተስምዖ ፈለመት። ንሱ፡

ኣቓልቦ ሂቡ ብተመስጦ ሰምዓ። ንሳ ኸኣ ነቲ ክትነግሮ ዝወሰነቶ ሓሳብ ኣውሓዘቶ።“እስኪ ሓደ ውዕለት ፈጽመለይ-

ኣብ ክንዳይ ኴንካ ንወደይ ሻቝጦ። በጃኻ፡ ነዚኣ ግበረለይ። እዚ ርጕም ቈልዓ’ዚ እንሀልካ ሎሚ ድማ ንዝተዋህቦ ፈተና ክሰግሮ ኣይከኣለን። ሕጂ’ውን ወዲቑ ኣሎ እንተ በልኩኻ ትኣምነኒዶ፧” ዩቪቲሂ ኵዝሚች ኩፖሮሶቭ

ኣይመለሰላን። ክንዲ ዝዀነ ንዝፈለመቶ ዘረባ ቐጸለት።“ወዲቑ እብለካ ኣለኹ። ኣነ

ብወገነይ ክሓምጦ ኣይከኣልኩን። ሕማመይ ብዘስዓበለይ ድኻም ሓይሊ ኣይረኸብኩን። በጃኻ ኢለካ ንዓይ ወኪልካ፡ ክሳዕ ዝስቈሮ ኣንገርግር ኣብለለይ። ትሓልየለይን ትምእዘዘኒን እንተ ዄንካ ሕዘነለይ በጃኻ። እንታይ ክገብር ይሕተት ከም

ዘሎ ዝተረድኦ ዩቪቲሂ ኵዝሚች ኩፖሮሶቭ፡ ብኸቢድ እናስተንፈሰ፡ ንግንባሩ ኣዕጢሩ ከም ወትሩ ብኣፍንጫኡ እናተዛረበ ነቲ ኣብ ቅድመኡ ዘሎ ጣውላ ደጋጊሙ ዃሕኵሖ፡ ድሕሪ ቍሩብ ድማ ናብ ቫንያ ኣምርሐ። “ክትመሃር ዕድል ረኺብካ፡ ግን

ኣብ ክንዲ ትጥቀመሉ፡ ትም ኢልካ ንግዜኻ ብከንቱ ተባኽኖ ኣለኻ። ስለ ምንታይ ከምኡ ገይርካ፧”ዩቪቲሂ ኵዝሚች ኩፖሮሶቭ

ብዙሕ ተዛረበ። ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ገለ ኣመት ሃበ። ካብቲ ኣርእስቲ ከይወጸ ብዛዕባ ብርሃንን ጸልማትን ኣውክአ። ካብቫንያ ግን ቃል’ውን ትዅን መልሲ ኣይረኸበን።ክንዲ ዝዀነ ንቫንያ ኣፍጢጡ ብምጥማት ንኽመልሰሉ ተጸበየ።ቫንያ ትም በለ። ኣብ መወዳእታ “እውከሰካ

ኣለኹ፡ ጐበዛይ! ተዛረብ” ክብል ዩቪቲሂ ኵዝሚች ኩፖሮሶቭ ተዛረበ። እቲ ቘልዓ ግን ክሳዕ መወዳእታ መልሲ ኻብ ምሃብ ተቘጠበ። ዝውስኾ ነጥቢን ግብረ መልሲ ቫንያ ዝሰኣነ ዩቪቲሂ፡ ንመዓጥቖኡ ብምፍታሕ ነቲ ቘልዓ ኣብ ኢዱ ኣእተዎ። “ካልእ ኣማራጺ የለን። በዚ

ጥራይ’የ ኸረዳድኣካ።” ተዛረበ እቲ ቝልፊ ዝሓዘ ምሁር። ቫንያ፡ ተቓውሞ ዝብሃል ከየርኣየ፡ ንርእሱ ኣብ ውሽጢ ኣብራኽ እቲ ምሁር ሸጒጡ ተንበርከኸ። ድሙቕ ጽጌረዳዊ ሕብሪ ዘለወን ኣእዛን ቫንያ፡ ሽራጥ-ሽራጥ ኣብ ዝመልኦ ቡናዊ ስረ እቲ ምሁር ተወቲፈን ተንቀሳቐሳ። ቫንያ ቓልውን ትዅን

ኣየምለቘን። ኣብ ኣጋምሸት፡ ስድራቤቱ ንዕጫ እቲ ቘልዓ ንምውሳን ተኣከቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቘልዓ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ገለ ዋኒን ብምውፋር ህይወቱ ኽመርሕ ብምሉእ ድምጺ ወሰኑ።

ቫንያ

ደራሲ፡ ኣንቶን ቸክሆቭተርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ

Page 7: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 7

ስ ት ሪ ምግድል ኮኣገባብ ኣጸዋውታኡ፥ ኣብዛ ትርእዩዋ ሰደቓ። 7ተ ብ7ተ ዝተሰርዓ

ዓንኬላት ኣለዋ፣ እዘን ዓንኬላ ቍጽሪታት እየን ዝሕዛ፣ ካብ 1 ክሳብ 7 ድማ ይምልኣ፣ ካብ 1 ክሳብ 7 ዘለዉ ቝጽሪታት ንትኹልን ንጋድምን ልክዕ ከም ሰዱኮ ክድገሙ የብሎምን፣ ኣብቶም ብመስመር ተራኺቦም ዘለዉ ዓንኬላት’ውን ኽድገም የብሉን፣

(መልሲ። ካብ 1 ክሳብ 7 ዘለው ቝጽሪታት ንትኹል። ንጋድምን ብሕንጻጽ ተታሒዞምን ኣብ ዝርከቡ ዓንኬላት ክድገሙ የብሎምን፣)

ብርቱዕ! “ክውንነት ዝብሃል እቲ ኣብኡ ምምእማን ሓዲግናዮ ክነስና ዘይጠፍእ ክስተት እዩ፣”

- ፊሊፕ ከይ. ዲክ

FunNY JOKES!

ጥቕሲ እዚ ሰሙን!

እዛ ዓምዲ ተማሃሮ ትምህርቲ ሓዘል ጽሑፋት ከተቕርብ ጸኒሓን ኣላን፣ ብተወሳኺ ኣብ ንኡስ ዓምዲ መልእኽቲ ኣለኩም። ኣብ ትምህርቲ ናይ ባዕልና ተሞኵሮ። ተምሳጥ። ባህጊና። ሓሳብ። ጽቡቕናን ሕማቕናን እንማቐላላ ዅርናዕ ፈልያ ተቕርብ ጸኒሓ፣ ኣነ ኸኣ ከምቲ ኣርእስቲና ዝመርሖ። “ድፍኢተይ ክነግረኩም። ድፍኢትኩም ንገሩኒ….”። ንሎሚ ድፍኢተይ ወስ ከብል ተበጊሰ ኣለኹ፣

ኣብ በይነይ ኰይነ ብዛዕባ ጕዕዞ ህይወትይ ክሓስብ እንከለኹ። ዝያዳ ዝዓዘዘኒ ሓሳብ ትምህርተይ እዩ፣ ኣብ ትምህርቲ ዘሎኒ ዓቕሚን ትምኒትን ክመዛዘነለይ ደለኹ፣ ምኽንያቱ ትምኒት በይኑ ዋጋ የብሉን፣ ስለዚ ናብ ትምኒተይ ዘብጽሓኒ ዓቕሚ ኽህሉወኒ ብሂገ፣ ትምኒተይ። ዓቕመይን ክእለተይን ዝበጽሖ ክዀነለይ እንተ በሃግኩ ጽቡቕ እዩ፣ ትምኒት ንበይኑ። ኣብ ዘይከኣል ዝመስለካ ግዜ ግዝያዊ ዕረፍቲ ይህብ ምዃኑ ይእመነሉ፣ ምምናይ እቲ ዝጠዓመን ዝቐለለን ነገር እዩ፣ ዘድሊየካ ኣለሊኻ ምምናይ ግን ክብድ ይብል፣ ዘድሊየካ ነገር ክትፈልጥ። ነብስኻ ምፍላጥ ስለ ዘቐድም፣ ነብስኻ ንኽትፈልጥ ከኣ ብዙሕ ኰስኳስ የድሊየካ፣ ናብ ውሽጥኻ ትኣትወሉ ብዙሕ መገዲታት ክትደሊ ትግደድ፣ በይነይ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ኸኣ ነብሰይ እፈልጣ ድየ ኣይፈልጣን ክምልስ ይፍትን፣ ብዙሕ ግዜ ኻብ ንሰምዖ ታሪኽ ዓበይቲ ሰባት ዓለምና። ዝበዝሑ እቲ ስሞም ዝዀልዐ ኣበርኵቶኦም ካብ ብንእሽትኦም ዘለለዩዎ ዓቕሚ ውሽጦም ዝወለዶ እዩ፣ ኣብ ከምዚ ናተይ ካልኣይ ደረጃ ዘለኹሉ ግዜ ወይ ዕድመ። ንሳቶም ዝደልዩዎ ፈሊጦም ነበሩ፣ አረ ገለኦምሲ ንገለ ዓበይቲ ርኽበታት ዝረኸቡ። ምህዞታት ዝመሃዙ ወይ’ውን ዓበይቲ ሕቶታት ኣልዒሎም ዝነበሩ እዮም፣

ኣነ ኣብዚ ተመሳሳሊ ዕድመኸ እንታይ ገይረ ኣለኹ? እንታይ ይሓስብ ኣለኹ? እንታይ እየ ክኸውን? እቲ ብልበይ ዝደልዮ እንታይ እዩ? …?....? …? ….? ….? ….? ብዙሓት ብሻዓኡ ዘይምለሰለይ ሕቶታት ንነብሰይ አቕርበላ እየ፣ ንዅሉ ኽምልሶ’ኳ እንተ ዘይከኣልኩ። ትምህርቲ ሓደ ኻብቶም ነዚ ሕቶታት ንኽምልስ ዝሕግዙኒ መሳርሒታት ምዃኑ ግን ፈሊጠ ኣለኹ፣

ቀዳማይ ስጕምተይ፥

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሮ ፍልጠት። ናብቲ ናይ ብሓቂ ንስነተይ ዝመርሕ ሓደ ሓባሪ ምዃኑ ምእማነይ እዩ፣ ሓደ ግዜ ንናይ “ላይፍ ስኪል” መምህርና። ብዛዕባ ነብስኻ ምፍላጥ ሓንቲ መማህርትና ሓቲታቶ ነበረት፣ ነብስኻ ምፍላጥ ኣዝዩ ዓቢ ኣምር ምዃኑ ድሕሪ ምንጋሩ። “ኣብ አዕድመና እዛ ሕቶ ትጋደፈና ኣይኰነትን፣ ነብስኻ ምፍላጥ ዘየዕርፍ ሕቶ ሰብ እዩ፣ ግና ንፉዓት እንተ ዄንኩም ኣብዚ ዘለኹሞ ዕድመ ነብስኹም ክትፈልጡዋ። እታ ሓቂ መንነትኩም ክትፈልጡዋ ትኽእሉ ኢኹም፣ እቲ ነብሱ ዝፈልጥ ብሓጐስ ክነብር ኣይሽግረን እዩ፣

ናበይ ይኸይድ ኣሎ? ስለምንታይ? መዓስ’ዩ ኣብ ምዕራፉ ዝበጽሕ? ድሕሪኡኸ እንታይ እዩ ዝርክብ? ዋላ ደኣ ዓሰርተ ሳዕ ይውደቕ ወይ ይፍሸል ብምርጫኡ ፍጹም ኣይጠዓስን እዩ፣ ምኽንያቱ ንሳ። እታ መገዲ። ናቱ ኸም ዝዀነት ስለ ዝፈልጣ።” ክብል መለሰ፣ መምህር “ካብ ምንታይ ተበጊስኪ ሓቲትክኒ በላ?” ክብል ሓተተ፣ መማህርቲና ኸኣ ሓንቲ ናይ ስነ-ልቦና መጽሓፍ እናንበበት እንከላ ነዛ ኣምር ምርድኣ ኸም ዝሰኣነት ነገረት፣ መምህር። ንመማህርቲና ብምጓስ ከምዚ በለና። “ነብስኻ ኽትፈልጥ ካብ ዝሕግዙ ንጥፈታት ሓደ። እቲ ፍቱን ተመራጺን። መጽሓፍ ምንባብ እዩ፣ ብዙሕ ዓይነትታት መጽሓፍ ምንባብ ናብ ንስነትካ ይመርሓካ እዩ፣ ኵሉ ዓይነት መጽሓፍ ይሕግዝ ማለት ኣይኰነን፣ ግን ኵሉ ዓይነት መጽሓፍ ምንባብ ከኣ የድሊየካ እዩ፣ ምሳና ብቐረባ ዝተኣሰሰር ካልእ ፍቱን ኣገባብ’ውን ኣሎ፣ ንሱ ኸእ ትምህርቲ እዩ፣ እቲ ኽትኰኑዎ እትደልዩ። ወይ ክትበጽሑዎ እትደልዩ ደረጃ ኻብ ውሽጢኹም ዝነቐለ ድልየት ምዃኑ ኽትፈልጡ ኣለኩም፣ ኣብዛ ዓለም እቲ ብዘይ ትምህርቲ ኽብጻሕ ዝከኣል ዝበሃል ክጠቕሰልኩም ኣይክእልን እየ፣ ምኽንያቱ ብዘይ ትምህርቲን ምንባብን ኣብዛ ዓለም ቁምነገር ዝተገብረሉ ዓውዲ ኽሳዕ ሕጂ ኣይሰማዕኩን ወይ ኣየንበብኩን።” ብምባል ትምህርቲ ዘይንዓቕ ምርጫ ምዃኑ ነጊሩና ነበረ፣ ስለዚ ትምህርቲ ንባህጊታተይ ዝጭብጠሉ መገዲ ምዃኑ ኣሚነ ክቕበሎ መዲበ፣

ካልእይ ስጕምተይ፥

ካብ ዘረባን ጽልዋን ስድራይ። ፈተውተይ ወይ መሓዙተይ ወጺአ ንዅለን ዓይነታት ትምህርቲ ብሓደ ዓይኒ ርእየ ኽምርምረን ምምዳበይ’ዩ፣ ምኽንያቱ። ገለ መምህርተይ ንፊዚክስ ኣዝዮም ዝጸልኡዋ ኣለው፥ “ፊዚክስ ናይ ጽሉላት ትምህርቲ እዩ፣ ዋላ ሓንቲ ኸኣ ኽትሰርሓሉን ኽትነብረሉን ኣይትኽእልን ኢኻ ይብሉ፣” ገለ ኸኣ ኣለው ንዅሉ ማሕበራዊ ትምህርቲ ፈጺሞም ዘይፈትው፣ መዓልታዊ እቲ ነቲ ሓደ እናፈንፈኑ ይዛረብሉ፣ ኣነ ግን ካብ ኵሉ ኸምዚ ዓይነት ዘረባ ወጺአ።

ብማዕረ ኸጽንዐን። ክምርምረንን ክፈትወንን ኣለኒ ኢለ ተበጊሰ፣ ምኽንያቱ ንባዕለይ እንታይ ከም ዝፈቱ ኸይፈለጥኩ። ሰብ ብዝበሉዎ ኽውስን ስለ ዘይደለኹ፣

ሳልሳይ ስጕምተይ፥

ሳላሳይ ስጕምተይ ኣንጻር ሰብ ዝብሎ ምኻድ እዩ፣ እዚ ማለት ግን ኣብ ኵሉ ህይወተይ ኣንጻር ዝበሃለኒ ክኸይድ ማለት ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ኸምዚ ቕድም ኢለ ዝጠቕስኩዎ። “ንስኻ ኣብ ቍጽሪ ንፉዕ እንዲኻ። ኣብ ተፈጥሮኣዊ ስነ-ፍልጠት ክትኣቱ ኣለካ።” ኢሎሙኒ ንበል፣ ቍጽሪ ንፉዕ ምዃን ኣብ ናይ ማሕበራዊ ዓይነታት ትምህርቲ ኣየድሊየካን ድዩ? ዋላስ ቍጽሪ ንፉዕ እንተ ዄይንካ ኣብ ማሕበራዊ ትምህርቲ ንፉዕ ኽትከውን ስለ ዘይትኽእል እዩ? ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታት እናልዓልኩ። ናይ ገዛእ ርሰይ ውሳነ ብሓላፍነተይ ክውስን ኣለኒ ኢለ መዲበ ኣለኹ፣

ፍትዋት መማህርተይ ወይ’ውን መምህራነይ እዚ ናይ በይነይ ሓሳብን ድፍኢትን እዩ፣ ናትኩም ክሰምዕ ብሃረርታ እጸበ፣

ቢላል (በላዒ ዅሉ)ካ/ደ/ቤ/ት ኢብራሂም ሱልጣን

?

ክልተ ኣዒንቲ እንከለና ሓደ ስእሊ ጥራይ ኢና እንርኢ፣ ክልተ ኣዒንቲ ንሓድሕደን 40 እንተ ተረሓሒቐን ዝተፈላለየ ስእሊ ኽርእያ ወይ ዝርኣይኦ ኽፈላለ ይኽእል፣ ኣዒንቲና ኻብን ናብን ቍሩብ ዝተፈልየ ስእሊ ይርእያ፣ ንኣብነት። ሓደ ነገር ኣብ ቅድመና ገይርና ንርኣዮ፤ ጸጋመይቲ ዓይንና ጸቒጥና ብየማነይቲ እንርእዮ። ካብቲ የማነይቲ ጸቒጥና ብጸጋመይቲ እንርእዮ ዝተፈልየ እዩ፣ ኵሉ እንርእዮ ዘበለ ሓንጐልና ተርጕሙ የቕርበልና፣

ክልተ ስእሊ ንሓድሕዱ ተሓናጊሩ ኸሕወዝዉዝ ወይ ካብ “ፎካስ” ክወጽእ ይኽእል፣ ነዚ ዘሕወዝዉዝ ካብ ክልተ ኣዒንትና ዝመጽእ በበይኑ መልእኽቲ ናብ ሓንጐልና ምስ በጸሐ። ሓንጐልና ነዚ ዝተፈላለየ ስእሊ ወይ መልእኽቲ ሓዊሱ ሓደ ሰለስተ መኣዝን ዘሎዎ ስእሊ ይፈጥር፤ እዚ ሓንጐልና ዘመስርሖ መልእኽቲ ኸኣ ኢና ብጹር ንርእዮ፣

ሰብ ንዝርእዮ ዘበለ ብኽልተ “ለንስ” (binocular vision) እዩ ዝርእዮ፣ ኣብ ሕክምና ወይ ኣብ ባዮሎጂ ኽንምሃር እንከለና። “ማይክርስኮፕ ስለምንታይ ብኽልተ መርኣዩ ንርእየላ?” ኢልና ሓሲብናዶ ንፈልጥ፣ ሓካይም ክጥቀሙላ እንከለዉ ንምንታይ ብሓደ ዓይኖም ጥራይ ክርእዩ ዘይክእሉ?

ካብ ብሓደ ኣዒንቲና ምርኣይ ብኽልተ ኣዒንቲና ኽንርኢ ይበልጽ፣ ብኽልተ ዓይኒና ኽንርኢ እንከለና። ብሰለስተ መኣዝን ክንርኢ። ዝሓሸ ንጻረን ዝበለጸ ናይ ምርኣይ ዓቕሚን ኣሎዎ፣ ብኣንጻሩ ኣዕዋፍ ኣዒንተን ናብ በበይኑ ኣንፈት እዩ ዝጥምት፣ ዝተፈላለየ ስእሊ ድማ ይርእያ፣

ትርኢት ክልት ኣዒንቲ...?

ኵርናዕተማሃሮ

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

“እዚ ዳይረክተርና ሓደ ሳክት’ዩ ምሽ?” ሓተተ ኣብ ጐድና ንዝነበረት ተምሃሪት፥“መን ምዃነይ ትፈልጠኒ ዲኻ?” ሓተተት ተማሃሪት፣“ኖኖእ!” መለሰ ተማሃራይ“በል ጓል ዳይረክተር እየ፣”“ኣነ መን ምዃነይከ ትፈልጢ ዲኺ?” - ሓተተ ተማሃራይ፣“ኖኖእ!” መለሰት ተማሃሪት፣“ተመስገን ኣምላኽ!” - እንቋዓ እናስተንፈሰ፣

***

ሜሪ ማና

...ድፍኢትኩም ንገሩኒ?”

መልእኽቲ ኣለኩም“ድፍኢተይ ክነግረኩም...

ኩቡራት ኣንበብቲ ኣብዚ ዓምዲ ኽትሳተፉ ምስ እትደልዩ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ልኣኹልና፥

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራዓምዲ ንኣፍልጦ (ኵርናዕ ተማሃሮ)

ፓ.ሳ.ቍ. 247 - ኣስመራ

ሕቶምስ ካልኣይካ ዄንካ ኮካን ክልተ መስተዪን ቀርብ፣ እዘን ክልተ መስተዪ።

ሓንቲ ብፕላስቲክ ዝተሰርሐት ኩባያ። እታ ሓንቲ ኸኣ ብቤትሮ ዝተሰርሐት ብኬሪ ትኹን፣ ካብዚ ኮካ በብተራ ናብተን መስተዪ ቕዳሕ፣ ክትቀድሕን ከተንቀሳቕስን እንከለኻ ሓደ ዓይነት ዝሕል ዝበለ ፍጥነት ተጠቐም፣ ኣብዘን መስተዪ ዝፍጠር ዓፍራ (bubble) ኣሎ፣ ኣብ ክልተአን ዝፍጠር ዓፍራ ንገለ ደቓይቕ ተዓዘቦ፣ ካብ ክልተአን ኣበየነይተን መስተዪ ዝያዳ ዓፍራ ይፍጠር? ስለምንታይ?

(መልሲ ልኣኹልና፣)

Page 8: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 8

ሓደ ካብ ከዋኽብቲ ሆሊውድ እዩ - ጃን ክላውድ ቫንዳም። ቫንዳም ዝሓለፈ ሓሙስ 19,11,2015 ኣብ ሜዳ ልምምድ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ብምብጻሕ ምስ ተጻወትቲን ኣሰልጠንቲን እታ ክለብ ተራኺቡ። ወዲ 55 ዓመት በልጁማዊ ቫንዳም፡

ኣብ ዓውዲ ካራተ ንዝወሃብ ናይ ጸሊም ገመድ መዓርግ፡ ተሞክሮ ንምልውዋጥ ኣብ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ዝተዳለወ ጽምብል፡ ንምስታፍ’ዩ ኣብ እንግሊዝ ቀንዩ። ንእግረ መንገዱ ናብ ሜዳ ልምምድ ክለብ

ማንቸስተር ሲቲ ዝበጽሐ ቫንዳም፡ ምስ ደቂ ዓዱ ቪንሰንት ኮምፓኒን ኬቨን ደ ብራይንን

ተስፋኣለም ገብረዮ

ሃንስ (ኲባ)

ሲቲ በጺሑ

ተራኺቡ ከም ዘዕለለ፡ ምስ ኣሰልጣኒ ማኑኤል ፐለግሪኒ፡ ዝርከቦም ኣባላት እታ ጋንታ ድማ ናይ መዘከርታ ስእልታት ከም ዝወሰደን መርበርብ ሓበሬታ ደይሊ መይል ኣብ ገጻታ ኣስፊራ። ቫንዳም፡ ኣብ ከም ብላድ ስፖርት፡ ሃርድ

ታርጌት፡ ዩኒቨርሳል ሶልጀር፡ ዝብላን ካልኦት ፊልምታት ዝተዋሰአ ሓደ ካብ ጸለውቲ ከዋኽብቲ ሆሊውድ እዩ። ክለብ ንማንቸስተር ሲቲ፡ ምብጻሕ እዚ ናይ ኣክሽን ፊልም ክኢላ ዝኾነ ቫንዳም ኣይቀደዋን። ኣብ ሳልስቱ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ብሊቨርፑል ዘይሓሰበቶ ናይ 4ብ1 ከቢድ ስዕረት ስለ ዝገጠማ።

ማርቲን ስከርትል፡ ተኻላኻላይ ክለብ ሊቨርፑል እዩ። ንሱ ዝሓለፈ ቀዳም ጋንታኡ ሊቨርፑል፡ ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ሲቲ፡ ክትዕወት ከላ ሸቶ ኣመዝጊቡ ነይሩ። ስሎቫክያዊ ስከርትል፡ ኣፍቃሪ ዓውደ ስፖርት ቴኒስ ባይታ ምዃኑ ይንገረሉ። ኣብ ጽባሕ ዓወት ጋንታኡ ሊብቨርፑል ኣብ ልዕሊ ማንቸስስተር ሲቲ፡ ብሰንበት 22 ሕዳር 2015 ኣብ ከተማ ለንደን፡ ንዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ጸወታ ውድድር ተኒስ ባይታ ሰርቢያዊ ኖቫክ ጆኮቪች ኣንጻር ስዊዘርላንዳዊ ሮጀር ፈደረር ተዓዚቡ። ኣብቲ ጸወታ ጆኮቪች 6ብ3,6ብ4 ንፈደረር ብምስዓር፡ ራብዓይ ተኸታታሊ ግዜኡ ናይ ተኒስ

ባይታ ናይ ዙርያ ናይ ፍጻመ ግጥም ተዓዊቱ። ጆኮቪች፡ ብጠቕላላ ኣብ’ዚ ዓመተ ስፖርት መበል 11 ዓወቱ እዩ ኣመዝጊቡ። ድሕሪ ዓወት ጆኮቪች፡ ስከርትል ምስ በዓልቲ ቤቱ ባርቦራ፡ ብምዃን ብሓባር ክምስሑን ናይ መዘከርታ ስእልታት ክወስድን ተራእዩ። ድሕሪ’ዚ ስከርትል፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪቱ “ነዚ ሰብ እዚ ምርካበይ ብቓላት ክገልጾ ዘጸግመኒ ሓበን’ዩ ተሰሚዑኒ። ደስ ዘብል ኣጋጣሚ ከኣ’ዩ ነይሩ።” ክብል ጽሒፉ።

እዛ ኣብ ጥቕሲ ኣትያ ዘላ ምልእቲ ሓሳባት፡ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ጆዜ ሞሪኖ፡ ድሕሪ ግጥም ኢል ክላሲኮ፡ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ ራፋኤል በኒተዝ፡ ዝብሎ እንተሃልዎ ምስ ተወከስዎ፡ ካብ ዝሃቦ ምላሽ ዝተወስደት እያ። ሞሪኖ ዘረብኡ ብምቕጻል “ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ

ኣብ ሽግር ናይ ዘለዋ ክለባት ጉዳይ ክዛረቡ ክሰምዕ እንከለኹ፡ ይገርመኒ እዩ። እዚ ድማ ነተን ጋንታታት ካብ ዘለዎም ንዕቀትን ጉድለት ስነ ምግባርን ዝነቅል እዩ።” ኢሉ። ብዛዕባ ሪያል ማድሪድ፡ ምስ ተረትዐት ዘይኮነስ፡

ምስ ተዓወተት እየ ዝዛረብ ዝበለ ሞሪኖ፡ “ብዛዕባ ኢል ካልሲኮ ዝብሎ የብለይን። ብስዕረት ካልኦት ጋንታታት ኣይሕጎስን እየ። ብዓወታት ክለበይ እየ ዝፍሳህ። ስለዚ እየ ከኣ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ብዙሕ ፍሽኽ ዘይበልኩ።” ኢሉ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደይሊ መይል ካብ ዝሰፈረ ጽሑፍ ዝተወስደ። ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ሞሪኖ ከምዚ ዝበለ ውርጹጽ

ዘረባ ክዛረብ ግን የምሕረሉ ዶ ይኸውን? ሰነዳት ምልስ ኢልና እንተተወከስና ሞሪኖ፡ ኣብ

ልዕሊ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣርሰን ቨንገር፡ ዘውረዶ ነቐፌታ ማእለያ የብሉን። ሞሪኖ ንቨንገር ‘ናይ ውድቀት ፍሉይ ክኢላ።’ ክብል ዝገለጾ ድማ ብቐዳምነት ምጥቃስ ይከኣል። ሞሪኖ፡ ን ሪያል

ማ ድ ሪ ድ የሰልጥነሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ንናይ ባርሰሎና መዘናኡ ዝነበረ ጓርዲዮላ፡ ብቐጻሊ ብነቐፌታ ክሰሃሎ ተሰሚዑ እዩ። ሞሪኖ ብቓላቱ “ቀጻሊ ብሓገዝ ደያኑ ዝዕወት ኣሰልጣኒ።” ክብል ዝገለጾ ይጥቀስ። ሞሪኖ፡ ብተወሳኺ ኣብ 2014 ጋንታኡ ቸልሲ፡

ኣብ ሜዳኣ ስታምፎርድ ብሪጅ፡ ኣብ ግጥም ኣንጻር ዌስትሃም፡ ፈጺማ ሸቶ ምምዝጋብ ምስ ሰኣነት፡ ንሜላ መጋጥምቱ ዝነበረ ኣሰልጣኒ ዌስትሃም ሳም ኣላርዳይስ፡ “ናይ 19 ክፍለ ዘመን ቅዲ ኣጸዋውታ ክብል” ከም ዝነቐፎ ይዝከር። ንእዋናዊ ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ ራፋኤል

በኒተዝ፡ ከኣ እሞ ኣዝዩ ብዝተጋነነ ኩነታት ብነቐፌታ ክዋራዘየሉ’ዩ ብቐጻሊ ዝስማዕ። ንኩነታት እዞም ክልተ ኣሰልጠንቲ በዓልቲ ቤት በኒተዝ፡ ምስ ተሓወሰቶ ከኣ እሞ፡ ኩነታቶም መሊሱ ክጉህር እዩ ዝረአ። በኒተዝ፡ ሞሪኖ ንዘሰልጠነን ክለባት ቸልሲ፡

ኢንተር ሚላንን ከምኡ ድማ ሕጂ ሪያል ማድሪድን ዘሰልጠነን ዝዕልምን ዘሎ እዩ። ኣብ ምጅማር እዚ ዓመተ ስፖርት በዓልቲ ቤት በኒተዝ “ሰብኣየይ ሞሪኖ ንዘበላሸወንን ንዝበተነንን ክለባት ከዐሪን ከሐድስን ተኺኹ!” ብምባል ንዝሃበቶ ርእይቶ፡ ሞሪኖ ክምልስ ከሎ “እታ ወይዘሮ ተደናጊራ ኣላ። ፈለማ ሰብኣያ ንሮቤርቶ ዲማትዮ ክትክእ እዩ ናብ ቸልሲ ከይዱ። ድሒሩ ናብ ማድሪድ ዝኸደሉ ከኣ ንኣንቸሎቲ ንምትካእ ምዃኑ ኣይፈለጠትን።” ኢሉ። ሞሪኖ ቀጺሉ “እታ እንኮ ሰብኣያ ንዓይ ዘተከኣላ

ከለብ፡ ኢንተር ሚላን እያ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ነታ ኣብ ኤውሮጳ ዝበለጸት ዝነበረት ጋንታ፡ ፈጺሙ ኣዕንይዋ።” እዚ እዩ እቲ ሓቂ። እታ ወይዘሮ ብኣመጋግባ እቲ ከሪሹ ዘሎ በዓል ቤታ ትግደሰ እንተ ትኽውን፡ ብዛዕባይ ንምዝራብ ግዜ ኣይምረኸበትን።” ይብል እቲ ብስዕረት ካልኦት ሰባት ከም ዘይፍሳህ ኣብ’ዚ ቅንያት ዝተዛረበ ሞሪኖ። ሞሪኖ፡ ብዛዕባ ግጥም ኢል ክላሲኮ ዘይተዛረበሉ ምኽንያት፡ ምናልባት ነገራት ኣብ ቸልሲ ከም ዘለዎ እንተቐጺሉ፡ (እንተዘይ ሰሊጥዎ) ኣብ ክራማት ናብ በርናቡ ናይ ምምላስ ተኽእሎኡ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ፐረዝ፡ ኣሎ ዝበሃል ውሽጣዊ መደብ ንምክልኻል’ዩ፡ ዝብሉ ወገናት ኣይተሳእኑን።

“ብቓንዛ ካልኦት ዝፍሳህ ኣይኮንኩን”

ሞሪኖ

ስከርትል ኣብ ጽምብል ዓወት ጂኮቪች

ዣቪ ሀርናንደዝ፡ ማልያ ክለብ ባርሰሎና ወድዩ ን17 ዓመታት ዝተጻወተ ኣከፋፋሊ እዩ። ንሱ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ምስ ቀጠራዊት ክለብ ኣልሳድ፡ ኣብ ምጽዋት ይርከብ። ዣቪ፡ እዋናዊ ኣሰልጣኒ

ማንቸስተር ዩናይትድ ልዊስ ቫን ሃል፡ ባሃም ይመስሎ ከም ዝነበረ ተናሲሑ። እቲ ምስሊ ክለብ ባርሳ እናተባህለ ዝግለጽ ብልሂ ኣከፋፋሊ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንመርበብ ሓበሬታ ኢኤስፒኤን “ንቫንሃል፡ ኣብ’ተን ቀዳሞት ክልተ፡ ኣብ ትሕቲኡ ልምምድ ዝሰራሕኩለን መዓልታት ምስ ተዓዘብክዎ፡ ‘ኣንታ’ዚ ናይ እንዳመን ሃላይ እዩ? ኢለ ክሓስብ ጀሚረ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሰሙን ‘ሓቁ እባ’ዩ፡’ ኢለ ክሓስብ ተቐሲበ። ካብ ሽዑ ንደሓር ድማ ‘ኣብ ልበይ ንመዋእል ክነብር እዩ’ ኢለ።” ክብል ገሊጹ።ወዲ 35 ዓመት ዘሎ ዣቪ፡ ሸሞንተ ዋንጩ

ላ ሊጋን ኣርባዕተ ጽዋእ ሻምፕዮንስ ሊግን ኣብ ናይ 17 ዓመታት ጻንሖቱ ኣብ ኑ ካምፕ

ኣልዒሉ እዩ። ዣቪ፡ ብዛዕባ ኣስልጣኒ ቸልሲ ሞሪኖ እውን

ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ሂቡ ኣሎ። ከም ኣገላልጻ ዣቪ፡ ንሞሪኖ ከም’ዚ ሕጂ ዝልለየሉ ናይ ምክልኻል ፍልስፍና ዝኽተል ኣሰልጣኒ፡ ኮይኑ ምስ ረኣዮ፡ ፈጺሙ ከም ዝተገረመ ይገልጽ። ብተወሳኺ ሞሪኖ ኣብ ባርሰሎና ኪኖ

ኣስተርጓሚ ዝኸይድ ስራሓት ይዓምም ከም ዝነበረ የረድእ። ሞሪኖ፡ ከም ኣስተርጓሚ እንግሊዛዊ ቦቢ

ሮብሰን፡ ኣብ ባርሰሎና ምስ ተቆጽረ፡ ክሳብ

ዘመነ ቫን ሃል ጸኒሑ እዩ። ንናይ ሞሪኖ ጽልዋ ኣብታ ክለብ ኣመልኪቱ ዣቪ “ሞሪኖ፡ ምስ ባርስሎና ኣብ ዝጸንሓለን ሰለስተ ዓመታት ፍሉይ እዩ ነይሩ። ምናልባት ሰባት ከም

ኣስተርጓሚ ይገልጽዎ ይኾኑ። ንሱ ግን ከምኡ ጥራይ ኣይነበረን። ንፍልስፍና ባርሰሎና ብዝግባእ ዝርዳእ፡ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ’ውን እዩ ነይሩ።” ኢሉ። ዣቪ ዘረብኡ ብምቅጻል “ኣብ ባርሳ ቢ

ሓደ ሓደ ግዜ ይዕልመና ነይሩ። ብተጻወትቲ ዝተኸብረ ንኡድ ኣሰልጣኒ። ሕጂ ብዛዕባኡ ዘገረመኒ ነገር ብካልእ ፍልስፍና ኩዕሶ እግሪ ማለት ፍልስፍና ምክልኻል፡ ምፍላጡ እዩ። ምኽንያቱ ምሳና ኣብ ዝነበረሉ ፈጺሙ ከምኡ ስለ ዘይነበረ።” ድማ ይውስኽ።

ዣቪ ብዛዕባ ቫንሃልን ሞሪኖን

ኣብ 1997 ኣስተርጓሚ ክለብ ባርሰሎና ዝነበረ ሞሪኖ ምስ 1ይ ኣሰልጣኒ ዝነበረ ቫን ሃል

ኣብ ዘመነ ቫን ሃል ሓለቓ ጋንታ ባርሰሎና ዝነበረ ጓርድዮላ

ቫን ዳም ኣብ ጂምናዝዮም ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ሓለቓ ጋንታ ኮምፓኒ

Page 9: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 9

ዮናታን ገብረሂወት

yogh@zena.

gov.er

ጆሰ ሞሪኖ፡ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ቸልሲ ንንኣሽቱ ተጻወትቲ ዕድል ኣይትህብን’ያ ዝብል ሓሳብ እንተሎ ጌጋ መረዳእታ ምዃኑ ብትሪ ተዛሪቡ፣ ቸልሲ ኣብ ሰረት ኣወዳድባን

ምምዕባልን ንኣሽቱ መንእሰያት ተጻወትቲ ሒደት ኣቓልቦ ክትህብ ብምጽንሓ ብዙሕ ወቐሴታ ይቐርበላ ምህላዉ ይሕበር፣ እታ ክለብ ካብ’ታ ናይ ነዊሕ ትጽቢታት ዝንበረሎም ተጻወትቲ እተፍሪ ናይ መንእሰያት ጋንታኣ ዘይመጠቀሚኣ ምኽንያት፡ ንኣሽቱ ብምዃኖም ኣብ ተወዳዳርነታ ስግኣት ከይፈጥረላ ካብ ዝብል ሓሳብ ምዃና ድማ ይንገር፣ንምፍልላጥ ዝኣክል፡ ወዲ 34 ዓመት

ሓለቓ ጋንታ ጆን ቴሪ፡ እቲ ድሒሩ ካብ ኣካዳሚ ቸልሲ ተመልሚሉ ዝወጽአን ኣብ’ታ ዓባይ ክለብ ብስሩዕ ተሰሊፉ ክጻወት ዝጸንሐን ዘሎን እዩ፣ቸልሲ እንተላይ ብኣካታዒ ዝኾነ

ናይ ልቓሕ ምስግጋር ተጻወትቲ ስትራተጂኣ’ውን ክትንቀፍ ጸኒሓ’ያ፣ 33 ተጻወትቲ ኣለዉዋ፡ ካብዚኦም እቶም

ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ክለቡ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ንናይ’ዚ ዓመተ-ስፖርት ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ክትዕወተሉ ከምእትኽእል ጸቒጡ ተዛሪቡ፣እታ ሻምፕዮን ክለባት ሊግ 1 ፈረንሳ

ዝኾነት ክለብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ናይ ውድድር ወቕቲ ኪንዮ ርብዒ ፍጻመ ክትሰግር ኣይከኣለትን፣ እንተኾነ ኢብራሂሞቪች፡ እዚ ዓመት’ዚ ዓመተ

ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ብናይ ውሽጢ ሃገርን ብሱዳናዊ ኢንስትራክተርን ዘምሃሮም ኣሰልጠንቲ ኩዕሶ እግሪ ብደረጃ CAF B LICENSE ከመርቕ ምብቅዑ ዝፍለጥ’ዩ፣እምበኣርከስ መኮነን ሓበሬታን ጎስጓስን

ሚኒ/ምክልኻል ጨንፈር ስፖርት፡ ካብ መሰረታዊ ስልጠና ኣትሒዙ ክሳብ’ዚ ደረጃ CAF B LICENSE ብምክትታል ዘድሊ ዕጥቅን ናውቲን ስፖርት ብምስናቕ’ዩ ኣብ ምዕባለ ኣሰልጠንቲ ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን፣ ዕላማ’ዚ ውዳበን ምድላውን ስልጠና፡ ብዓቢኡ ንሃገር ዝጠመተ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሓላፊ ኩዕሶ እግሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣቶ መንግስትኣብ በረኸት፡ “ኣብ ሃገርና መብዛሕትኦም ኣሰልጠንቲ ዕድመ እናደፍኡ ይኸዱ ምስ ምህላዎም በዞም መንእሰያት ንምትካእ ከምኡ’ውን ብምዕቡል ኣሰለጣጥና ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ሚኒ/ምክልኻል ኮነ ንሃገር ምጽዓት’ዩ” ክብል ይገልጽ፣ኣቐዲሙ፡ ካብ መወዳእታ 1997 ክሳብ 98

ኣሰልጣኒ ኮር 271 ጋንታ ደንደን፡ ካብ 99 - 2002 ኣሰልጣኒ ክለብ ሓሬና፡ 2006 ክሳብ 2010 ድማ ሓላፊ ውድድርን ስነ-ስርዓትን ግጥማት ሓይልታት ምክልኻል ኮይኑ ዝዓየየ ኣቶ መንግስትኣብ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ብዛዕባ ምጅማር’ዚ ስልጠና ከምዘረድኦ፡ ጋንታታት ሓ/ምክልኻል ዓቕመን እናዕበያ ምስ መጽኣ ኣብ 2007 ዳርጋ ካብ ብምሉኡ ኣሃዱታት 30 ገዳይም ተጻወትቲ ብምምዛዝ ብደረጃ ምክልኻል መባእታዊ ስልጠና (basic) ከምዝወሃብ ተገይሩ፣ 2009 ኣብ ዝቐጸለ ናይ ማእከላይ ደረጃ ስልጠና (Intermmediate) ድማ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብቐጥታ ትኽ ኢሎም ከምዝጽንበሩ ብምግባር ዝነበረ ብዝሒ ከባቢ 40 በጺሑ፣ ካብ’ዚ ንንዮ ከኣ’የን ናይ ኣሃዱ ጋንታታት ብቕዓት ብዝደለቡ ኣሰልጠንቲ ክዕለማ ጀሚረን፣ ብሓጺሩ እቶም ኣሰልጠንቲ ደረጃኡ እናሓለወ ክስርዓሎም ዝጸንሐ ስልጠናታት እናቐሰሙ ክሳብ’ዚ መድረኽ ምብጽሖም ይንገር፣“ሕጂ ኣስታት 40 ኣሰልጠንቲ ኣለዉና፣

ነዚኦም ስልጠና ምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ይሰርሑሉዶ፡ ኣበይ በጺሖም፡ ደረጃኦም የዕብዮምዶ’ውን ንከታተል ኢና፣ ልዕሊ

ሕሉፍን መጻኢን ጉዕዞ ኣሰልጠንቲ ሚኒስትሪ ምክልኻልኩሉ ግን ድሌትን ፍቕርን ናይቲ ሞያ ይድርኸካ’ዩ፣ ማለተይ ግዱስ እንተዄንካ ዋላ ምስ ደረጃኻ ዝመጣጠና ዓበይቲ ጋንታታት እንተዘይረኸብካ ወ ይ ’ ው ን ጻውዒት ክለባት እንተዘይመጽኣካ፡ ኮፍ ምባል ዘይኮነስ ጸዓርዓር ኢልካ ንገዛእ-ርእስኻ ባይታ ምኽፋትን ክለባት ንኽጥምታኻ ዓቕምኻ ክብ ምባልን’ዩ ዝምረጽ” ይብል እቲ ሓላፊ ኩዕሶ እግሪ፣መኮነን ሓበሬታን

ጎስጓስን ሚኒ/ምክልኻል፡ ንስፖርት ሓይልታት ምክልኻል ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ ቀሊል ስለዘይኮነ፡ እዞም ብምክትታልን ብዙሕ ወጻኢታት ብምሽፋንን ክሳብ B License ዘብጸሖም ኣሰልጠንቲ ዳርጋ ብምሉኦም ኣብ ዝተፈላለያ ክለባት ዞባታት ብምስታፍ እጃሞም ዘበርክቱ ዘለዉ ምዃኖም ከኣ ክፍለጥ ይግባእ፣ኣብያተ ትምህርቲ ሓደ ካብ መፍረ

ተካእቲ ስፖርታውያን ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣሰልጠንቲ ምክልኻል ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ይኹን ካልኦት ዞባታት ንተማሃሮ ከሰልጥኑ ክምደቡ (ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሕገዛ ንምግባር) ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምይይጥ ከካይድ ውጥን ተታሒዙ ከምዝነበረ ዘብርሀ ኣቶ መንግስትኣብ፡ ተደልዩ ዘሎ ምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ሃገር ንቕድሚት ንምስጓም፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ምስ ሃገራዊ ፈደረሽንን ኮሚሽን ስፖርትን ብምርድዳእ ዓበይትን ንኣሽቱን ጋንታታት ይኹና ክለባት ሃገር በቶም ተማሂሮም ዘለዉን ሊቸንሳ ዝሓዙን ኣሰልጠንቲ ክስልጥና ኣብ መምርሒ ፈደረሽናት ብመትከል ንኽስርሓሉ ከም ነጥቢ ተታሒዙ ምህላዉ ኣነጺሩ፣ንሱ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ንዝስዕብ ደረጃ

ስልጠና CAF A LICENSE ኣመልኪቱ፡ ሚ/ምክልኻል ነዞም ኣሰልጠንቱ ናብ ‘ኤ’ ላይሰንስ ከሰጋግሮም ብምሉእ ድልውነት ክጸንሖም መጻኢ መደቡ ምዃኑ ብምሕባር፡ ቅድሚኡ ግን ነዚ ዝወሰድዎ ናይ ‘ቢ’ ስልጠና ኣብ ዓመተ 2016 ብኸመይ ኣተግቢሮሞ፡ ኣብ ዝሓዝዋ ጋንታ እንታይ ዓይነት ለውጢ ኣምጺኦምን ከመይ ዝበለ ክስጋሰኸ ኣርእዮምን? ብመስርሕ ምጽራይ ኣብ A License ከምዝሳተፉ’ዩ ዝዛረብ፣ኣቶ መንግስትኣብ ኣብ መወዳእታ፡ እዚ

ተዋሂቡ ዘሎ ስልጠና ንደረጃ ምዕባለ’ቶም ኣሰልጠንቲ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ጠቒሱ፡ መኮነን ሓበሬታን ጎስጓስን ሚኒ/ምክልኻል ጨንፈር ስፖርት በዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ብምዕባለታቶም ብምክትታል ካብዚ ብዝለዓለ ክቕጽሎ ምዃኑ እናሓበረ፡ “ንምምዕባል ዓቕሚ ሰብና ድሕር ኣይንብልን” ክብል፡ ብዘይካ’ቲ ናይ ሊቸንሳ ካልእ ብሃገራዊ ፈደረሽን ዝወሃብ ውሽጣዊ ይኹን ናይ ደገ ፍሉይ ስልጠና እንተሃልዩ’ውን ቅሩብነት ሚኒ/ምክልኻል ወትሩ ኣብ መስመር ከምዘሎ ኣረጋጊጹ፣ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ማሕበር

ኣሰልጠንቲ ሚኒ/ምክልኻል ብሰንበት ናብ መንደፈራ ብምጋሽ ምስ ጋንታ ጥዕና ሰላም ኣብ ሜዳ መንደፈራ ግጥም ምሕዝነት ምክያዳ ይሕበር፣

ፒኤስጂ ክኸውን ከምዝኽእል ልዑል እምነት ኣሕዲሩ ኣሎ፣“ካብ ዓሚ ሎሚ ኣዚና ዝበለጽና

ክለብ ኴንና ኢና፡ ስለ’ዚስ ንጽዋእ ሻምፕዮንስ ሊግ ናይ ምዕታር ሰፊሕ ዕድል ኣለና” ክብል፡ ንወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዩዌፋ ገሊጹ፣ሽወደናዊ ኢብራ፡ ኣብዚ ዝካየድ

ዘሎ ተባሃጊ ውድድር ክለባት ኤውሮጳ ንነዊሕ መገዲ ዘሳልዮም ዓቕሚ ከምዘለዎም’ኳ እንተገለጸ፡ ብልጽቲ ጋንታ ወትሩ ትዕወት ማለት ከምዘይኮነ የረድእ፣ ንሱ፡ ኣብ ሆላንድ፡ ኢጣልያ፡ ስጳኛን ፈረንሳን ናይ ሊግ ዋናጩ

ጨቢጡ’ዩ፣ ኤውሮጳዊ ዓወት ግና ካብ ዘምለጦ ዓቢ ኣምሊጥዎ ኣሎ፣ፒኤስጂ ካብ ኣርባዕተ ጸወታታት

ሸውዓተ ነጥቢ ብምህላል ኣብ ምድብ-ሓደ ብኻልኣይ ደረጃ ተሰሪዐ ትርከብ፣ እዛ ክለብ ሎሚ ምሸት ኢብራሂሞቪች ንዝዓበየላ ክለብ ማልሞ እንተደኣ ስዒራ፡ ህላውነታ ኣብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከተረጋግጽ’ያ፣

ኣብ ንኣሽቱ ተጻወትቲዝበዝሑ ንኣሽቱ ተጻወትቲ ብልቓሕ ናብ ካልኦት ክለባት ኤውሮጳ ሰዲዳቶም ድማ ትርከብ፣ ንምምልማሎም ስለዝተጸገመትን ዕድል ስለዘይፈጠረትሎምን ከኣ በዚ መዳይ’ዚ ብሓያለ ወገናት ክሲ ይቐርበላ፣እንተኾነ ሞሪኖ፡ ኣብ ዓቐን ክለቡ

ብመጠኑ መሰጥቲን ተስፋ ዘለዎምን ንኣሽቱ ተጻወትቲ ከምዘለዉዎ’ዩ ዝዛረብ፣ ዓባይ ክለብ ቸልሲ ሓቑፋቶም ካብ ዘለዉ ተጻወትቲ እቶም ሸውዓተ ትሕቲ 21 ዝዕድሚኦም ምዃኑ ይገልጽ፣“ገለ ካብዝሓዝናዮም ተጻወትቲ - ዙማ

ኣብ 15 ጸወታታት፡ ባባ ሬህማን ኣብ ሽዱሽተ ሩበን ሎፋስ-ቺክ ኣብ ሰለስተ ግጥማት ብስሩዕ ተጻዊቶም ትስፍውነቶም ኣነጺሮም’ዮም፣ ይኹን’ምበር ኣብ ከም ቸልሲ ዝኣመሰለት ክለብ ሓያለ ብሉጻት ተጻወትቲ ኣብ ዝሃለዉሉ፡ ንንኣሽቱ ተጻወትቲ ዕድል ክትህብ ኣጸጋሚ’ዩ፣ ብዝኾነ ግን ንሕና ንንኣሽቱ ተጻወትቲና ዕድል ንነፍግ ክለብ ኣይኮናን” ይብል እቲ ፖርቱጋላዊ፣

ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ - ራፋ በኒተዝ ኣብ ግጥም ኤል ክላሲኮ ኣብ ሜዳኦም በርናቡ ብባርሴሎና ድሕሪ ዘጋጠሞም ናይ 4ብ0 ከቢድ ስዕረት፡ ስርሁ ከምዘለዎ ክቕጽል’ዩ ተነጊሩዎ፣ነታ ክለብ ክዕልም ኣብ ክረምቲ

ዝተመዘዘ ወዲ 55 ዓመት በኒተዝ፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ቀዳም ግጥም ክባረር ከምዘለዎ ደገፍቲ ናይታ ክለብ ብመዝሙር ጨዲሮም ነይሮም፣ የግዳስ ቦርድ ማድሪድ ብሰኑይ ንዘካየድዎ ርክብ ስዒቡ ፕረዚደንት’ታ ክለብ ፍሎረንቲኖ ፐረዝ፡ በኒተዝ መዝነቱ ክቕጽል በቲ ቦርድ ምሉእ ደገፍን እምነትን ከምዘለዎ እዩ ገሊጹ፣ፐረዝ፡ “ራፋ ስርሑ ይጅምር’ዩ ዘሎ፣

ስለ’ዚ ስርሑ ክቕጽል ንዓቅቦ’ሞ፡ ዕላማኡ ክፍጽም እዩ፣ ንሕና ብዛዕባ’ዚ እዋን ጥራይ ንሕሰብ - ብዛዕባ ዝመጽእ ሽዱሽተ ወርሒ እንታይ ይኸውን ዋላሓደ ዝፈልጥ ሰብ የለን” ድማ ይብል፣እቲ ወዲ 68 ዓመት ፕረዚደንት፡ “ኣብ

ትሕቲ በኒተዝ ምጽዋት ኣየሐጎሰንን” ንዝብል ርእይቶ ናይቲ ክብረ-ወሰን ኣመዝጋቢ ሸቶ

ደገፍ ቦርድ ማድሪድ ዝረኸበ በኒተዝ

ክለባት ስጳኛ ሒዙ ዘሎ ኣጥቃዓይ ክለቡ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ከምዝነጸጎ ድማ ይሕበር፣ ብዘሕዝን ፍጻመ ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ንቁጥዐ ደገፍቲ ከምዝተረድአ ዝገለጸ ፐረዝ፡ ደገፍ ንጋንታን ንተጻወትቲን ክወሃብ ንደገፍቲ’ታ ክለብ ከምዝሓተተ ብተወሳኺ ይፍለጥ፣ዝስዕብ ጸወታ ማድሪድ ኣብ ግጥም

ሻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ሻክታር ዶኔስክ ሎሚ ምሸት፡ ብድሕሪኡ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ኣብ ላ’ሊጋ ኣንጻር ኤባር ዝመጽእ ሰንበት እዩ፣

መደብ ጸወታ

ሎሚ

ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ

ማልሞ - ፒኤስጂ 10፡45ሻክታር ዶንስክ - ሪያል

ማድሪድ 10፡45ሲኤስኬኤ - ዎልፍስበርግ 8፡00ማን ዩናይትድ - ፒኤስቪ ኣይንድሆቨን 10፡45ኣስታና- በነፊካ 6፡00

ኣት.ማድሪድ - ጋላታሳራይ 10፡45

ቢ ኤም’ግላድባች - ሰቪያ 10፡45

ጁቬንቱስ - ማን ሲቲ 10፡45

Page 10: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 10

ዳሃብ ዳዊት - ቤተልሄም ታደሰ

Job Title & number required Maintenance General Foreman (01)

Duties & Responsibilities

Supervision of maintenance operations which includes heavy and light vehicle workshop, Mining and TSF fleet/ LV fleet/ Fixed Plant and maintenance workshop employees. Understand, support and fully endorse, by way of example, ZMSC JV principles throughout all operations. Develop team understanding and compliance with ZMSC JV principles. Ensure the safety and welfare of all maintenance personnel, machinery and all company property. Ensure that all maintenance personnel work in a safe manner, in a clean and safe environment and according to Company policy. Ensuring that quality, safety and environmental plans are known to all maintenance personnel and implemented in respect to equipment maintenance.

Knowledge & Skill Requirement

Excellent leadership and organizational skills. English literacy to a conversational level. Excellent leadership and organizational skills. Excellent interdepartmental communication skills. Excellent working knowledge of all aspects of mining maintenance matters particularly for open pit mining Operations. Excellent knowledge of maintenance spares used in the mining maintenance industry. Ability to effectively plan daily, weekly and monthly work activities. Computer literacy in Microsoft Office suite of programs.

Education Engineering Apprenticeship Essential.

Experience RequiredMobile maintenance experience. Must be conversant with mobile equipment maintenance in open pit mining.

Physical RequirementTo be able to pass a full Doctor’s examination. To be available to work in accordance with ZMSC rosters.

General Information and other requirements: Place of work: Koka Gold Mine Site. Occasional assignment to other locations. Salary: As per Company scale.Additional Requirement for nationals: Having fulfilled his/her National Service obligations and provide evidence of a release paper from the Ministry of Defense. Having finished registration and duty performing for the National Army, and present the release paper or registration card issued by National Army. Provide a Clearance paper from office of the Eritrean Police and present Medical Certificate from Hospital. Present Clearance paper from the current/last employer. Only short listed applicants would be considered as potential candidates for an interview. Application documents will not be returned back to the sender and/or applications should be sent through the Post Office. Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.Address: Please mail your applications to: ZARA MINING SHARE CO. P. O. Box 2393. Asmara, Eritrea.Note to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to: Aliens Employment Permit Affairs P.O. Box 7940 Asmara, Eritrea.

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ወ/ሮ ሂማን ሃይለ ገብረሂወት ምባል ተሪፉ፡ ሂማን ብርሃነ ወልዳይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/12/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ይቕረብ።

መኮነን ኣፈወርቂ ምባል ተሪፉ፡ ኣፈወርቂ መኮነን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

1.ወ/ሮ ኣለም ገብረእግዚኣብሄር ተላ 2.ታረቀ ዘርኡ ኣባይ፡ ነፍ/ዘርኡ ኣባይ ሓጎስ ነቲ ኣብ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዝርከብ ገዝኡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ኣባይትን ብቁጽሪ ምስክር ወረቐት 111148 ከተማ መወከሲ ቁ.101915 ዝተመዝገበ ብጽሒቱ ኣብ ቅድሚ ረጂስትራር ቤ/ፍርድን መሰኻኽርን ቀሪቡ ብዕለት 1/4/2014 ብቁ.መዝገብ 108/2014 ዝተፈጸመ ውህብቶ ስም ዋንነት ብውሳኔ ቤ/ፍ ይመሓላለፈልና ስለዝበሉ፣ ብዕዳ ሒዘዮ ኣለኹ ዝብል ወይ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/12/15 ኣብ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ቤ/ፍ ኣድላይ ዝበሎ ውሳኔ ክህብ ምዃኑ ይሕብር።

ኑራ ናውሻድዓሊ ዓብደልሓሰን ምባል ተሪፉ፡ ኑራ ናውሻድዓሊ ዓብደልሑሴን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/12/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሰስቲ ወረ/ነፍ ሰንበቱ ማንታይን ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ህድኣት ኣረጋይን ዘሎ ሲቪላዊ ጉዳይ ክርክር፡ ተኸሳሲ ቁ.1.1 ኣቶ ኣፈወርቂ ማኢል ተስፋይ መጸዋዕታ ቤ/ፍ ብኣድራሻኦም ኪበጽሖም ስለዘይተኻእለ፡ ን15/12/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ይቕረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ግን ቤ/ፍ ውሳነ ክህብ ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

ወ/ሮ ሲስተር ሊያ ቢተው ክፍለ በዓል ቤተይ ኣቶ ርእሶም ገብረማርያም ወልደስላሴ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/12/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣማን ተስፋይ በርሀ፡ ወላዲትና ምሕረት ምስግና ወልደማርያም ስለዝተሰውአት፡ ኣነ ምስ 1 ሓወይ ጥራይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/12/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ጽገሬዳ ሃብታይ ተስፈ በዓል ቤተይ ኣቶ ርእሶም ሃብተገርግሽ ተወልደመድህን ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም

እንተሎ፡ ን21/12/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከባቢ 02 ሓርነት ሓጋዝ

ወ/ሮ ፋጥና ዑመር መሓመድ በዓል ቤተይ ኣቶ ወልደማርያም ደበሳይ ህብቴስ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/11/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ድባርዋ

ተክሉ በርሄ፡ ሓውና ክፍለማርያም በርሀ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ ሓፍተይን 4 ተተካእቲ ደቂ ስዉእ ሓውናን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/12/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ፎርቶ

ወ/ሮ ተኽኣ ገብረየሱስ ተመልሶ በዓል ቤተይ ቀሺ የማን ገብረማርያም ዑቁቡ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/12/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ባረንቱ ዞባ ሰላም

ወ/ሮ ብርሂን የውሃን ዑቅባሚካኤል በዓል ቤተይ ኣቶ ዓንደጼን ገብረመስቀል ተስፋጼን ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/15 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተሰነይ ዞባ መስከረም

ኣቶ ዑቕባይ ልብሰቃል ባይሩ፡ ወደይ ቢንያም ዑቕባይ ልብሰቃል ስለዝተስወአ፡ 3 ደቁን ንሕና ወለዱ ኣነ ምስ ወ/ሮ ብርኽቲ ጸጋይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/11/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ፍልማዊት ስብሃቱ ሃብታይ፡ ኣቦና ተጋ/ስብሃቱ ሃብታይን ኣደና ተጋ/ወ/ሮ ፍረወይኒ ጽገ ውነህ ስለዝተሰውኡ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

NOTICENotice is hereby given to the puplic that “BETMARY PRIVATE LIMITED COMPANY” has been formed among the following members.

Shareholders1.s.n. Shareholder Nationality shares Share Value ( Nakfa)

1 Bereket Yosef Gubsa Eritrean 100 100,000.002 Miriam Araia Hadgu Eritrean 100 100,000.00

Total 200,000.00

All Shareholders are Eriteans.2.Head office of the company is in Asmara, and agencies & 3.

branches may be opened within and outside Eritrea.Capital of the company is 200,000 Nakfa of 200 shares at par 4.

value of 1000 Nakfa fully subscribed and paid up in cash.The business objective of the company shall be:5.To carry all real estate activities.a.To act as an agent or broker and trustees for any person, firm or b.

company and to undertake & perform subcontracts.General trade wholesale, Import, Export.c.Manufacturing of food products and packing materials. d.Manager of the company is Mr. Bereket Yosef for unlimited 6.

period of time.The company is set up for indefinite period of time.7. BETMARY PRIVATE LIMITED COMPANY

Page 11: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 11

Job Title & number required Human Resource (HR) Supervisor (01)

Duties & Responsibilities

Explain company personnel policies, benefits, and procedures to employees or job applicants. Process, verify, and maintain documentation relating to personnel activities such as staffing, recruitment, training, grievances, performance evaluations, and classifications. Record data for each employee, including such information as addresses, weekly earnings, absences, amount of sales or production, supervisory reports on performance, and dates of and reasons for terminations. Process and review employment applications in order to evaluate qualifications or eligibility of applicants. Answer questions regarding examinations, eligibility, salaries, benefits, and other pertinent information. Examine employee files to answer inquiries and provide information for personnel actions. Gather personnel records from other departments and/or employees. Search employee files in order to obtain information for authorized persons and organizations, such as credit bureaus and finance companies. Interview job applicants to obtain and verify information used to screen and evaluate them.And as per Job Description.

Knowledge & Skill Requirement

The principles and practices of human resources administration. Laws applicable to employment practices. The principles and practices of supervision. Coaching and training techniques. Oral communication, both one-on-one and in presenting information to groups. The use of computer keyboard devices. & software programs. Performing mathematical calculations. Exercise good judgment in safeguarding confidential or sensitive information. Work under stressful, highly visible working conditions. Interpret, analyze and evaluate data and information and make decisions concerning complex problems. Work with minimal supervision and make independent decisions within scope of assigned function. Identify problems and develop viable solutions. Establish and maintain effective working relationships with those contacted in the course of the assignment. Organize and prioritize multiple tasks and projects. Analyze recommendations in classification, compensation, recruiting and selection. Prepare and deliver oral presentations.

Education BA Degree in Human Resources or Business Management or Personnel Administration.

Experience Required Minimum 6 years work experience in Human Resources Department. Mining experience is preferable

Physical Requirement To be able to pass a full Doctor’s examination. To be available to work in accordance with ZMSC rosters.

Job Title & number required Human Resources (HR) Officer (02)

Duties & Responsibilities

Provides advice and assistance to supervisors and staff. This may include information on training needs and opportunities, job descriptions, performance reviews and personnel policies of the company. Provides advice and support to supervisors and staff selection committees and ensures that they have accurate and timely information in order to make effective decisions. Ensure that accurate job descriptions are in place. Provide advice and assistance with writing job descriptions. Provide advice and assistance when conducting staff performance evaluations. Identify training and development opportunities. Organize staff training sessions, workshops and activities. Process employee requests for outside training while complying with policies and procedures. Provide basic counseling to staff who have performance related obstacles. Provide advice and assistance in developing human resource plans. Provide staff orientations. And as per Job Description.

Knowledge & Skill Requirement

Supervisory skills, Team building skills, Problem solving skills, Basic counseling skills, Negotiations skills, Effective verbal and listening communications skills, Computer skills including the ability to operate spreadsheets and word processing programs at a highly proficient level, Effective written communications skills including the ability to prepare reports, Proposals, Policies and Procedures, Effective public relations and public speaking skills, research and program development skills, Stress management skills Interviewing skills, Time management skills.

Education Diploma or Bachelor Degree in Human Resources or Business Management or Personnel Administration.

Experience Required

Minimum 2 years work experience in Human Resources Department. Mining experience is preferable. Knowledge of administrative and clerical procedures, managing files and records, designing forms, and other office procedures. Knowledge of principles and procedures for personnel recruitment, selection, compensation and benefits, Labour relations and negotiation.

Physical Requirement To be able to pass a full Doctor’s examination. To be available to work in accordance with ZMSC rosters.

Job Title & number required Camp Services Coordinator (01)

Duties & Responsibilities

Manage and coordinate camp delivering high quality catering and support services, whilst anticipating employees needs and seeking to exceed their expectations, manage, supervise and motivate a team of catering and housekeeping staff providing effective leadership, responsible for all aspects of camp management, its infrastructure and ensuring the comfort and safety of all personnel and visitors, keep camp hygienic, clean and tidy, maintain electricity, water, food and communication services to the camp’s accommodation and offices, arrange accommodation for all personnel, visitors and contractors, supervise cooks, cleaners, security guards, army personnel, ensure that everyone complies with the Camp Rules. Track people and vehicle movements and liaise with head office regarding departure and arrival status of convoys, keep food stuff convoy records and inform to Admin Office, implement and enforce the Company’s camp rules, plan meals and supplies and place orders with weekly convoys, liaise with HR and Admin to ensure safety of camp, ensure best services of water, food, TV and other entertainment in the camp,conduct safety training, safety audits Maintain flexibility with the ability to prioritize and delegate to solve issues as they arise, all aspects of stores management, stocktaking and healthy eating programs.And as per Job Description.

Knowledge & Skill Requirement

Basic computer knowledge. Setting up tents, general camp equipment. Must hold First Aid Certificate. Must be fluent in English and Tigrinya. Ability to translate English to Tigrigna and Vise-versa. Organization and execution skills. Communication and interpersonal skills. High level of Integrity. Ability to work with little supervision. Use initiative to improve camp tidiness and hygiene. Report all hazards and incidents and find ways to improve safety. Ability to manage and communicate with people of various backgrounds. Ability to put into place support processes and systems to improve efficiency of camp. Ability to communicate and report regularly on issues that need attention. Must be able to quickly find solutions to problems and hindrances. Willing to undertake tasks not included in the above job description

Education High School Complete, Diploma or Degree in Social Sciences. Preferable in Management or Public Administration.

Experience Required Over three years’ work experience working in camp services positions.

Physical Requirement To be able to pass a full Doctor’s examination. To be available to work in accordance with ZMSC rosters.

Job Title & number required Cook (02)

Duties & Responsibilities

In conjunction with, and on the approval of, the Head Cook prepare meals that are varied, nutritionally balanced, and appetizing. Assist with receivables and check the quality and quantities of received goods. Ensure proper storage of all items received at the appropriate location, following all health and safety guidelines. Apply and comply with safe and healthy working practices, and with company policies and procedures. Assist with weekly stock takes. Assist new kitchen staff employees in company standards in regards to safety and health. Keep the kitchen area organized to ensure safety, health and hygiene issues are continually addressed. Maintain a clean, tidy and hygienic work area including rubbish segregation and disposal from the kitchen area. Carry out other duties as required by management. Prepare food timeously and hygienically.

Knowledge & Skill Requirement

Excellent verbal communication skills. Excellent food handling and preparations skills. Sound knowledge and application of nutritional food preparation.

Education Minimum of 3 years in a kitchen environment. Knowledge of kitchen equipment.

Experience Required Minimum Secondary School or similar experience in a kitchen environment.

Physical Requirement To be able to pass a full Doctor’s examination. To be available to work in accordance with ZMSC rosters.

General Information and other requirements: Place of work: Koka Gold Mine Site. Occasional assignment to other locations. Salary: As per Company scale.Additional Requirement for nationals: Having fulfilled his/her National Service obligations and provide evidence of a release paper from the Ministry of Defense. Having finished registration and duty performing for the National Army, and present the release paper or registration card issued by National Army. Provide a Clearance paper from office of the Eritrean Police and present Medical Certificate from Hospital. Present Clearance paper from the current/last employer. Only short listed applicants would be considered as potential candidates for an interview. Application documents will not be returned back to the sender and/or applications should be sent through the Post Office. Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.Address: Please mail your applications to: ZARA MINING SHARE CO. P. O. Box 2393. Asmara, Eritrea.Note to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to: Aliens Employment Permit Affairs P.O. Box 7940 Asmara, Eritrea.

Page 12: Tig Text

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሕዳር 2015 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ - ኔቶ ዝኾነት ቱርኪ፡ ትማሊ ሰሉስ ክሊ ኣየራ ከምዝጠሓሰት ንዝገለጸታ ነፋሪት ውግእ ሩስያ ወቒዓ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ።መንግስቲ ቱርኪ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ

ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ክሊ ኣየር ቱርኪ ብተደጋጋሚ ትጥሕስ ምንባራ ዝገልጽ መጠንቀቕታ ይወሃባ ከምዝነበረ፡ እንተኾነ እቲ ጥሕሰት ስለዝቐጸለቶ ኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ልኢኹ ክሃርማ ከምእተገደደ ሓቢሩ።ፕረዚደንት ሩስያ ቭላሚር ፑቲን፡

እታ ሶኸይ-24 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ሩስያ፡ ካብ ነፈርቲ ቱርኪ ብዝተተኮሰ ሚሳይል ተወቒዓ ከምእተሓምሸሸት ብምርግጋጽ፡ “ኣብ ዓንዲ ሕቖ ብኻራ ከም ምውጋእ’ዩ ዝቑጸር” ክብል ነቲ ፍጻመ ምስቲ ብግብረ ሽበራውያን ዝካየድ ተጻብኦ ዝመሳሰል ምዃኑ ገሊጹ።ቭላድሚር ፑቲን ኣስዒቡ፡ ነፋሪት

ሩስያ ካብ ዶብ ቱርኪ ሓደ ኪሎሜተር

ቱርኪ ነፋሪት ሩስያ ወቒዓ ተውድቕ

ርሒቓ ኣብ ውሽጢ ክሊ ኣየር ሶርያ ከምእተሃርመትን ኣርባዕተ ኪሎሜተር ናብ ውሽጢ መሬት ሶርያ ኣትያ ከምዝወደቐትን ዝገልጽ መርትዖታት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቶም ኣብረርቲ ኮኑ እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ዘስግእ ተግባር ከምዘይፈጸሙ ኣስሚሩሉ።እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ’ቶም ምስ

ቱርኪ ኣብ ዘዳውብ ጎቦታት ሶርያ ዓሪዶም ዘለዉ ዕጡቓት ዳዕሽ ደብዳብ

ኣብ ኣመሪካ፡ ብዝሒ ናይ’ቶም ናብራ ስደት መሪርዎም መዓልታዊ ናብ ሃገሮም ዝመለሱ ዘለዉ ሜክሲኮኣውያን እናተዓጻጸፈ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።ኣሶሸትድ ፕረስ ነቲ ዝሓለፈ

ሓሙስ ዝወጸ መጽናዕቲ ምርኩስ ገይሩ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2014 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መክሲኮኣውያን ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ጠቕሊሎም ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ኣመልኪቱ። ብኣንጻሩ ቁጽሪ ናይ’ቶም ዝሓሸ

ህይወት ንምምራሕ ብዝብል እምነት ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ዓዶም ጠንጢኖም ናብ ኣመሪካ ዝተሰዱ መክሲኮኣውያን 870 ሽሕ ጥራይ ምንባሩ ኣረዲኡ። በዚ ከኣ ብዝሒ ናይ’ቶም ካብ ኣመሪካ ናብ ዓዶም ዝተመልሱ መክሲኮኣውያን፡ ካብ ቁጽሪ ናይ’ቶም ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ዜጋታት’ታ ሃገር ብ140 ሽሕ ዛይዱ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። መክሲኮኣውያን ስደት ናብ ኣመሪካ

ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ብኸምዚ ዝበለ ዋሕዚ ናብ ዓዶም ክምለሱ ናይ ፈለማ ተርእዮ ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ድማ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብ ኣመሪካ ቀዋሚ ስራሕ

ዘይምርካብን ናብራ ናይ’ቲ ዓዲ እናኸበደ ምምጽኡን፡ ክቱር ናፍቖት ስድራ-ቤት፡ . . . ገለ ካብቲ ብብዝሒ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘገድዶም ዘሎ

ተስፋኣለም የማነ

ኣመሪካ፡ ስደት ዝመረሮም ኣማኢት ኣሽሓት

መክሲኮኣውያን ናብ ዓዶም ይምለሱ

ምኽንያታት ምዃኑ ይሕበር። “ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝቐጸለ

ዋሕዚ ስደት መክሲኮኣውያን ናብ መኸተምታኡ ገጹ የምርሕ ኣሎ” ይብል ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ዝኾነ ማርክ ሁጎ ሎፐዝ። ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ፡ ካብ 1965

ክሳብ 2015 ብጠቕላላ ልዕሊ 16 ሚልዮን መክሲኮኣውያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ኣትዮም። ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ቑጽሪ ናብ ትሕቲ 11.7 ሚልዮን ኣንቆልቊሉ ኣሎ። ካብኣቶም እቶም ፍርቆም መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት’ዮም። ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ኣብታ ሃገር

ንዝነብሩ ዘለዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክጥርዝዎም ምዃኖም የጠንቅቑ ብምህላዎም ድማ፡ ሚልዮናት መክሲኮኣውያን ብወለንታኦም ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ ድሌት ኣሕዲሮም ከምዘለዉ ይሕበር። ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፡ ኣብተን

ቀዳሞት ሓሙሽተ ናይ ስልጣን ዓመታት ጥራይ ኣስታት 2 ሚልዮን መክሲኮኣውያን ናብ ዓዶም ከምዝጠረዘ ይንገር። ሕጂ’ውን እቲ ኣብ ምርጫ 2016 ንሰልፊ ሪፓብሊካንስ ወኪሉ ክዕወት ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ሕጹይ ፖለቲከኛ ዶናልድ ትራምፕ፡ ስልጣን እንተጨቢጡ ብቐዳምነት ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት መክሲኮ ብምብራር ነቲ ምስታ ሃገር ዘራኽብ ልዕሊ 3 ሽሕ ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ብጽኑዕ መንደቕ ክሓጽሮ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

ኣብ ምክያድ ተጸሚዳ ምንባራ ዘረጋገጸ ፑቲን፡ እቲ ፍጻመ ብዕቱብ ክተሓዝ ዝግብኦ ሓደገኛ ተግባር ምዃኑ ኣጠንቂቑ።እቶም ክልተ ኣብረርቲ ጃንጥላ

ተጠቒሞም ናብ መሬት ብምዕላብ ካብ ሞት ከምዘምለጡ፡ እንተኾነ ብቱርኪ ብዝድገፉ ዕጡቓት ሶርያ ተማሪኾም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተለቪዥን ሩስያ ቱደይ ገሊጻ።

ኣብ ኢጣልያ፡ ገጾም ብጨርቂ ዝሸፈኑ ዕጡቓት ናብ ሓደ ቤተ-መዘክር ብምእታው ኣብኡ ተዓቂበን ንዝነበራ 17 ጥንታውያን ቅብኣታት ዘሚቶም ከምዝተሰወሩ ኣብ እንግሊዝ እትሕተም ጋዜጣ ቴለግራፍ ሓቢራ።ብመሰረት’ታ ጋዜጣ፡ እቲ ፍጻሜ

ኢጣልያ፡ ዕጡቓት ሚልዮናት ዝዋጋኡ ቅብኣታት ይዘምቱ

ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ቬሮና ኣጋጢሙ። መብዛሕትአን ካብተን ቅብኣታት፡ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ብህቡባት ኤውሮጳውያን ቀባእቲ ዝተሳእላ ኮይነን፡ ብጠቕላላ ኣስታት 15 ሚልዮን ዩሮ ከውጽኣ

ዝኽእላ’የን። “ኣብ ታሪኽ ስርቂ ቅብኣታት ኢጣልያ

እቲ ዝኸፍአ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ” ዝበለ ሓደ ካብ ኢጣልያውያን ተመራመርቲ ቅብኣ ዝኾነ ቶማሶ ሞንታናሪ፡ እተን ፍሉጣት ቅብኣታት ኣብ ሕጋዊ ዕዳጋ ፈጺመን ክሽየጣ ስለ ዘይክእላ፡ እቶም ‘ሸፋቱ’ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ንምውራድ ብሕቡእ ናብ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ ከግዕዝወን ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ። እቶም ብሓይሊታት ጸጥታ

ኢጣልያ ዝህደኑ ዘለዉ ገበነኛታት፡ ነቲ ስርቂ ቅድሚ ምፍጻሞም ከም ተራ በጻሕቲ ተመሲሎም ነቲ ቤተ-መዘክር ተመላሊሶም ከምዘጽንዕዎ፡ ብድሕሪ’ዚ ዝሓለፈ ሓሙስ ለይቲ ብረት ዓጢቖም ናብኡ ብምኻድ፡ ንዋርድያን ተቐባሊት ገንዘብን ናይ’ቲ ቤተ-መዘክር ብገመድ ቀፊዶም ነቲ ዝምታ ከምዝፈጸምዎ ይሕበር።

ሩስያ፡ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትዓጥቕ እትኽእል ፈጣን ሰብ-ኣልቦ መርከብ ናይ ትሕተ-ባሕሪ (ሳብማሪን) ብስቱር ተማዕብል ከምዘላ ተኣሚና። ብመሰረት ‘ዋሺንግተን ፍሪ ቢከን’

ዝተባህለት ጋዜጣ፡ ሩስያ ነቲ ኣመሪካ ምስ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ፖላንድን ቸክ ሪፓብሊክን ትተኽሎ ዘላ ስርዓተ-መከላኸሊ ሚሳይል በሲዑ ዒላማኡ ዝወቅዕ ፍሉይ ናይ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣብ ዶባታ ክትተክል ምዃና ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምግላጹ’ዩ መደብ ምምዕባል ናይ’ታ ሰብ-ኣልቦ ሳብማሪን ብመደበራት ቴለቪዥን’ታ ሃገር ክቃላዕ ዝኻኣለ። ኣፈኛ መንግስቲ ክረምሊን ድሚትሪ

ፐስኮቭ ድሒሩ ንኣገልግሎት ዜና ኢንተርፋክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ

ሩስያ፡ ኑክሌር ክትዓጥቕ እትኽእል ሰብ-ኣልቦ ሳብማሪን ከተማዕብል

ምስጢራዊ መደብ ብዘይሓሰብዎ መገዲ ዘሪቑ ከምዝተቓልዐ ድሕሪ ምምልካት፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ሳብማሪን ድሮ ኣብ መስርሕ ምምዕባል ከምዘላ ኣረዲኡ። ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣቐዲመን ኣብ

ዝዘርግሕኦ ሓበሬታ፡ እታ ‘Status-6’ ዝብል ስም ዝተዋህባ ብኑክሌሳዊ ጸዓት እትንቀሳቐስ ሰብ-ኣልቦ ሳብማሪን፡ በቲ ኣብ ዕጥቂ ሩስያ ንዘለዋ ኩለን ሳብማሪናት ዘፍረየ ‘TsKB MT Rubin’ ብዝተባህለ ኩባንያ እያ ትስናዕ ዘላ። ዕላማ’ታ ሳብማሪን፡ ኣብ እዋን ኲናት

ኑክሌሳዊ ቦምብ ጽዒና ብሰላሕታ ናብ ማያዊ ግዝኣት ጸላኢ ኣትያ ብምፍንጃር፡ ኣብ ወታሃደራዊ፡ ቁጠባዊን ቱሪዝማዊን ጽላት ናይ ጸላኢ ከቢድ ዕንወት ንምውራድ’ዩ። ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ክሳብ ሓደ ኪሎ-

ሜተር ብምጥላቕ፡ ኣብ ሰዓት ልዕሊ 104 ኪሎ-ሜተር እናተሓንበበት ብዘይምቁራጽ ንኣስታት 10 ሽሕ ኪሎ-ሜተር ክትጓዓዝ ድማ ዓቕሚ ክህልዋ’ዩ። መስርሕ ምምዕባል ናይ’ዛ ብናይ ርሑቕ

መቆጻጸሪ እትንቀሳቐስ ሰብ-ኣልቦ ሳብማሪን ኣብ ዝመጽእ 2019 ክዛዘም፡ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ እዋን ድማ ኣብ ፈተነ ክትውዕል’ዩ መደብ ተታሒዙላ ዘሎ። ምስጢራዊ መደብ ምምዕባል ሰብ-ኣልቦ

ሳብማሪን ሩስያ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ብገለ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ድሕሪ ምዝራቑ፡ ሰበ-ስልጣን ዋሺንግተን፡ “ሩስያ ተማዕብላ ዘላ ሳብማሪን፡ ኣብ ወደባትን ማርሳታትን ንዘሎ ቁጠባዊን ወታሃደራዊን ትሕተ-ቅርጺታት ኮነ ንጥፈታት ብኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንምድምሳስ ዝዓለመት’ያ ትመስል” ክብሉ ኣቐዲሞም ስግኣቶም ገሊጾም ኔሮም።