²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ቤክሃም ንሮናልዶን ዣቭን ክጥርንፍ ይሓስብ ገጽ 3 ጥሕሎ እንተዘይበላዕካ፡ ኣብኣ’ላትካ! ገጽ 5 ክንክን ሽኮርያ ገጽ 4 ምብራቕ 2014 ረቡዕ ገጽ 11 ኣንቸሎቲ ንማርቲኖ ይንእድ ምልክታ ጨረታ ሚ/ሪ ዜና ጋዜጣታት ኣብ መላእ ሃገር ክዝርግሑ ዝኽእሉ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ቅጥዕታት ዘማልኡ ብቑዓት ተወዳደርቲ ይዕድም። ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት፡ 1. ናይ ምዝርጋሕ ጋዜጣታት፡ መጽሔታት፡ መጻሕፍትን ካልኦት ጽሑፋትን ወይ’ውን ካልእ ተመሳሳሊ ናይ ምዝርጋሕ ልምዲ ወይ ተመክሮ 2. ክሳብ 2012 ዝተሓደሰ ሊቸንሳ 3. ብቑዕ ቤ/ጽሕፈትን ምሉኣት ሰራሕተኛታትን ዘለዉዎ ወይ ክቖጽር ዝኽእል 4. እኹልን ንጡፍን ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት 5. መኽበሪ ጨረታ 10,000.00 ናቕፋ ወይ ብኡ መጠን C.P.O ከትሕዝ ይኽእል። 6. ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ን15 መዓልታት ክፉት ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝቕጽል ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓት 3 ድ/ቀትሪ ይኽፈት ንተወሳኺ ሓበሬታ ተወዳደርቲ ከም ዓቕሞም ብደረጃ ሃገር ወይ’ውን ብደረጃ ዞባ ጋዜጣ ንኽዝርግሑ ክወዳደሩ ይኽእሉ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ካብ ዝርከብ ቤ/ጽ ጨ/ ማርኬቲን ሚኒስትሪ ዜና፡ ቅጥዒ ክወስዱ ወይ ድማ ብቑጽሪ ተለፎን 125013 ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ ሚ/ሪ ዜና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ጨረታ ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ። ሚኒስትሪ ዜና ሓላፊ ምክትታል ንኡሳን ዞባታት ዞባ ማእከል ኣቶ ሰለሙን መብራህቱ ድማ፡ መዉል ሓደ ካብቶም ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎም ገንዘባዊ ትካላት ምዃኑ ብምሕባር፡ ምምሕዳር ኣብ መደብ ዉህለላን ንኡስ ልቓሕን (መውል) ዞባ ማእከል፡ ቊጽሪ ዓማዊልን ዝርገሐ ልቓሕን ክብ ብምባል ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ተጠቀምቲ ናይቲ ዕድል ብምግባር ቁጠባዊ ኩነታቶም ንምምሕያሽ ሓያል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ፡ ብ20 ለካቲት ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ ገሊጹ። ሓላፊ መዉል ዞባ ማእከል ኣቶ ሃይለ ኪዳነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት 71 ዓዳዊ ባንክታት ከምዘለዋ፡ ብመንገዲ’ዘን ዓዳዊ ባንክታት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 42 ሚልዮን ናቕፋ ን8 ሽሕን 21 ዓማዊል በብደረጃኡ ልቓሕ ከምእተዋህበ ብምምልካት፡ ሕብረተ- ሰብ ኣብ ምምላስ ልቓሕ ብዘጥረዮ ንቕሓት እቲ ገንዘብ ከምእተመልሰ ሓቢሩ። ቊጽሪ ተለቃሕቲን ዝርገሐ ልቓሕን በብዓመቱ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ዝገለጸ ኣቶ ሃይለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ26 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ጠቒሱ፡ እቲ ቐንዲ ዘተኲረሉ ድማ ንጥፈታት መስኖኣዊ ሕርሻ፡ ንኡስ ዋኒን፡ ልቓሕ ንመግዝኢ ብዕራይ ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ምልቃሕ ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ኣቶ ሃይለ ኣብ መወዳእታ፡ ምጽፋፍ ዉንዙፍ ልቓሕን ዉህለላን ብኣድማዕነት ከምዝሰርሑሉ ብምምልካት፡ ናይ ጉጅለ ተለቃሕቲ ዝወስድዎ መጠን ገንዘብ ዉሑድ ብምዃኑ ዳግማይ ክኽለስ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ 2014 ቊጽሪ ዓማዊል ንምዕባይን መጠን ምምላስ ልቓሕ ንምብራኽን ብዕቱብ ከምዝስራሕ ኣነጺሩ። ቀንዲ ዕላማ መዉል ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ብፍላይ ድማ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ንዝነብሩ ናይ ልቓሕ ዕድላት ብምፍጣር መነባብሮኦም ንኸመሓይሹ ምሕጋዝ ምዃኑ ዝሓበረ ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ መዉል ኣቶ ጎይቶኦም ሃብተጼን፡ እቲ ትካል ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 55 ሽሕ ዓማዊል ከምዘለውዎን ልዕሊ 370 ሚልዮን ናቕፋ ከምዘመሓድርን ብምግላጽ፡ ተለቃሕቲ ኣብ ኣርባሒ ንጥፈት ንኽዋስኡ ምምሕዳራት ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተማሕጺኑ። መደብ ውህለላን ልቓሕን ዞባ ማእከል ቊጠባዊ ኩነታት ዜጋታት ንምምሕያሽ ይጽዕር ብ ዮናታን የዕብዮ ኩሉ ዘካይዶ ንጥፈታት ኣብ ጎኑ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ። መደብ ዉህለላን ንኡስ ልቓሕን፡ ኣብ 1996 ዝተመስረተ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝነጥፍ ሃገራዊ ገንዘባዊ ትካል’ዩ። ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ “ጽሬት ከባቢና ንዓቅብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ መበል 13 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ19ን 20ን ለካቲት ኣብ ከተማ ባረቱ ኣቃኒዑ። ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ዑስማን መሓመድ-ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ባይቶ ኣብ መበል 12 ስሩዕ ኣኼባኡ ዘሕለፎም ውሳኔታትን ለበዋታትን ምርኲስ ብምግባር፡ ኣብ ጽላታት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻ፡ ቀረብ ማይ፡ ከባብያዊ ጽሬት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ካልእን ዝተኻየደ ጻዕርን ውጽኢቱን ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ መበል 13 ምዱብ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ መጻኢ - ዝነበሩ ብልጫታት ተዓቂቦምን ጉድለታት ተኣሪሞምን ዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ ምእንቲ ክዕመም፡ ኩለን ኣብቲ ዞባ ዝነጥፋ ኣካላት ብውህደት ክነጥፋ፡ ኣባላት ባይቶ ድማ ኣብ ምክትታልን ምጉስጓሳን ብዝለዓለ ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ። ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ 2013 ኣብ ዞባ ጋሽ- ባርካ ንዝተኻየዱ ንጥፈታት ዝምልከት ጸብጻባት ክፍልታት ዞባ፡ ጨናፍር ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Transcript of ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179...

Page 1: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

²Ãö 3

ገጽ 10

ቤክሃም ንሮናልዶን ዣቭን ክጥርንፍ ይሓስብ

²Ãö 3

ገጽ 3

ጥሕሎ እንተዘይበላዕካ፡

ኣብኣ’ላትካ!

ገጽ 5

ክንክን ሽኮርያ

²Ãö 3

ገጽ 4

በርቂ

ምብራቕ

2014

ረቡዕ

²Ãö 3

ገጽ 11

ኣንቸሎቲ ንማርቲኖ ይንእድ

ምልክታ ጨረታሚ/ሪ ዜና ጋዜጣታት ኣብ መላእ ሃገር ክዝርግሑ ዝኽእሉ ነዚ ኣብ ታሕቲ

ተዘርዚሩ ዘሎ ቅጥዕታት ዘማልኡ ብቑዓት ተወዳደርቲ ይዕድም። ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት፡1. ናይ ምዝርጋሕ ጋዜጣታት፡ መጽሔታት፡ መጻሕፍትን ካልኦት ጽሑፋትን

ወይ’ውን ካልእ ተመሳሳሊ ናይ ምዝርጋሕ ልምዲ ወይ ተመክሮ 2. ክሳብ 2012 ዝተሓደሰ ሊቸንሳ3. ብቑዕ ቤ/ጽሕፈትን ምሉኣት ሰራሕተኛታትን ዘለዉዎ ወይ ክቖጽር ዝኽእል4. እኹልን ንጡፍን ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት 5. መኽበሪ ጨረታ 10,000.00 ናቕፋ ወይ ብኡ መጠን C.P.O ከትሕዝ

ይኽእል።6. ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ን15 መዓልታት ክፉት ኮይኑ፡ ድሕሪኡ

ኣብ ዝቕጽል ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓት 3 ድ/ቀትሪ ይኽፈት

ንተወሳኺ ሓበሬታ ተወዳደርቲ ከም ዓቕሞም ብደረጃ ሃገር ወይ’ውን ብደረጃ ዞባ ጋዜጣ ንኽዝርግሑ ክወዳደሩ ይኽእሉ

ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ካብ ዝርከብ ቤ/ጽ ጨ/ማርኬቲን ሚኒስትሪ ዜና፡ ቅጥዒ ክወስዱ ወይ ድማ ብቑጽሪ ተለፎን 125013 ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉሚ/ሪ ዜና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ጨረታ ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ናይ

ምስራዝ መሰል ኣለዎ። ሚኒስትሪ ዜና

ሓላፊ ምክትታል ንኡሳን ዞባታት ዞባ ማእከል ኣቶ ሰለሙን መብራህቱ ድማ፡ መዉል ሓደ ካብቶም ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎም ገንዘባዊ ትካላት ምዃኑ ብምሕባር፡ ምምሕዳር ኣብ

መደብ ዉህለላን ንኡስ ልቓሕን (መውል) ዞባ ማእከል፡ ቊጽሪ ዓማዊልን ዝርገሐ ልቓሕን ክብ ብምባል ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ተጠቀምቲ ናይቲ ዕድል ብምግባር ቁጠባዊ ኩነታቶም ንምምሕያሽ ሓያል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ፡ ብ20 ለካቲት ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ ገሊጹ። ሓላፊ መዉል ዞባ ማእከል ኣቶ ሃይለ

ኪዳነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት 71 ዓዳዊ ባንክታት ከምዘለዋ፡ ብመንገዲ’ዘን ዓዳዊ ባንክታት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 42 ሚልዮን ናቕፋ ን8 ሽሕን 21 ዓማዊል በብደረጃኡ ልቓሕ ከምእተዋህበ ብምምልካት፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምምላስ ልቓሕ ብዘጥረዮ ንቕሓት እቲ ገንዘብ ከምእተመልሰ ሓቢሩ።ቊጽሪ ተለቃሕቲን ዝርገሐ ልቓሕን

በብዓመቱ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ዝገለጸ ኣቶ ሃይለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ26 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ጠቒሱ፡ እቲ ቐንዲ ዘተኲረሉ ድማ ንጥፈታት መስኖኣዊ ሕርሻ፡ ንኡስ ዋኒን፡ ልቓሕ ንመግዝኢ ብዕራይ ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ምልቃሕ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።ኣቶ ሃይለ ኣብ መወዳእታ፡

ምጽፋፍ ዉንዙፍ ልቓሕን ዉህለላን ብኣድማዕነት ከምዝሰርሑሉ ብምምልካት፡ ናይ ጉጅለ ተለቃሕቲ ዝወስድዎ መጠን ገንዘብ ዉሑድ ብምዃኑ ዳግማይ ክኽለስ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ 2014 ቊጽሪ ዓማዊል ንምዕባይን መጠን ምምላስ ልቓሕ ንምብራኽን ብዕቱብ ከምዝስራሕ ኣነጺሩ።ቀንዲ ዕላማ መዉል ኣብ ትሑት

መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ብፍላይ ድማ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ንዝነብሩ ናይ ልቓሕ ዕድላት ብምፍጣር መነባብሮኦም ንኸመሓይሹ ምሕጋዝ ምዃኑ ዝሓበረ ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ መዉል ኣቶ ጎይቶኦም ሃብተጼን፡ እቲ ትካል ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 55 ሽሕ ዓማዊል ከምዘለውዎን ልዕሊ 370 ሚልዮን ናቕፋ ከምዘመሓድርን ብምግላጽ፡ ተለቃሕቲ ኣብ ኣርባሒ ንጥፈት ንኽዋስኡ ምምሕዳራት ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተማሕጺኑ።

መደብ ውህለላን ልቓሕን ዞባ ማእከል ቊጠባዊ ኩነታት ዜጋታት ንምምሕያሽ ይጽዕር

ብ ዮናታን የዕብዮ

ኩሉ ዘካይዶ ንጥፈታት ኣብ ጎኑ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።መደብ ዉህለላን ንኡስ ልቓሕን፡

ኣብ 1996 ዝተመስረተ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝነጥፍ ሃገራዊ ገንዘባዊ ትካል’ዩ።

ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ “ጽሬት ከባቢና ንዓቅብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ መበል 13 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ19ን 20ን ለካቲት ኣብ ከተማ ባረቱ ኣቃኒዑ።ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ዑስማን

መሓመድ-ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ባይቶ ኣብ መበል 12 ስሩዕ ኣኼባኡ ዘሕለፎም ውሳኔታትን ለበዋታትን ምርኲስ ብምግባር፡ ኣብ ጽላታት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻ፡ ቀረብ ማይ፡ ከባብያዊ ጽሬት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ካልእን ዝተኻየደ ጻዕርን ውጽኢቱን

ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ መበል 13 ምዱብ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ

ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ መጻኢ - ዝነበሩ ብልጫታት ተዓቂቦምን ጉድለታት ተኣሪሞምን ዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ ምእንቲ ክዕመም፡ ኩለን ኣብቲ ዞባ ዝነጥፋ ኣካላት ብውህደት ክነጥፋ፡ ኣባላት ባይቶ ድማ ኣብ ምክትታልን ምጉስጓሳን ብዝለዓለ ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ።ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ 2013 ኣብ ዞባ ጋሽ-

ባርካ ንዝተኻየዱ ንጥፈታት ዝምልከት ጸብጻባት ክፍልታት ዞባ፡ ጨናፍር

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Page 2: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ኤደን ዘርእጋብርየውሃንስ ሃይለምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ሚኒስትሪታትን ሃገራውያን ማሕበራትን ድሕሪ ምስማዕ፡ ንምድንፍዑ ዝሕግዝ ሓሳባት ኣቕሪቦም።ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ኣብ ጥዕናዊ

መዳይ ጽቡቕ ገስጋስ’ኳ ይምዝገብ እንተሎ፡ ሓሓሊፉ ዝኽሰት ዘሎ ሕጽረት መድሃኒት ፍታሕ ክናደየሉ፡ ምቕርሐ ትራክትራት ኣብ ወቕቲ ማሕረስ ዕቱብ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ፡ ብልዑል ወጻኢታት ዝተሰርሐ መእለዪ ወሓይዝ ዝተርፈን ስራሓት ክማልኣለን፡ ኣብ መዳይ መጓዓዝያ ብፍላይ ካብን ናብን ገጠራት ዘሎ ወጽዓ ድማ ቈላሕታ ክግብረሉ ተላብዮም።ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ መወዳእታ፡

ኣብ 2014 - ምውሓስ ጽሬት ኣከባቢን

ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ መበል 13. . .ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዕቱብ

ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክብ ንምባል ኩሎም ኣብቲ ዞባ ዝነጥፉ ኣካላት ተወሃሂዶም ክሰርሑ፡ ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻል ብዝለዓለ ክስራሕ፡ ከምኡ’ውን መንእሰያት ንምንቃሕን ንምውዳብን ማእከላት መንእሰያት ክሕይልን ክምዕብልን ኣብ ምርድዳእ በጺሑ።ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ

መሓመድ ሓምድ ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ 2013 ናይ ዝተዓሙ መደባት ጽማቚ ጸብጻብን መደባት ስራሕ 2014ን ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ ኩሉ ዝካየድ ስርሓት ተሳታፍነት ህዝቢ ንምዕዛዝ፡ ኣባላት ባይቶ ተራኦም ክብ ክብሉ ተማሕጺኑ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ - ከባቢ ሰምበል ዝተደኰነ ትካል ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን ሰምበል፡ ሓደስቲ መሳርሒታት ብምትእትታው ፍርያቱ ብዓይነትን ብዝሕን ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር ኣስመላሽ ገሊጹ።ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት

ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር፡ ኮምፕዩተራይዝድ ዝኾነ ሓደስቲ ማሽናት ተኣታትየን ንኣባላት ምስ’ቲ ሓድሽ መሳርሒታት

ትካል ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን ሰምበል፡ ፍርያቱ ክብ ንምባል ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ

ንምልላይ ቀጻሊ ስልጠናታት ይወሃብ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምምላእ ጠለባት ናውቲ ኣባይቲ፡ ኣብያተ-ጽሕፈታት ከምኡ’ውን ንኩባንያታት ህንጻን ንብሕታውንን መንግስታውንን ትካላት ዘገልግል ዓበይቲ ሃንገራትን ካልእን ንምምላእ ይጽዕር ከምዘሎ ኣብሪሁ።እቲ ትካል ን2,500 ዜጋታት ናይ

ስራሕ ዕድል ከፊቱ ምህላዉ ዝሓበረ ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር፡ ብዘይካተን ኣብ ውሽጢ’ቲ ትካል ዝርከባ 15 ጨናፍር

ኣብ መላእ ሃገር ሰፊሕ ዝርግሐ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ብሉጽን ተወዳዳሪን ፍርያት ብምቕራብ ኣበርክቶኡ ኣብ ሃገራዊ ወፍሪ ህንጸት ንምዕዛዝ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።ትካል ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን

ሰምበል፡ ኣብ ምውርራስ ተመኲሮን ሞያን ኣድሂቡ’ውን ከምዝነጥፍ ዝገለጸ ሓላፊ ጨንፈር ጽርበት ዕንጸይቲ ኣቶ ፍስሃየ በርሀ፡ ኣብቲ ትካል ዝርከቡ መንእሰያት ተፈጢሩሎም ንዘሎ ዕድል ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ተላብዩ።ኣቶ ተስፋጼን ጅናይ ብግደኡ፡ ትካሎም

ብዘይካ’ቲ ንህንጻዊ ስራሓት ዘገልግል ንብረትን ኣቑሑ ገዛን፡ ድልዱላትን ተወዳደርትን ብሽክለታታት’ውን ከምዘፍሪ ጠቒሱ፡ ምስ ዘሎ ምዕባለ ቴክኖሎጅን ተወፋይነት ኣባላትን፡ ኪንዮ’ዚ ንምብጻሕ ዕላማ ከምዘለዎም ኣስሚሩሉ።መንእሰያት ሚልዮን የማነን ትርሓስ

እያሱን ድማ፡ ኣብቲ ትካል ኣጥርዮሞ ዘለዉ ሞያን ብቕዓትን ንቐጻሊ ጉዕዞ ሂወቶም ዓቢ ብልጫ ከምዝኾኖም ብምሕባር፡ እቲ ትካል ሞያዊ ብቕዓት መንእሰያት ንምብራኽ ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ መጒሶም።

ነበርቲ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ 2 ሚልዮን 300 ሽሕን ናቕፋ ብምውጻእን ጉልበቶም ብምውህሃድን፡ ንቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኲዶብዑር ቀጽሪ ሰሪሖም።ብ18 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ፡

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም

ነበርቲ እምኒ-ሓይሊ ንቤት-ትምህርቲ ኲዶብዑር ቀጽሪ ሰሪሖምዝተረኽቦ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ርእሰ-መምህር ናይታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ሰለሙን ግርማይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ንነዊሕ ዓመታት ቀጽሪ ስለዘይነበራ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብኣሉታ ክጽሎ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ንዝወሰዶ

ሰናይ ተበግሶ ኣመስጊኑ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ

ኣቶ ብርሃነ መንገሻ ብወገኑ፡ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ክወስድ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ በብምምሕዳር ከባቢኡ ተወዲቡ ተወሳኺ ክፍልታትን ቀጽሪን ብምህናጽን ንመምህራን ብምትብባዕን ዝነኣድ ኣበርክቶ ክገብር ምጽንሑ ኣረዲኡ።ከምቲ ኣብ ምህናጽ ናይቲ ቀጽሪ

ዝተራእየ ሓይሊ ውዳበን ተወፋይነትን፡ ነበርቲ ንተመሃሮ ደቆም ናብ ትምህርቲ ኣብ ምልኣኽን ምክትታልን ብዕቱብነት ክነጥፉን ብድስፕሊን ክዂስኲሱን ዘዘኻኸረ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ ካልኦት ዓድታት’ውን ነዚ ኣብነታዊ ተግባር ክስዕባ ተላብዩ።ካብ ነበርቲ - ሸኽ ሳልሕ ኣማንን

ወይዘሮ ሙሉ ዑቕባስላሰን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ቤት-ትምህርቲ ኲዶብዑር ነዊሕ ዕድመ ዘለዋን ሓያሎ ዜጋታት ዘፍረየትን ምዃና ብምሕባር፡ ምስራሕ ናይ’ቲ ቀጽሪ፡ ደቆም ብምሉእ ኣቓልቦ ንኽመሃሩ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።ኣብ መወዳእታ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ

ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ መንግስቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ ዝርግሐ ኣብያተ-ትምህርቲ ብምስፋሕ፡ ዝበዝሑ ዜጋታት ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ሓያል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ብምብራህ፡ ጐኒ-ጎኒ ናይዚ - ህዝቢ ምስ ምምሕዳራት ተወሃሂዱ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምዕዋት ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ መጒሱ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ንምዕባይን ቀጻልነት ናይ ዝተዋደዱ ትካላት ንምውሓስን ብዕቱብ ክስርሓሉ ምዃኑ ተገሊጹ።ነበርትን ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ኣካላትን

ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣቶ ኣረጋይ መብራህቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህዝቢ ብጋንታታት ተወዲቡ ኣብ ኩሎም ዝተወጠኑ ልምዓታዊ መደባት ዘርኣዮ ዕዙዝ ሱታፌ፡ ኣብ ኣድማዕነት ናይቶም መደባት ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ብምምልካት፡ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ዘሎ ትሑት ሱታፌ ንምምሕያሽ፡ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስራሓሉ ምዃኑ ሓቢሩ።ፋሕ ኢለን ዘለዋ ዓድታት ኣብ ውሑስ

ቦታ ምጥርናፍ፡ ማእቶታዊ ንጥፈታት ብዝሓየለ ውዳበ ምቕጻል፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ምብራኽን ከባብያዊ

ሃይኮታ፡ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምዕባይ

ብዕቱብ ክስራሓሉ’ዩጽሬት ምርግጋጽን ካብ መደባት 2014 ምዃኖም ብምጥቃስ ድማ፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ተሳታፍነቱ ከሐይል ኣዘኻኺሩ።ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብደላ ማሕሙድ ብወገኑ፡ ኣብ ዝበዝሓ ምምሕዳራት ከባቢ ትካላት ትምህርቲ ተዋዲዱ ከብቅዕ፡ ቊጽሪ ናይቶኦም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቐረቡ ተመሃሮ ግን ገና ትሑት ስለዘሎ፡ ነቲ ተርእዮ ንምምሕያሽ ወለዲን ኩሎም ኣካላት መንግስቲን ዝዋስኡሉ ዕቱብ ስራሕ ከምዘድሊ ኣብሪሁ።ሓላፊ ማእከል ጥዕና ሃይኮታ ነርስ

ገብሩ ዘርአ ድማ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተዋደዱ ትካላት ጥዕና ኣብ ርእሲ’ቲ ዝህብዎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምብራኽ’ውን ልዑል ተራ ከምእተጻወቱ ብምምልካት፡ ከም ውጽኢት ናይቲ በብግዜኡ ዝዓቢ ዘሎ ንቕሓት፡ ቊጽሪ ናብ ትካላት ጥዕና ዝመላለሱ ተገልገልቲ ይብርኽ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ንዝያዳ ተጠቃምነት ተወሳኺ ጻዕሪ ክካይድ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓሻኪቶ - ንኡስ ዞባ ድገ፡ ሓመድን ማይን ብምዕቃብ ከባቢኦም ንምርግጋእን ሕርሻዊ እቶታውነቶም ንምብርካትን ብጋንታታት ተወዲቦም ሰፊሕ ማእቶታዊ ንጥፈታት የሰላስሉ ከምዘለው፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ካብ ተሳተፍቲ ኣቶ ሁመድ

እድሪስ፡ ኣቶ መሓመድ ሓምድን ወይዘሮ ፋጥና እድሪስን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ኣገዳስነት ማእቶታዊ ንጥፈታት ብሓፈሻ፡ ረብሓ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ድማ ብፍላይ ተገንዚቡ፡

ከባቢኡ ንምርግጋእን ብፍግረ-መሬት ዝደኸየ ናይ ሕርሻ ቦታታት ንምፍዋስን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጾም።ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር

ከባቢ ሓሻኪቶ ኣቶ ሓምድ መሓመድ ብወገኑ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ማእቶት፡ ትሕዝቶ መሬቶም ብምህብታምን ጥብ ዝበለት ማይ ብምዕቃብን ሕርሻዊ እቶታውነቶም ንምዕባይ ምዃኑ ብምምልካት፡ ህዝቢ ረብሓ’ቲ ማእቶት ተረዲኡ ብልዑል ውህደት የሰላስሎ ከምዘሎን እቲ መደብ ቀጻሊ ምዃኑን ኣብሪሁ።

ነበርቲ ሓሻኪቶ ሓመድን ማይን ንምዕቃብ ማእቶታዊ ንጥፈታት የካይዱ

ብ ፍሩቱና ብእምነት

Page 3: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 3

ኣማኑኤል በርሀ

ጥሕሎ እንተዘይበላዕካ፡ ኣብኣ’ላትካ!ንሳዋ እናኸድና’ዩ። ኣብ ባረንቱ ሓጺር ምስኣዕረፍና

ዝበዛሕና ርጒኦ ኢና ኣዚዝና። ርጒኦ ናይ ባረንቱ ከም ብሒቚ’ዩ ምሕፋሱ። ኣብ ከብድኻ ኣትዩ ጠለስ ከብለካ ከሎ፡ ዋላ ኣበየናይ ወገን ናይ ከርስኻ ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጠካ። ኣነ ብፍጥረተይ ፈታዊት መገሻ ምዃነይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕድላት ናይ መገሻ’ውን ኔሩኒ’ዩ። “ኣንታ ኣነ’ኳ በዚ ገጸይ ተዛዊረ ኣይፈልጥን’የ፡ ገለ ዓይነት’ንድዩ ደኣ’ዚ ክደግም’የ” ኢሉ ሓደ ኣሳሳዪት ይጽውዕ። “ኣይትፈልጦን ዲኻ ናይ’ዚ ከባቢ ርጒኦ፡ ዋላ ብፋርኬታ’ንድዩ ዝልዓል” ይብል ከኣ ነቲ ቦታ ዝፈልጦ ካልእ። ኣብ ሞንጎና ግን ሓደ ኔሩ ንበይኑ ሻሂ ኣዚዙስ ዝደንጎየቶ። “ርጒኦ ዘይትሰቲ ከማና” ምስበልክዎ ከኣ፡ ርጒኦ ከምዘይፈቱ ነጊሩኒ። “በቃ ብነብሰይ ኣይፈትዎን’የ” እናበለኒ እታ ሻሂኡ ደበኽ ትብል’ሞ፡ ዘይርኣኽዋ መሲለ ይኽዕወሉ። ክደግም ምስ በለ ግን፡ “ያ ሰብ ርጒኦ ትደጋግም ንስኻ ከኣ ሻሂ ተዃዒኒ ኢልካ ትዛረብ፡ ከም ሰብካ ርጒኦ ስተ ያኣኸ” ዝብል ድምጺ በዝን በትን ምስ መጽኦስ፡ “ሃቢ በሊ ክንፍትኖ” ኢሉ ርጉኦ ኣዚዙ። ኣብ’ቲ ጸሓይ ካብ ጎሮሮኡ ጀሚሩ ክሳብ ውሽጢ ከብዱ ዝሕልሕል ምስ በሎ ከኣ፡ “ዕድለይ ደሞ ክደግም” በለ። “ድገም ሓንቲ ኣይገብረካን’ዩ” ኢልና ኣተባቢዕናዮስ ደጊሙ። ብድሕሪኡስ ኣብ ዘዘዕረፍናዮ ዓዲ ርጒኦ መውጽኢ ኣፉ ደኣ ኮነት።ሽዑ ካልእ ኣጋጣሚ ዘኪረ።

ተማሃሪት 9ይ ክፍሊ ከለኹ ተጠርኒፍና ናይ ስፖርት ዑደት ነካይድ ኔርና። ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ኣቲና ዝርዝር መግብታት ዝኣሳሳዪ ምስሓተትናዮ፡ “ግሪል፡ ሽሪምፕ፡ ኮተለቲ፡ ጥብሲ ዓሳ. . .” እናበለ ምስዘርዘረልና፣ ሓደ መሓዛና ቅልጥፍ ኢሉ፡ “ፓስታኸ የብልኩምን?” ኢሉ ይሓቶ’ሞ፡ ከምዘሎ ምስነገሮ ንበይኑ ፓስታ ይእዝዝ። ኣነ ጽንሕ ኢለ ናብ ክሽነ ብምኻድ፡ “እታ ፓስታ ግደፍያ ደሓን” ኢለያ ተመሊሰ። ሽዑ ናይ ኩልና ጠለባት ተሰሪሑ ምስመጽአ፡ እታ ፓስታ ግን ኣይመጽአትን። “ንሕና ተመሳሳሊ ስለዝኣዘዝናስ፡ ቅድም ነዚ ዓሳ ክሰርሓ ኢለን’የን ዝኾና ዓቕሊ ግበር” ኢለዮ። ኩልና ተመጊብና ክሳብ ንውድእ ከኣ ፍጭም እናበለ ተጸብዩ። ኣእዳውና ምስ ተሓጸብና ከኣ “ቀልጥፍ ተበገስ” ኮይኑ። በዓል ፓስታ ምስ ሰራሕተኛታት እናተጻረፈን እናንጸርጸረን ኣብ ጥራይ ከብዱ

ምሳና ተበጊሱ - ኣብ ባጽዕ’ዩ። ዓሳ ኣይበልዕን’የ ኢሉ ሰሙን ምሉእ ኣብ ዳህላክ ጥጥቖ ሩዝ ክበልዕ ዝቐነየ ዓርክና ተዘኪሩኒ ሽዑ።ካብኡ ንወገን ፎሮ ገጽና

እናኸድና ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ምስኣዕረፍና ብርጭቕ ጸኒሑና። ኩልና ብርጭቕ ክንመናጠል፡ ወዮ በዓል ፓስታ ግን ስቕ ኢሉ ይርኢ። “እሂ’ታ ንዓ’ባ ወስ በል” ኢለዮ። “ብርጭቕ ዘይፈቱ” ኢሉኒ፡ ቀልጢፍና ስለንብገስ መዐገሲ ፓኒኖ ኣዚዙ። “ብርጭቕ እንታይ ይገብረካ?” ኢለዮ ዋላ ሓንቲ ክገብሮ ከምዘይክእል እናፈለጥኩ። “እንድዒ ጥዒመዮ ኣይፈልጥን’የ” መለሰለይ። “እሞ ሕጂ ዘይትጥዕሞ” ምቁር ምዃኑ ከረድኦ እናፈተንኩ። “በቃ ፓኒኖይ በሊዐ ክኸይድ’የ፡ ብልዑ ጥራይ” ምስበለኒ፡ ናብ ክሽነ ከይደ፡ “ይቕሬታ ተበጊስና ኴንና’ባ እታ ፓኒኖ ግደፍያ” ኢለያ። “ኦሮማይ ተሰሪሓ’ያ” ምስበለትኒ ከኣ፡ ሕሳብ ከፊለ ንዓኣ ክትበልዓ ገዲፈላ ተበጊስና። በዓል ፓኒኖ ከኣ እናንጸርጸረ ምሳና ነቒሉ።ድሕሪ ገለ መዓልታት ኣብ

ዕዲ ምስኣዕረፍና ግን ንዓና’ዩ ተገላቢጡና። ኣብ ዕዲ ኴንካ ባሕሪ ጨብረቕ ክብል ትሰምዖ ኢኻ። ክንድረር ኢልና ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ምስ ኣተና ግን ኣብ ዝርዝር ድራር ዓሳ ዝበሃል ኣይነበረን። “ድንሽ፡ ሽሮ፡ ዓደስ፡ ፓስታ. . .” ምስ በለትና፡ ንበዓል ፓስታ ዓርክና ገዲፍናዮ ናብ ካልእ ቤት መግቢ ኣቲና። ኣብኡ’ውን እተን ኣቐዲምና ዝሰማዕናየን መግብታት’የን ጸኒሐናና። “ዓሳ

የለን ድዩ?” ኢለ ምስሓተትክዋ ነታ በዓልቲ ቤት መግቢ፡ “ባጽዕዶ መሲልካ” ዝብል ተስፋ ዘይብሉ መልሲ ሂባትኒ። ብድሕሪኡስ ድንሽናን ሽሮናን ተደሪርና ሓዲርና።

ሓደ ግዜ ከኣ ምስ መሓዙተይ ናብ ከባቢ ኣቡነ ኣንበስ ገጸይ ነጊደ ኔረ። ኣብኡ ሕብስቲ ምስ ሃባና ሓንቲ መሓዛና ኣይለክፍን ኢላ። ሕብስቲ ብሃፋ ጥራይ ትበስል ሕንባሻ’ያ። ኣይበሰለትን ኢላ’ያ ኣይበልዓን’የ ትብል ዘላ። እቶም ህዝቢ መዋእሎም እናበልዕዎ ደኣ እንታይ ከይገብረኪ እንተበልክዋ ኣይሰምዓትንን። ኣነ ግን መጀመርታ ኣበሳስላኣ ምስነገሩና ክጥዕማ’የ ተሃዊኸ ኔረ። ጥሕሎ’ውን መጀመርታ ሽዕኡ እርእዮ ብምንባረይ ዋላ ናይ ዝሓለፈኒ እናወሰኽኩ’የ ተሳሂለዮ። እታ ሕብስቲ ምብላዕ ዝኣበየት ግን ንወያ ጥሕሎ’ውን ኣይቀርባን ኢላ። ብዝኾነ ገዓት ሳላ ዝነበረ ጾማ ኣይወዓለትን። ዳህላክ ቀኒኻ ዓሳ ከይቀመስካ

እንተተመለስካስ፡ ዳህላክ ቀንዩዶ ትበሃል? ኣቑርደት ባረንቱ ቀኒኻ ርጉኦ እንተዘይሰተኻስ፡ ባርካ ከምዝቐነኻዶ ይሕሰብ? ደቡብ ኬድካ ካብ ጎጎን ካብ ጥሕሎን ክትሃድምከ ከምዝገሽካዶ ይሕሰበልካ? ናይ ግድን ኣይኮነን ኣኣብ ዝኸድካዮ ንዝቐረቡልካ መግቢ ቅልጥፍ ኢልካ ክትለምዶ። የግዳስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከም መለለዪ ንዝቑጸሩ መግብታት ክትቀምሶምሲ ክትሃርፍ ኣለካ። ብኣንጻሩ’ውን፡ ኣብ ደንደስ ባሕሪ እናነበርካ ፍርያት መሬት ጥራይ ክትቅርብሲ ወዲ ባሕሪዶ የብለካ? ካብ’ቲ ትነብረሉ ቦታ ተንቀሳቒስካ ሓድሽ ቦታ ስለዝርኣኻ ጥራይዶ ክትዛወር ከምዝቐነኻ ይሕሰበልካ። ንገሊኦም ህዋሳትካ ኣብ ገዛኻ ገዲፍካ፡ ብኣዒንትኻ ምስ ሓደስቲ ቦታታት ስለዝተላለኻ ጥራይሲ፡ ኣዒንትኻ ደኣ’ምበር ኩለንትናኻስ ኣይገሸን። ክትገይሽ ከለኻ ከኣሲ፡ ምስ ቦታታት ጥራይ ዘይኮነ ምስ ባህሊ’ውን ክትላለ’ዩ ዘለካ። ኣመጋግባ’ዩ ከኣ ሓደ ካብ ባእታታት ባህሊ። ስለ’ዚ ኢዩ ከኣ ተራ መግቢ ኣብ ባህላዊ ቱሪዝም ኣዝዩ ዓቢ ዝኸውን። እሞ. . .ክሳብ ኣብ ጥዕናና ጸገም ዘይብሉስ ነስተማቕሮ ደኣ መግብታት ዓድና። ክንገይሽ ከለናስ ኩለንትናና ደኣ ዘወር ይበል’ምበር፡ ኣዒንቲ በይነን ደኣ ክንደይ ኢየን’ሞ ከስተማቕራ።

ትዕግስቲ መንግስቱ - ሳዋ

Page 4: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 4

ተስፋኣለም ገ/ስላሴ (ጫረ)

እቲ ደብዳብ ተወሳኺ ነቲ ምንቅስቓስ ኣጸንከሮ። ነፍሲ ወከፍ ስድሪ ብቦምባ መስገሪ ተሳእነታ። ቕድሚ እታ ስርሒት ምውጣና፡ ዓመት ይገብር ሓደ መደብ ተተጊብራ ኔራ። ክብደት ናይቲ ጉዕዞ ዝተፈልየ ነበረ። ኣብቲ እዋን፡ መስርዕ ወደብቲ ኣካላት

ትሕቲ ጽርግያ ከባቢ ሽዕብ ነበሩ። ትሕቲ መስመርን ልዕሊ መስመርን ብምዃን ዝተፈላለየ ናይ ሽርሒ መደባት ይመርሑን ይትግብሩን። ኣሰራርሖም ዝተኣሳሰረን መስመር ብመስመር ዝተራኸበን ክኸውን ዘገድድ ናይ ሓለዋን ሃድንን’ዩ።ኣብ ከምኡ ዝበለ ተሃዋስን ጸቢብን እዋን፡

ሓንቲ ስርሒት ንምትግባር መደብ ተሓንጸጸ። ዝኣክል ምድላዋት ተገብረ። ዕጡቓት ውፉያት ኣብ ምትግባር ናይቲ መደብ ቀዳሞት ተሳተፍቲ ዝኾኑሉ መድርኽ’ዩ። ነቲ መደብ ዝትርጉሙዋ ሰባት ክበዝሑ

ኣይተደልየን። ሓደ ሰብ ክኸውን ክብደት ናይታ ስራሕ ኣገደደ። ካብቶም ቀዳሞት ተጠመቲ ተረቑሑ። ሓደ ካብቶም ዝተፈላለየ ዕጥቂ ሒዞም ውሽጢ ጊንዳዕ ዝተረፉ ኣባላት ክኸውን ወድእዎ። መራሒ ናይቲ ወፍሪ መሓመድ

ወድሹም’ዩ። ካብቲ ከባቢ ክሳብ ናይ ባጽዕ ወፍርታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣባላት ብምዃን ዓበይቲ መደባት ዝመርሐ’ዩ። እታ መደብ ግን ብውፉይ ንምትግባር’ዩ ወዲእዎ። ምስ ብጾቱ ተረዳዲኡ፡ ነናቶም ሰብ ክረቑሑ ሓተተ። ነታ መደብ ዝትግብር ኣባል ስዒድ (ወዲ በኺታይ) ተመርጸ። ወዲ ሹም ናብ ስዒድ (ወዲ በኺታይ)

ዝልኣኽ ጽሑፍ ኣዳለወ። ኣብ ጭራም ወረቐት ብምስጢር ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ሽዕብ ብዝርከብ ቤተሰብ ክትበጽሖ ወሰነ። ኢብራሂም ሓረስታይ ሽዕብ’ዩ። ኣባል ሓፋሽ ውድባት’ውን’ዩ። ብሰብ ኣጸውዖ። “እዛ ወረቐት እዚኣ ናብ ጊንዳዕ ከተብጽሓ

ኢኻ። ሎሚ ናይ ግድን ትብገስ”“እዚ መንገዲ ትፈልጦ ኣለካ። መስመር

ሽዕብ ጊንዳዕ ተኸልኪሉ’ዩ። ሓንቲ ኣማራጺት ብእምበረሚ ባጽዕ ጥራይ’ያ” ዝብል መልሲ ሃቦ። ኩሉ መገዲታት ብፈንጂ ተዘሪኡ’ዩ። ካብ ጫፍ ንጫፍ ወተሃደራት ዓሪዶሞ’ዮም። መስሎኺ ዝብሃል ኣይነበረን። ኢብራሂም ዘቕረቦ ሕቶ ቅቡል ነበረ፡ ወድሹም፡ ንኢብራሂም ብናቱ ብልሓት ቀልጢፉ ከብጽሓ ኣተባብዖ። ከምቲ ዝበሎ’ውን ብዘይ ዝኾነ ጸገም ናብ ጊንዳዕ ኣትዩ። ነታ ወረቐት ንስዒድ (ወዲ በኺታይ) ሃቦ።“ብህጹጽ ስራሕ ስለ ዘሎ ሽዕብ ተረኸብ”

ዝብል መልእኽቲ ኣንበበ። ስዒድ (ወዲ በኺታይ) ነቲ መስመር

ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ዝፈልጦ። ዘስግእ መስመራት፡ ሓደገኛ ቦታታትን’ውን ብደቂቕ ይከታተሉ ካብ ዝነበሩ ውፉያት ሓደ’ዩ ኔሩ። መንበሪኡ ጊንዳዕ’ዩ። ኣብ ጋሕቴላይ ዱኳን ነበረቶ። ናብ ፎሮ ዝመላለስ ነጋዳይ’ውን’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ብረት ኣለዎ። ሓፈሻዊ ፍልጠት ናይቲ እዋን ስለ ዝነበሮ፡ ካበይ ንናበይ ክኸይድ ከም ዝኽእልን ብኸመይ ክሰግር ከም ዝኽእል ኣይጠፍኦን’ዩ። ናብ ሽዕብ ምብጋስ ከቢድን ኣጸጋምን ምዃኑ ተገንዘበ። ዝነበረቶ ኣማራጺት ናብ ባጽዕ ምውራድ’ያ። ስዒድ (ወዲ በኺታይ) ባጽዕ ወሪዱ።

ኣብ ባጽዕ ንሓደ ዝኣምኖ ሰብ ክረኽቦ ናብ ገዝኡ ኣምርሐ። ብወረቐት መንነት ማሕበር ሓረስቶት ናብ ሽዕብ ብእምበረሚ ናብ ወቒሮ ክሰግር ናይቲ ሰብ ወረቐት ሓተተ። ኣይጠርጠሮን። ናበይ ክኸይድ ከም ዝኽእል’ውን ክፈልጥ ኣይከኣለን። ናቱ ወረቐት መንነት ሂቡ ናይቲ ሰብ ተቐቢሉ፡ ምስ ሓረስቶት እምበረሚ ተመሳሲሉ ጉዕዞ ቀጸለ። ናይ ሓለዋ ወተሃደራት ብተደጋጋሚ

ረኸብዎ። ዘቕርብሉ ዝነበሩ ሕቶ ኣዝዩ

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ክፋል ሕታምና ዝተኣሳሰረ ፍጻሜታት ዝነበሮ ትሕዝቶ ኢና ኣቕሪብና። ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ከባቢ ነፋሲት ኣብ ቤት ማሕቡስ ማርያም ግንቢ ብኸቢድ መርመራ ተታሕዙ። ናብ ከባቢ ጊንዳዕ ሒዞሞም ከይወርዱ ተሰግአ። ኣብቲ እዋን መስርዕ ወደብቲ ኣካላት ኣብ ክልተ’ያ ተኸፋፊላ። ትሕቲ መስመርን ልዕሊ መስመር ብምዃን ንጥፈታት ተካይድ። ብዙሓት ዕጡቓት ናብ ህዝባዊ ግንባር ብምእታዉ ምሕረት ተገብረሎም። እቶም ኣሕሊፎም ንኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ናብ ጸላኢ ዘረከቡ ሰባት ስነ ኣእምሮእዊ ጸቕጢ ኣጥቅዖም። ቦታ ክቕይሩ ሓተቱ። ኣይሰለጦምን። ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ኣብ መጽናዕቲ ቅድመ ስርሒት ፈንቅል ተሳተፉ። ቅድሚ ስርሒት ፈንቅል ሓደ ዓቢ ስርሒት ብወድሹም ዝምራሕ ተወጠነ። ሕብረት ሶቬት ወተሃደራዊ ሓገዝን ምትእትታውን ኣብ ከም ትገብርን ተኣመነት። ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ናብ ወተሃደራት ሕብረት ሶቤት ነበር ተቓውሞን መጥቃዕትን ተጀመረ። 8 ለካቲት 1990፣ ኣባላት ወደብቲ ኣካላት ምብራቓዊ ከተማታት ነቲ ዝተኸፍተ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ምክትታል ተጸምዱ። ምጽዋዕ ሓራ ወጺአ። ምንቅስቓስ ናይቶም ንኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ዘእሰሩ ዕጡቓት’ውን ተወሳኺ ስግኣት ፈጠረ። ምንቅስቓሶም ናብ ከባቢ ዓዲ ሮሶ ቀንዐ። ግንባር ጊንዳዕ ከቢድ ደብዳብ ዝሰፈኖ ከባቢ’ዩ ተቐይሩ። ክሳብ ኣብዚ ኢና በጺሕና ኔርና። መበል 55 ክፋል ይስዕብ፣-

ውሱንን ፍሉጥን ነበረ። ንኹሎም ብናቱ ምብልሓትን መቑሽስን ሰገሮም። ካብ እምበረሚ ወቒሮ ሽዕብ በጺሑ። ወዲ ሹም ናብ ዝርከቦ ገዛ ኣምርሐ። መሓመድ ወድሹም ምስ ሙሴ’ዩ ጸኒሕዎ። “ወዲ በኺታይ ሓደ መደብ ኣሎ። እቲ

መደብ ህጹጽ ስርሒት’ዩ። ብመገድኻ’ዩ ክትግበር”“ጸገም የለን፡ ንኽእሎ ይገበሮ”“ክትፍጽሞ ኢኻ። ደቂቕ መምርሒ

ክወሃበካ’ዩ”“ካብ ናይ ቅድም ዝተፈለየ ድዩ?”“ስራሕ ስራሕ’ዩ። ዓይነቱን ጽንክሩነቱ

ክፈላለ ይኽእል ይኸውን። ብዝኾነ እዛ መደብ ትወሃበካ ዘላ ዓቢ ጽልዋ ክትፈጥር ትኽእል ስርሒት’ያ” ብምባል ናብ ዝርዝር ናይታ ስራሕ ኣምርሐ።ካብ ከባቢ ሸባሕ ናብ ዓዲ ዒለ ትመላለስ

መኪና ማይ ቦጥ ነበረት። እታ መኪና ንሰራዊት’ያ ማይ እተመላልስ። ፍሉጥ ሰዓትን መገድን’ያ ትኽተል። ምስታ መኪና ብዘይካ ክልተ ናይ ሓለዋ ወተሃደራት ካልእ ዓጃቢ ኣይነበራን። ትሽፍኖ ከባቢ ብዙሕ ነቑጣ’ዩ። ሳሕቲ መራሕ መኪና በይኑ’ዩ ዝወፍር። ነዊሕ ኣዋርሕ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ እታ መኪና ሓደ ስጉምቲ ክውሰድ ተሓንጺጹ። ንኽብገስ ተዳለወ። ነታጒ መኪና ተዳለወት። “እሞ እንታይ ኣሎ ዘይበርሃልካ?” ሓተቶ

ወድሹም።“ ክብደት ናይቲ ስራሕ ርዱእ’ዩ።

በዚ ኩሉ መስመራት ክሰግር ግን ቀሊል ኣይኮነን። በየን ክእተው?”“ላዝም ክትግበር’ያ። ንሱ ንዓኻ

ክምልከት’ዩ”“ዝሕግዘኒ ሰብ ክገብር ይኽእል ዶ?”“ብሓደ ሰብ ጥራይ’ያ ክትፍጸም ዝግብአ።

ግን፡ ከም ነብስካ ትኣምኖ ሰብ ኣለካ ድዩ”“ሑሴን ዓረፋኸ?” ረቑሐ። ንሱ’ውን

ከምኡ ኣብ ጊንዳዕ ዝተረፈ ዕጡቕ ውፉይ’ዩ።“ጽቡቕ ንምሓላፍን ካልእን ንዓኻ’ዩ

ክምልከት። እዚ ዝሃብናካ ሓበሬታ እኹል’ዩ። ዝተረፈ ምብልሓት ንዓኻ’ዩ ዝግደፍ” በሎ። ነታ መኪና ብልክዕ ትህረመሉ ቦታን

ከባብን’ውን ብደቂቕ ተጸኒዑ። ወድሹም ዝርከቦም ኣባላት ናብቲ ከባቢ ብምንቅስቓስ ተዓዚቦሞ’ዮም። እቲ መደብ ንወዲ በኺታይ ተነጊሩዎ። ንምትግባሩ ድልዉ ክኸውን’ውን ተሓቢሩዎ። ሳልስቲ ኣብ ሽዕብ ብዛዕባ ኣተገባብራ ናይታ ስርሒት ዝምልከት መምርሕን ትምህርትን ተዋሂብዎ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነታ ተታጒ ሒዙ ኣብ ተዳሎ ከሎ መሓመድ ወድ ሹም ጸውዖ።“እዛ ናይ ቦጥ ስርሒት ንግዜኡ ተወንዚፋ

ኣላ። ንስኻ ናብ ካልእን ኣገዳስን ስርሒት ክትብገስ ኢኻ” ዝብል ሓበሬታ ሃቦ። እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦ መምርሒ ስነ ኣእምሮእዊ ምድላው ክገብር ሓጊዝዎ’ዩ። መደብ ናይቲ ስራሕ ክፈልጥ ተሃወኸ። ልዕሊ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሽዕብ ምጽናሕ ካብ ዝስዕብ ሓደጋታት ጥርጣረ ዘድሕኖ ኣይኮነን። ምንቅስቓስ ሰባት ዝከታተሉ ዕሱባት ነበሩ። ካልአይቲ ስርሒት፡ ምቑራጽ መስመር

ኤትሪክ ባጽዕ ኣስመራ’ያ። እታ መደብ ኣብ ከባቢ ጊንዳዕ ክትፍጸም’ያ ተወጢና። ኣብ ጊንዳዕ ክልተ ኣማራጺ ቦታታት ተጸኒዐን። ካብቲ መመንጨዊ መስመር ከባቢ ሆስፒታል ጊንዳዕን ንጊንዳዕ ናብ ክልተ ኣንፈት ዝመቅል መስመርን ተሓርያ። ነዚ ስርሒት እዚ ዝውዕል ናይ ቲኤንቲ ኣጽዋር’ዩ። እቲ ኣጽዋር ካብ ሽዕብ’ዩ ናብ ጊንዳዕ ክኣተዉ።ወድሹም ዝርዝር ናይ መደብ ንስዒድ

(ወዲ በኺታይ) ነገሮ። ካብ ዝቐደመ ዝበኣሰ ግድል ከም ዘለዎ ኣይጠፍኦን። ኣርባዓ ቲኤንቲ ተዳለወ። ንእኡ ተሰኪሙ ጊንዳዕ ከእትዎ ዝሓቶ ሃልኪ ቀሊል ኣይነበረን።“ከመይ ጌረ ድኣ ከብጽሖ’የ” ሕቶ

ኣቕረበ።“ክሳብ ኣባሓን ዝርከብ ቦታ ከነባጽሓካ

ንኽእል ኢና” በሎ። ክብደት ናይቲ ስርሒት ኣብ ገጽ ወድሹም ዘንበበ ወዲ ወዲ በኺታይ ሓቀኛ ስምዒቱ ካብ ምግላጽ ኣይተቖጠበን። ኣባሓን ርባ’ዩ። ከባቢ ሸባሕ’ዩ ዝርከብ። እቲ ከባቢ ጽኑዕ ድፋዕ ዝነበሮን ቀጻሊ

ብጉጅለ ሮንዳን ዋርድያን ዝሕለው ሩባ’ዩ። ኣባሓን ምብጻሕ ብዙሕ ጸገም ኣይነበሮን። ድሕሪኡ ዝቕጽል ጉዕዞ’ዩ ሓደገኛ። ኣብታ

ስራሕ’ውን ከም ነብሱ ዝኣምኖን ክሕግዞ ዝኽእልን ሰብ ኣብ ኣእምሮኡ ኣመላለሰ። ዑስማን ዝብሃል ኣብ ሽዕብ ዝርከብ ዘመዱ’ውን ሓረዮ። ዑስማን ክተሓባበሮ ንወድሹም ሓተተቶ። ኣቐዲሙ ፍልጠት ስለ ዝነበሮ ኣይተቓወሞን። ስዒድ ወዲ በኺታይ ንዑስማን ረኸቦ። ምስኡ ክጉዓዝን ክተሓጋገዞን ሓተቶ።ፍቓደኛ ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። ናብ ዝርዝር

ትሕዝቶ ናይቲ መደብ ሰገረ። ዑስማን ሰጋእ በለ።“ኣርባዓ ዝኸውን ቲኤንቲ ንጊንዳዕ ኢና

ከነእትው”“ሰለስተ ሪጋ ፈንጂ ኣለዎ። ኣብ ርእሲኡ

ዘየዕርፍ ናይ ተፍትሽ ቦታታት ኣሎ። ነዚ ከመይ ክንሰግሮ?” ሕቶኡ ኣቕረበ።“ምብልሓት ናትና’ዩ ዝሓትት። እዚ

ስርሒት እዚ፡ ንሓደኡ’ያ። ህይወት ንምኽፋል ትሓትት’ያ። ብሰላም ተሓለፍና ጽቡቕ። ከምኡ እንተኾነ ከኣ ዕላማ’ዩ። ምሳይ ትኣትው” በሎ።“ንዓኻ ዝረኸበት ትረኽበኒ” ዑስማን ብካብ

መን ሓሚቐ ስምዒት ተደሪኹ፡ ድልዉነቱ ኣረጋገጸ።ወዲ በኺታይ ካብ መሓመድ ወድሹምን

ሙሴን ናብ ምፍናው ሰዓት ኣኸለ። ኣቐዲሙ፡ ጀሪካን ናይ ሓሙሽተ ሊትሮ ኣዳለወ። ነተን ቲኤንቲ ኣብኡ ኣእቲወን። ሓደ መሸማዕ እኽሊ’ውን በዓል ገመል ከም ዝጽዕኖ ገበረ። ነታ ጀሪካን ንሱን ዑስማን ተሰከሙዋ።ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ ምሸት ካብ ሽዕብ

ነቐሉ። በዓል ገመል ዝሓዝዎ ምስጢር ኣይፈልጥን’ዩ። መሬት ጸልሚቱ’ዩ። ኩሉ እቲ መገዲ ብፈንጂ ተሓጺሩ’ዩ። በዓል ገመል ነቲ ከባቢ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጦ፡ ነቲ ብሪጋን ገመድን ዝተጻወደ ነታጒ ብማዕዶ ሓበሮም። ንኹለን ሓሊፎም ድማ ናብ ሓንቲ

ናጻ ዝነበረት መገዲ ሩባ ኣምርሑ። ምሉእ ለይቲ ተጓዒዞም። በቲ ስሑው ሓለዋ ዝነበሮ መገዲታት ክሓልፉ ኣይተሸገሩን። ካባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ ጋሕቴላይ

ተጸግዑ። ነቶም ኣባላት ሮንድ ብናይ ገንዘብ ምሽፋጥ ክሰግሮም ከም ዝኽእል ኣይተጠራጠረን። ናብ ጋሕቴላይ ክኣትው ኣይከኣለን። ብማዕዶ ሓደ ዕጡቕ ርኣየ። ነቲ ሰብ ቀልጢፉ ኣላለዮ። ደስታ ዝብሃል ትግራዋይ ካብ ሚልሻ ስርናይ ናብ መደበኛ ሰራዊት ዝተሰጋገረ ወተሃደር ነበረ። ደስታ፡ ነቲ ከባቢ ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጦን

ጽምኢ ሓላፍነት ብስራሕ ከርውይ ዝጽዕር ሰብ’ዩ። ንሱ ኣብ ዘለወሉ ሰዓት ናብ ጋሕቴላይ ምእታው ከቢድ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ኣብ ሓደ ስቱር ቦታ ነታ ጀሪካን ብምቕባር፡ ኣብቲ ከባቢ ጸንሑ። ስዒድ (ወዲ በኺታይ)፡ ንዑስማን ነቲ በዓል

ግመልን ናብ ቦታኦም ክምለሱ ኣፋነዎም። በዓል ግመል ሕሳቡ ሒዙ ክምለስ ከሎ ምስጢር ናይታ ጐማ ኣይፈልጠን። በታ ዝመጽዋ ከባቢ ተመልሱ። ኣብ መገዲ ከጋጥሞም ዝኽእል ሕቶታት ክምልሱ ኣይሽገሩን’ዮም። በዚ ዝተኣማመነ ስዒድ (ወዲ በኺታይ) ጽሓይ ምስ በረቐ ነታ ጀሪካን ሒዙ ናብ ዱዃኑ ኣተወ። ንሑሴን ዓረፋ ብዛዕባ እቲ መደብ

ሓበሮ። ብሓባር ክትግብርዎ ምዃኑ’ውን ኣረጋገጸሉ። ተሪፉ ዝነበረ መደብ ካብ ጋሕቴላይ ናብ ጊንዳዕ ብኸመይ መገዲ ትብጻሕ ዝብል ሕቶ’ዩ። እታ ቀልጢፋ ኣብ ሓንጐሉ ዝመጸት

ሓሳብ፡ ብመገዲ ካብ ጊንዳዕ ናብ ጋሕቴላይ መዓልታዊ እትመላለስ ቦጥ’ያ። ምስ መራሕ ናይታ መኪና፡ ድሓን ዝኾነ ፍልጠት ነበሮ። ናብ ጥቓ ዱኳኑ እትርከብ ቤት መስተ ቀጻሊ ይመላለስ ነበረ። ስለዚ፡ ነቲ ሰብ ረኺቡ ክሕዞን ብመገዱ ናብ ጊንዳዕ ክበጽሕ ወጠነ።

ሑሴን ዓረፋ ናብ ጊንዳዕ ነዛ ነብሱ ሒዙ ክሓልፍ ተረዳድኡ። ኣቐዲሙ ናብ ጊንዳዕ ሰገረ።ካብ ጋሕቴላይ ክሳብ ጊንዳዕ ሰለስተ

ነቑጣ መፈተሺ ነበራ። ቀዳመይቲ ኣብ ማይ ህይወት’ያ ትርከብ። እታ ቦታ ጽኑዕ ተፈትሽ ዝካየደላ ከባቢ’ያ። ካልአይቲ ካብአ ዝሓየለት ኮይና ኣብ ከባቢ ደንጐሎ’ያ ትርከብ። ሳልሰይቲ ብተዛማዲ ዝሓሸት ኮይና ከባቢ መቓብር ሓበርኛታት ዝነበረት’ያ።በዓል ቦጥ ከም ኣመሉ ጥቓ ዱኳን

ስዒድ (ወዲ በኺታይ) ደው ኣበላ። ጽቡቕ ሰላምታ ለጊሱ። ናብ ድኳኑ ክኣትውን ይዕድሞ። እቲ ወተሃደር መራሕ መኪና፡ ስክፍታ ብዝተሓወሶ ኣሳጉማ ናብታ ድኳን ብምእታዉ ነቲ ካብ ፎሮ ዝመጽአ ዝተፈላለየ ክዳውንቲ ክዕዘብ ጀመረ።“እስከ እዚኣ ፈትና” በሎ ስዒድ (ወዲ

በኺታይ)።“ገንዘብ የብለይን”“ድሓን ድሓን ናተይ ህያብ’ያ። ይርድኣና

እንድዩ ንዓኹም እንታይ ደሞዝ ኣለኩም፡ ንሕና ንሓይሽ ካባኹም?” ወተሃደር ነታ ሕብሪ ዝበዝሓ ካምቻ ዓቀና። ጽቡቕ ከም ዝመጸቶ ኣረጋገጸ። ከም እንደገና ስረ ኣርኣዮ። ስክፍታኡ ካብ ምግላጽ ኣይተቖጠበን። ነታ ስረ’ውን ከም ህያብ ተቐበላ። “እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል?” ዝበልዓት

ከብዲ ብስክፍታ ተዋሕጠት። ስዒድ (ወዲ በኺታይ) ህዉኽ ኢሉ እዝን እንትን ክብሎ ኣይደለየን። “ድሓን እንተድኣ ሰሊጡኒ ንጊንዳዕ ክትመልአኒ ኢኻ፡ ሕጂ ተዘናጋዕ እሞ ክትብገስ ከለኻ ተኣለየኒ” እናበለ ኣብ ፌስታ ዓጺፉ ከብቐበሎ ኣብ ዝፈተነሉ ደስ ዘየብል ገጽ ኣማዕደወ። ደስታ፡ ናብ ናይ ቀትሪ ሓለዋ ውዒሉ ናብተን ድኳናት ገጹ ክመጽእ ርኣዮ። ነታ ፌስታል ምስኡ ክትጸንሕ ሓበሮ። ወተሃደር ዝኾነ ዝኾነ ለውጢ ከይገበረ ናብታ ቤት መስተ ኣምርሐ። ስዒድ (ወዲ በኺታይ) ናብ ድኳኑ ኣተወ።

ነታ ጐማ፡ ኣብ ውሽጢ መሸማዕ ኣእተዋ። ብየማነ ጸጋማ ኣጭርቕቲ ክዳን መልአ። ምድላዋቱ ዛዘመ። በዓል ቦጥ ናብ ዱኳን መጸ። ተቐዳዲሙ ነታ ህያብ ኣቐበሎ። “እዚኣን ካብ ፎሮ ዘምጻእኩወን ንብረት

እንድየን ክንማልአን የሸግራኻ ድየን” ሓተቶ። “ጸገም የለን ሃቦ ስቐሎ”መሸማዕ ስዒድ (ወዲ በኺታይ)

ተሳፈረት። እቲ መራሕ መኪና ነታ ሻንጣ ኣልዒሉ ኣብ ዓራት መኪና ክሰቕላ ሓፍ ኣቢሉ ናብ ጫፍ ሰው ኣበላ። ጋዕ ዝብል ድምጺ ሰምዐ። ናይ ምጥርጣር ስምዒት ኣየሕደረን። ካብ ጋሕቴላይ ኣጋ ዕራርቦ ተበገሱ፡

፡ ኣብተን ሰለስተ ነቑጣ መፈተሺ ብሰላም ሰጊሮም ኣብ ገዝኡ በጽሑ። ነቲ ወተሃደር መራሕ መኪና ኣመስጊኑ ሻንጥኡ ሒዙ ገዝኡ ኣተወ። ንሑሴን ዓራፋ ጸዊዑ ናብ ትግባረ መደብ ሰገረ። ሑሴን ድሮ ነቲ ከባቢ ዳህሲስዎ ጸንሐ። ስዒድ (ወዲ በኺታይ)’ውን ብቐጥታ

ናብተን ዓንድታት ዘወር እናበለ ከም ሰላይ ኣጽኒዕወን ተመልሰ። ናይ ስርሒት ሰዓት መደቡ። ንኹለን እታን ቲኤንቲ ሒዞም ናብቲ ከባቢ በጽሑ። ወዲ ሹም መምርሒ ክህቦ ከሎ፡ ነታን

ቲኤንቲ ኣጻዊድኩም ብጓያ ካብቲ ከባቢ ርሓቑ’ዮም ተባሂሎም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስመር ኣጻዊዶም ተበገሱ። ገና ካብቲ ከባቢ ከይርሓቑ እተን ቲኤንቲ ምትኳስ ጀመረ። ብጉያ ናብ ገዝኦም ከምርሑ ብማዕዶ ወተሃደራት ርኣዩዎም።

ይቕጽል

በርቂ ምብራቕ

Page 5: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 5

ዶ/ር ኪዳነ ተኽላይ

ሕዱር ሕማማት ከም በዓል ሕማም ልቢ፡ ኩሊት፡ ጸላም ከብዲ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ሽኮርያ ገለ ካብቶም ዕቱብ ምክንኻንን ምክትታልን ዘድልዮም ሕማማት’ዮም። ሽኮርያ ኣካላት ኣብ ደም ንዝርከብ መጠን ሽኮር ብግቡእ ክጥቀመሉ ምስዘይክእል ዝስዕብ ሕማም ልዑል መጠን ሽኮር ደም እዩ። እዚ ከኣ ኣካላት ወዲሰብ ኡንሱሊን ዝበሃል ነዝዒ ከዳሉ ወይ’ውን ኣዝዩ ውሑድ ምስ ዘዳሉዉ የጋጥም። ኡንሱሊን ኣብ ቆስጠ ይዳሎ። እዚ ሕማም’ዚ ነባርን ክሕዊ ዘይክእልን ብምዃኑ ዕቱብ ምክትታልን ምክንኻንን የድልዮ። ገለ ካብቶም ክግበሩ ዝግባእ ምክትታላት ከኣ እዞም ዝስዕቡ’ዮም። መድሃኒት ኣብ ግዜኡን ብዓቐኑን

ምውሳድ፡- ሓኪም ብዝወሰኖ መሰረት፡ መድሃኒት ከኒና ወይ’ውን መርፍእ ክኸውን ይኽእል። እዚ መድሃኒት’ዚ ነቲ መዓልታዊ ብቖስጠ ክዳሎ ዝግብኦ ኡንሱሊን ንምትካእ ተባሂሉ መዓልታዊ ንኽውሰድ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ ብኻልእ ኣገባብ መተካእታ ኡንሱሊን ስለዘይተረኽበ። ብዙሓት እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት መድሃኒት ባዕሎም ከቋርጹ ይርኣዩ’ዮም። እዚ ብዙሕ ምኽንያታት ክህልውዎ ይኽእል ይኸውን። ስነ ኣእምሮኣዊ ጽልኣት ናይ መድሃኒት፡ ጥቕምን ረብሓታትን ናይዚ መድሃኒት ዘይምርዳእ፡ እኹል ኣፍልጦ ናይዚ ሕማም ዘይምህላው፡ ፍርሓት ጎድናዊ ሳዕቤናት መድሃኒት ገለ ካብ ብዙሕ ግዜ ዝዝረቡ ምኽኒታት ኣንጻር ናይዚ መድሃኒት ሕማም ሽኮርያ’ዮም። ገለ ሰባት ከኣ መጠን ሽኮር ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ምስ ተመልሰ ዝሓወዩ ይመስሎምም’ሞ፡ ብዘይ ምኽሪ ሓኪም ናይ መድሃኒት ምቁራጽ ስጉምቲ ይወስዱ። ብዝተፈላለዩ ልምዳዊ ፍወሳ፡ ሕማም ሽኮርያ ዝሓዊ ዝመስሎም’ውን ኣለዉ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ግና፡ ሽኮርያ ሓንሳእ ምስተኸስተ ዝሓዊ ሕማም ኣይኮነን። ይኹን’ምበር እዚ መድሃኒት ብምውሳድ መጠን ሽኮር ምቁጽጻር ይከኣል። እዚ መድሃኒት’ዚ ንሳዕቤናት ሽኮርያ ብምጉዳል ስሩዕ መዓልታዊ ንጥፈታት ንምክያድ ይሕግዝ፣ መጠን ሞት ብሰንኪ ሕዱርን ቅጽበታውን ሳዕቤናት ሽኮርያ የጉድል። መድሃኒት ሕማም ሽኮር ካብ 30 ደቒቕ ክሳብ ሓደ ሰዓት መግቢ ድሕሪ ምብላዕ ክውሰድ ይግባእ።ምቅይያር መዓልታዊ ኣመጋግባ፡-

ኣመጋግባ ኣብ ሕማም ሽኮርያ፡ ካብቲ መዓልታዊ ናይ ሓደ ጥዑይ ሰብ ፍልይ ዝበለ ክኸውን ይግባእ። እዚ ኣመጋግባ’ዚ ብግቡእ ምስ ዝካየድ፡ ኣብ ፍወሳ ናይዚ ሕማም ዓቢ እጃም ይጻወት። መጠናዊ መግቢ ካብ ካርቦሃይድረይት (ሽኮር ሓዘል መግብታት)፡ ፕሮቲን፡ ስብሒ፡

ክንክን ሽኮርያ

ኣሕምልትን ፍረታትን ከኣ ከጠቓልል ይግባእ። እዚ ክሳብ ብሚሊግራም ንመዓልቲ እናተዓቀነ ክውሰድ ዝግብኦ መጠን ምስዝኸውን ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ። እዚ ግን ኣብ ተግባር ክውዕል ኣጸጋሚ’ዩ። በብሓደ ሲሶ እናከፋፈልካ ምምጋብ ግና ይከኣል ይኸውን። እዚ ማለት ሓደ ሲሶ ካርቦሃይድረይት፡ ሓደ ሲሶ ካብ ስብሒ፡ ሓደ ሲሶ ከኣ ፕሮቲን ሓዘል መግቢ ምስ ዝኸውን ንኽትትግብሮ ዝሕሸ ይመስል። ዝያዳ ፍረታትን ኣሕምልትን ምዝውታር ከኣ ንምክንኻን ሕማም ሽኮርያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሕዱራት ሕማማት ይከለኻል’ዩ። ካብ ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሕ ምብላዕ፡ በብቑሩብ 4-5 ግዜ ምብላዕ ከኣ ተመራጺ’ዩ። እዚ መጠን ሽኮር ደም ብሓደ ግዜ ክብ ንኸይብል ወይ’ውን ለጠቕ ከይብል

ይሕግዝ። ጨው ዝበዝሖ መግቢ ምውጋድ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።ስፖርት ምዝውታር፡- ምውስዋስ

ወይ ምንቅስቓስ ኣካላት መድሃኒት ግቡእ ስርሑ ንምስልሳል ይጠቅም። ንመጠን ሽኮር ኣብ ምቁጽጻር ድማ ዓቢ እጃም ይጻወት። ካብ ምዕርዳድ ሰራውር፡ ምምዕባል ጸቕጢ ደም፡ ምንካይ ጠቓሚ ኮለስትሮል፡ ምምዕባል ሕማም ልቢ ይከላኸል። እዞም ዝተጠቕሱ ምስ ሕማም ሽኮርያ ምትሕሓዝ ኣለዎም። ስፖርት ክበሃል ከሎ ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ማለት ኣይኮነን። ስፖርት ኣብ ሕማም ሽኮርያ ፈኲስ፡ ወይ ዘብዘብ፡ ምኻድ፡ ን30 ደቒቕ ዋላ ሰለስተ ግዜ ኣብ ሰሙን እኹል’ዩ። ስፖርት ቅድሚ መድሃኒት ትወስደሉ እዋን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ጥሙይ ከብድኻ ከኣ ስፖርት ምግባር

ተመራጺ ኣይኮነን። እዚ ብሰንኪ ምትሓት መጠን ሽኮር ዝመጽእ ሃለፍታን ሓደጋ ሞትን ንምክልኻል ማለት’ዩ።ሽጋራ ዘይምትካኽ፡- ወልፊ ሽጋራ

ብዙሕ ሳዕቤናት ከምጽእ ዝኽእል ተግባር’ዩ። እዚ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ኣቃላዒ ረቛሒ ዝኾነ ሽጋራ ኣብ ምክንኻንን ምቁጽጻር መጠን ሽኮርን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ስለዚ ዘይምትካኽ ወይ ዘይምጅማር ወልፊ ሽጋራ ሓደ ካብቶም ንብሉጽ ንምክንኻን ናይ’ዚ ሕማም ዝሕግዙ ሜላታት’ዩ።ኣልኮላዊ መስተ ዘይምዝውታር፡

- ኣልኮላዊ መስተ’ውን ካብ ምትካኽ ሽጋራ ዘይፍለ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዉዎ። እዚ ከይኣክል መስተ ንሓደጋን ማህረምትን የቃልዕ’ሞ

መበገሲ ረኽስታትን ኣጸጋሚ ቁስልን ይኸውን። መስተ ጠንቂ ምርሳዕን ምምዝባል መድሃኒት ናይ ዝተፈላለዩ ሕዱር ሕማማትን ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ ምግንዛብ የድሊ።እኹል ኣፍልጦ ብዛዕባ ሽኮርያን

ሳዕቤናቱን፡- ሓደ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎ ሰብ ብዛዕባ’ዚ ሕሙም እኹል ኣፍልጦ ክህልዎ ይግባእ። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓገዝቲ ሜላታት ምክንኻን ሽኮርያ ብግቡእ ንኽትገበሩ ምፍላጦም የድሊ። ባህሪ ናይዚ ሕማም፡ ኣወሳስዳ መድሃኒት፡ ዓቐን፡ ሰዓት፡ ምልክታት፡ ሳዕቤናት። ሳዕቤናት ሕማም ሽኮርያ ቅጽበታዊ ወይ ከኣ ቀስ ኢሉ ዝምዕብል ክኸውን ይኽእል። ክሳብ ሃለፍታ ዘብጽሕ ልዑል መጠን ሽኮር ከምኡ’ውን ትሑት መጠን ሽኮር ካብ ቅጽበታዊ ሳዕቤናት’ዮም። ልዑል መጠን ሽኮር፡ መድሃኒት ብግቡእ ብዘይምውሳድ፡ ብስነኣእምሮኣዊ ወጥሪን ረኽስታትን ክስዕብ ከሎ፡ ትሑት መጠን ሽኮር ከኣ ካብ ምብዛሕ ዓቐን መድሃኒት (ኣብ ሓደ ግዜ ዝውሰድ)፡ ኣብ ኣዝዩ ጥሙይ ከብዲ መድሃኒት ምውሳድ፡ ድሕሪ ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መድሃኒት ምውሳድ ገለ ካብቶም ናብ ትሑት መጠን ሽኮር ዝወስዱ ፍጻመታት’ዮም። ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ሕማም ልቢ፡ ዓይኒ፡ ኩሊት፡ ክሳብ መቑረጽቲ መሓውር ከብጽሕ ዝኽእል ረኽስታትን ሕማም ሰራውር ደምን ገለ ካብቶም ቀስ ብቐስ ክምዕብሉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት’ዮም። ምስ ስሩዕ ምክትታልን ምክንኻንን ናይዚ ሕማም ግን ተኽእሎታት ሳዕቤናት ኣዝዩ ይጎድል። ትምህርቲ ሕማም ሽኮርያ ኣብ

ትካላት ጥዕና ይወሃብ’ዩ። ንሓደስቲ ይኹን ነባራት እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት ብስሩዕ ይወሃብ። ኣፍልጦ ካብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ከምኡ’ውን ጽሑፋት ከኣ ክርከብ ይከኣል።

ፈጸጋ ኣብ ቆርበት ዝርከቡ ብዓይኒ ዘይረኣዩ መናፊት ምስ ዝዕበሱ ዝመጽእ ተርእዮ’ዩ። እዞም መናፊት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ቆርበት ብዝፈርዩ ዘይቲ-ሓዘል ፈሳሲ ከምኡ’ውን ብዝሞቱ ዋህዮታት ክዕበሱ ይኽእሉ። ፈጸጋ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ገጽ፡ ክሳድ፡ ደረት ልብን ከባቢ መንኩብን ይርአ። እዚ ከኣ ነዚ ዘይቲ-ሓዘል ዘመንጭዉ ጽክታት ብብዝሒ

ፈጸጋኣብዚ ከባቢ ስለዝርከቡ’ዩ።ፈጸጋ ካብ ግዜ ጉብዝና (ብጽሕና)

ጀሚሩ ብብዝሒ ይርአ። እዚ ከኣ ሆርሞናዊ ለውጥታት ነዞም ዝተጠቕሱ ጽክታት ብብዝሒ ከምዝሰርሑ ስለዝገብር’ዩ። ዝተፈላለዩ ዘይቲ-ሓዘል መመላኽዒ ከምኡ’ውን ገለ ገለ መድሃኒታት ንፈጸጋ ከጋድዱ ይኽእሉ። ስነኣእምሮኣዊ ወጥሪ’ውን ንተርእዮታት ፈጸጋ የጋድድ።

Page 6: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

VACANCY ANNOUNCEMENT

Yemen Airways – Asmara Invites qualified applicants for the following post in Our Company.Post: Quality & Safety Control Manager Education: BA degree in Business Administration or Equivalent Qualification: 1-Advanced Passenger Handling (IATA Standard) 2-Station Management (IATA Standard) 3-Safety and Quality Control Management (IATA Standard)As per IOSA requirement

4-DCS Check-In procedure (SITA System) 5-Load Control, Type A320, A310 &A330 (Manual) 6-Automated Load Control (SITA System) 7-Airline Security (IATA Standard) 8-RAMP Safety (IATA Standard) 9-Dangrous Goods Handling (IATA Standard)Experience: 10 years working experience in Airline Industry & Airport Services.Place of work: Asmara International Airport –Yemenia Station Gender: Male Quantity: 01Age: 35-45Language Skill: Arabic language speaking & writing is preferable Interested applicants are required to submit their application form with CV and credentials to Yemen Airways Main office Asmara, within 10 days from the date of this announcement. Applicants must provide certificate of completion or exemption from National Service.N.B.- Only short listed applicants would be considered as potential candidates for an interview - Application documents will not be returned to applicant.

FLY YEMENIA TO ROME EVERY MONDAY AND FRIDAY –VOLO YEMENIA PER ROMA OGNI LUNEDI E VENERDI

ምልክታ

ምዕራፍ ሓፈሻዊ ኤለክትሮኒክስ ሓ.ዝ.ብ.ማ ብዕለት 15/12/2013 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ሮቤል ኢዮብ ወልደስላሴን ራሄል ኢዮብ ወልደስላሴን ብሓባር ይኹን ብተናጸል ንትካል ምዕራፍ ሓፈሻዊ ኤለክትሮኒክስ ሓ.ዝ.ብ.ማ ንዘይተወሰነ ጊዜ ኣካየድቲ ስራሕ ኮይኖም ከገልግሉ ከምዝተወሰነ የፍልጥ።

ምዕራፍ ሓፈሻዊ ኤለክትሮኒክስ ሓ.ዝ.ብ.ማ

ምልክታ

ኣብ ከባቢ ጎዳይፍ ጎደና ቁ/ገዛ 70 ብቁ/ፍ/ዋኒን፦00021093 ዝተመዝገበ ናይ ድኳን ንግዲ ንግዳዊ ትካለን ብውህብቶ ንኣቶ ኣማን ሃይለ ገብረታትዮስ ስለ ዝሃብክዎ ብሽም ወሃቢ ዝኽፈሎ ዕዳ ኣሎኒ ወይ ይግባኣኒ እዩ ዝብል ኣካል እንተደኣ ሃልዩ፡ እዚ ምልክታ’ዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤ/ፍ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ ናብ ስም ውህብቶ ተረካብ ከምዝማሓላለፍ ነፍልጥ።

ሳራ ዘሚኪኤል ገዘሀይ

ንኻልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ

ናይ ትካልና ንብረት- ዓይነት መኪና VOLKS WAGON- ታርጋ ቁጽሪ ER-3-00688- ቻሲ ቁጽሪ 083240- ሞዴል ናይ 1977 ዝኾነትንጉዱሳት ተጫረትቲ ብዕጹው ጨረታ ኣወዳዲርና ክንሸይጥ ስለዝደለና ግዱሳት ተጫረትቲ ንዕድም።ጨረታ ግዴታታት፦1. ዝተዓሸጉ ናይ ጨረታ ደብዳቤታት ድማ ብኢድ ወይ ውን ብፖስታ ክላኣኹ ኣለዎም።2. እዚ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ኣትሒዙ ን(10) ንዓሰርተ መዓልታት ክፉት ይኸውን።3. ኣብ’ዘን ዝተጠቕሳ መዓልታት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ድማ ንብረትና ንምርኣይ ይከኣል እዩ።4. ተዓዋቲ ብቴሌፎን ክንሕብሮ ኢና። ስለ’ዚ ተጫረትቲ ቴሌፎንኩም ክትሕብሩና ግድን እዩ።5. ተጫረትቲ መኽበሪ ጨረታ ዕስራ ሽሕ (20,000.00) ናቕፋ ብካሽ ከትሕዙ ኣለዎም። ድሕሪ ምክያድ ጨረታ ድማ ተመላሲ ይኸውን።6. ንመንግስቲ ዝኽፈል ቀረጽን ከምኡ’ውን ምትሕልላፍ ንብረት ብዝምልከት ነቲ ተዓዋቲ ይምልከት።7. ትካልና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ ኣይግደድን እዩ።8. ንዝያዳ ሓበሬታ ብቁጽሪ ስልኪ 121589 ተወከሱ።

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኤርትራቁጽሪ ፖስታ ሳንዱቕ 856

ኣስመራ

ምልክታ ጨረታ

ኣብ ትሕቲ ክ/ኢሚግረሽን ዜግነትን ዝመሓደር ቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት ማዕጾን ፍኒስትራን ኣጫሪቱ ክዕድግ ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ንጨረታ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም1. ሊቸንሳ ናይ ሓጺንን ጽርበት ዕንጨይትን ዝተሓደሰ ናይ 2013 ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዞም የቕርቡ።2. ተወዳደርቲ መጫረቲ ሰነድ 100 ናቕፋ (ዘይምለስ) ብምኽፋል ካብ ቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት ይወስዱ።3. ምልክታ ጨረታ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 (ሓሙሽተ) ናይ ስራሕ መዓልታት መጫረቲ ሰነዳቶምን ብCPO ናይ ዘቕረብዎ ዋጋ 10% ብምትሕሓዝ ብዝተዓሸገ ሰታሪት ንቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት የቕርቡ።4. ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ኣብ 6ይ (ሻድሻይ) ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓት 10፡30 ቅ/ቀትሪ ኣብ ቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት ይኽፈት።ቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ይኹን ብምልኣት ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ’ዩ።

ኣድራሻና፦ፊት ቤ/ትምህርቲ ፊንላንድ ሚስዮን’ዩ።ቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት ኣስመራ

ምልክታኣብ ከባቢ ገዛ ባንዳ ጎደና ሰንሒት ቁ.ገዛ 45 ብቁ/ፍ/ዋኒን ASL 00007139 ዝተመዝገበ ናይ ፋግሮን ፈለኛሞን ንግዳዊ ትካለይ ናብ እሲ ሓ.ዝ.ብ.ማ የመሓላልፎ ስለዘለኹ፡ ብስመይ ወይ ብትካለይ ዝኽፈሎ ዕዳ ኣለኒ ወይ ይግበኣኒ’ዩ ዝብል ኣካል እንተሃልዩ፡ እዚ ምልክታ’ዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤ/ፍ ተቓውምኡ ከቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ ናይ ስም እሲ ሓ.ዝ.ብ.ማ ከም ዘመሓላልፎ የፍልጥ።

ወ/ሮ ቅድስቲ ርእሶም ሰለሙን

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ኣብ መንጎ ከሳሲ መንሱር ስዒድ ሓቀዲንን ተኸሰስቲ 1.ሸዊት ዓንደሚካኤል ካሕሳይ +4 ናይ ኣቦነት ምርግጋጽ ክሲ ስለዘቕረበ፡ ተኸሰስቲ 1.ሳባ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ 2.ኣማኑኤል ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ኣድራሽኦም ስዊዘርላንድ ኮይኑ ንጹር ኣድራሻ ስለዘይተፈልጠ፡ ን21/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ብኣካል ወይ ብወኪል ይቕረቡ። እንተዘይቀረቡ ግን ጉዳዩ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ሑርያ ዓብዱ ሳልሕ ምባል ተሪፉ፡ ፌሩዝ ዓብዱ ሳልሕ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ከሳሲት ወ/ሮ ዮርዳኖስ ሰለሙን ተስፋገርጊስ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ዮሴፍ በየነ ትኳቦ ኣብ መንጎ ከሳሲትን ተኸሳስን ዘሎ ናይ ሓዳር ጉዳይ ተኸሳሲ ብኣድራሽኡ ክርከብ ስለዘይከኣለ ን24/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮ/ል ሓድሽ ስዩም፡ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ገነት ኣስፍሃ ገብረሂወት ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ኣማኑኤል ሃይለሚካኤል ቦኽረ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ኣልሰይድ ናዝህ ዝነበረ ናይ መሸጣ ውዕል ናይ ገዛ መኪና ቁ.ሰሌዳ ER-1-28905

ቁ.ቻሲ ST154EP8200015242 ዝኾነት ስም ከየመሓላለፈለይ ስለዝኸደ፡ ተኸሳሲ ን19/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ጉዳዩ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

መሪ መለስ ቴዎድሮስ፡ ኣደይ ወ/ሮ ሳራ ተስፋሃንስ ምራጭ ጥፍእቲ ስለዝኾነት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲታ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ኣልዶ ቺሮቸራ፡ ኣደይ ወ/ሮ ኣማረሽ ገብረመድህን ብርሃነ ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲኣ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማእከል ከተማ

ኣብ መንጎ ከሳሲ ፍስሃየ ገብረስላሴ ተወልደን ተኸሳሲ ክብሮም የውሃንስ ኮረሪን መኪና ታርጋ መኪና ER18038 ቁ.ቻሲ YN570051335 ዘሎ ናይ ስም ምትሕልላፍ ጉዳይ፡ ተኸሳሲ ኣብ ሃገር ስለዘየለ ን21/3/14 ሰዓት 8፡00 ንግሆ ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣብዘየወሉ ውሳነ ክህብ ምዃኑ ይሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ 4 ኣስመራ

ሮቤል ክብሮም ተወልደ፡ ኣቦና ክብሮም ተወልደ ተስፋሚካኤል ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 1 ሓፍተይ ወረስቱ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 7: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 7

VACANCY ANNOUNCEMENT Bisha Mining Share Company is inviting applicants for the following positions for Bisha site project;

1. Chief Exploration Geologist (01) Major Duties and responsibilitiesØ Project Management-Technical-Oversee ongoing exploration programs-provide guidance to SrØ Exploration Geologists responsible for day to day activities of the program.plan longer term aspects of the program-monitor schedule,recommend changes if required. Ensure compliance with quality assurance & quality control procedures.ØProject management-Administrative-provide effective reporting and communication of activities;maintain cost-control checks and balances;monitor costs.Ø Acting Manger –during periods when the Exploration manager is off site--manage Techical and Administrative aspects of the department –manage ongoing exploration programs,budget, and schedule; provide effective communication to Senior Management,operations other departments government authorites,partner,and contractors.Ø Exploration Program generation and design-review recommendations for additional and future work through technical evaluation of current and historical data.Identify,evaluate and recommend exploration opportunities in keeping with exploration strategies and budget.

Profile: Qualifications and Experience

F o r m a l Education,Certification or Equvalents

Professional Geologist Registration Bachelor of Science (“BSc”) in Geology

Working Experience-Nature & Length

Minimum 15 years Exploration ExperienceMinimum 5 years Volcanogenic massive Sulphide (“VMS”) Base Metal Sulphide experience

Leadership Experience-Nature & length of time

Minimum 5 years supervisory experienceKey contributor to exploration successes

Other skills and abilities Technical expertise in GIS and 3-D modelling .Demonstrated technical competence in all aspects of exploration planning and implementation

2.Process Plant Flotation Training SupervisorNumber Required: 01 For definite period (1 year)

Position Overview and Key Responsibilities:• Evaluate the performance of the flotation circuit• Guide, mentor, support the national operating staff.• Evaluate the performance of the national operating staff, producing written and verbal recommendations.• Work on-shift coordinating flotation training while maintaining the integrity of the circuit.

Profile: Educational Qualifications and ExperienceFormal Education, Certifications or Equivalents

Certification in process operations is advantageous but not mandatory but must have prior experience as process trainer

Working Experience – Nature & Length

The candidate must have a minimum of 10 years process plant experience including at least 5 years work with flotation circuits.

L e a d e r s h i p Experience Natural & length of time

5-8 years in a process plant supervisory rolr.

Other skills and abilities

Must liaise with various departments including the process plant trainer.

General Information and other requirements:

• Place of Work: Bisha site.• Type of contract: Fixed• Salary: As per Company salary scale.• Additional requirement for Nationals: • Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. • Present clearance paper from current/last employer • Testimonial documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your National Identity Card etc.).• Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an interview.• Application documents will not be returned back to sender and.• All applications should be sent through the post office• Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.• Address: Please mail your applications to; Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea

Note to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to Ministry of Labor and Human Welfare Department of Labor P.O.BOX 5252, Asmara, Eritrea

Invitation for Bids (IFB) Name of Country: EritreaName of Project: Global FundGrant No: ERT-910-G07-MDate: February 18, 2014IFB Title: Procurement tyres for Ambulances IFB Number: NCB 01/2014

The Ministry of Health of the State of Eritrea has received a grant from the Global Fund towards the cost of HIV/AIDS, Malaria, and TB Project. It is intended that part of the proceeds of this grant will be applied to eligible payments under the contract for Procurement of tyres for Ambulances.

The Project Management Unit of the Ministry of Health now invites sealed bids from eligible bidders for the supply of the above mentioned items.

Bidding will be conducted through the NATIONAL Competitive Bidding (NCB) procedures specified in the Global Fund Guidelines:

Interested bidders may obtain further information from PMU, Ministry of Health and inspect the Bidding Documents at the address Procurement Office, PMU, Ministry of Health, Denden Street No.82, Asmara, Eritrea; Tel: 291-1-122978, Fax: 291-1-124357 from 08:00 to 12:00 hours.

A complete set of Bidding Documents in English language may be collect by interested bidders on the submission of a written Application to the address.

Bids must be delivered to the Procurement Office, PMU/MOH, Denden Street # 82, Asmara, Eritrea; Tel: 291-1-124360/122978, Fax. 291-1-124357, on or before 15:00 hrs on March 4, 2014 sealed envelope.

Late bids will be rejected. Bids will be opened in the presence of the bidders’ or bidders representatives who choose to attend at 15:00 hrs on March 4, 2014 at PMU (MOH), Conference Room.

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ኣቶ መሓሪ ወልደኣብዝጊ ሕድረሚካኤል፡ ኣደና ነገሰት ዕቕቡ ዓንዱ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይን 12 ተተካእቲ ደቂ ኣሕዋተይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ

ፖራዲዞን ጸጸራትን

ወ/ሮ ግደይ ሳሙኤል ሳህሉ፡ ወላዲና ሳሙኤል ሳህሉ መድሃኔ ስለዝሞተ፡ ንበዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ቅዱሳን ወልዱ ናይ መጻምዲ መሰለን ክሕለወለን፡ ኣነ ምስ 10 ኣሕዋተይ ድማ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም

እንተሎ፡ ን21/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ይርጋኣለም ገብርኣብ ኣዲግ፡ ወላዲተይ ወ/ሮ ኣመተ ተስፋልደት ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሳሲት ወ/ሮ ጽገ ተስፋሚካኤል እምባየ፡ ተኸሳሲ በዓል ቤተይ ኣቶ ወልዳት ሓጎስ ወልዱ በዓል ሓዳረይን በዓል ሕጋዊ ቃልኪዳነይን ኔሩ እንተኾነ ካብ 2008 ጀሚሩ ካብ ሃገር ወጺኡ ኣበይ ከምዘሎ ኣድራሽኡ ስለዝጠፍኣኒ፡ ጉዳየይ መዕለቢ ክግበረሉ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ን21/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዞባ ዓንሰባ

ዓዲተከሌዛንኣቶ መብራህቱ ኣሰፋሃ ዕዋል፡ በዓልቲ ቤተይ ሃንሱ ተኽለሃይማኖት ጋብር ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 8 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/2/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ጋሽ ባርካ ተሰነይ

ዑስማን ኢብራሂም ኢብራሂም ምባል ተሪፉ፡ ዑስማን ኢብራሂምዓዋድ ኢብራሂም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ፎኖት ሕሩይ ኣብርሃ ምባል ተሪፉ፡ ፍኖት ሕሩይ ኣብርሃ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ምልክታ ጨረታትካልና ሊሎ ትራንስፖርት ሃይከልን ካላብረዘን ዝዓይነተን ተሳሓብቲ ብዘለውኦ ኩነታትን ኣብ ዘለውኦ ቦታ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ፡ ተጫረትቲ ይዕድም።

ክማልኡ ዘለዎም ሓበሬታን ረቛሒታትን1. ዝተሓደሰ ናይ ንግዲ ፍቓድ የቕርቡ።2. ጨረታ ክሳብ ዕለት 4/3/2014 ክፉት ይኸውን።3. ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ንጽባሒቱ ዕለት 5/3/2014 ተጫረትቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዘለውሉ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ጽ ሊሎ ትራንስፖርት ጎደና ባዳ ቁ.19-23 ከባቢ ኤክስፖ ሆቴል ይኽፈት።4. መኽበሪ ጨረታ 50,000.00 ናቕፋ ብCPO ይተሓዝ።5. መቕረቢ ጨረታ ካብ ክፍሊ ንግዲ ምውሳድ ይከኣል።6. ንዝያዳ ሓበሬታ ብቁ/ስልኪ 184499 ምውካስ ይከኣል።7. ሊሎ ትራንስፖርት ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ ኣይግደድን።

ሊሎ ትራንስፖርት ሓዝብማ

ምልክታ ጨረታምምሕዳር ዞባ ማእከል መሳርሒ ጽሕፈትን (ስተሽነሪ) መሳርሒ ጽሬት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ግቡእ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ይዕድም። ዝርዝር ናይ ዓይነትን ብዝሕን ካብ ኣሃዱ ዕድጊ ቁ.39 ምውሳድ ይከኣል። ተጫረትቲ ዝተሓደሰ ናይ 2012 ፍቓድ ንግዲ የቕርቡ። ተጫረትቲ ኣቐዲሞም መኽበሪ ጨረታ ናቕፋ 10,000.00 ብቸክ C.P.O የትሕዙ።ኣብ ጨረታ ዝተገልጸ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተኸፍተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን20 መዓልታት ዝጸንሕ ይኸውን። ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ን10 መዓልታት ስራሕ ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ኣብ መዓልቲ ስራሕ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ተጫረትቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ ይኽፈት።ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብኽፋሉ ንምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል

Page 8: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 8

ስነጥንታዊ ኩዕታ ኣብ ኣዱሊስ

ብ ታእዛዝ ኣብርሃ

Page 9: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 9

የማነ ሃይለ

ተማሃሮ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይንገረብ ምቝራጽ፡ ከም ሰብ

ምቕታል ዝምስልዎ ሰባት ኣለዉ። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ገረብ ምትካል እውን ከም ሰብ ምፍራይ ክቑጸር ይኽእል እዩ ማለት እዩ። ዓመታዊ ኣብ ወርሓት ክረምቲ ብተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝካየድ ኣግራብ ናይ ምትካል ዕማም እምበኣር ካብዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ዝብገስ እዩ። እዚ፡ ናብ ተማሃሮ ኮሌጃት ልሒሙ ክትሰምዕ እንከለኻ ከኣ ዝያዳ ዘሕጉስ እዩ።መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ካብ

ጽባሕ ናጽነት ጀሚሮም ሃገሮም ብኩሉ መልክዓታ ውቅብቲ ንምግባራ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ጸኒሖምን ይሰርሑ ኣለዉን። ሓደ ካብቲ ጉሉሕ ኣብነታት ናይዚ፡ እቲ ዓመታዊ መንግስትን መንእሰያትን ኢደይ ኢድካ እናበሉ ዘሰላሰልዎ ናይ ክረምቲ ማእቶት እዩ። መዛግብቲ ከምዝሕብርዎ፡ ልዕሊ

30 ሚእታዊት ካብ መሬት ናይዛ ሃገር ብዕሙር ኣግራብ ዝተሸፈነ እዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ብሰንኪ ነዊሕ ኲናትን ተኸታታሊ ደርቅን ካልኦት ረቛሒታትን፡ እዚ ኣሃዝ’ዚ ሓደ ክፍለ-ዘመን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ናብ ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት እዩ ወሪዱ። ነዚ ኩነት’ዚ ንምቕያር፡ መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኩሎም ዜጋታት ዘበርክትሉ ናይ ምግራብን መሬት ፍርያም ናይ ምግባርን ጥንቁቕ መደብ ኣበጊሱን ትግባረኡ ብውሕሉል ኣገባብ ወዲቡን ክሰርሕ ጸኒሑ ኣሎ።ኣካል ናይዚ ዕማም’ዚ ዝኾነ

ማእቶት፡ ዓመት ምሉእ ብነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዝካየድ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ግን ኩሉ ግዜ ክረምቲ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ (መብዛሕትኡ እዋን ታሽዓይን ዓስራይ ክፍሊ) ክዓምዎ ከለዉ እዩ ደሚቑ ዝረአ። እዚ፡ መንግስቲ ባህርያዊ ብዙሕነትን ንቡር ህይወት ሃገርን ንምምላስ ኣብ 1994 ዘበገሶ መደብ’ዚ ዛጊት ኣቃሊልካ ክረአ ዘይከኣል ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። እዚ ብተማሃሮ ዝሰላሰል መደብ’ዚ፡ ፈልሲ ኣግራብ ካብ ምትካል ክሳብ ካልኦት ሓመድን ማይን ናይ ምዕቃብ ስራሓት ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀዳሚ ዕላምኡ፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዝመጹ ተማሃሮ ስለዝሳተፍዎ፡ ሓድሕዳዊ ቋንቋታትን ባህልታትን ናይ ምልውዋጥ ምቹእ ዕድል እውን እዩ። ክሳብ ሕጂ (ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት) ኣዝዩ ግዙፍ ዓቕሚ ሰብን 173 ሚልዮን ናቕፋን ኣብዚ መደብ’ዚ ከምዝወዓለ እዩ ሰነዳት ሚኒስትሪ ትምርህቲ ዘመልክት። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ባህርያዊ ወጅህ ናይዛ ሃገር ዓቢ

ፍልልይ ኣምጺኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መንእሰያት ዜጋታት ዘይነዓቕ ምትእስሳር ከምዝፈጠረ’ውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።ከምኡ ካብ ኮነ ደኣ’ሞ፡ ምግራብ

ወይ ብዓቢይኡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንምንታይ ናብ ተማሃሮ ጥራይ፡ ካብኡ ናብኡ’ውን ንምንታይ ናብ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ጥራይ ይዛዙ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ።ተማሃሮ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ

ኤርትራ እምበኣር ካብዚ ሕቶ’ዚ ዝተበገሱ እዮም ዝመስሉ። ንሳቶም፡ ብ20ን 21ን ጥሪ ኣብቲ ከባቢ ናይቲ ኮሌጅ ኣብ ዝርከብ ዓድታት ሰፊሕ ሓመድን ማይን ናይ ምዕቃብ ስርሓት ኣሰላሲሎም። እቲ ስራሕ ፈላሚ ናይ መደባት 2014 ደኣ’ምበር ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነ፡ የግዳስ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ’ውን ወደብቲ ናይቲ ማእቶት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ ማእቶት

ንጹር ኮይኑ ማለት፡ ከምቲ ኩሉ ዜጋ ዝቃለሰሉ ዘሎ፡ ማይን ሓመድን ዓቂብካ ፍርያምነት ሓመድ ክብ ከምዝብል ምግባር ክኸውን እንከሎ፡ ተማሃሮ ኣብ ቀለማዊ ትምህርቲ ጥራይ ከይተሓጽሩ ኣካላዊ ስርሓት ኣሰላሲሎም ክዓግቡን ንከባቢኦም ጓና ገይሮም ኣብ ክንዲ ምጥማት፡ እቲ ዕማም ንሕብረተሰብ ጥራይ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ንምዝኽኻሮም’ውን ሓጋዚ እዩ።እዚ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ስራሕ

ብቐንዱ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዓዲ ሃሎን ዓዲ ከፈለትን ብምምሕዳር ዞባ

ማእከል ዝስራሕ ዘሎ ዲጋ እምባ ጠቐራ ካብ ድበት ንምክልኻል ዝዓለመ ናይ ከትርታትን ዛላታትን ስራሕ እዩ ነይሩ። እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ከትርታትን ዛላታትን ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታታት ብምዃኑ ከኣ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን እውን ናቱ ተራ ኣለዎ። ኣብቲ ጸዳፍ ከባቢታትን ማይ ክዖታትን ናይቲ ከባቢ ከኣ፡ ኣብ ዝመጽእ ክራማት ሰፊሕ ናይ ምግራብ መደብ ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።ኣብዚ ውሑዳት ብሕማምን

ካልእን ምኽንያት ዘይተረኽቡ ተማሃሮ ገዲፍካ፡ ካብቶም 5470 ተማሃሮ ልዕሊ 90 ሚእታዊት

ዝተረኽብሉ፡ ብኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ማይ ነፍሒ፡ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሕን ምምሕዳር ናይቲ ንኡስ ዞባን ዝተወደበ ስራሕ’ዚ፡ 100 ሄክታር ከትርን ቅናታዊ ዛላን ክስራሕ እንከሎ፡ ካብቲ ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈረ 5384 ዓቕሚ ሰብ እተን 1854 ደቀንስትዮ ምንባረን ድማ ኣዝዩ ዘተባብዕ እዩ።ነቲ ስራሕ ንምትብባዕን

ንምዕዛብን ምክትል ፕረዚደንት ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ

ኣቶ ተስፋሚካኤል ሃይለ ዝርከቦም ሓለፍቲ ምምሕዳርን ሕርሻን ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ቦታ

ስራሕ ተረኺቦም ምንባሮም ከኣ ሓላፊ ኣከባብን ልምዓትን ናይቲ ኢንስቲትዩት መምህር ጎይትኦም ሃይለ ሓቢሩ። እቲ ስራሕ ካብ ዝጅምር ክሳብ ዝውዳእ ብክኢልታት ሕርሻ እናተመርሐ ከምእተሰላሰለ እውን መምህር ጎይትኦም ወሲኹ ኣረዲኡ።ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ከባቢ ዲጋ ማይ ነፍሕን ሕዙእ መሬት ሕምብርትን ተመሳሳሊ ልምዓታዊ ስርሓት ኣካዪዱ ነይሩ እዩ። ሻቡ ዝተፈላለየ ዓይነታት ዛላታት ኣብ ርእሲ ምስርሖም፡ ፈልሲ ዝትከለሉ ጎዳጉዲ ንተማሃሮ ክረምታዊ ማእቶት ድሉው ገይሮም።መምህር ጎይትኦም ሃይለ

ድሕሪ’ቲ ስራሕ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሓምላይ ገረብ ክርኢ ዘይደሊ ሰብ ክህሉ ከምዘይክእል፡ ባዕሉ ተኺሉን ኮስኲሱን ውቁብ ገረብ ክርኢ ዝብገስ ሰብ ግን ውሑድ ምዃኑ ብምምልካት፡ እዚ ብተማሃሮ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ከባቢኻ ናይ ምልማዕን ናብ ሓምላይ ናይ ምቕያርን ተበግሶ፡ ኣብ ኩለን ኮሌጃት ክልሕም ተላብዩ። እቲ ዕማም ንተማሃሮ ጥራይ ዝግደፍ ምስዘይምዃኑ ከኣ፡ ኮማትን ዓድታትን ብዝተረረን ዝተወደበን መልክዕ ከባቢአን ናብ ሓምላይ ክቕይራ እግረ መንገዱ ከየዘኻኸረ ኣይሓለፈን።ኣብ መወዳእታ ከኣ ተማሃሮን

ምሉእ ማሕበረ-ሰብን ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ስለቲ ዝወስድዎ

ዘለዉ ኣብነታዊ ስራሕ ምስጋንኡ ብምቕራብ ፍረ ድኻሞም ዝኾነ ዕሙር ኣግራብ ክሳብ ዝርእዩ ሰልኪዩና

Page 10: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 10

- ሃብቶም ጸጋይ -

ሽወደናዊ ኣጥቃዓይ ፒኤስጂ ዝላታን ኢብራሂሞቪች (ኢብራ) ፣ ኣብ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ እንተዝጻወት ዓብላልነተይ ዝያዳ መርኣኹ ነይረ’ ክብል ገሊጹ። ኣብ ሃገራት ሆላንድ፣ ኢጣልያ፣ ስጳኛን ፈረንሳን ብምጽዋት ብሉጽነቱ ዘመስከረ ዝላታን ኣብ ፕሪመር ሊግ ክጻወት ከምዝብህግን ክሳብ ሕጂ ዘይምጽዋቱ ኣዝዩ ከምዝገርሞን ሓቢሩ። ኣብ እንግሊዝ ልዕሊ ኣርባዕተ ብሉጻት ክለባት ከምዘለዋ ዝገለጸ ኢብራ ‘ኣብ ፕሪመር ሊግ ክሳብ ሓሙሽተ ስምን ዝናን ዘለወን ብሉጻት ክለባት ኣለዋ፣ ኣነ ኣብ ሓንቲአን እንተዝጽንበር ግና ሓንቲ ኣዝያ ብልጽቲ ክለብ ምሃለወት’ ክብል ኣረዲኡ።

‘ኣብ ፕሪመር ሊግ እንተዝህሉ መትሓዚ ምተሳእነኒ’ ኢብራ

ኣብ ግዜ ንእስነቱ ምስ ኣርሰናል ንምጽንባር ተቓሪቡ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ዝላታን፣ እቲ መስርሕ ምስግጋር ክሰልጥ

ዘይከኣለ ብሰንኪ ኣሰልጣኒ ኣርሰን ቨንገር ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ ‘ኣብዚ ግዜ’ዚ መን ከምዝጠዓስ ንኹሉ ርዱእ’ዩ፣ ኣነ ዘይኮንስኩስ ቨነገር’ዩ’ ብምባል ወሲኹ ገሊጹ። ብዘለዎ ልዑል ርእሰ ተኣማንነት ዝልለ ኢብራሂሞቪች ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ‘እቲ ዝበለጸኩ ተጻዋታይ ኣነ’የ ሽልማት ባላንዲኦር ኣየድልየንን’ዩ’ ክብል ኣገረምቲ ርእይቶታት ምሃቡ ዝዝከር ኮይኑ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ለቨርኩሰን (ኣብ ግጥማት ቻምፕዮንስ ሊግ) ብጸጋማይ እግሩ ንዘመዝገባ ብልጽቲ ሸቶ ኣመልኪቱ ከኣ፣ ‘ሰባት ብጸጋመይ ብርቱዕ ቅላዕ ብምህራመይ ተደኒቖም፣ እዚ ንዓይ መስሓቕ’ዩ ምኽንያቱ ክልቲአን ኣእጋረይ ብሉጻት ምዃነን ዘንጊዖም ስለዘለዉ’ ብምባል መሊሱ።

ደቪድ ቤክሃም ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ወፍሪ

ብምክያድ ‘ሚያሚ ዩናይትድ’ ዝሰመያ ሓዳስ ጋንታ ምዕዳጉ ይፍለጥ። እዛ ሓዳስ ጋንታ ኩሉ ምድላዋታ ኣጻፊፋ ንጸወታ ድልው እትኾነሉ ግዜ ዓመተ 2016 እኳ እንተኾነ፣ ወናኒኣ ቤክሃም ግና ብሉጻት ተጻወትቲ ንምጥራናፍ ካብ ሕጂ ኣዒንቱ ናብ ፖርቱጋላዊ ክሪስቲያኖ ሮናልዶን ስጳኛዊ ዣቪ ሀርናንደዝን ኣቋሚቱ ከምዘሎ ይሕበር ኣሎ። ‘ልክዕ እታ ጋንታ ኣብ 2016-2017 ኣብ ዝጅመር

ቤክሃም ንሮናልዶን ዣቭን ክጥርንፍ ይሓስብ

ውድድራት’ያ ክትጻወት፣ ቤክሃም ድማ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓዳስ ጋንትኡ ብስሙያት

ተጻወትቲ ዝተኸበት ክትከውን ድሌት ኣለዎ’ ክብል መቕርብን ኣማኻርን ቤክሃም - በርፎርድ ይገልጽ። ምስ ባርሳ ክሳብ 2016 ውዕል ዘለዎ

ዣቪ ኣብ 2016 ወዲ 34 ዓመት ዝመልእ ምስ ምዃኑ ናብ ኣመሪካ ክመጽእ ንምትርራፉ ንቤክሃም ብዙሕ ፈተነ ከምዘይኮኖ ይንገር። እንተ ጉዳይ ሮናልዶ ግን እንድዒ! ክብሉ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ይእምቱ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ፕሮፌሽናል ጋንታ ኤምቲኤን ኩቤካ ዝጻወት ዘሎ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ምስ መርበብ ሓበሬታ ክለቡ ዘካየዶ ሓጺር

ዳንኤል ምስ መርበብ ሓበሬታ ኤምቲ.ኤን ኩቤካ

ሕቶን መልስን እንሆ፣-ኣዝዩ ዝመሰጠካ ውድድር፣ ቮልታ

ስጳኛ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣውራ

እትዝክራ ዕለት፣- ኣብ 2009 ዝተኻየደ ቱር ዲ ላ’ቪየር፣ ሻምፕዮን ኤርትራ 2012፣ ኣብ ህይወትካ ጸለውቲ ዝኾኑ ኣካላት፣

ቤተሰበይእተድንቖ ተቐዳዳማይ፣ ኣልበርቶ

ኮንታዶርን ፋብያን ካንቸላራንተቐዳዳማይ እንተዘይትኸውን እንታይ

ምኾንኩ ኢልካ ትሓስብ፣ እንድዒ ኣይፈለጥኩንእተዘውትሮ ካልእ ዓይነት ስፖርት፣

ቮሊቦልን ምሕንባስንካብ ፈይስቡክን ትዊተርን እንታይ

ትጥቀም፣ ፈይስቡክ፣ ትዊተር ግና ኣይጥቀምን’የ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብ ሜዳ ወጻኢ ዝለዓለ ሸፈነ ዝወሃቦ ዘሎ ንፍዂሰትን ብዕልግናን ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ኣርሰናል ኦሊቬየ ጂሩ ዝምልከት ዜና’ዩ። መደበር ስፖርት ስካይ ንእዋናዊ ጉዳይ ጂሩ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝሓልፉ ዓሰርተ ዓመታት ተመሳሳሊ ተርእዮታት ዝፈጸሙ ስፖርታውያን ዘርዚሩ ኣሎ። ገለ ካብቶም ኣዝዩ ግኑን ስም ዘለዎምን ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ብሕቡእ ኣብ ዝዘሩሉ እዋን ዝተቓልዑ ሰብ ዝና ስፖርታውያን ንምጥቃስ፣-

• ታይገር ዉድስ - ተጻዋታይ ተኒስ ባይታ ቁጽሪ ሓደ ሃብታም ስፖርተኛ ዓለምና ታይገር ዉድስ ካብታ ንነዊሕ እዋን ‘እምንቲ’ በዓልቲ

ቤቱ ዝነበረት ተሓቢኡ ምስ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ ርክባት ከምዘካየደ ድሕሪ ምቅልዑ ሓዳሩ ንፋስ ከምዘኣተዎን ብፍትሕ ከምዝተዛዘመን ይዝከር። ታይገር ዉድስ ተግባራቱ ኣብ ዝተቓልዓሉ እዋን ኣዝዩ ከምዝሓዘነን ቀንዲ ምኽንያት መባዕለጊኡ ድማ ወልፊ ጾታዊ ርክብ ከምዝኾነን ኣብ ግዜኡ ዝተገልጸ ጉዳይ’ዩ።

• ራያን ጊግስ- ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድኣብ ሜዳ ብዘርእዮም ምንቅስቓሳትን ምእዙዝ ጠባይን ንልዕሊ 20 ዓመታት ተፈታውነቱ

ዘየጉደለ ጊግስ፣ ምስ ሰይቲ ሓው ንልዕሊ 8 ዓመታት ዝጸንሐ ሕቡእ ርክብ ከምዝነበሮ ድሕሪ ምቕልዑ ስሙ ከምዝተበለለ ዝዝኸር ኮይኑ፣ በደሉ ብምእማን ንሓዉ ወግዓዊ ይቕሬታ ከምዝሐተተ ይፍለጥ። ጊግስ ሽሕ’ኳ ንሓዳሩ ካብ ምፍራስ ከድሕን እንተኽኣለ ምስ ሓው ንዝነበሮ ርክብ ግን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከምዝተበትከ መቕርቡ ይምስክሩ።

• ቶኒ ፓርከር - ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣመሪካምስ ክለብ ሳን ኣንቶኒዮ ስፐርስ ዝጻወት ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣሜሪካ ፓርከር

ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ምስ ተላሃዪት ሙዚቃ ዝኾነት ጎርዞ ዝመስረቶ ሕቡእ ርክብ ዝተቕልዐ ባዕሉ ብጌጋ ብዝጸሓፎ መልእኽቲ’ዩ። ናብታ ምስጢራዊት ውሽማኡ ዝለኣኾ መልእኽቲ ብጌጋ ናብ በዓልቲቤቱ ድሕሪ ምብጽሑ ሕቡእ ርክቡ ክኽሻሕ ከምዝኸኣለ ይንገር።

• ጆን ቴሪ፣- ተኸላኻላይ ቸልሲሓለቓ ጋንታ ቸልሲ እንግሊዛዊ ጆን ቴሪ ምስ ናይ ቅድም በዓልቲቤት መጻውትቱ ነበር ዋይን

ብሪጅ ርክብ ብምክያዱ ኣብ ባእሲ ከምዝተጸምዱን ኣብ ቅድሚ ካሜራታት ድማ ሰላምታ ከምዝተነጻጸጉን ይዝከር።

እቲ ካልእ ገጽ ስፖርታውያን

• ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ልዊስ ቫን ጋል ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ናብ ውድድራት ፕሪመር ሊግ ከቕንዕ ከምዝኽእል ዘእንፍት ርእይቶ ወስ ኣቢሉ። ‘ድሕሪ ዋንጫ ዓለም ናብ ፕሪመር ሊግ’ ክብል ዋዛ ሓዘል መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ቫን ጋል ንክለብ ቶተንሃም ንምስልጣን ኣብ ዝርርብ ከምዝርከብ ጋዜጣታት እንግሊዝን ሆላድን ይገልጻ።• ንዋይን ሩኒ ሰሙናዊ 300

ሽሕ ፓውንድ እናኸፈለት ከተጻውት ዝተሰማምዐት ማንዩናይትድ ሓደስቲ ተጻወትቲ ንምፍራም ትሸባሸብ ከምዘላ ብመንገዲ ኣሰልጣኒኣ ዴቪድ ሞየስ ገሊጻ። ኣብ ክራማት ኣብ ኣዝዩ ንጡፍ ዝኾነ ሸመተ ተጻወትቲ ከምእትጽመድ ዝተሓበረላ ዩናይትድ ንኣከፋፋሊ

እንታይ ከ ይበሃል ኣሎ?

ዶርቱሞንድ ጎንዶጋን ብቐዳምነት ከተፈርም ከምእትኽእል ይግለጽ።• ወናኒ ቸልሲ ሮማን

ኣብርሃሞቪች ንናይ ቅድም ተጻዋታይ’ታ ክለብ ዲድየር ድሮግባ ናብ ስታምፎርድ ብሪጅ ክመልሶ ይህቅን ከምዘሎ ተገሊጹ። ድሮግባ ናብ ቸልሲ ክምለስ ዝድለየሉ ምኽንያት ንምጽዋት ዘይኮነስ ከም ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ብምዃን ኣብታ ክለብ ንምስራሕ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር። ኣብ ቸልሲ ብሉጽ ግዜያት ዘሕለፈ ድሮግባ ሎሚ ንጋንትኡ ጋላታሳራይ ወኪሉ ኣንጻር ቸልሲ ክጻወት’ዩ።• ብጉዳይ ነይማር ኣብ ነውጺ

ዝቐነየት ስጳኛዊት ዓርሞሸሽ ክለብ ባርሳ 11.1 ሚልዮን ፓውንድ ክትከፍል ብቤት ፍርዲ ከምዝተበየነላ ተሓቢሩ። ኣብ መስርሕ

ምስግጋር ነይማር ምድንጋራት ተፈጢሩ ዝብል ክሲ ዝተምስረተላ ባርሴሎና ገበነኛ ኮይና ብምጽንሓ ነዚ ገንዘብ ክትከፍል ኣብ ስጳኛ ዝርከብ ቤትፍርዲ በይኑ።• ፈረንሳዊ ተኸላኻላይ

ኣርሰናል ባካሪ ሳኛ ክለቡ ሓድሽ ውዕል እንተዘይቀሪባትሉ ካብታ ጋንታ ክወጽእ ከምዝኽእል ኣሚቱ። ኣብዚ ዝመጽእ ክረምቲ ውዕሉ ዘብቅዕ ሳኛ ወሰኽ ደሞዝ ብምግባር ኣብታ ጋንታ ዘጽንሖ ውዕል ክፍርም ድሌት ከምዘለዎ’ኳ እንተሓበረ ብወገን ኣርሰናል ግን እወታዊ ምላሽ ከምዘየለ’ዩ ዝንገር። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሳኛ ዝሓተቶ ጠለብ ብሓለፍቲ ኣርሰናል ተቐባልነት ብዘይምርካቡ ከምዝኾነ ይሕበር።

ዓንዶም ጸጋይ

Page 11: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 11

ስፖርት ዮናታን ገብርሂወት[email protected]

ንሓይሊ ጸወታ ፕሪመር ሊግ ዝተገንዘበ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣርሰን ቨንገር፡ ክሳብ መወዳእታ ጸወታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ዝካየድ ተዓዋቲት ፕሪመር ሊግ ቀልጢፋ ትልለ ኮይና ከምዘይትስምዖ ኣሚቱ። ቨንገር፡ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝተሰላሰለ ጸወታ እተን ኣብ ቅድሚት ዝግስግሳ ዘለዋ ክለባት ድሕሪ ምዕዋተን እዩ ነዚ ናይ ትንቢት ቃል ዘስምዐ። መራሒት ዘላ ቸልሲን ኣብ ራብዓይ ደረጃ እትርከብ ሊቨርፑልን

ቨንገር፡ ፕሪመር ሊግ ብድራማዊ መልክዕ ክዛዘም ይንበብኣርባዕተ ነጥቢ ጥራይ ክፈላለያ እንከለዋ፡ ኣርሰናል ብሓደ፡ ማንቸስተር ሲቲ ድማ ብሰለስተ ነጥቢ ተፈልየን ይርከባ።ኣርሰናል ኣብ ውሽጢ ክልተ ቕነ

ናይ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት፡ ኣንጻር ቶተንሃም፡ ቸልሲን ማንቸስተር ሲቲን ክትገጥም እያ። እምነት ቨንገር ከኣ ዋንጫ ናይ ምዕታር ቅልስ ጽንኩር ምዃኑ ይግለጽ። “እቲ ናይ መወዳእታ ጸወታ ወሳኒ ክኸውን’ዩ ዝመስል። እንታይ እዩ እቲ ርጉጽ እኳ፡ ዋላ ሓደ ዝፈልጥ ሰብ የለን። እታ ዝለዓለ ጽንዓት ዘለዋ ጋንታ ካብ ሕጂ ጀሚራ ከተተግብሮ’ያ” ብምባል፡ ቨንገር ንተጻዋታይ’ዩ ዝተዛረቦ’ዩ። ንሱ፡ “ንኹሉ ሰብ ዓቢን ኣሸጋሪን ጸወታታት ኣለዎ። ብሓፈሻ ፕሪመር ሊግ ንኹሉ ኣጸጋሚ’ዩ፣ ስለ’ዚ ኣብ ብቕዓትና ጥራይ ነተኩር” ክብል ድማ ይውስኽ።ብቨንገር እትእለ “ዘ ጋነርስ” ብቐዳም፡

ካብ ሰለስተ ናይ ፕሪመር ሊግ ጸወታኣ

ፋልማይ ዓወት እያ ኣመዝጊባ። ኣብ ሜዳኣ ኢመረይትስ ንሳንደርላንድ 4ብ1 ስዒራታ። በዚ ድማ እቲ ኣሰልጣኒ፡ ጋንታኡ ዋላ’ኳ ኣቐዲማ ብሊቨርፑል 5ብ1 እንተተሳዕረትን ምስታ ዘይከም ዝሓለፈ ዓመት ብብዙሓት ክለባት ዝተደፍረት ማንቸስተር ዩናይትድ ማዕረ እንተተፈላለየትን፡ ኣብ መንጎ’ተን ዘውዲ ንምድፋእ ዝወዳደራ ላዕለዎት ክለባት ብምህላዋ ዕጉብ ምዃኑ ይገልጽ። “ካብ ሓጺርን ዝኸፍአን ገስጋስ ኢና ንመጽእ ዘለና። ምኽንያቱ ኣብ ሊቨርፑል ነጥቢ ኣጥፊእና፡ ኣንጻር ማንዩናይትድ ከኣ ማዕረ ብምውጻኣና ተሃሲና። ይኹን እምበር ገና ካብ ቸልሲ ብሓደ ነጥቢ ጥራይ ድሒርና ኣለና። ስለ’ዚ ብሓፈሻ፡ ኣዝዩ ዘተባብዕ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ ኣስዒቡ፡ “ናይ ብሓቂ ባህጊ ሒዝና ንዝተረፈ ጸወታታት ንመክት፡ መታን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንጽል ጸወታ ጽቡቕ ስራሕ ክንሰርሕ። ሽዑ ድማ እዩ ጽቡቕ ዕድል ዝህሉ” ይብል፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ጽምኢ ጽዋእ ኣርሰናል ንኸርዊ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ቨንገር።

ሻምፕዮን ክለባት ስጳኛ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ባርሴሎና፡ ብቐዳም ኣንጻር ሪያል ሶሴዳድ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ላ’ሊጋ 3ብ1 ተሳዒራ ብምውጻኣ ንኣሰልጣኒኣ ጀራርዶ ማርቲኖ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ ምህላዉ’የን ምንጭታት ስፖርት ዝሕብራ። እዚ ይኹን እምበር ብናይ ቀረባ መቐናቕንቱ ዝኾነ ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ ተናኢዱ። ወዲ 54 ዓመት

ኢጣልያዊ ኣንቸሎቲ ምስ ካናል ፕላስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ማርቲኖ ዝሓለፈ ክረምቲ ናብ’ታ ካታላንያዊት ክለብ ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ስታድዩም ኖ ካምፕ ወሃ ዘበለ ስራሕ’ዩ ዝዓምም ዘሎ። ኣገባብ ኣዘራርባኡ ኸኣ እፈትዎ’የ፣ ንሱ ወትሩ ምስ ተዛነየ’ዩ። ብሓጺሩ ኣብ ክርክር ኣይኣቱን’ዩ፣ ንጋንታኡ ዝበለጸት ክገብር ጥራይ እዩ ዝጽዕር” ብምባል ነቲ ኣርጀንቲናዊ ዝንእድ ቃል ኣስሚዑ። እዚ

ኣንቸሎቲ ንማርቲኖ ይንእድ

መግለጺ’ዚ ግና ኣብ ዞባ ካታላንያ ቅቡል ኮይኑ ከምዘይተርፍ ብተወሳኺ ይግለጽ።ናይ ቀዳም ስዕረት ባርሴሎና፡

ንመወዳድርታ ክለብ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2011-12 ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣሰልጣኒ ጆሴ ሞሪኖ ዝተዓወተትሉ እዋን ንደሓር፡ ንመጀመርታ ግዜኣ ናብ መሪሕነት ክሰቕላ እዩ ክኢሉ። ጋንታ ኣንቸሎቲ ኣብ ጥቅምቲ ሜዳ ኖ ካምፕ ኣብ ዘአንገዶ ግጥም ክላሲኮ ነጥቢ ካብ ተጥፍእ ንደሓር፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ 26 ጸወታታት ብዘይስዕረት ኣብ ምግስጋስ ትርከብ።

ህቡብ ተጻዋታይ ሪያል ማድሪድ ነበር - ራውል ጎንዛለዝ፡ እታ ጋንታ ካብ’ዚ

“ማድሪድ ግርም ኣላ” ራውል

ናይ ቀረባ ዓመታት ሎሚ ዝበጸለት ኮይና ከምዝረኸባ ገሊጹ። ሎሚ ምሸት መራሒት ውድድር ላ’ሊጋ ሪያል ማድሪድ ናብ ጀርመን ተጓዒዛ ኣብ እተካይዶ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ፡ ራውል ነቲ ግጥም ብተምሳጥን ስምዒትን ከምዝዕዘቦ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ምኽንያቱ ምስ ክልቲአን ክለባት ዝተዋስአ ተጻዋታይ ብምዃኑ’ዩ። እቲ ኣብ ስታድዩም ሳንቲያጎ በርናቡ - ማድሪድ 16 ዓመታት፡ ኣብ ገልሰንኪቸን - ሻልከ ድማ ክልተ ዓመት ዘሕፈለ ወዲ 36 ዓመት ኣጥቃዓይ፡ ጸወታ ቀዳማይ እግሪ ሻምፕዮንስ ሊግ ንኽልቲአን ናይ ቅድም ጋንታኡ ከቢድን ኣሸጋርን ምዃኑ’ዩ ዝኣምን። እንተኾነ ማድሪድ ካብቲ ንሳቶም ዝነበርሉ ሓደ ሓደ እዋን ዝበለጸት ከምዝኾነት ዘለዎ እምነት ገሊጹ። “ንኽልቲአን ጋንታታት የፍቅረን’የ።”

ክብል ዘረባኡ ዝጀመረ ራውል፡ “ከም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ምስኣተን (ማድሪድን ሻልከን ምዃነን’የን) ዝበለጸ

እዋን ኣሕሊፈ’የ። ብዘይኣፈላላይ ድማ ብማዕረ ጽቡቕ ዕድል እምነየለን።” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብዚ ሎሚ እዋን ማድሪድ ኣብ ጽቡቕ ቁመና’ላ። ብኻልእ መንጽር ሻልከ’ውን ሓያል ጋንታ እያ። ናብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብምብጽሓ ድማ ሓይላ ኣረጋጊጻ’ላ። ስለ’ዚ እዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ንኽልቲአን ጋንታታት ከቢድን በዳሂን ክኸውን እዩ።” ኢሉ።ራውል፡ ሚዛን ውድድር ናይዚ ዓመት

ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብምህላዉ፡ ኣየነይቲ ክለብ ጽዋእ ሻምፕዮንስ ሊግ ከምእተልዕል ንኽትግምት ዝከኣል ከምዘይኮነ’ውን እዩ ዝዛረብ። “ከም’ቲ ዝረኣኹሞ ዝሓለፈ ሰሙን ክለባት ኣአንገድቲ ክለባት ኣብ ሜዳአን ኢደን ብምሃበን፡ እከለ ጋንታ ክትዕወት’ያ ኢልካ ክትንበ ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ። ብዙሓት ሓያላት ጋንታታት እየን ዘለዋ። ስለ’ዚ ኣብዚ ዓመት ንኽትዕወት ብዙሕ ጸዓት የድልየካ።” ክብል ዘረባኡ ደምዲሙ። ራውል ጎንዛለዝ፡ ምስ ኮኾብ ናይ ሊግ

ቐጠር - ክለብ Al Sadd ኣጥቃዓይ ኮይኑ ይጻወት ምህላዉ ይፍለጥ።

ዓመታዊ ዝካየድ ስፖርታዊ ውድድራት እዚ ምብራቕ፡ ብቐዳም ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ኮሚሽነር ስፖርት ሜ/ጀነራል ሮመዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ሓለቓ ስታፍ እዚ ምብራቕ ብ/ጀነራል ሙሳ ራብዓ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣመሓደርቲን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት ኣብ ስታድዩም ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ብወግዒ ተኸፊቱ።ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ

ስታፍ ጎ/ሓ/እዚ ምብራቕ ሜጀር ርእሶም ገብረሚካኤል፡ “ስፖርት እምነ መኣዝን ሂወትን ዕብየትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ይካየድ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣብ መንጎ 9 ጋንታታት ሸውዓተ ዓይነት ውድድራት

ስፖርታዊ ውድድራት እዚ ምብራቕ ተጀሚሩ

ዝሓለፈ ቐዳም መምዘኒ ብቕዓት 2014 ውድድር መኸተ ጉስጢ ዞባ ማእከል ተኻይዱ። ኣብቲ ዕለት ንዝተመዝገበ ውጽኢት ምስ እንምልከት፡ ኣብ ናይ 42 ኪሎ ግራም ካቢታል ሃይለ ንኣታኽልቲ በርሀ ክስዕሮ እንከሎ፡ ኣብ ናይ 51 ኪሎ ግራም ቶማስ መብራህቱ ንሚኪኤል ሰለሙን ኣሰኒፉዎ። ኣብ ናይ 54 ኪሎ ግራም ተኪኤ ሓደራ ንሰለሙን ስዩም ረቲዕዎ። ብተመሳሳሊ ናሆም ኣሮን ንሄኖክ

መሓሪ፡ ኣብ ናይ 48 ኪሎ ግራም ድማ ሮቤል ርእሶም ንቢላል ያሲን ከምኡ’ውን መ ብ ራ ህ ቱ ተስፋይ ን መ ድ ሃ ኔ ካሕሳይ ብፎርፌ

መኸተ ጉስጢዝሰዓሩ ተጓሰጥቲ እዮም። ካብዞም

ብፎርፌ ዝተዓወቱ መብራህቱ ተስፋይን ናሆም ኣሮንን

ንሓድሕዶም ኣብ ዘካየድዎ ግጥም ከኣ፡ ዝለዓለ ሚዛን ዘለዎ መብራህቱ ተስፋይ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ተዓዊቱ።

ማለት ኩዕሶ እግሪ፡ መርበብ፡ ቢች ቮሊቦል፡ ኣትለቲክስ፡ ባድሚንተን፡ ምሕንባስን ጨመተ ተኹሲን ክሰላሰል ምዃኑን ጋንታታት ኣብ ክልተ ምድብ ተሰሪዐን ናይ ክልተ ዙርያ ግጥማት ከምዘካይዳ ሓቢሩ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ኩለን ተሳተፍቲ ጋንታታት ስፖርታዊ ጭውነት ዘለዎ ልዑል ዲሲፕሊን ከርእያ ተላብዩ።ብድሕሪ’ዚ ብጉጅለ ባህሊ ፍልፍል

ንስፖርት ዝገልጽ ሙዚቃዊ ድራማን ደርፊን ቀሪቡ። ሶኢበን ኣተን ንኣዋርሕ ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ተጸሚደን ዝጸንሓ ጋንታታት ድራጎንን ሚራስን ንውድድራት እዚ ምብራቕ ኣሃዱ ኢለን ፈሊመንኦ። ኣብቲ ብርቱዕ ንፋስ ዝዓብለሎ ሰዓት፡ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ማእከል ዝተሓጽረ ጸወታ

መአረምታኣብ ናይ ሰሉስ 25 ለካቲት ሕታም፡

ዓምዲ ስፖርት፡ “ማእከል ብደቂ ኣንስትዮ፡ ደቡብ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ተዓዊተን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ “. . . ኣቶ ኣማኑኤል ዮውሃንስ መረስዕ 10 ሽሕ ናቕፋ ንኣትለታት ዞባ ደቡብ ብምብርካት ኣተባቢዑ” ኣብ ዝብል ዓረፍተ ነገር፡ “ኣቶ ሰለሙን ዮውሃንስ መረስዕ” ተባሂሉ ክእረም ምስናይ ይቕሬታኡ ንሕብር።

እየን ኣርእየን። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ብዘይ ሸቶ ተፈላልየን።

ስታፍ ጎ/ሓ/እዚ ምብራቕ ቅዱስ ገብረመስቀል

Page 12: ²Ãö 350.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_26022014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 179 26 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2014 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ሰሜን ኮርያ ንማያዊ ዶባት ደቡብ ኮርያ ብምጥሓስ ሓንቲ ጃልባ ኣብ ማያዊ ክሊ’ታ ሃገር ከምዘዋፈረት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ካብ ከተማ ሶል ከሲሱ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ በዓል-

ስልጣን፡ እቲ ዶባት ናይ ምጥሓስ ተግባራት ዝሓለፈ ሰኑይ ናይ ንግሆ’ዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እታ ወተሃደራዊት

ጃልባ፡ ብጀላቡ ኲናት ሓይሊ ባሕሪ ደቡብ ኮርያ ከምዝተኸበትን ብመጉልሒ ድምጺ ድሕሪ ዝተመሓላለፈላ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ካብቲ ቦታ ከምዝለቐቐትን እቲ ደቡብ ኮርያዊ በዓል ስልጣን ገሊጹ።ጀላቡ ሰሜን ኮርያ ብተደጋጋሚ

ኣብ ቱርኪ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ዝርከብዎም ኣስታት 7 ሽሕ ፍሉጣት ውልቀ-ሰባት ግዳያት ምጽንጻን ተሌፎን ከምዝኾኑ ይግለጽ ኣሎ። ብመንግስቲ’ታ ሃገር ዝመሓደራ

ጋዜጣታት ስታርን የኒ-ስፊቕን ኣብ ዝዘርገሐኦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ናይ ምጽንጻን ሸርሒ ሚኒስተራትን መራሕቲ ንግድን ከይተረፉ ኣትዮም ምህላዎም ሓቢረን። እቲ ሸርሒ ብተኸተልቲ ፈትሁላ ጉለን ብዝኾኑ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ከምዝካየድ’የን እተን ጋዜጣታት ዝገልጻ። እተን ጋዜጣታት ከምዝሓበራኦ፡ እቲ ናይ ምጽንጻን

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሓደ ገዚፍ ከውሒ (ኣስትሮይድ) 41 ሽሕ ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት እናተጓዕዘ ንፕላኔት መሬት ተጉዝጒዙዋ ከምዝሓለፈ ተመራመርቲ ገሊጾም።ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም

ተመራመርቲ፡ እቲ 2000 ኢኤም-26 ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ሰማያዊ ኣካል ምስ መሬት እንተዝጋጮ ሓያሎ ፍጥረታት ዓለምና ከምዘይነበሩ ብዘይ ኣሰር ምጠፍኡ። ይኹን’ምበር እቲ ዝቐረበ ርሕቀት ናይቲ ኣስትሮይድ ኣስታት 3 ሚልዮን ኪሎሜተር’ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓለም ዝኾነ ስግኣት ከምዘይፈጠረ ተመራመርቲ ኣረዲኦም።እቲ ኣብ ጠፈር እናንከባለለ ዝጓዓዝ

ከውሒ ናብ መሬት ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ብ”ስሉህ” ዝተባህለት ሮቦታዊት ቴለስኮፕ ከምዝተለለየ ክኢላታት ሓቢሮም። ፖል ኩክስ ዝተባህለ ዳይረክተር

ማእከል ቴለስኮፕ ስሉህ ከምዝሓበሮ፡

ወዲ 39 ዓመት ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማቲዮ ረንዚ፡ ቁጠባ ሃገሩ ንምሕዋይ ምሉእ ኣተኩሮ ሂቡ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ። እቲ መራሒ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ’ታ ሃገር ዝኾነ ፖለቲከኛ፡ ግብሪ ናይ ምቑራጽን

ካልእ ወፍሪ ዘተባብዕ ስጉምታት ናይ ምውሳድን መደባት ከምዝሓንጸጸ’ዩ ዘፍልጥ።ንሱ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ባይቶ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተኣማንነት ድምጺ ምዕዋቱ

ተፈሊጡ።እዚ ብዕድመን ተመክሮን ንእሽቶ ዝኾነ መራሒ፡ ነቲ ብኸቢድ ዝተሃስየ ቁጠባ

ኢጣልያ ናይ ምሕዋይ ዝዓበየ ብድሆ ከምዝገጥሞ’ዮም ተንተንቲ’ታ ሃገር ዝሕብሩ።ንሱ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣሰራርሓ ላዕለዋይ ባይቶ’ታ ሃገር መሰረታዊ ምቅይያራት

ክህሉን ኣብ ቅዋም’ታ ሃገር ምምሕያሻት ክግበርን ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ።ኣብቲ መንእሰያት ዝበዝሕዎ ሓደስቲ ኣባላት ካቢነ ኢጣልያ ኣስታት ፍርቂ ደቀንስትዮ

እየን። ኢጣልያ ኣብ ዞባ ዩሮ ብዕብየቱ ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ቁጠባ ከምእትውንን ይፍለጥ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ቻክ ሂገል፡ ቁጽሪ ሰራዊት’ታ ሃገር ናይ ምንካይ መደባት ከምዝሓንጸጸ ኣፍሊጡ። ንሱ፡ “ንጡፍ ዓቕሚ ሰብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ 440 ክሳብ 450 ሽሕ ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣመሪካ ዘመናዊ

ኣጽዋር ዝዓጠቑ 520 ሽሕ ወተሃደራት ከምእትውንን ወግዓውያን ጸብጻባት’ታ ሃገር የነጽሩ። ኣብ ዓለም ዝለዓለ ወተሃደራዊ ባጀት እትስልዕ ኣመሪካ ኣብ ቁጠባኣ ኣሉታዊ ጽልዋ ወሪዱ ምህላዉ ይጥቀስ።

*** ኣብ ሊብያ - ከተማ በንቓዚ ሸውዓተ

ምስራውያን ተቐቲሎም። እቶም ምስራውያን ብጅምላ ተቐቲሎም ከምዝጸንሑን ሬሳታቶም ኣብ ወሰን’ታ ከተማ ተደርብዩ ከምዝጸንሐን ቢቢሲ ሓቢሩ። እቶም ግዳያት ብምልኦም ኣመንቲ ክርስትና ብምዃኖም ብዕጡቓት ግብረ-

“ሰሜን ኮርያ ዶባተይ ጥሒሳ” ደቡብ ኮርያ

እዋን ንማያዊ ክሊ ደቡብ ኮርያ ብምጥሓስ ክንቀሳቐሳ ከምዝረኣያ ሶል ትኸስስ። ሰሜን ኮርያ ብወገና ብዛዕባ’ቲ

ኩነታት ዝሃበቶ መግለጺ’ኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ብደቡብ ኮርያን ኣመሪካን

ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ብትሪ ኮኒናቶ ኣላ።ኣብቲ ንኽልተ ወርሒ ዝቕጽል

ወተሃደራዊ ልምምድ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰራዊት ኣመሪካ ይሳተፍ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ግዳያት ምጽንጻን ተሌፎን ይኾኑ?

መደባት “ካብ ግብረ-ሽበራ ንምክልኻል” ብዝብል ሽፋን’ዩ ካብ 2011 ጀሚሩ ክካየድ ጸኒሑ። ይኹን’ምበር ደገፍቲ ጉለን ዝኾና

ፖለቲካውያን ሓይልታት ቱርኪ፡ እቲ ክሲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ሸርሒ ኢድ ከምዘይብለን ኣፍሊጠን።ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ መራሒ

ተቓወምቲ ወገናት ቱርኪ ምዃኑ ዝንገረሉ ፈትሑላህ ጉለን፡ ብስውር ኣገባብ ኣብ ቱርኪ ምቁጽጻሩ የሐይል ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። እቲ መራሒ ሃይማኖት ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መዳያት ቱርኪ ዝለዓለ ጽልዋ ከምዘለዎ’ዩ ዝንገረሉ።

ዜና ብሓጺሩሽበራውያን ተጨውዮም ምስተወስዱ ብጃምላ ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ዝሓለፈ ወርሒ፡ ክልተ ብሪጣንያውያን

ኣብ ሰሜናዊ ትሪፖሊ ተቐቲሎም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። ኣብ ሊብያ ሓያሎ ዕጡቓት ጉጅለታት ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ይንቀሳቐሳ ምህላወን’ዩ ዝግለጽ።

*** ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ኣብ

ምብራቓዊ ሊባኖስ ደብዲበን። ኣብቲ እስራኤል ኣብ ጥቓ ሶርያ ዘካየደቶ ደብዳብ ንጡፍ ምንቅስቓስ ኣባላት ዕጡቕ ሓይሊ ሕዝበላህ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር። እስራኤል ብወገና፡ ኣብቲ ከባቢ ነፈርቲ ኲናት ከምዘዋፈረት ተኣሚና።

ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ሓይሊ ሕዝበላህ ንመንግስቲ ሶርያ ንምሕጋዝ ኣባላቱ ናብታ ሃገር ከምዘእተወ’ዩ ዝንገር። እስራኤል ነቲ ውድብ ምስ ግብረ-ሽበራውያን ከምእትምድቦን ኣንጻሩ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከምእተካይድን ይፍለጥ።

*** ፕረዚደንት ናይጀርያ ጉድላክ ጆናታን፡

ሰራዊቱ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ብዝተመሓየሸ ኣገባብ ከምዝቕጽሎ ኣፍሊጡ። ሰራዊት ናይጀርያ ኣብ ሰሜናዊ’ታ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ድኽመት ከምዝተራእዮ ሰብ መዚ’ታ ሃገር ገሊጾም። ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ቦኮ ሓራም

ኣብ ሓንቲ ዓዲ ብምእታው ልዕሊ 200 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሎም ድሕሪ ምስዋሮም እቲ ኩነታት ቁጠዐ ከምዝፈጠረ ይግለጽ። እስላማዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣንጻር’ቲ ብኸቢድ ዝዓጠቐ ሰራዊት ናይጀርያ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብፍናው ጉድኣት የውርድ ምህላዉ’ዩ ዝሕበር።

ኣስትሮይድ ንመሬት ተጎዝጒዙዋ ይሓልፍ

ሓያሎ ኣኻውሕ (ኣስትሮይድ) ንዓለምና ተጎዝጒዞማ ክሓልፉ ከምዝረኣዩን እቲ ዝቐረበ ግን ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ብናይ ኣስታት 26 ሽሕ ኪሎሜተር ርሕቀት ጥራይ ንዓለም ስሒትዋ ዝሓለፈ ምዃኑን ይገልጽ።ኣብ ሩስያ - ቸሊያቢንስክ ኣብ ልዕሊ

ዝተባህለት ዓዲ ሃንደበት ዝተተኮሰ ኣስትሮይድ ክንዲ ናይ 20 ኣቶማዊ ቦምብ ሓይሊ ከምዘመንጨወ ክኢላታት ይሕብሩ።እቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ መሬት

ኣስታት 30 ኪሎሜተር ኣብ ኣየር ዘጋጠመ ክስተት ኣብ ነበርቲ’ታ ከተማ ራዕዲ ምፍጣሩ ኣይርሳዕን።ፕላኔትና ኣብ 1908 ብኣስትሮይድ

ተሃሪማ ምንባራ ዝጠቕሱ ተመራመርቲ፡ ብሕጂ’ውን ተመሳሳሊ ተርእዮ ከጋጥም ከምዝኽእል ይእምቱ። እንተኾነ ንመሬት ዘጥቅዕ ኣስትሮይድ ኣብ ውቅያኖስ ወይ’ውን ኣብ ኣንታርክቲካ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎኡ ዝዓበየ ምዃኑ’ዮም እቶም ክኢላታት ዘረድኡ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ቁጠባ ንምሕዋይ ቃል ይኣቱ