CHRIST IN ISLAMስሙ ኢስላም ኢዩ ሰዓብቱ ብሓፈሻ ሙስሊሙን ክበሃሉ...

105
ማዕበል ምድረ - በዳ ኣብቂዑ ! ? ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም ጸሓፊኡ :- ሸኽ ኣሕመድ ዲዳት ተርጋሚ :- ናስር ማሕመድ ዓብድልዋሃብ Desert Storm Has It Ended ! ? CHRIST IN ISLAM By Ahmed Deedat

Transcript of CHRIST IN ISLAMስሙ ኢስላም ኢዩ ሰዓብቱ ብሓፈሻ ሙስሊሙን ክበሃሉ...

ማዕበል ምድረ - በዳ ኣብቂዑ ዶ ! ?

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ጸሓፊኡ :- ሸኽ ኣሕመድ ዲዳት

ተርጋሚ :- ናስር ማሕመድ ዓብድልዋሃብ

Desert Storm Has It Ended ! ?

CHRIST IN ISLAM

By Ahmed Deedat

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ማዕበል ምድረ-በዳ ኣብቂዑ ! ዶ ? Desert Storm Has It Ended ! ?

ማዕርግ ክርስቶስ

(ኣልመሲሕ) ኣብ

እስላም

CHRIST IN ISLAM By: Ahmed Deedat

ጸሓፊኡ :- ሸኽ ኣሕመድ ዲዳት

ተርጋሚ :- ናስር ማሕመድ ዓብድልዋሃብ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ውጥን ውልቐ መላኺ ሓንሳብን መጨረሽታን ምስ ህልቒት ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ጎላጉል ደሴት ዓረብ ሓመድ ምድረ በዳ ተላጊዑ ተደምሲሱ'ዩ፣ እንተኾነ ግን ማዕበል ምድረ-በዳ በቶም ተካእቲ ንዘበገስዎ ሰባት ክሳብ'ዚ ህልዊ እዋን ክቀላቀል ጸኒሑ'ዩ፣ እዚ ግን ጀማሪ ነውጺ ወይ ጎንጺ ኣይነበረን እቲ ማዕበል ንመበል ኣስታት 2000 ዓመታት ብሒም ቢጢጥ በሽካዕላል ይጭረቀሉ ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ እንታይነት ጅግና ሰብኣይ የሱስን መልእኽቱን ከመይዩ ካብ ዛዕባ መሰረት ኣፈጣጥርኡ ሒዙ ዘበገሶ ክርክር ካብ ዝውለድ ክሳብ ሕጂ ዓለም ብመላይን ደም ኣህዛብ ኣዕለቅሊቅዋ’ሎ (ማቴዎስ 2፣ 16 ርአ፣ ) ስለዚ ብኣንጻር ናይዚ መበገሲ ነጥቢ ሓሳብ ፍሉይነት እስላማዊ ኣረኣእያ ኣተኩሮ ብምግባር ብዛዕባ መንነት ልዑል ሰላም እየሱስ (ዒሳ ዓ.ሰ. ) እንታይ ክኽውን'ዩ መንነቱ ክብረቱኸ ስርሑን መልእኽቱን ኣብ ቤተ እስላምን እስልምናን ክንርኢ ኢና።

1

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

መእተዊ

ብመጀመርያ ነቲ ኣፈሊሙ ዘፈጸመኒ፣ ሓደን ሓቀኛን ሙሉእ፣ ኩሉ እዋን፣ ብዘይ ምስጋናና ምስጉን ፣ ኣብ ኩሉ ዓይነት ኩነታት እነመስግኖ፣ ኣብ ንግስነቱ ሙሉእ ፍጹም ፣ ዝኾነ ዓይነት መሻርኽቲ ዘይብሉ ፈጺሙ ክህልዎ ዘይከኣል፣ ልዑል ጎይታ ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ዎ ተዓላ) ንልዑልነቱ ዝበቅዕ ተደጋጋሚ ጉቡእ ምስጋናይ ይብጻሓዮ።

ብድሕሪ'ዚ ካብዛ ብትሕዝቶ ዘይኮነስ ብመጠን ንእሽተይ ትርጉም መጽሓፍ መቦቆል ሰረቱ ህንዲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሸኽ ኣሕመድ ሑሴን ዲዳት ( ኣ'ላህ የርሓምሁ ) ንቀስሞ ምህሮ እንተ ዳኣ ኣሎ ክንድቲ ዕብየት ሃይማኖት ክኸውን ፈጺሙ ዘይከኣል ዘይሕሰብ ኢዩ፣ ናብቲ ትሕዝቶ ዕብየትን ሓቅነትን ንኽንምራሕ ግን እኹል ሓበሬታ'ዩ ዝህበና፣ እዚ ማለት ነቲ ካብዚ ኮነ ካብቲ መርትዖታት ኣዋዲዱ ተንቲኑ ከቅርብ ዘይክእል ኣስላማይ ድሕሪ ኣብዚ ገለ ሓበሬታ ምርካቡ ተገሪሙ ከምዚ ዓይነት ዝብልዎ ጉድ ከ ኣሎ ዲዩ ክብል ከሎ እቲ ክርስትያን ድማ ደንጽይዎ እንታይ ዝብልዎ ጉዳም ደኣ'ዩ እስልምናስ ፎእ እንዳበልናዮ ብዛዕባ ኣምላኽና እየሱስ ክርስቶስ ወላዲቱ ማርያም ከምዚ ዝበለ ብሉጽ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ታሪኻዊ ሰናይ ምቅሉል ዘረባታት ይዛረብ ኢዩ ዘብሎም ኢዩ፣ እቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘሎ በብናትና ይኸውን ንብሎ ግምታዊ ማዕዶ መምዘኒ ጉጉይ ኣረኣእያና ማዕረ ክንደይ ካብ ሓቂ ከም ዝረሓቀ ብኣንጻሩ ንኽልቲኡ ኣዛሚዱ ኣበየናይ ኢዩ ሓደነቱ ፍልልዩኸ ብግልጺ ከብርሃልና ኢዩ፣ ፍልጠት ሰኒቅካ ክትጎዓዝ ዕውት

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

መገሻ ኢዩ'ሞ በሉስከ ስንቂ ሓበሬታ ደራሪርብና ናብታ ብገለጻ ነብዩና ሚዛና ክንድዚ'ዩ ተባሂሉ ዘይግመት ዓይኒ ፈጺማ ዘይረኣየቶ እዝኒ'ውን ሰሚዓቶ ዘይትፈልጥ ብጭራሽ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ወላውን ብሃንደበት ተወስ ዘይብል ዘይተቀረጸ ራሓማት ጸጋ ሽሻይን በረኸትን ዝተመልአት ጀና ናይ ጎይታና ዘብጽሕ ፈላሚ ዘይኮነ ኣበጋሲ ንባብ ይግበረልና፣ ኣሚን ያረበል ዓለሚን።

1,ይ = ሓበሬታ እቲ ኣብዚ ተጠቂመሉ ዘለኹ ኣጸሓሕፋ መብዛሕቲ ግዜ ልሙድ ዘረባዊ ወይ ንባባዊ ኣገባብ ኢዩ፣ ንኣብነት እቲ ሓደ ፍጹም መዳርግቲ ዘይርከቦ ዉሱን ስም ናይ ጎይታና ኣ'ላህ ኢዩ፣ ኣ'ላህ ዝበሃል ከኣ ክንበብ ክዝረብ ከሎ ኢዩ ኣብ ጽሑፍ ግን ብልክዕነቱ ኣልላህ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ነታ ጎዲላ ዘላ (ል) ንምሕባር ከኣ ከምቲ ኩሉ ዘረባዊ ጽሑፍ ትግርኛ ኮይኑ ንምሕባር እዛ ምልክት ( ' ) ላዕለወይቲ ነጥቢ ተጠቂመ ኣለኹ፣ ስለዚ ኣብ ኣጠቃቅማ ኣብ ክንዲ ኣልላህ ኣ'ላህ ኢዩ ዘሎ ኩቡር ነባቢ በዚ ክትርድኦ ድማ ትሕተት፣ ብዛዕባ'ቲ ሃይማኖት ዓረባዊ ቃል ትኽክለኛ መፍለጢ መጸውዒ ስሙ ኢስላም ኢዩ ሰዓብቱ ብሓፈሻ ሙስሊሙን ክበሃሉ ከለዉ ግለ ሰብ ከኣ ሙስሊም ይበሃል፣ እዚ ኮይኑ ኣስላማይ(መይቲ) ኣስላም እስልምና እስላም ብሓፈሻ ኣብዚታት ምስ'ቲ ልምዳዊ ኣጠቃቅማ ትግርኛ ብዙሕ ዝፈላለይ ለውጢ ስለ ዘይብሉ ዘደናግር ኣይመስልን፣

ብእስላማዊ እርኑብ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ኩሉ እዋን ስም ዝኾነ ነቢዩ ኣብ ዝለዓለሉ ኣጋጣሚ ዓለይሂ ሰላም ዓ.ሰ. ወይ'ውን ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ሰ.ዓ.ወ. ክንብል ጉቡእ ኢዩ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ትርጉሙ ድማ ናይ ኣላ'ህ ሰላም ይውረዶ (ም) ማለት ክኽውን ከሎ ብኣሕጽሮ ንምጽሓፉ ዓ.ሰ. ወይ ሰ.ዓ.ወ. ኢዩ ዘሎ፣

2,ይ = መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያን ንምውካስ ካብ'ቲ ብማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ 1992 (ድሕሪ ልደት) ብሉይ ኪዳን ብናይ ጴጥሮስ ሲላ ማሕተም ኣብ ኣስመራ ዝ-ተሓትመ፣ ሓዲሽ ኪዳን ብናይ መንግስቲ ኤርትራ ማሕተም ኣብ ኣስመራ ዝ-ተሓተመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ኢዩ፣ ሓንቲ ዘረባ ቃል ትኹን ነጥቢ ከም ዘለዎ ዘስገርክዎ ኢዩ፣ እዚ ብሰማያዊ ሕብሪ ጽሒፈዮ ዘለኹ ሓበሬታ ንባዕሉ መን ከፊልሎም ዝሕብር ኮይኑ ኣብ'ቲ ፈለማ ገጽ ዘሎ ናታቶም ዘረባ ኢዩ፣

ነቢዩ ዒሳ ወዲ መርየም የሱስ ወይ እየሱስ ወዲ ማርያም ከምኡ'ውን ኣልመሲሕ ቁቡእ ኩሩብ ክርስቶስ ኩሉ እዚታት መፍለጢ ስሙ ኣብ እስልምናን ክርስትናን ኢዩ፣ ከም ኣጋጣምን ኣድላይነቱን ኸኣ ተጠቂመሉ ኣለኹ፣

እዛ ናይ ትርጉም ጽሕፍቲ እዚኣ ብፈለማ ነቲ ካብ ብጊሓቱ ብዓል ጽቡቀይ ካብ ሕማም መንሽሮ ዘሕወየኒ ኣር-ረሒም ጎይታይ ረቢልዓለሚን ትኹነለይ ድሒሩ ፍረ ጻማኣ ውህብቶ ነቶም ብኹሉ ዝዓቅሞም ልዕሊ ነብሶም ሓብሒቦም ዘዕበዩኒ ኩቡር ወላዲየይ ማሕሙድ ዓብዱልዋሃብ ምስ ክብርቲ ወላዲት ኣመተልወሊ ዓብድሰላም ትኹነለይ።

ተርጋሚ፣ ናስር ማሕሙድ ዓብዱልዋሃብ

መጻንሒ ኣግዶ ጽላለይ ፣

ሪያድ ፣ ስዑዲ ዓረብያ

አድራሻ፣ [email protected]

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

1ይ ምዕራፍ፣

ሓላፍነት ክርስትያንን-እስላምን

ዝርርብ ኣብ ቲቪ

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝርርብ " ክርስትያን ምስ ኣስላም " እዚ ኣብቲ ሳቤክ ዝተባህለ ማዕከን ቲቪ (sabc.tv.) ኣብ መስቀላዊ ሕቶ ዘርእስቱ መደቡ ብሰምበት 05 ሰነ 1983 ዝቀረበ'ዩ፣ ኣቦ መምበር ኣቶ ቢል ቻል መርስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ፣

" ካብዚ ዝሓለፈ ዝርርብና ከም ዝተረዳእናዩ፣ ኣነ ከም ዝግምቶ ገለ ቡዙሕ ተሳናይ ተመሳሳሊ ብእስላም ወገን ዝተባህለ ይበዝሕ ካብቲ ብክርስትያን ነቲ መስራቲ እስልምና ዝተባህለሉ ፣ እዚ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ከመይ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ መልእኽቲ'ዩ፣ ንምግምጋሙ ናባኹም ናብ ነበብትን ተዓዘብቲ እገድፎ፣ ትቅበልዎ ኢለ ኣይግምትን ደኣ እምበር ብቁሉዕ ሓቢርና እንተ ንዛረበሉ ግን እቲ ዝበለጸ ዝሓሸ ከይኮነ ኣይተርፍን"፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ቢል,, ካብቲ ንሱ ብተፈታውነት ዝፍለጠሉ በቲ ኣታዊ ወጻኢ ዘይኮነ ቱሑት ሙቅሉል ጠባዩን ብዘይ ገለ ምቅናን መደባቱ ብግልጺ ምቅራቡ ሓደ ካብ'ቲ ቅቡል ባህርያቱ'ዩ፣ ንሱ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ዝተገልጻ ክርስትያናዊ መግለጺ ዝሓዘ እዩ፣

لك بأن ولتجدن أق رب هم مودة للذين آمنوا الذين قالوا إنا نصارى ذ هم قسيسين ورهبانا وأن هم ل يستكبرون ﴾٢٨﴿من

" እቶም ንሕና ክርስትያን * 1 ኢና ዝበሉ፣ ነቶም ዝኣመኑ ብምፍታው፣ ዝቀረቡ ኮይኖም ክትረኽቦም ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎኦም ኣቕሽሽትን ፈለስትን ፣ ስለ ዘለውዎም'ዩ፣ ዕቡያት'ውን ኣይኮኑን "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 5፣ 82

ማዕርግ የሱስ ክርስቶስ (ዒሳ ዓ.ሰ.)

ኣብዚ ንዛረቦ መደብ ንተዓዘብት ዕዱማት ነበብቲ ደስ ከነብል ዘየለ ኣታዊ ወጻኢ እስላማዊ ጠባይ

1* ''እቶም ንሕና ክርስትያን ኢና ዝበሉ'' እዚ ማለት ነቶም ሓቂ ፈሊጦም ዝመስከሩላ ደኣምበሪ ንማንም ኣነ ክርስትያን ኢየ ዝበለ ማለት ኣይኮነን፣ ከም እንፈልጦ ብዙሓ ሕያዎት እሙናት'ውን ኣለውዎም ኢዮም፣ ከም በዓል ኣስሓማ ወዲ ኣብጀራ ቐሺ ዝነበረ ድሒሩ ታቢዒ ኣሕመድ ነጃሺ ዝኣመሰሉ ሰብ ዓበይቲ ታሪኽ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ወይ ከኣ ዲብሎማሲያዊ ኣገባብ ብልሒ ምድንጋር ይመስል ይኸውን፣ ኮይኑ ግን ብፍላይ ኣብ ሃይማኖት ከምዚ ዓይነት ቅንዕና ኮነ ሕያውነት ፈጺሙ የለን፣ ዝበሃል ዝነበረ ኩሉ ብሓያል ጎይታና ኣ'ላህ (ሱ.ወ.) ክንብሎ ዝተኣዘዘና'ዩ፣ ከም መጠን ኣስላም ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ኣማራጺ የብልናን የሱስ (ዒሳ ዓ.ሰ.) ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ሰብ ዓበይቲ ሓቦ ፍሉይ ጅግና በታኽ መልእኽተኛ ነቢዩ ናይ ኣ'ላህ ኢዩ ነይሩ፣ ኣፋጥርኡ ምንባሩን ምማቱን ህይወቱ ብኹሉ ኩሉ ብታኣምር ብዘይ ገለ ተባዕታይ ስጋዊ ርክብ ተጠኒሱ ከም ዝተወልደ ደጋጊምና ነርግጽ (እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ክርስትያን ዘይኣምንሉ ኮይኑ'ሎ) ብፍቓድ ኣ'ላህ (ሱ.ወ.) ምውታት የተስእ ምንባሩ፣ ከምኡ'ውን ዕውራት የሕዊ፣ ሕማም ለምጺ ወይ ሕማም ጻዕዳ ካልእ ኣጸጋሚ ሕማማት የሕዊ ምንባሩ እምነትና’ዩ፣ ዝኾነ ኣስላማይ በዚታት እንተዘይ ኣሚኑ ኸኣ ፈጺሙ ኣስላማይ ኣይበሃልን ኣይኮነን'ውን።

ዘሐጉስ ኣጋጣሚ

ልዕሊ 90% ቴስዓ ሚእታዊ ኣብቲ ክርክር ተሳቲፉ ዝነበረ ህዝቢ ዘሓጉስ ኣጋጣሚ ምንባሩ ይምስክር፣ ግን ከኣ ገለ ውሕዳት ተጠራጠርቲ ተገሪሞም ምናልባት'ውን ሰማዒት እዝኖም ኣይኣመነትን፣ ኣስላም ነዚ ኣኼባ ይጻወትሉ ኣለው ኢሎም ይግምቱ ይኾኑ ወይ'ውን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ካብ ክርስትያን ኣሕዋት ደቂ ዓዶም ደገፍ ንምርካብ ይብሉ ይኾኑ፣ ካብዚ ሓሊፎም ከኣ ገለ ውሑድ ጹቡቅ ቃላት ብዛዕባ እየሱስ ብኣስላም ምስ እተዘርበ፣ ብተርኦም ድማ ክርስትያን ገለ ውሑድ ጽቡቅ ዘረባ ብዛዕባ ሙሓመድ እንተ ተዛረቡ የምስል፣ እቲ ጉዳይ ግን ፈጺሙ ከምኡ ኣይኮነን እዚ ደኣ'ሞ ባርያት ሌባ እኪት ጠባያት እንድ'ዩ ብስሉጥ ሓጺር ገላጺ ዘረባ፣ " ሑቆይ ሕኸኸኒ ሕቆኻ ክሓከካ " ይብልዎ።

ጽልኢ ክኹስኮስ ከሎ፣

ጥርጣረ ደቂ ክርስትያን ሙሉእ ብሙሉእ ክንወቅሶ ኣይንኽእልን ንምንታይ'ሲ ነማኢት ዓመታት ብዛዕባ'ዚ ሙሓመድ (ሰ.ዓ.ወ.) ዝተባህለ ሰብኣይን ሃይማኖቱን እቲ ዝኸፍአ ሕማቅ ክሓስቡ ከም ዘለዎም ተጌሩ ብተደጋጋሚ ንነዊሕ እዋን ስለ ዝሰልጠኑ፣ ነዚ ንምግላጽ እንግሊዛዊ ሙሁር ቶማስ ካርላይል ቅድሚ ከባቢ 170 ዓመታት ከመይ ዝበለ ርትዓዊ ርእይቶ ብዛዕባ ክርስትያን ኣሕዋቱ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ፣ ( ኣብ ልዕሊ እዚ ሰብ እዚ (ሙሓመድ) ብውዕውዕ ተገዳስነት ዝተኾመሩ ሓሶት ተመሊሶም ንዓና (ንክርስትያን) ጥራሕ እዮም ዘሕፍሩና፣) ኢዩ ዝበሎም፣ ስለዚ እምበኣር ነዚ 1.200.000.000 ክርስትያን ዓለም ሰንከልከል ዘብሎ ዘሎ ዘይምፍላጥ ንዓና ንኣስላም'ውን ገለ ክፋሉ ሓላፍነትና'ዩ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ነዚ ሓያሎ ቁኑዓት ዓጊቱ ዘሎ ዓለባ ሳርየት ንምእላይ እንሆ እዚ'ዩ ዝበሃል ዝገበርናዮ ኡኽል ጻዕሪ የሎን።

ባሕሪ ክርስትያን

ደቡብ ኣፍሪቃ ባሕሪ ክርስታያን እያ እንተ ድኣ ሊብያ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ብዓይነቱ እቲ ዝዓበየ መለክዒ ቁጽሪ ኣስላም ብምሓዛ ከጃህራ ኪኢሉ፣ ብኣንጻሩ ሪፐፕሊካዊት ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ ክርስትያን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ትሕዝ፣ ስለዚ ኣብዛ ባሕሪ ክርስትያን ዝኾነት ሃገር ካብቲ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ህዝባ 2% ክልተ ሚእታዊ ካብ ተቀማጢኣ ንስክላ ማለት'ዩ ኣስላም'ዮም፣ ንሕና ድምጺ ዘይብልና ውሑዳት ኢና ኣብ ፖሎቲካ'ውን እንተኾነ ምስ ወላሓንቲ፣ ብትሕዝቶ'ሞ ኸኣ ንሕናን ሙሉእ ንብረትናን ሓደ ሀብታም ጻዕዳ ሰብ ከም አፐን ሃይመር ዝኣመሰለ ጠቅሊሉ ክሻየጠና ይኽእል፣

ከምዚ ዝገለጽክዎ ካብ ኮነ ኣመሳሲልና ከነዕግብ ከነህድኦም እንተ ዳኣ ኮይኑ ይቅሬታ ክንሓትት ኣለና፣ ከምኡ ግን ኣይኮነን ናይ ግድን'ዩ ድልየት ትእዛዝ ፈጣሪና ከነስምዕ፣ ናይ ግድን'ውን እዩ ሓቂ ክንእውጅ እንተስ ኪኢልናዮ ፈቲና እንተስ ከይፈተና፣ ከምቲ የሱስ ኣብ ወንጌል (ዒሳ ዓ.ሰ.) ዝበሎ።

" ንሓቂ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ

ከተውጽኣኩም ኢያ "

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

የውሃንስ፣ 8፣ 32

ካልኣይ ምዕራፍ

የሱስ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን

ክርስትያን ዘይበጽሕዎ

ክርስትያን ዘይፈለጥዎ ጉዳይ ኣስላም ኩሉ ግዜ ዘርእይዎ ልባዊ ፍቅሪ ኣብ ልዕሊ የሱስን ወላዲቱ ማርያምን መበገሲኡ ካብቲ ቀንዲ መሰረት እምነቱ ዝኾነ ቁዱስ ቁርኣን ዝፈልፈለ ምኻኑ'ዩ፣ ማንም ኣስላማይ በብቃንቁኡ ፉሉይ ክብረታዊ መጸውዒ ይህቦ፣ ህንዳውያን ሃዝራት ክብልዎ ከለው (ኩቡር ሙእዙዝ) ማለት'ዩ፣ ብመሰረቱ ድማ ኣብ እስልምና ስሙ እንተ ድኣ ተላዒሉ ዒሳ ዓለይሂ ሰላም (እየሱስ ናይ ጎይታ ሰላም ይኹኖ) ከይተባህለ ከምዘይጽዋዕ ኣይፈለጡን፣

ኣብ ዝኾነ እዋን ኣስላማይ ስም እየሱስ (ዒሳ ዓ.ሰ.) ኣልዒሉ በዚ ዝተባህለ ኣስዒቡ እንተዘይጸዊዕዎ ብጉቡእ ከምዘየኽበሮ ወይ'ውን እቲ ሰብ ፍልጠተ ሒደት ሙኻኑ የገምት፣ ብተወሳኺ ካብቲ ክርስትያን ዘይፈለጥዎ ዒሳ ዓ.ሰ. ( የሱስ ) ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ብስሙ ተጠቂሱ ምህላው'ዩ፣ እቲ ኣስላማይ መስራቲ እስልምና ዝኾነ ነብዩ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ሓሙሽተ ግዜ ጥራሕ ክስመ ከሎ እየሱስ (ዒሳ ዓ. ሰ.) ግን ካብ ዕስራን ሓሙሽተን ዘይውሕድ ተሰምዩ ኣሎ፣ ንኣብነት።

نا عيسى ابن مريم الب ي نات وأيدناه بروح القدس … ..... وآت ي

" ….ንዒሳ ወዲ መርየም ግሉጽ ተኣምራት ሂብና ብሩሕ ኣልቁዱስ ኣበርቲዕናዮ "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 2፣ 87

... يا مريم إن الله ي بشرك بكلمة منه اسمه المسيح عيسى ابن مريم …

" …. ኣንቲ መርየም ኣ'ላህ ብናቱ ቓለ ዘረባ ስሙ ኣልመሲሕ (ክርስቶስ ) ብዒሳ ወዲ መርየም የበስረኪ …. "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 3፣ 45

..... إنما المسيح عيسى ابن مريم رسول الله .....

" ….. እንተ’ቲ ኣልመሲሑ (ክርስቶስ) ዒሳ ወዲ

መርየም ናይ ኣ'ላህ መልእኽተኛ እዩ ….. "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 4፣ 171

" … ደድሕሪኦም ኣሰር (ቀዳሞት ነቢታት) ንዒሳ ወዲ

መርየም ኣስዒብናዮ … "

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ቁዱስ ቁርኣን፣ 5፣ 49

﴾٢٨﴿ الصالحين كل من وزكريا ويحيى وعيسى وإلياس

" ( ከምኡ'ውን ) ዘከርያ የሕያ ዒሳ ኢልያስ

ኩሎም ካብ'ቶም ሕያዎት ቁኑዓት እዮም …"

ቁዱስ ቁርኣን፣ 6፣ 85

ካብ መጸውዒታት የሱስ ( ዒሳ ዓ. ሰ. )

ስለዚ እምበኣር ብኸምዚ ዓይነት እየሱስ(ዒሳ ዓ.ሰ.) ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ክጥቀስ ከሎ ብተወሳኺ ከም ልግቦን ሳጋን መፍለጢ ነይርዎ ኢዩ፣ ኢብኑ መርየም ወዲ ማርያም (መሲይሕ ብዕብራይስጥ ኮይኑ ናብ ግሪኽ ክትርጎም ከሎ ክርስቶስ ይኸውን) ዓብዱልላሂ-ኣገልጋሊ ናይ ኣ'ላህ ረሱሉላህ መልእኽተኛ ናይ ኣ'ላህ ማለት ከኣ'ዩ፣

ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ምዕራፋት ናይ ቁዱስ ቁርኣን ከም " ናይ ኣ'ላህ ቃል(ዘረባ) " ከም "ናይ ኣ'ላህ መንፈስ " ከም "ናይ ኣ'ላህ ምልክት (ተኣምር)" ከም መፍለጢ ሽመቱ ብኣኽብሮት ዝጽውዓሉ ኮይኑ ካብ'ዚታት መበገሲኡ ከኣ'ዩ ኩሉ ኣስላማይ ዓለም ንልዕሊ 14 ዕሰርተ ኣርባዕተ ኣማኢት ዓመታት ብጉቡእን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ብሓቅን ዘኽበሮ፣ ገለ ሕያዎት ተጠራጠርቲ ካብ ክርስትያን ቁርኣን ፍትሽ ውዒሎም እንተዝሓድርሉ ንእየሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ዘዋርድ ዘሕስር ይትረፍዶ ሓሳብ ሓንቲ ቃል'ውን እንተኾነት ፈጺሞም ኣይረኽቡን እዮም።

" ዒሳ " ናብ ላቲን እየሱስ ክቅየር ከሎ

ቁዱስ ቁርኣን ንየሱስ ብ '' ዒሳ '' ኢዩ ዝገልጾ፣ እዚ ስም እዚ ኸኣ ሓቀኛ ናይ ክርስትያን ስሙ'ዩ ስለ ዝኾነ ካብ ካልእ መጸውዒታቱ ንላዕሊ ይጥቀስ፣ ኣብ ዓረብ ቀጥታዊ ስሙ "ዒሳ" ክኽውን ከሎ ብዕብራይስጥ "ዒሳው" ESAU ይኸውን፣ ቅድም ኢሉ ኣብ እዋኑ ፍሉጥ ዝነበረ " የሀሽዋ Yeheshua " ክርስትያን ምዕራባውያን ዓለም ናብ ላቲናዊ ኣደማምጻ የሱስ ቀየርዎ፣ JESUS ብናይ ቅድም ኣጸዋውዓ፣ ኣብ ቃንቃ ላቲን እታ " J " ትኹን " S " ፈጺመን የለዋን፣ ኣብ ቃንቃ ሴም'ውን እንተ ኾነ የለን፣

እቲ ቃል ኣብ ከመይነቱ ኣዚዩ ቀሊል'ዩ -ESAU- ልሙድ መጸውዒ ስም የሁድ ክነሱ ኣብታ ቀዳመይቲ ንእሽተይ ኦሪት ዘዳግም ክፍል መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕካ ንልዕሊ 60 ሱሳ ግዜ ተጠቂሱ ኣሎ፣ ደያኑ ሳን ሕድሪን ንእየሱስ እንዳፈረደ ብውሑድ ሓደ ካልእ እየሱስ ኣብ ቅድሚ ዳኛታት ነይሩ፣ ጀሲፈስ ዝተበሃለ ሓደ ጸሓፊ ታሪኽ ዩሁድ ኣብ " ጥንታዊ ኦሪት " ዘርእስቱ መጽሓፉ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

25 ዕስራን ሓሙሽተን እየሱስ ጠቂሱ ኣሎ፣ ሓድሽ ኪዳን ባዕሉ ብዛዕባ "ባርየሰስ" ዝተባህለ ጦንቃሊ መታለሊ ሓሳዊ ነቢ ይዛረብ ኣብ ግብሪ ሃዋርያ 13፣ 6 ርአ፣ ብተወሳኺ ኢየሲጦስ ዝተባህለ ኣብ ዘመነ ፓውሎስ ዝነበረ ይጠቅስ ፣እሞኸ ዳኣ ካብ'ዞም ኩሎም ዝተረቁሑ ንምንታዩ የሱስ ወዲ ማርያም ፍሉይ ኮይኑ፣ ካብ "esau" ናብ "( j ) esu ( s )" ዘገርም ፍሉይነት ኢዩ፣ እዚ ናይ ስም ፍሉይነት ከኣ ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ኣብ ካልኣይ ሚእቲ ዓመት ኣብ መንጎ ዩሁድን ክርስትያንን ንሓቀኛነቱ ዘይተቀባልነት ኣስዒብሎም፣ ብወገን ኣረኣእያ ዩሁድ እዚ ስም'ዚ ብመሰረቱ ናይ ሓደ ዩሁዳውነቱ ዘሕሰረ ብዘርኡ ዝኸሓደን ስለ ዝኾነ፣ ብወገን ክርስትያን ድማ ስጋ ለበስ ትኽክለኛ ኣምላኽ መጸውዒ ፈጣሪ ኢዩ ስለ ዝበልዎ፣ ብወገን ኣስላም ግን ክሳብ ሎሚ ንውላድካ ዒሳ ክትሰምዮ ፍቱው'ዩ ንምንታይ'ሞ ናይቲ ዓቢ ኩቡር ሰብ መልእኽተኛ ናይ ጎይታና ዝነበረ መጸውዒ ስም ስለ ዝኾነ።

ብዙሕ ጥቅስታት

ኣብ ቃንቃ እንግሊዝ ኣብቲ ኣዚዩ ህቡብ ተፈታዊ ትርጉም ቁዱስ ቁርኣን ብዓብዱ'ላሂ ዩሱፍ ዓሊ ዝቀረበ እዚ ዝስዕብ ጥቅስታት ኣብ መውጽኢ Index ኣብ ገጽ 1837 ንረክብ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ከርስቶስ ሓቀኛ ሕያዋይ ነብዩ ምኻኑ = ቁዱስ ቁርኣን ምዕራፍ 6፣ ጥቅሲ 85፣

ከመይ ኢሉ ተወሊዱ = 3፣ 45-47 19፣ 22-25

ነብዩ ናብ ደቂ እስራኤል ጥራሕ ምኻኑ = 3፣ 49-51

ብዛዕባ ብጾቱ ሓዋርያ = 3፣ 52-53 5፣ 114-118

ጎይታ ከም ዘልዓሎ = 3፣ 55-58 4፣ 157-159

ምሳሌኡ ከም ኣደም ምኻኑ = 3፣ 59

ከም ዘይተሰቅለ = 4፣ 157

ልዕሊ መልእኽተኛ ኣይነበረን = 4፣ 171 43፣ 63-64

ጎይታ ከም ዘይኮነ = 5፣ 17 5፣ 72

ኢንጂል ማለት (ወንጌል) ከም ዝተወሃቦ = 5፣ 46

መልእኽቱን ተኣምራቱን = 5፣ 110 19፣ 30-33

መኣዲ ምሕታቱ = 5፣ 114

ወዲ ኣ'ላህ ከም ዘአይኮነ = 9፣ 30

ንግጉይ ክምለኹ ኣይመሃረን = 5፣ 116-117

ሃዋርያ እስላምነቶም ምግላጾም = 5፣ 111

ውሱን ሉኡኽ ናብ ደቂ እስራኤል ጥራሕ ምንባሩ= 13፣ 38

ተኸተልቱ ኩሎም ሕያዎት ልዙባት ምንባሮም = 5፣ 27

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ሃዋርያ ኣዐወትቲ ድልየት ፈጣሪ ምኻኖም = 23፣30 43፣61

ትምቢት ምምጻእ ነብዩ ኣሕመድ = 61፣ 6

ሳልሳይ ምዕራፍ

ኣደን ወድን

ታኣማኒት መርየም

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ብዛዕባ ው-ልደቱ ክኸውን ከሎ ኣብ ካልእ ክልተ ምዕራፍ'ውን ብዛዕባ ልደት የሱስ ብኻልእ መልክዕ ነቲ ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኣብ ሱራ* 2 3 ተን ሱራ 19 ተን፣ ኣብ ገጽ 134 ዩሱፍ ዓሊ ዘቅረቦ ካብ ክብርቲ ወላዲቱ መርየም (ዓ.ሰ.) ኣብ ቤተ እስላም ዝሓዘቶ ናይ ክብሪ ቦታ ኢዩ ዝጅምር፣ ገና ብ-ልደት ወዳ ቅድሚ ምብሳራ ማለ'ዩ።

مريم إن الله اصطفاك وطهرك واصطفاك على نساء وإذ قالت الملئكة يا ﴾٢٨﴿ العالمين

" መላእኽቲ ዝበልዎ (ዘክረሎም) ኣንቲ መርየም

ኣ'ላህ መሪጹኪ ኣንጺሁኪ'ዩ ካብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ

ዓለም ንዓኺ መሪጹ "

ቁዱስ ቁርኣን 3፣ 42

* ሱራ ዓረባዊ ቃል ኢዩ ትርጉሙ ኸኣ ኣብዚ ምዕራፍ ማለት ኢዩ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

" ካብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዓለም !! ንዓኺ መሪጹ " ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ክብርን ሞጎስን ንመርየም ካብ ጎይታኣ ተለጊስላ ክርከብ ፈጺሙ ኣይከኣልን፣

እቲ ጥቅሲ ይቀጽልሞ

﴾٢٤﴿ يا مريم اق نتي لربك واسجدي واركعي مع الراكعين

" ኣንቲ መርየም ንጎይታኺ ተማእዘዚ፣ ስገዲ፣ ምስቶም ዝደኑ ድነኒ፣ "

ቁዱስ ቅርኣን፣ 3፣ 43

መሎኮታዊ ራእይ

ካበይ'ዩ ` ኣሰራርዓ ናይዚ ምዕሩግ ንባብ ቃላት ብፍላይ በቲ ዓረባዊ መሰረታዊ ምንጪ ክንበብ ከሎ ዓቅሊ ወዲ ሰብ ኮርኪሩ ዘሕነቅንቅ፣ ኣብ ጥቅሲ 44 ከምዚ ዝስዕብ ይገልጾ።

لك من أن باء الغيب نوحيه إليك وما كنت لديهم إذ ي لقون أقلمهم ذ ﴾٢٢﴿ أي هم يكفل مريم وما كنت لديهم إذ يختصمون

" እዚ ናባኻ ነውርዶ ዋሒ (ራኢ) ካብቲ ሕቡእ (ዝነበረ) ወረ እዩ፣ ምስኣቶም’ውን ኣይነበርካን ኣቅላሞም ክድርብዩ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

(ዕጫ ክገብሩ) ከለው፣ መኖም መርየም (ንምዕባይ) ሓላፍነት ይወስድ፣ ኣብቲ ከርክር ምስኦም ኣይነበርካን፣ "

ቁዱስ ቅርኣን፣ 3፣ 44

ልደት መርየም

ኣጀማምራ እቲ ታሪኽ ኣዲኣ ንመርየም ሃና ዓባዩ ንእየሱስ (ዒሳ ዓ.ሰ.) ማለት'ያ ንፈጣሪ ብንጹህ ልቢ ውላድ ንኽህባ ለመነቶ ከም ውጺኢት ሓሳብ ልባ ኣብ ዝሰመረላ እቲ ትወልዶ ቆልዓ ጹቡቅ ጌራ ኮስኪሳ ኣዕቢያ ንኣገልግሎት ንቤተ-መቅድስ ከተወፍዮ ምኻና ምስ ነብሳ ንጎይታኣ መብጽዓ ኣተወት።

ኣንጻር ትጽቢታ

ኣ'ላህ (ሱብሓነሁ ዎ ታዓላ) ጾሎታ ልመናኣ ተቀቢሉላ መርየም ድማ ተወልደት ንሃና ግና ፈጺማ ዘይተጸበየቶ ኮይኑዋ፣ ናታ ትጽቢት ወዲ ክትወልድ'ካ እንተነበረ ብኣንጻሩ ጋል ወሊዳ፣ ኣንጻር ትጽቢታ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዝሒ እዋን ኣብ መንገዲ ህይወት ብዝተፈላለየ ጉዳይ ጋል ፈጺማ ከም ወዲ ስለ ዘይትመጽእ’ዩ፣ ስለዚ ኸኣ'ዩ ኣብ ሓሳባ ዘይነበረ ዘይተጸበየቶ ዝኾና፣ እሞኸ ዳኣ እንታይ ትግበር ? ከምቲ ንኣ'ላህ (ሱ.ወ.) ናይ መብጽዓ ቃል ዝኣተወትሉ ኣዝዩ ከበዳ ምስ እዚ ኩሉ ጭንቀታ ግን ክሳብ መርየም ጉብዝ ኢላ ሕማቅን ጽቡቅን ትፈሊ ብትዕግስቲ ተጸበየታ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣብቲ ትደልዮ ዕድመ ምስ በጽሓትላ ሓና ንጋላ ሒዛ ናብ ቤተ-መቅድስ ከም መብጽዓኣ ከተረክባ ከደት፣ ኩሎም ተቀማጦ ቤተ-ል መቅድስ ነዛ ምጭውቲ ተፈታዊት ቆልዓ ንምውሳድ ያዕያዕታ ኮነ ናይ መን የዕብያ መን ሓላፍነታ ይወስድ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዕጫ ገበሩ ከም ንጉስዶ ኣንበሳ ማይናዶ ሓጋይና ዝኣመሰለ ማለት'ዩ፣ ኣብ መጨረሽቱኡ ናብ ነቢዩ ዘከርያ (ዘከርያስ) በጽሓት ወደቀት፣ ብዘይ ትምኒታዊ ምስሕሓብ ግን ኣይነበረን፣

ምንጪ ናይ መልእኽቱ

እቲ ታሪኽ ነዚ ይመስል ነይሩ፣ መሓመድ (ሰ.ዓ.ወ.) ደኣሞ ከምዚ ዝዓይነቱ ታሪኽ ካበይ ረኸቦ፣ illiterate ዘይጽሕፍ ዘየንብብ ክነሱ ብኸመይ ምጽሓፍ ኮነ ምንባብ ወላሓንቲ ዘይክእልስ ነዚ ክትንትን ዘገርም'ዩ፣ ኣብዚ ቀጺሉ ዝስዕብ እዚ ሕቶ'ዚ በቲ ዝለዓለ ጎይታ ኣ'ላህ (ሱ.ወ.) ክምለስ ከሎ ብሕጽር ዝበለ "ብመለኩታዊ ራእይ" ተባሂሉ ኸኣ ይንገረና፣

እቶም ኣንጻራውያን እዝስ ፈጺሙ ከምኡ ኣይከርውንንዩ ይብሉ ካብኡ ሓሊፎም እዚ ደኣ ደይ ሙሓመድ እቲ ሓሳብ ከም ዘለዎ ካብ መጻሕፍቲ ዩሁድን ክርስትያንን ወሲዱ ኣጸባቢቁ ከም ናቱ ጌሩ ዘቅረቦ'ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ቁዱስ ቁርኣን ብሙሉኡ ከም ዘለዎ ካብቲ ልዑል ሓደ ጎያታና ኣ'ላህ ሙኻኑ ዘለና ጽኑዕ ሃይማኖታዊ እምነትና ኣብ ቦቱኡ እንዳሃለወ፣ ንስነ ሞገተ እቶም ኣንጻራውያን እንታይ ክብሉዮም እስከ በሉ ናይ መሓመድ ( ሰ.ዓ.ወ.) ጹሑፍ'ዩ ኢልና ንቀበሎም ብድሕሪዚ ካብቲ ተኸራኻሪ ቅቡል ርትዓዊ ዝኾነ መልሲ ንጽበ፣ እንተዘይኮይኑ ገታር ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ንኣብነት መሓመድ ዓረብ ኣይኮነን ዝብል ምስ ዝርከብ ምስ ከምዚታት ዓይነት ሰብ ዘረባኻ በቲኽካ መጽሓፍካ ዕጾ፣

ምስ ምኽንያት ሓዘል ዝኾነ ሰብ ንቅጽል፣ እዚ ዓረባዊ ሑሉፍ ደጋፊ ሓቂ ዝኾነ ሰብኣይ መጀመርያ ንማንም ዓረብ ኣይኮነ ክሰብኽ ጀሚሩ፣ ወይውን ነስላም ህንዳውያ፣ ነኣስላም ናይጀርያውያን፣ ነኣስላም ቻይናውያን ኣይነበረን፣ ቅድሚ ኩሉ ዝሓበሮም ናይ ገዛእ ርእሱ ዓረብ ኣሕዋቱ'ዮም፣ እንተስ ብሓቅነቱ ዓጊቦም ክቅበልዎ እንተስ ክነጽግዎ መጀመያ ክነግሮም ከሎ እምበኣር ምስቲ ዝነበረ ህልዊ ዕቡይ ኩነታቶም ብኣንጻሩ ንልቢ ሰማዒ ኮነ እምሮ ብዘሕርር ቃላት መርየም (ማርያም) ኣደ ክርስቶስ ይሁዳዊት ክነሳ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ተመሪጻ ኢዩ ዝበሎም፣ ኣዲኡ ወላዲቱ ወይ ክብርቲ በዓልቲ ቤይቱ ወይ ከኣ ጋሉ ሓፍቱ'ውን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ማንም ጎረቤቱ ዓረባዊት ሰበይቲ ገዲፉስ ዩሁዳዊት ! ንምንታይ'ዩ ?

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ነዚ ደኾን ብስፍሕ ዝበለ ክገልጸልና ዝኽእል ሙሁር ይህሉ፣

ንኹልና ቅቡል ብዝኾነ ኣረኣእያ ንማንም ሰብኣይ ቅድሚ ኹሉ ደቀ ኣንስትዮ ዝሰርዓ እታ ጠንቂ መሰረት ህላዌኡ ዝኾነት ክብርቲ ወላዲቱ ካቡኡ ስዒቡ በዓልቲ ቤቱ እንተ ቀጸለ ጋሉን ሓፍቱን እዚኣተን ቅድሚ ዝኾነት ሰበይቲ ዝሰርዐን ሙኻኑ ዘየጠራጥር ጉዳይ'ዩ፣ እሞኸዳኣ ንምንታዩ እዚ ናይ ኣስላም ነቢዩ ካብቶም ኣንጻሩ ዝመረጸ ካብ ካልእ ከይትኸውን ካ ዩሁዳዊት ! ካብቶም ንልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ብዘርእን ወገንን ነሕዋቶ ዘቆናጽቡ፣ ክሳብ'ዚ እዋን ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ዘርኢ እሕዋቶም ዓረብ ናይ ልዑላውነት ስሚዒት ዘለዎም።

ሳራን ሃጀርን

ዩሁዳውያን እታ እኪት ጠርጣሪት ዓይኖም ካብ’ቲ ቅዱስ ዝበልዎ መጻሕፍቶም እዮም ረኺቦማ ንሳቶም ከም ዝብልዎ ኣቡኦም ኣብራሃም ክልተ ኣንስቲ ነይረንኦ፣ ዘርኢ ደቂ እስራኤል ካብታ ሕጋዊት ሰበይቲ ኣብራሃም ሳራ ከም ዝመጹ ክዛረቡ ከለው ፣ ዘርኢ ኣዕራብ ካብ ሃጅር ልእልቲ* 3 (ኣሚራ) ዘይኮነት ካብ ቅምጥቲ ወይ ባርያ

* ሃጅር ባርያ ወይ'ውን ቅምጥት ኣይኮነትን መስራዊት ኣሚራ ልዕልቲ ኢያ ነይራ ንኢብራሂም ከኣ በቲ ንጉስ መስር ዝነበረ ከም ሃድያ ስጦታ ኢያ ተዋሂባቶ፣ ብቅቡል ስነ ምምሕያሽ ዘርኢ ደቂ ሰብ ኮነ ታሪኻዊ መረጋገጺ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ዝመጹ እዮም ይብሉ፣ በዚ መሰረት ዩሁድ ዳሕረዎት ሕጋውነት ዝለበሱ ደቂ ኣብራሃም ክኾኑ ከለዉ ዘርኢ ዓረብ ደቂ ኣብራሃም ኣሕዋቶም ክነሶም ካብ ባርያ ወይ ቅምጥቲ ዝተወለዱ ትሑታት ወለዶ ይኾኑ ማለት'ዩ እዚ ከኣ ወገናዊ ዩሁዳዊ ትንተና ኢዩ ፣

እሞኸደኣ መን ከብርሃልና ይኽእል ከምዚ ዝዓይነቱ ስም ኣልቦ ጸለመ ብፉንፉን ታሪኽ እንዳገለጽዎም ከለዉስ ሙሓመድ (ሰ.ዓ.ወ.) ቁዱስ ቁርኣን ኣቀነባቢሩ ጽሒፍዎ ክንብል እንተዳኣ ኮንና ነዛ ዩሁዳዊት መርየም ልዕሊ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ክብልሲ እንታይ ኣምረጾ ? ስለዚ እቲ ጉዳይ ፈጺሙ ናቱ ድልየትን ምርጫን ኣይኮነን ንሱስ ሓንቲ ርእይቶ ኮነ ምርጫ የብሉን መሰል'ውን ኣይነበሮን ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ዝደለዮ ክዛረብ፣

﴾٢﴿ إن هو إل وحي يوحى

" እዚ ንዑኡ ራኢ ጥራሕ እዩ ዝረኣዮ( ዝግለጸሉ) "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 53፣ 4

ሱረትል መርየም

ንተኣማኒት ኣደ ኣልመሲሕ ዒሳ (ዓ.ሰ.) ወዲ መርየም (ማርያም ኣደ የሱስ ክርስቶስ ) እቲ ጉቡእ

ብመጽሓፍ ቅዱስ ከይተረፈ ጸሓፊኡ ኣብ the pros and cons of Israel ዘርኢን ወለዶን ሃጅር ካብ ሳራ ንላዕሊ ምኻኑ የረጋግጽ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ክብረታ ንኸንጸባርቅ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ምዕራፍ 19 ብስማ ተጻዊዑ ንረኽቦ ( ምዕራፍ መርየም (ማርያም) 19 ከኣ ይበሃል) ብኣንጻር ናይዚ ግን ኣብ 66 ሱሳን ሽዱሽተን መጻሕፍቲ ናይ ከኒሻ (ፕሮተስታንት) ኮነ ኣብ 73 ሰብዓን ሰለስተን ናይ ሮማን (ካቶሊኽ) ተጠቃሊሎም ነናቶም ሓደ መጽሓፍ ዝኾኑ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ክብረት ክወሃባ ተሪፉ ብወዳ ኮነ ብስማ ዝተሰምየ ምዕራፍ ፈጺሙ ኣይርከብን፣ በሉ እካ ደኣ ብማቴዎስ፣ ብማርቆስ፣ ብሉቃስ፣ ብየውሃንስ፣ ብጴጥሮስ፣ ብፓውሎስ፣ ዝተሰምየ እንዳሃለወ ብማርያም ኮነ ብወዳ ፈጺሙ የለን፣ ብተወሳኺ ካልኦት ክንዲ ክልተ ዕጽፊ ዝኽውን ብተፈላጥነት ዘይብሎም ተሰምዩ ንረኽቦ፣

ስለዚ መሓመድ (ሰ.ዓ.ወ.) ናይ ቁዱስ ቁርኣን ጸሓፊኡ ደራሲ እንተዝኸ'ውን ምስታ ምዕራፍ መርየም ክብርቲ ወላዲቱ ኣምና ጋል ወሃብ ተኣማኒት በዓልቲ ቤቱ ኸድጃ ጋል ኹወይልድ ወይ'ውን ተፈታዊት ውላዱ ፋጢማ መሓመድ ነዚኣተን ሓደ ኣባሉ ምስ ኣደ ዒሳ (ዓ.ሰ.) ጽምብር መበለን ነይሩ፣ እዚታት ግን ፈጺሙ ብጭራሽ ዘይከውን ነገር'ዩ ምኽንያቱ ብልሑ ዝመሃዞ ስለ ዘይኮነ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ራብዓይ ምዕራፍ

ጽቡቅ ብስራት

إذ قالت الملئكة يا مريم إن الله ي بشرك بكلمة منه اسمه المسيح عيسى ن يا والخرة ومن المقربين ابن ﴾٢٨﴿ مريم وجيها في الد

" መላእኽቲ ዝበልዎ (ዘክረሎም) ኣንቲ መርየም ኣ'ላህ ብናቱ ዘረባ ( ኩን ብምባሉ ) የበስረኪ፣ ስሙ ኣልመሲሕ (ክርስቶስ) ዒሳ ወዲ መርየም ኩቡር ኣብዛ (ህልውቲ ) ዓለምን ዳሕረወይትን፣ ካብ'ቶም ( ናብ ጎይታ ) ዝቀረቡ

እውን ኢዩ፣ "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 3፣ 45

" ካብቶም ናብ ጎይታ ዝቀረቡ '' ክብል ከሎ እንታይ ማለትዩ'፣ እዚ ዘረባ'ዚ እየሱስ ዒሳ (ዓ.ሰ.) ኣብዛ ህልውትን ዳሕረዋይ ዓለምን ኣልላህ ናብኡ ዘቅረቦን ንሱውን ናብ ጎይቱኡ ዝቀረበ ምኻኑ ኣፍሊጡ የረድኣና እንታይ ዓይነት ኣቀራርባ ከመይ'ዩ ኣብ መንጎ ካብ ዝደለዮ ፍጡራቱ ዘቅረበ ፈጣርን ፈጣሪኦም ዘቅረቦም ፍጡራትን ስለ ዝኾነ ብጀካ ፈጣሪ ማንም ዝርዝራቱ ብደቂቅ ሓቂ ዝፈልጦ የለን፣ እዚ ኸኣ እስላማዊ ኣረኣእያ ነቲ ብጎይታ ዝተነግረና ምቅርራብ ዘብርሃልና'ዩ፣ እዚ ብመልክዕ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ሃይማኖት ምስቲ ኣብ ( ማቴዎስ 16፣19*4 " ጎይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፣ ናብ ሰማይ ዓረገ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቀመጠ " ) ክረአ ከሎ እዚ ሽሾ ዝኾነ ክርስትያን ዓለም እዛ ጥቅሲ እዚኣ ትኹን ካልእን ኣብ ቅዱስ ማጻሕፍቶም ከም ጉቡእ ዘይተረዶኦም ነገር ብዙሕ ኣሎ፣ ንሶም ከም ዝሓስብዎ ኣቦ እግዛኣብሄር ኣብ ዓቢ ወንበሩ ኮፍ ኢሉ ኣዝዩ ብዘንጸባርቅ ስሉም መልክዕ ከምኡ ድማ የሱስ ወዱ ኣብ የማናይ ጎኑ ኮፍ ኢሉ ይረኣዮም፣ ካብዚ ሓሊፎም ነዚ ዓይነት ሓሳብ ብስእሊ ቀሪጾም እንተ ኣቅሪቦሞ ነቲ ክሕደት ሰጊሮም ርሑቅ ኣብ ካልእ ህልም ዝበለ መንገዲ ጥፍኣት'ዮም ሀውቲቶም ዘለዉ፣ ኣቦ ኣምላኽ እቲ ኣብ በዓል ልደት ምዕራባውያን ኮነ ኣሜሪካ ተኾሓሒሉ ዝቀርብ (ሳንታ ክላውስ ) ማለት ኣይኮነን፣ ንሱ ጎይታና ካብቲ ኩሉ ሓሳብ ወዲ ሰብ ጠራኒፉ ዝቀረጾ ኩነት ወጻኢ ኮይኑ ህላዌኡ ሓቂ'ዩ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ጎይታ እዩ፣ ሓሳብናን ዘሎና ፍልጠትን ንዑኡ ክበጽሕ ስለ ዘይከኣል ካልእ ጠቃሚና ከምኡ'ውን ከይንጉዳእ ሃሰውሰው እንተ ንብል ይሕሸና፣

እዚ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ቁርኣናዊ ጥቅስታት እየሱስ (ዒሳ ዓ.ሰ ) ማለት ክርስቶስ ( ኣልመሲሕ) ሙኻኑ

* ( ማቴዎስ 16፣19 ) ኣብዚ ሓደሽቲ ሕታም ካብ R.S.V. Revised Standerd Version ከም በካሊት ኮይና ኣልጊሶማ ኣለዉ፣ ዝያዳ መብርሂ ንምርካብ ( is the Bible God's word መጽሓፍ ቅዱስ እምበርዶ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ) ዝብል ጽሑፍ ርአ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣብሪሁልና ምስኡ'ውን እቲ ናብ መርየም ዝተለገሰ ኩን ዝብል ቃል ሙኻኑ ፈሊጥና፣ ብኣንጻር ናይዚ ክርስትያን ነዚ ከንብቡ ከለዉ እቲ ዘይግባእ ትርጉሙ ይህብዎ፣ ክርስቶስ ዝብል ቃል ከም ስጋ ለበስ ፈጣሪ ማለት ክኸውን ከሎ እቲ ናብ መርየም ዝተለገሰ ቃል ኣምላኽ ድማ እቲ ቃል ባዕሉ ንባዕሉ ኣምላኽ ይኸውን።

ክርስቶስ ስም ኣይኮነን

ክርስቶስ ዝብል ቃል ነቲ መሲይሕ ዝብል ቃል ዝተከአ ካብ እብራይስጥ ዝመጸ ክኸውን ከሎ ከምኡውን መሲሕ መሰረታዊ ቃሉ ካብ መ-ሳ-ሓ ማለት ዳህሰሰ ምድህሳስ ዝመጸ'ዩ፣ ምልካይ ምቅባእ - ነጋውስ ይኹኑ ካህናት ናብ ቤት ጽሕፈታዊ ስርሖም ኣብ ዝዋፈርሉ እዋን ተባሪኾም ተቀቢኦም ኢዮም ዝፋነው፣ እዛ " Christ " ትብል ግሪኻዊት ቃል ግን ብፍላይ ንእየሱስ ጥራሕ ዝተሓጽረት ኢያ ትመስል፣

ደረቅ ብልሒ ክርስትያን ነውራም ዝኾነ ሓጺን ናብ ኣንጸባራቂ ወርቂ ንምቅያር ህርድግ ናይ ምባሎም ልምዲ ጸኒሕዎም ኢዩ፣ ዘላደዮም ከኣ ይመስሉ እንታይ ዘይገበሩ ኣብቲ ፋሉል ናብ ገዘእ ርእሶም ምቅይያር

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣስማት፣ ከም እኒ ሲፋስ cephas ናብ ጴጥሮስ * 5፣ መሲሕ ናብ ክሪስት Christ እዚ ደኣ ከመይ ጌሮም ቀይሮሞ ይበሃል ይኸውን ? ኣዚዩ ቀሊል messiah መሲይሕ ብእብራይስጥ anointed ቁቡእ ማለት ክኸውን ከሎ ብቃንቃ ግሪኽ ንቅቡእ " ክርስቶስ " ዝብል ቃል ይትክኦ፣ ነቲ ብኸመይ ዝብል ሕቶኻ ከኣ ኣቡኡ ከለኻ ካብታ " Christos " ትብል ቃል እተን ክልተ ናይ መወዳእታ ቃላት " os " እለየን ምስ " Christ " ትተርፍ፣ ደጊም ተሪፉና ዘሎ እታ ንእሽተይ " c " ናብ ዓባይ " C " ምቅያር'ዩ በቃ ብኸምዚ መልክዕን ቅልጣፈን ድማ ሓዲሽ ሽም ተፈጢሩ ይበሃል፣ ክርስቶስ ቅቡእ ማለት ካብ ኮነ ቁቡእ ድማ ብሃይማኖታዊ ኣዘራርባ ስዩመ፣ ሾመ፣ መዘዘ፣ መረጸ፣ ይኸውን፣ ስለዚ እምበኣር እየሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ብመጥምቅ የውሃንስ መልእኽተኛ ፈጣሪ ንክኽውን ተቀቢኡ'ዩ፣ ማንም ናይ ጎይታ ( ሱ.ወ. ) ነቢ እምበኣር ቅቡእ ወይ'ውን ዝተመርጸ ስዩም በዓል መዚ'ዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ( anointed ) ቅቡእ ትብል ቃል መሰረታዊ ምንጫ ካብ እብራይስጥ " መሲይያሕ " ዝኾነት ቃል ተሞርኪሱ ክቀብእ ከሎ ነቢታት ነገስቲ ካህናት ኣቅሽሽቲ ጥራሕ ኣይኮነን ዝቀብእ ( " Christ-os-ed " ) ዝገበሮም

* ንኸምዚታት ዝኣመሰለ ዘይጽፉፍ ተላኻዒ ቃላት ( Mohamed The Natural Succesor To Christ መሓመድ (ሰ.ዓ.ወ.) ተካኢ ተፈጥራዊ ሙቅሉል ባህርያት የሱስ) ኣብ ዝብል መጽሓፍ ርአ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ዝነበረ ፣ ከሙኡ'ውን ኣቅርንቲ ፣ ሓወልትታት ፣ መላእኽቲ ፣ ላምባታት ( መብራህቲ ) ከይተረፈ ቀቢኡ'ዩ፣

" እቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝተቀባእካሉን

ኣምላኽ ቤት-ኤል ኣነ ኢየ ….. "

ዘፍጥረት 31፣ 13

" እቲ ዝተቀብአ ኻህን እንተ ኾይኑ

ሓጢኣት ዝገበረ …… "

ዘሌዋውያን 4፣ 3

" ንንጉስ ከኣ ሓይሊ ይህቦ ንቀርኒ መሲሁ

ኸኣ ልዕል የብሎ …… "

1ይ ሳሙኤል 2፣ 10

" ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኩሩብ ነበርካ፣ ኣነ .. "

ሕዝቅኤል 23፣ 14

" ሙሴ ድማ ዘይቲ ቅብኣት ወሲዱ ነቲ ማሕደርን

ኣብኡ ዝነበረን ኩሉን ቀብኦ፣ ደቀሶ ከኣ "

ዘሌዋውያን 8፣ 10

" እግዝኣብሄር ነቲ ቅብኡ፣ ንቂሮስ ህዝብታት ኣብ

ቅድሚኡ ክግዝኣሉ፣ ሕቆ ነገስታት ከኣ ክፈትሕ … "

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኢሰያስ 45፣ 1

ነዚታት ዝኣመሰለ ጥቅስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ምውጻእ ይከኣል'ዩ ፣ እቲ ኣብ ኣእምሮና ትዝ ክብለና ዘለዎ ግን ኣብ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያን እንገናጽለሉ እዋን " anointed " ወይ ቅቡእ ፣ ቀብአ ፣ ተቀብአ ፣ ምስ ዘጋጥመካ ብመሰረት ትርጉም ቃንቃ ግሪኽ ምስ ክርስቶስ ( Christos ) ከተታሕዞ ኣለካ ከምዚ ምስ እትገብር ከኣ ብዙሕ ዓይነት ቅቡኣት ክትረክብ ኢኻ ፣ ንኣብነት ክርስቶስ መልኣኽ ክርስቶስ ዓንዲ ክርስቶስ ቐሺ ክርስቶስ ሓወልቲ ክርስቶስ …… ወዘተ።

ገለ ካብ ክብረታዊ መጸውዒ

መሲያሕ ወይ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ዝብል ናይ ክብሪ ማጸውዒ ሓፈሻዊ ብእስላም ኮነ ክርስትያን ንእየሱስ ዒሳ ( ዓ.ሰ. ) ወዲ መርየም ክወክል ከሎ ካሎኦት ናይ ጎይታ ነቢታት ቅቡኣት ኣይኮኑን ማለት ኣይኮነን ፣ ከምዚ ዓይነት ፍሉይ መፍለጢ ሰናይ ( ሳጋ ) ንዝተፈላለዩ ዝተወሃበ ክኽውን ከሎ ኣብ ወገን ሃይማኖት " ረሱል-ላህ " ናይ ኣ'ላህ መልእኽተኛ ዝብል ግን ንዕስራን ሓሙሽተን ነቢታት ዝተወሰነ'ዩ ፣ ንኣብነት ንዒሳ ዓ.ሰ. ( እየሱስ ) ኣብ 61፣6 ንሙሳ ዓ.ሰ. ( ሙሴ ) ኣብ 19፣51 ፣ ኣብ ቤት እስልምና " ረሱል-ላህ " ንነቢዩ መሓመድ ጥራሕ ተጌሩ ክውሰድ የብሉን ከምኡ'ውን ኣይኮነን፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኩሎም ነቢታት ኣዕሩኽ ብጾት ጎይታ'ዮም ነዚ ግን ብሓለፋ ልዕሊ ኹሎም ዝፍለጠሉ ኣቦና ኢብራሂም ( ዓ.ሰ. ) ኢዩ ፣ ኸሊሉላህ ዓርኪ ኣልላህ ከኣ ይበሃል ፣ እዚ ከምዚታት ናይ ክብሪ ፍሉይ መጸውዒ ነቢታት ሙሳ'ውን ( ዓ.ሰ. ) ንኻልእ ፈጺሙ ብዘይተገበአ " ከሊሙ'ላህ " መዛርብቲ ኣ'ላህ ተባሂሉ ይፍለጥ ፣ እዚ ኮይኑ ግን ካሎኦት ነብታት ምስ ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ወታዓላ ) ከም ተዛረቡ ክንኣምን ከሎና ብሞንጎኝነት መልእኽተኛ መላኢካ ጅብራኤል ( መልኣኽ ገብሪኤል ) ጥራሕ ኢዩ ነይሩ ፣ እየሱስ ዒሳ ኮነ መሓመድ ( ሰላም ምሕረትን በረኸት ጎይታ ይውረዶም ) ዝተፈላለየ ክብረታዊ መፍለጥን መጸውዕን ከም ዘለዎም ንኣምን ፣ እዚ ክብረታዊ መጸውዒ ስም'ዚ ግን ወላካ እቲ ሓደ ዝረኸቦ እቶም ካሎኦት ብቀጥታ እንተዘይረኸብዎ በዚ መስረት ኩሎም ኩቡራት ሙኻኖም ዳኣ እምበር ሓደ ካብ ሓደ ንፈላልየሉ ክኸውን ፈጺሙ ኣይግባእን፣

መርየም ብድሕሪ በቲ ጥዑም ወረ ምብሳራ (ጥቅሲ 45 ማለት'ዩ ) ከሙኡ'ውን እቲ ገና ዘይተወልደ ወዳ የሱስ ዒሳ ዝብል ስም ከም እትሰምዮ ተነጊራ ኢያ ፣ ካቡኡ ሓሊፉ ክርስቶስ ( ቅቡእ ) ምኻኑ ቃል ካብ ናይ ዓለማት ጎይታ ምኻኑ ተነጊሩና ……………….. እቲ ጥቅሲ ይቅጽል፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

﴾٢٤﴿ وكهل ومن الصالحين ويكلم الناس في المهد

" ንሰባት ክዛረብ ኢዩ ፣ ኣብ ቁልዕነቱ

( ሕቃፍ ከሎን ) ምስ በጽሓን ( ምስ ኣኸለ )

ካብቶም ሒያዎት ከኣ ኢዩ "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 3፣ 46

እዛ ብስራት እዚኣ ኣብ ሓጺር እዋን ተፈጺማ ኣብታ ቀጻሊት ኣያ ሱረትል መርየም ( ጥቅሲ ምዕራፍ መርየም ) ከምዚ ይብል ፣

يا أخت ﴾٨٢﴿ قالوا يا مريم لقد جئت شيئا فريا فأتت به ق ومها تحمله ﴾٨٢﴿ هارون ما كان أبوك امرأ سوء وما كانت أمك بغيا

" ( ቆልዓኣ ) ሓቂፋ ናብ ህዝባ መጸት ፣ ኣንቲ መርየም (ብርግጽ ) ዘገርም ነገር ሒዝኪ መጺኺ ኢሎማ ፣ ኣንቲ

ሓፍቲ ሃሩን ( ኣሮን ) ኣቦኺ እንተኾነ እከይ ሰብ ኣይነበረን፣ ኣዴኺ'ውን ኣመንዝራ ኣይኮነትን ፣ "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 19፣ 27-28

ዩሁድ ተገሪሞም

ኣብዚ እምበኣር ዮሴፍ ጸራብ ዕንጨይቲ (ፈለኛሞ ) ዝበሃል ፈጺሙ የሎን ፣ እቲ ኩነት ኣበይ መዓስ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ንምንታይ ከመይ ተፈጺሙ ፍሉይ ብዓይነቱ ንብሕታ ዘጋጠማ ራህዋ ዝዛዘሞ ኣብ ጸበባ ወላዲት'ያ ነይራ ፣ ነቲ ናጽላ ውላዳ ሓቂፉ ድማ ካብ ቤተልሄም ናብ ህዝባ ተመልሰት ገላጻ ቁዱስ ቁርኣን 19፣ 16 ይቅጽሎ።

መርየም ካብ ቤተሰባ ንሓያሎ እዋን ምርሓቃ እቶም ህዝቢ በቲ ኩነት ምግራሞም ፈጺሙ ደረት ኣይነበሮን ብዝተፈላለየ ምልክዕ ምድላዋቶም እቲ ኣዝዩ ዝኽፍአ ሓሳባት ኣብ ልዕሌኣ’ዩ ነይርዎም ፣ ንሳ ግን ቆልዓኣ ኣብ ደረታ ሓቁፋ ብሙሉእ ርእሰ ተኣማንነት ፍጹም ሕንከት ከይተሰምዓ ሒዛቶ ተመሊሳ ፣ ምንጪ ሕያውነት ዝኾኑ ቤት ሰብ ሃሩን /ኣሮን/ ማዕረ ክንደይ ኣዋሪዳቶም ኢሎማ ! ሓፍቲ ሃሩን መርየም ውሉድ ወሎደኣ ኣዘኻኺራ ነቶም ፈጺሞም ካብ ስርዓት ዘይወጹ ወለዳ ሞራሎም ሰይራ ንርእሳ ተሰኒፋ ነቲ መቦቆላ'ውን ውርደተ ሕፍረት ሸሊማቶም ካልእን በሉ፣ እሞኸ ዳኣ ኣብ ከምዚ ኩነታት እንዳሃለዉ መርየም እንታይ ትግበር ብኸመይ ጌራ ምስ እትገልጸሎም ከዮም ክቅበልዋ እሞ ኸኣ ምስ’ቲ ጠርጣሪ ሃለዋቶም ሓቅን ክእለትን ዝመስሎም ዘለዉ ሰባት ንሳ ትህቦም መግለጺ ክቅበሉ ፈጺሞም ድልዋት ኣይነበሩን ፣ ስለዚ መርየም'ውን ነዚ ፈሊጣ ኩሉ ዝበልዎን ክትብሎን ዝከኣላ ዘበለ ጠንጢና ናብቲ ሕቃፋ ውላዳ ተዛረብዎ ዝዓይነቱ ምልክት ሃበቶም ፣ ማንም ቆልዓ ከም ዘይኮነ እንታይነቱ ልዕሊኦም ስለ እትፈልጥ ድማ’ያ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ብዘገርም ፍቃድ ጎይታ ወዮ ውልዶ ህጻን ተዛረበ፣ ብፈለማ ካብቲ ኩሉ ዝተባህለ ጠቀነ ሓሶት ነዲኡ ተኸላኺሉ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከሕድቲ ሰበኻዊ ጻዊዒት ገበረሎም፣ ካብቲ ተኣምራት ዒሳ (ዓ.ሰ,) ከኣዩ፣ ( እዚ ካብ ትርጉም ዓዱልላሂ ዩስፍ ገጽ 2480-2482 ዝተወስደ ትንተናዊ ገላጺ ሓሳብ'ዩ) ናብቲ ቁርኣናዊ ትሕዝቶ ንመለስ፣

﴾٨٢﴿ في المهد صبيا قالوا كيف نكلم من كان فأشارت إليه

" 29= ናብ'ቲ ( ቆልዓ ) ኣመልኪታትሎም፣ ኣብ ሕቅፎ ንዘሎ ቆልዓ: ከመይ ጌርና ክንዛረቦ ( ደሊኺ ) ኢሎማ "

ብድሕሪኡ ዒሳ ብተኣምር ተዛረበ

﴾٤٣﴿ قال إني عبد الله آتاني الكتاب وجعلني نبيا

" 30 = ኢልዎም ኣነ ባርያ ( ኣገልጋሊ ) ናይ ኣ'ላህ ኢየ ፣ ኪታብ ሂቡኒ ከምኡ'ውን ነቢዩ ገይሩኒ ኢዩ ፣

وجعلني مباركا أين ما كنت وأوصاني بالصلة والزكاة ما دمت حيا ﴿٤٣﴾

'' 31 = ኣብ ዝኾንኩዎ ሕያዋይ ገይሩኒ ኢዩ ፣ ክሳብ ዘለኹ

ሰላት ( ስግደት ክሰግድ ) ዘካት( ግድነታዊ ውህብቶ ) ክህብ ኣዚዙኒ ኢዩ ፣

وب را بوالدتي ولم يجعلني جبارا شقيا ﴿٤٨﴾

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

'' 32 = ንወላዲተይ ሑሉፍ ሕያዋይ ደኣምበሪ ዕቡይ ዓብላሊ ( ዘይጠቅም) ቁርሱስ ኣይገበረንን ፣

والسلم علي ي وم ولدت وي وم أموت وي وم أب عث حيا ﴿٤٤﴾

'' 33 = ሰላም ኣብ ልዕለይ ኢዩ ፣ ዝተወለድኩሉ መዓልቲ፣

ዝሞተሉ መዓልቲ፣ ህያው ኮይነ ዝትስኣሉ መዓልቲ ፣ "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 19፣ 29-33

ፈላሚት ትእምርቱ

ዘገርም ! የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ነዲኡ ወላዲቱ ካብዚ ኹሉ ጸለመ ምጥፋእ ስም ዝኾነ ውርደት ተኸላኺሉላ ፣ ብተወሳኺ ከምቲ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ተመዝጊቡዎ ዘሎ ፣ ኣብ ገዛ ኣስላም ዝንገረናን ናይ መጀመርያ ተኣምራት ዒሳ ዓ.ሰ. ዝገበሮ ኣብ ሕቅፎ ወላዲቱ ኮይኑ እዚ ኣቀዲምና ዝሰማዕናዮ ምዝራቡ ኢዩ ፣

እምበኣርከስ ነዚ ሕልፍ ኢልና ምስቲ እየሱስ ጌይርዎ ዝበሃል ናይ መጀመርያ ተኣምራት ኣብቲ ናይ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ነነጻጽሮ ፣

" 1- የሱስ ወዲ 30 ዓመት ምስ መልአ ……..

# ኣብታ ሳልሰይቲ ምዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ገሊላ መርዓ ኾነ ፣ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት ፣

# የሱስ ምስ ደቀ ማዛምርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ፣

# ወይኒ ምስ ተወድኤ ፣ ኣደ የሱስ ወይኒ እምበር

የብሎምን ፣ በለቶ

# የሱስ ድማ ፣ ኣቲ ሰበይቲ ፣ ምሳኺ ኸ እንታይ ኣሎኒ ፣

ጊዜይ ገና ኣይበጽሓን ፣ በላ ፣

# ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቅቲ ፣

ንሱ ዝብለኩም ኩሉ ግበሩ ፣ በለቶም ፣

# ኣብኡ ከም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሽዱሽተ

ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ ፣ እቲ ኣጋንእ ከክልተ

ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ ኢዩ ፣

# የሱስ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ ፣ በሎም ፣

ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ ፣ ሽዑ ፣ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ

ነቦ ዳስ ውሰድሉ ፣ በሎም ፣ ንሳቶም ከኣ ወሰዱ ፣

# እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ፣

ምስ ጠዓሞ ፣ ካበይ ሙኻኑ ኣይፈለጠን ፣ እቶም

ማይ ዝመልኡ ተዓጠቅቲ ግን ይፈልጡ ነበሩ ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ምርዓዊ ጸዊዑ ፣

# ኩሉ ሰብ ቅድም ጹቡቅ ወይኒ ( መስተ ) ፣ ምስ

ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቅ ዝበለ ደኣ የቅርብ ፣ ንስኻ

ግና ነቲ ጹቡቅ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ ፣ በሎ ፣

# የሱስ ነዚ መጀመርታ ታኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና

ናይ ገሊላ ገበሮ ፣ ክብረቱ ኸኣ ገለጸ ፣

ደቀ መዛምርቱውን ብእኡ ኣመኑ ፣ " )

የውሃንስ ፣ 2፣ 1—11

ካብዚ ሃይማኖታዊ ተኣምር እዚ ጀሚሩ'ዩ እምበኣር ኣብ ገዛ ክርስትያን መስተ ማዕረ ክንደይ ጭቡጥ ጎዳኢ ምኻኑ እንዳተፈለጠ ከም ሓደ ንቡር ዘየቃርጽ ውሕጅ ሓጋይ ዝፈስስ ዘሎ ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጹቡቅ ንሓላፊኦም ጹቡቅ ንዖኦም ዝመስሎም ሃላያት ሰዓብቲ ፣ የሱስ ፈጺሙ ሰነፍ ሰብ ከም ዘይነበረ እንዳመስከሩ ክነሶም እቶም ኣዚዮም ዝሰኸሩ ከይተረፉ ምምማዩ ኣይሰኣኑን ፣ " ንስኻ ግና ነቲ ጹቡቅ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ በሎ " እዝውን እንተኾነ ጡዑይ ዝበለጸ ወይኒ መስተ ኣይነበረን ፣ በሉካ ደኣ እዚ ወይኒ'ዝስ ሑሉፍ ታሪኽ ኣለዎ ባዕሉ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያን ከም ዝብሎ እቲ ንኽልትኤን ኣሕዋት ደቂ ብጹእ ኣቡን ዘይኮናስ ደቂ ነቢ ሎጥ ነቡአን ከምኡ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ዝዓይነቱ ኣስትየን ሃለዋቱ ኣጥፊኤን ኢየን ተጋሲሰን ውላድ ዘትረፋሉ ዓይነት ወይኒ መስተ'ዩ ነይሩ ፣ ( ዘፍጥረት 19፣ 32-33 ርአ ) ካብዚ ሓሊፉ'ውን ከምቲ ክርሕቅዎ ዝተመኸሩ መስተ ወይኒ ኢዩ ነይሩ ኮይኑ ግን ዘለዎም ፍቅሪ ምስ መስተ ከምቲ ባዕላቶም ዝበልዎ ንዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ኢዩ ፣

" ……. ብወይኒ ኣይትስከሩ ……. "

ኤፌሶን፣ 5፣ 18

እዚ ድማ ነቲ የዋህ ድህሉል 1% ሓደ ሚእታዊ ዘየቃርጽ ሓያል ሳዕቢ ብመላይን ዘርጠብጠብ ዝብል ዓሚቅ ጥፍኣት ኣሜሪካ ካብ መንጎ'ቶም ልዕሊ 70 ሚልዮን " born again " ዳግማይ ውልደት ተወሊድና በሃልቲ ክርስትያን 10 ሚልዮን ሰኽራማት ኣለውዋ፣ ነዚኦም ደሓን ብዝኾነ ስም ንምጽዋዕ ኣሜርካ ጸገም ጭንቂ ዘስከሮም PROBLEM DRINKERS ትብሎም ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ alcoholics ውልፈ ኣልኮል ተባሂሎም ይጽውዑ፣ እዚ ኹሉ ከኣ ብህዝቢ ሰኽራማት ድርባያት ሰነፋት ተባሂሎም ክስመዩ ስለ ዘጸይፍ'ዩ ፣

ዶክተር ኬነት ካውንዳ ቀዳማይ ሚኒስትሪ ዛምብያ ነበር ግን ነቲ ኣስካሪ ዝኾነ መስተ ዝለመደ ህዝቡ ንምግላጽ ግናይ ብግናዩ ካብ ምጽውዑ ድሕር

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣይበለን ፣ " ሃገር ሰኽራማት ክመርሕ ፈጺመ ድሉዊ ኣይኮንኩን " ኢዩ ዝበለ ፣

እቲ ምስ መስተ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ኮይኑ ድዩ ኣይኮነን ኣብ ገጽ የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ሕንከት ገዛእ ርእሱ ተራእዩ ድዩ ኣይተራእየን ብሓቂ ንፈልጦ ነገር የለን ከምዚ ካብ ተባህለ ድማ ንዑኡ ኮነ ደቀ መዛምርቱ ክንወቅሶም ኣይግበኣናን፣ ነቲ ናይ መስተ ልምዶም* 6 ወይውን ነቲ ኣብቲ እዋኑ ተፈጺሙ ዝበሃል ምስ ምስተ ዝተተሓሓዘ ታሪኽ፣ ምኽንያቱ ነቲ ጉዳይ ኣብ ገለ ብቡሩህ ሓቂ ስለ ዘቅረብዎ፣

" ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ኣሎኒ፣ ግናኸ ሕጂ ክትጸርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም * 7 "

ወንጌል የውሃንስ 16፣ 12

ደቂ ሰባት ገና እቲ ሙሉእ ተቀባልነት ሓቅነት እስልምና ክሳብ ሕጂ ፈጺሞ ኣይበጽሕዎን ፣ ነዚ ንምርግጋጽ ዘይተባህለ ኣይኮነን ፣ ምስላ ጋሶት ከም

ንሕና ኣስላም ፈጺምና ክንዝንግዖ ዘይብልና ሰሓባ (ተኸተልቲ) ነቢዩ ሙሓመድ ሰ.ዓ.ወ. እውን መስተ ቅድሚ ሓራም ምኻኑ ይሰትዩ ነይሮም ኢዮም፣ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ግን ብትእዛዝ ጎይታ ቁዱስ ቁርኣን 5፣93 ንሓዋሩ ኣብ ኣስላም ፈጺሙ ተሓሪሙ፣ * እዝን ካልእን ትንቢት የሱስ ካብ ቅዱስ የውሃንስ ዝጸሓፎ ወንጌል ብትኽክል ኣብ ግዜ ነቢዩና ሙሓመድ ተፈጺሙ፣ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ Mohamed The Natural Successor To Christ ርአ፣ *2 ኣርባዕቲኡ መጻሕፍቲ ሓዲሽ ኪዳን ወንጌል…………. ከም ዝበሎ እንዳበለ ምግላጹስ ንምንታይ ኮን'ዩ? '' መጽሓፍ ቅዱስ እምበርዶ ቃል ኣምላኽ ኢዩ Is The Bible God's Word '' ካብ I.P.C.I. ብነጻ ወሰዱ ምስ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ቀሪቡ'ሎ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ዝብሎ፣ ዓስ አልኩኺ ክር አልኩኺ እንተ ኣበኺ ኣብ ኣፍ ነብሪ ይደኺ ኢዩ ፣

" ንሓድሽ ( መስተ ) ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕረቅዎን "

ማቴዎስ 9፣ 17

ወላዲተይ ዶ ኣቲ ሰበይቲ

ቅዱስ የውሃንስ ከም ዝበሎ*2 ኣብቲ ዝሓለፈ ጥቅሲ ኣርባዕተ ናይ ምዕራፍ ክልተ ኣብ ቃና ውራይ እንዳተኻየደ የሱስ ነዲኡ ጽዩፍ ቡዕሉግ ዝኾነ ዘረባ ተዛሪብዋ፣ ኣቲ ሰበይቲ ብውርደታዊ ኣጸዋውዓ ጥራሕ ከይኣክል " ምሳኺ እንታይ ኣሎኒ ኢዩ " እንታይ የራኽበና ኣነን ንስኽን ወይውን እንታይ ክገብረልኪ ደሊኺ? ኣብ'ዚ ኸኣ መስደመም ተረኺቡ ኣዝዩ ዘገርም ! እዝስ ረሲዕዎ ድዩ ክበሃል እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣብ ከብዳ ጸይራቶ እንተወሓደ ክልተ ዓመት ኣብ ዝባና ሓንጊጣ ብሰበብ ናቱ ክንደይ ካብ ኩለን ኣዴታት ዝተፈልየ ሽግር ገጢምዋ ኣብ ዓይነታዊ ፍሉይ ተርእዮ ስቃይ ኮይናዶ ኣይወለደቶን'ያ፣ ወይስ ኣዲኡ ወላዲቱ ኣይኮነትን፣ ነዚ ተባሂሉ ዘሎ ዝነብብ ከ ካብ'ዝስ እንታይ ዓይነት ትምህርተ ሰናይ ኣብነትን'ዩ ክወስድ፣ ወይ ከኣ ብቃንቆኦም ንወላዲት ዝኸውን ሙቅሉል ቃል ዘረባ ደኾን የለን ይኸውን፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣዚዩ ዘገርም እንተመስለና ኣብ ገለውን ብዛዕባ ጎይቶኦም ትሕትና ሕያውነት ቅንዕናን ትዕግስትን ዓው ኢሎም ክዛረቡ ከለው ጃህራ ሰበኽቲ ክርስትያን ነዚታት ሓሊፎም ልዑል ሰላም prince of peace ድማ ይብሉዎ፣ ተመሊሶም ከኣ ከም ሓደ ወላሓንቲ ክገብር ዘይክእል ብተፈጥሮ ለኻት ድንዙዝ ዒየት ተጎሲሱ ንማሕረዲ ናብ ብልሒ ኻራ ዝኣቱ ብጭራሽ ኣፉ ኣይከፈተን ንመስዋእቲ ይብልዎ፣ ነዚ ድማ ኮሪዖም ክሳብ ሕጂ መዝጊቦሞ ኣለው፣ ንሱ እንተኾነ በቲ ዝብልዎ ጽያፍ ነውራም ነድሪ ዝኾነ ዘረባ ኣብ ልዕሊ መሳቱኡን ዘርኡን ነቀፌታ ይኹን ልዑልነት ዘንጸባርቅ ዘረባ ኣየቃረጸን ፣ እንተ ዳኣ ቅዱስ መዛግቦም ከም ሓቂ ኮይኑ ማለት'ዩ ፣

" ኣቱም ኣመሳሰልቲ ፣

" ኣቱም ዱኹማት ዘመውቲ ወላዶ !

" ኣቱም ትዕቢተኛታት !

" ኣቱም ኣፍዑት ውላድ ተመን !

ድሕሪዚ ድማ ገዛእ ወላዲቱ

" ኣቲ ሰበይቲ ……………. "

ተኸላኻሊ የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. )

መሓመድ ( ሰ.ዓ.ወ. ) መልእኽተኛ ናይ ኣ'ላህ (ሱ.ወ.) እቲ ኩሉ ብጸላእቲ የሱስ ኣብ ልዕሊኡ ብወገን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ይሁድን ክርስትያንን ዝተኣከበ ሓሶት ብሙሉኡ ነጺጉ ነቲ ታሪኽ ሐቀኛ መስመሩ ኣትሒዝዎ ኢዩ፣

﴾٤٨﴿ وب را بوالدتي ولم يجعلني جبارا شقيا

" ንወላዲተይ ኣዚየ ሕያዋይ (ምእዙዝ) ደኣምበር ፣ ዓብላሊ (ዕቡይ ዘይጠቅም ) ቁርሱስ ኣይገበረንን ፣ "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 19፣ 32

መርየም በቲ ጽቡቅ ብስራት ልደት ሩሑስ ሕያዋይ ቆልዓ ምስ ተነገረት ኣብ መቀጸልታ ናይ ቁዱስ ቁርኣን 3 ፣ 45 ከምዚ ዝስዕብ ይገልጸልና ፣

﴾٢٢﴿..... قالت رب أنى يكون لي ولد ولم يمسسني بشر

" (ንሳ) ኢላ ፣ ኣንታ ጎይታይ ንዓይ ክኾነለይ ድዩ ውላድ፣ ዝኾነ ሰብኣይ ዘይተንከፈኒ ( ክነሰይ ) ፣

እቲ መላኢካ መልኣኽ ነዚ ሕቶኣ ክምልስ ከሎ እንታይ ኢሉዋ፣

لك الله يخلق ما يشاء .... إذا قضى أمرا فإنما ي قول له كن قال كذ ﴾٢٢﴿ف يكون

" 47= (ንሱ) ኢልዋ ፣ ወላካ ከምኡ እንተ ኾነ ፣ ኣ'ላህ ዝድላዩ ይፈጥር ፣ እንተ ወሲኑ ፣ ትእዛዝ (ጥራሕ)፣ ኩን

ይብሎ፣ ይኸውን ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

نجيل ﴾٢٢﴿وي علمه الكتاب والحكمة والت وراة وال

ክዕልሞ ኢዩ መጽሓፍ ኮነ ጥበብ ፣ ተውራትን ኢንጅልን ፣ (ብሉይ ኪዳንን ፣ ወንጌልን)

ቁዱስ ቁርኣን፣ 3፣ 48

ሓምሻይ ምዕራፍ

ርእይቶ ትርጉም

ኣል-ቁርኣን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ

ርክብ ምስ ኣቡን

ዓቢ ተስፋ እገብር እታ ኣብ ገጽ 11 ኣሰር መብርሂ መጽሓፍ ዓብዱልላሂ ዩሱፍ ዓሊ ቀሪባ ዘላ ምኽሪ ተቀባልነት ረኺባ ክትከውን ኣነ ከም መኻሪ ተግባራውነታ ምስ ፈጸምኩየ ብትኽክል ንኽጥቀመላ ዕድል ኣብ ርእሲ ዕድል ዘጋጠመኒ፣ ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ጆሃንስ በርግ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍ ቅዱስ ኣትየ ንዓይ ዘድለየኒ ንምርካብ መጻሕፍቲ እንዳገላበጥኩ ከለኹ ናይ ኢንዶኔዝያ መጽሓፍ ከሙኡውን ዓቢ ኣዚዩ ኩቡር ክፍሊ volume ናይ ግሪኽ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ቃንቃ እንግሊዝ ዝተመልሰ ኣብ ኢደይ ሒዘ ግልብጥ ክብል ሓደ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ዘይልሙድ ነገር ተዓዚበ፣ እቲ ሓላፊ " ቤተ መጽሓፍ ቅዱስ " ናባይ ክመጽእ ረኣኽዎ የስተብህለለይ ምንባሩካ እንተ ዘይፈለጥኩ ምናልባት እቲ ምልክት እስላምነትይ ጭሕመይን ቆቢዐይን ኩፍየት ይኽውን ንኽዛረብ ደሪኽዎ፣ ንምንታይ ኣዚዩ ኩቡር ክፍሊ መጽሓፍ ከም ዘልዓልኩ ንምፍላጥ ህሰውሰው በለ፣ ኣነውን ናይ ብዙሓት ተገራጫዊ ሃይማኖት ተማሃራይ ብሙኻነይ ከምዚ ዝዓይነቱ መጽሓፍ ከም ዘድልየኒ ገሊጸሉ፣ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢርና ሻሂ ክንሰቲ ሓቲቱኒ እዚ ድማ መርኣያ ክብረቱ ስለ ዝኾነ ተቀብለዮ፣

ኣብቲ ሻሂ ቡን እንሰትየሉ እዋን ንሕና ኣስላም ብየሱስ ከም እንኣምን ነጊረዮ፣ ካቡኡ ሓሊፈውን ዒሳ ( ዓለይሂ ሰላም ) እቲ ዝዓበየ ኣብ ቤተ እስላም ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ገሊጸሉ፣ እዚ ኣቡን ግን ብዛዕባ እቲ ዝነገርክዎ ፈጺሙ ዝተጠራጠረ ይመስል ነዚታት ብዘይ ምፍላጡ ንዓይውን ኣዙዩ ገሪሙኒ፣ ንምንታይ'ሞ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያሎ ፍልጠት ዘለዎ ብሰንኪ ዕብየት ካብ ስራሕ ደው ዝብል ጡረታ ቐሺ ጥራሕ ኢዩ ሓላፊ ቤተ መጻሕፍ ቅዱስ ዝኸውን፣ ቀጺለ ካብ ምዕራፍ 3 ሰለስተ ጥቅሲ 42 ኣርበዓን ክልተን ከንብበሉ ጀሚረ፣ --

وإذ قالت الملئكة يا مريم إن الله اصطفاك وطهرك واصطفاك على نساء ﴾٢٨﴿ العالمين

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

" መላእኽቲ ዝበልዎ ( ኣዘክሮም ) ኣንቲ መርየም፣ ኣ'ላህ መሪጹኪ …… "

ንኣቡን ዳንከር እቲ ትርጉም ናይ እንግሊዝ ጥራሕ ክሰምዕ ኣይደለኽዎን ስለዚ በቲ መሰረታዊ ምንጪ ቃንቃ ዓረብ ኣሰንየ ክሳብ ጥቅሲ 49 ኣንቢበሉ፣ ሰድዩ ንድሕሪት ዘጠጥ ኣቢሉ ኣስተርሑ ከላሙ'ላህ ዘረባ ኣ'ላህ ሰሚዑ ንባበይ ምስወዳእኩ ርእይቶ ክህብ ከሎ መልእኽቲ ቁዱስ ቁርኣን ልክዕ ከም ናቶም መጽሓፍ ቅዱስ ምኻኑ ኢዩ በለ፣ ብተወሳኺ ንሱ ከም ኣማኒ ክርስትያን ካብዚ ኩሉ ዘንበብኩሉ ጉሉጽ ዝኾነ ፍልልይ ከም ዘይረኸበ ነጊሩኒ፣ ምናልባት ሓቁ ነይሩ ምበልና ጎንጎኑ እቲ ዓረባዊ ምንጪ እንተዘይነብር፣ እንግሊዛዊ ትርጉም ጥራሕ እንተዘንብብ ኸኣ ወላ'ውን ንዓመታት ቁዱስ ቁርኣን ኣንቢበ ኢሉ ፈጺሙ ኣይምገመተን፣ እንተ ደኣ (protestant ከኒሻ ) ኮይኑ ነቲ ዘንበቦ ናይ ሮማን ካቶሊኽ ትርጉም ምመሰሎ ወይ'ውን ሓንቲካ ዘይረኣየ እንተመሰሎ ናይ ጆሆቫ ምስክር ወይ ናይ ግሪኽ ተዋህዶ ( orthodox version ) ኦርቶደክስ ትርጉም'ዩ ምበለ፣ እንተ ኣርሓቀ ገለ ካብቲ ብዙሕ ነናቶም ደኣ ምመሰሎ እምበሪ ቁርኣናዊ ትርጉምሲ ፈጺሙ ኣይምመሰሎን፣ ንምንታይ'ሞ ዝኾነ ወገን ክርስትያን ክነቦ ወይውን ክሰምዖ ካብ ዝደልዮ ንላዕሊ ብዛዕባ የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ኣብ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ቁዱስ ቁርኣን ብዘይ ገለ ተወሳኽን ጎደሎን በቲ ዝተፈልየ ዝለዓለ ኣገላልጻ ቃላት ተጻሒፉ ስለ ዝረኽቦ፣

ኣብዘን ሓጸርቲ ንጹራት ጥቅሲ 42 ክሳብ 49 እዚ ዝስዕብ ተነጊሩና፣

# - መርየም ( ማርያም ) ኣደ የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ንጽህቲ ኣብ እዋና ዘመናዊት ምርጽቲ ጎይታ ኣብ ክልቱኡ ዓለም ኮይና ምስ ክብረታ ድንግል ከም ዝነበረት፣

# - ኩሉ እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ዝወርድን ዝበሃልን ዝነበረ ብመሎኮታዊ ራኢ ካብ ጎይታ ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ወታዓላ ) ከም ዝነበረ፣

# - የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ኩን ዝብል ቃል ናይ ኣ'ላህ (ስብሓነሁ ወታዓላ ) ከም ዝኾነ፣

# - የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ዩሁድ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ነቢዩ ክርስቶስ ሙኻኑ፣

# - ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ወታዓላ ) ንየሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ገና ካብ ቁልዕነቱ ጸጉኡ ለጊሱ ብፍሉይ ተኣምራት ከም ዘሐየሎን፣

# - ው-ልደት የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ብዘይ ገለ ኣንጻር ተባዕታይ ዘርኢ ብተኣምር ከም ዝተፈጠረ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

# - እቲ ካብ ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ወታዓላ ) ናብ የሱስ (ዒሳ ዓ.ሰ. ) ዝተወሃቦ ተኣምራታዊ ራኢ ሓላፍነታዊ ልግሲ ምንባሩ፣

# - ብፍቃድ ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ወታዓላ ) ምውታት የተስእ ምንባሩ ከሙኡውን ዕውራት ዝተወልዱ ኮነ ሕማም ለምጺ ( ጻዕዳ ) ዝለኸፎም የሕውን ይፍውስን ምንባሩን ወዘተ …… ፣

ማይን ጸባን

መብዛሕትኡ ክፍልታት ክርስትያን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዋሂቡ ዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ ብነጸላ ይኹን ብሓፈሻ ዝነጽጎ ነገር የብሉን፣ ግን ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ዘሎ ፍልልያት ከም ማይን ጸባንዩ ኣይበሃልን፣ ኣቡን ዳከር ከም ዝበሎ እዚ ንዓይ ኩሉ ሓደዩ ኣበይ ዳኣሉ እቲ ፍልልይ ክብል ሓቲቱኒ፣

እቲ ታሪኽ ኣብ ክልቲኡ ጀሚሩ ክሳብ ዝውድእ ዳርጋ ሓደ ይመስል ይኸውን፣ እንተ ኾነ ግን ሓደ ምምሳል ማለት ብዝኾነ መለክዒ ሓደ'ዩ ማለት ኣይኮነን፣ ካብዚ ሓሊፉካ ዳኣ ጥልቅ ኢልና እንተዳኣ ኣስተብሂልናሉ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልያት ዘደንጹ ክነሱ ብዓቢ ደረጃ ዝተፈላለየ ኢዩ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ስለዚ እምበኣር እስከ እዚ ተኣምራዊ ዝኾነ ቁርኣናዊ ገለጻ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝትርኾ ነነጻጽሮ፣

" ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢዩ፣ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፣ ከይተራኸቡ ብመንፈስ ቁዱስ ጠኒሳ ተረኸበት፣ "

ማቴዎስ፣ 1፣ 18

ፉሉጥ ተዋሳኣይ

ውሩይ ተዋሳኣይ ኣሜሪካዊ ቢል ግራሃም እጅጉኡ ሰብሲቡ እንዳዕጠጠየ ሓባሪ ኣጻብዕቱ የማን ጸጋም እንዳላኸዐ ነዛ ጥቅሲ እዚኣ ብዝምልከት ኣብ ቅድሚ 40 000 ኣርበዓ ሽሕ እኩብ ህዝቢ ኣብ መናፈሻ ንጉስ king park ከተማ ደርባን ገሊጽዊ'ዩ፣ " መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ንማርያም ኣጥኒስዋ " ከኣ በለ፣ ብኻልእ ወገን ቅዱስ ፓውሎስ ከም ዝነገረና ብደሓን ዝምኽፉኡ ገለጻ መርያም ድሕሪ ምብሳራ ኣዚያ ተጨኒቃ ተሸቢራ ነዚ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ እዚ ዝስዕብ ነይሩ፣

" ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፣ እዚኸ ? ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፣ ከመይ ኢሉ ክኸውን ኢዩ፣ በለት፣ "

ሉቃስ፣ 1፣ 34

እዚ ማለታ ስጋዊ ርክብዩ፣

ቁርኣናዊ ገለጻ'ውን ከምኡ'ዩ ነይሩ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

﴾٢٢﴿.... قالت رب أنى يكون لي ولد ولم يمسسني بشر

" ንሳ ኢላ፣ ኣንታ ጎይታይ ንዓይ ክኾነለይ ድዩ ውላድ፣

ዝኾነ ሰብኣይ ዘተንከፈኒ ( ክነሰይ )፣ "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 3፣ 47

እዚ ማለታ'ውን ስጋዊ ርክብ'ዩ፣

ገላጺ ሙሉእ ጽማቅ ሓሳብ ንምውሳድ ኣብዚ ክልተኣዊ ኣቀራርባ ቡዙሕ ዝፈላልዮ ነገር የለን " ሰብኣይ ከየፈለጥኩስ ከመይ ኢሉ ክኽውን ኢዩ " ምስ " ክኾነለይ ድዩ ውላድ ማንም ሰብኣይ ዘይተንከፈኒ " እቲ ሓሳብ መስርዕ ምርጫ ቃላት ጥራሕ'ዩ ዘርሕቆ፣ ምሕጽንታዊ መብርሂ ዝደልይ ሕቶ መርያም ሰሚዕና፣ ግን እቲ ልዕሊ ናታ ተደላይ ዝኾነ ነዚ ሕቶኣ ኣብ ክልቲኡ መጻሕፍቲ ዝተወሃባ መልሲ ምንጽጻር ኢዩ።

ትርጉም ትረኻ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝበሎ፣

" እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፣ መንፈስ ቅዱስ

ክወርደኪ ሓይሊ ሉዑልውን ከጽልለኪ ኢዩ " በላ

ሉቃስ፣ 1፣ 32

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣይስትውዓልን ዶ ወይስ ኣይረኣይን ነቲ ብስጋ ለበስ ፈጣሪ ተጠራጣሪ ዝኾነ ሰብ፣ ብኣምላኽ ዝኸሓደ ሕዋስ ኣለዎ ደኣምበር ፍጹም ሓቅስ ይኮነን ንዝብል ዱላ ምቅባልዶ ኣይኮነን፣ ንቀሊል ሕቶውን ዕድል ተኸፊቱሉ " ብኸመይ'ዩ መንፈስ ቅዱስ ናብ ማርያም ወሪዱ ? " ብኸመይ ከ'ዩ ልዑል ጎይታ ኣጽሊሉላ ?፣ ፍሉጥ ኢዩ እቲ ክበሃል ተደልዩ ዘሎ እዚ ከምዘይኮነ፣ እዚ ተባሂሉ ዘሎ ግን ቅኑዕ ገላጺ ሓሳብ ጉድለት ዘይብሉ ኮይኑ ምቅራቡ'ዩ፣ ነዚ ሕልፍ ኢልና እምበኣር ምስቲ ቁርኣናዊ ገለጻ ነወዳድሮ።

ትርጉም ትረኻ ቁዱስ ቁርኣን

ብኣፍ መሓመድ ( ሰ.ዓ.ወ. ) ዝተዘርቡ ኣ'ላህ (ስብሓነሁ ወታዓላ ) ዝነገረና ወይ ዝበለና፣

لك الله يخلق ما يشاء ..... إذا قضى أمرا فإنما ي قول له كن قال كذ ﴾٢٢﴿ف يكون

" ኢልዋ ( እቲ መልኣኽ ) ወላ'ካ ከምኡ እንተኾነ

ኣ'ላህ ዝድላዩ ይፈጥር፣ እንተ ወሲኑ ( ፈሪዱ )፣

ትእዛዝ ( ጥራሕ ) ኩን ይብሎ፣ ይኸውን፣

ቁዱስ ቁርኣን፣ 3፣ 47

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

እዚ ኢዩ እቲ እስላማዊ ሩዱእ ሓሳብ ኣ'ላህ (ስብሓነሁ ወታዓላ) ንየሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ዝፈጠረሉ ኣገባብ ብዘይ ኣካላዊ ወላዲ ንሱ ዝገበሮ ድልየት ጥራሕ'ዩ፣ እንተ ደኣ ብመላይን የሱስ ክፈጥር ደልዩ ናብ ክውንነት ንምምጻእ ኩን ይብሎ ይኸውን፣ ንዑኡ ንጎይታ ዘርኢ ከዳቅል ኮነ ከዋስብ ልክዕ ክሳብ እቲ ዝተሓተ ፍጡር ዝፍጽሞ እንስሳዊ ስጋዊ ርክብን ከመሳስል ካልእ ምትንኻፍን ፈጺሙ ኣየድልዮን ኢዩ፣

ናብቲ ኣቡን ተመሊሰ እዚ ኩሉ ዝብለካ ዘለኹ ፈጺሙ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ብውሑዱ የዘኻኽረካ ኢየ ዘለኹ ንኣብነት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍኩም ኣብቲ ናይ መጀመርያ ክፍሊ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት 1፣ 3 " እግዝኣብሄር ኢሉ " እንታይ ኢሉ? " ኩን " ኢሉ፣ ብድሕሪ እዚ ድማ " ኮነ " ቃላት ምስኹኻዕ ወይ'ውን ዘረባ ምጽብባቅ ኣይኮነን ጻዕረይ እንታይ ደኣ " ኩን " ዝብል ቃል ብሕጽር ዝበለ ርዱእ ገልጻ ብኸምዚ ከም እንርድኦ ንምግላጽ ኢዩ፣

ምርጫ ንንእስቲ ውላድካ

ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓላፊ ቤተ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቡን ካብ መንጎ እዚ ክልተ ብዛዕባ ታሪኽ ልደት ሂወት የሱስ ዝተዋህበ ገለጻ ቁርኣናዊ 'ዶ ወይስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ነታ ንእሽተይ ጋልካ ክትመሃር ትመርጸላ ኢለ ሓቲተዮ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ንሱ ብትሕትና ርእሱ ኣድኒኑ ትርጉም ትረኻ ቁዱስ ቁርኣን እምበር በለ፣

እቲ ቀንዲ ሕቶና እምበኣር ብምምስሳል ብዘይ ሓቂ ዝተጸሓፈ ዳኣ'ሞ ( ንቁዱስ ቁርኣን ) ከም ዝብልዎ ካብቲ ሓቂ'ዩ ተባሂሉ ዝተነግረሉ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ'ዩ ዝበለጻ ኮይኑ፣ ከምዚ ዓይነት ውጺኢት ፈጺሙ ብጭራሽ ክኽውን ኣይክእልን ኢዩ ክሳብ'ቲ ናብ መሓመድ ዝወረደ መጽሓፍ ካብቲ ሓቀኛ ናይ ዓለማት ጎይታ ሓደን ሓቅን ዝኽውን፣ ከምዚ ዓይነት ብሉጽነት ድማ መሊኡ ኢዩ እቲ ዝድለ ግን ካብ ኣድልዎን ዓሻ ዝኾነ ርእይቶን ዘረባን ተሪር ልቢ ቁኑዕን ዘይቁኑዕን ጽቡቅን ሕማቅን ከይፈለየ ዝጸልእን ዝፈቱን ምኻን ፈጺሙ ክተርፍ ኣለዎ፣ ብብሩህ ልቢ ምስ ትመራመር ብረቂቅ ዝኾነ ነገራት ከይተረፈ ካብቲ ሓቀኛ ሓደ ዝለዓለ ናይ ዓለማት ጎይታ ሙኻኑ ክበርሃልካ ኢዩ::

ልክዕ ከም ኣደም

ተኣምራዊ ዝኾነ ኣፈጣጥራ ልደት የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ምስ ፈጣሪ ኣመሳሲሉዶ የመዓራርዮ ወይ'ውን ዉሉድ ወዲ ፈጣሪዶ ይገብሮ ይኸውን ነዚ ብዝምልከት ቁዱስ ቁርኣን ብጭራሽ ፈጺሙ ዘይከውን ይብለና፣ ንኣብነት

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

خلقه من ت راب ثم قال له كن إن مثل عيسى عند الله كمثل آدم ﴾٨٢﴿ ف يكون

" ልክዕነት ( ምሳሌ) ዒሳ ( የሱስ ) እኮ፣ ኣብ ቅድሚ ኣ'ላህ፣ ከም ኣደም ኢዩ፣ ካብ ጭቃ ፈጢርዎ፣ ኩን ኢልዎ ፣

ኮይኑ ( ኸኣ )፣

ቁዱስ ቁርኣን፣ 3፣ 59

""" ድሕሪ'ዚ ኩሉ ዝተባህለ ዝርዝራዊ ገለጻ የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ዝለዓለ ቦትኡ መልእኽተኛ ነቢይነቱ እካ እንተኾነ ብተወሳኺ እዛ ዝሓለፈት ጥቅሲ ከም እተረድኣና ናይ ግድን ጠቅሊልና ክንነጽጎ ኣለና ነቲ ኣምላኽ ኢዩ ወይ ወዲ ኣምላኽ ዝብል ፍልስፍናዊ ልፍለፋ፣ እንተ እቲ ተኣምራዊ ዝኾነ ልደቱ ኣመልኪትና ብዘይ ሰብኣዊ ኣቦ ሙኻኑ ግን ኣፈጣጥራ ኣደም'ውን ከምኡ ኢዩ፣ ብሓደ ወገኑስ ኣደም ይበልጾ'ካ ደኣ ምኽንያቱ ኣደም ብዘይ ሰብኣውያን ኣቦን ኣደን'ዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣካልና ሓመድነቱ ዘጠራጥር ነገር የሎን ስለዚ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ የሱስ'ውን እንተኾነ ሓመድ'ዩ ኣደም ከይተረፈ ክሳብ ኩሉ ዘርኢ ደቂ ሰባት፣ ካብዚ ሓሊፉ ዕብየት የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ዝፍለየሉ በቲ ተኣምራዊ " ኩን " ዝብል ኣፈጣጥርኡ ጥራሕ'ዩ ከሙኡ'ውን ዓቢ ሃይማኖታዊ ምምህር መሪሕ ኣብነት ንደቂ ሰባት ምንባሩ ካብ ጭቃነቱ ከይፈለየ ክብ የብሎ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ንጥቅሲ 59 ካብ ናይ ዓብዱልላሂ ዩሱፍ ዓሊ ትርጉም መብርሂ ኣሰር መጽሓፍ ዝተወስደ ገለጻ'ዩ፣

እዚ ኣቀዲምና ዝረኣናዮ እምበኣር ብኣገባብ ርትዓዊ ዘረባን ኣተሓሳስባን'ዩ ነይሩ፣ ስለዚ ኸኣ ብዘይ ኣቦ ልደት የሱስ ምስ ፈጣሪ ዘመዓራርዮ እንተ ደኣ ኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ ንኣደም ምስተገብአ ብዘይ ኣቦን ኣደን ስለ ዝነበረ፣ እቲ ዘገርም ነዚ ሓሳብ እዚ ዝኾነ ክርስትያን ንኽቅበሎ ድሉው ኣይኮነን፣ ኣለ ዝኾነ ንሕና ኣስላም ንኽሕደት ክርስትያን ንነጽጎ ኣይንካፈሎን ኢና፣

ምናልባት ብወገን ክርስትያን ደቂቅ ክርክር ምርቃቅ ክርከብ ይከኣል ኣደም (ዓ.ሰ.) ካብ ጭቃ ኢዩ ተፈጢሩ የሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ንጹህ ማህጸን ማርያም ኢዩ ተወሊዱ እንተ በሉኸ፣ ሕራይ ሕልፍ ኢልና ከነዘክሮም ኣብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ኩሉ ዝኣኻኸበ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳብ ሕጂ ካብ የሱስ ዝዓቢ ሰብ ኣሎ፣ መንኮን ይኸውን እዚ ዓቢ ሰብ'ዚ፣

ሕደሳ ፓውሎስ

" እዚ መልከጼዴቅሲ፣ ንጉስ ሰላም፣ ካህን ልዑል ኣምላኽ……… ብዘይ ኣቦ፣ ብዘይ ኣደ፣ ብዘይ ቁጽሪ ወሎዶ፣መጀመርታ መዓልታት ወይስ መወዳእታ

ህይወት ዜብሉ …….. "

እብራውያን: 7 ፣ 1ን 3ተን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣብዚ ኸኣ ተኣምራዊ ዝኾነ መሎኮት ተረኺቡ፣ እቲ ነዚ ክውንኖ ዝግባእ ሓደ ጎይታ ልዑል ፈጣሪ ክነሱ ክርስትያን ካልእ ሕጹይ ተወዳዳሪ ረኺቦም እንሆ፣ ኣደም ( ዓ.ሰ. ) እንተኾነ መጀመርያ ነይርዎ ኢዩ ኣብ ጀና ( ገነት) የሱስ'ውን መጀመርዩኡ ኣብ ደምበ እንዳ ኣፍራስ ነይሩ፣ ኣደም መጨረሽቱኡ ፍሉጥ ክኸውን ከሎ የሱስ ንሓጥያት ደቂ ሰባት ክስርይ ነብሱ በጃ ኣሕሊፉ ይብሉ ክርስትያን፣ መልከጼዴቅ ከ ደኣ ናበይ ኣቢሉ? ምናልባት ልክዕ ከም ሪፕ ቫን ዊንክል ክሳብ ዝጥዕሞ ኣብ ሓደ ጸግዒ ግንቡው ኢሉ ደቂሱ ይህሉ፣፣

" እብራይስጥ " ኸ እንታይ ኢዩ፣ ? እዚ መጸውዒ ስም መጽሓፍ ሓደ ካብቲ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ በቲ ጉኑን ደራሲ ቅዱስ ፓውሎስ ዝተጸሓፈ ከኣ'ዩ፣ ፓውሎስ ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ሃዋርያ የሱስ ኮይኑ ዝተጸንበረ ሰብ ኢዩ፣ የሱስ ዓሰርተ ክልተ ሃዋርያ ነይሮሞ ካብኣቶም ሓደ ንዩሁዳ ሰይጣን ስለ ዝሰፈሮ ብምኽንያት ኣብ ገነት ዓሰርተ ክልተ መንበር ተታሒዝሎም ዘሎ ንደቂ እስራኤል ክፈርዱ እቲ ክፍቲ ቦታ ግድን ክምላእ ነይርዎ፣ ሉቃስ፣ 22፣ 30 ርአ፣ ሳኦል ሓደ ከዳዕ ጠላም ዩሁድ ኢዩ ነይሩ ብተወሳኺ'ውን ሳኦል ዝብል ቃንና ድምጺ ናብ ዩሁድ ይቀርብ፣ በዝን ካልእን ክርስትያን ስሙ ናብ ፓውሎስ ቀይሮሞ፣ ቅዱስ ፓውሎስ ነቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ሰበኻ የሱስ ሕንፍሽፍሽ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣቢሉ ጺሒፉ ብምምሃሩ ከም ሰናይ ተግባር ተቆጺሩሉ ድሕሪ ዘመናት ከይተረፈ ኣብቲ ድሕሪ ሓያል መጽናዕቲ ነባሪ ቅርሲ ዝኾነ ናይ ሚካኤል ኤች ሃርት " 100 ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዝዓበየ ጽልዋ ዘንበሩ The most Influential Man of History or The Greatest Hundred 1979 c.e. ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፉ ቅዱስ ፓውሎስ ጻማ ድኻሙ ተፈድዩ ንነዊሕ ሃረር ዝበሎ ትምኒት ረኺቡ ካልኣይ ተርታ ብደረጃ ተሰሪዑ ፓውሎስ ንመምህሩ የሱስ ከይተረፈ'ዩ በሊጹ ቀዲምዎ፣ ምኽንያት መብለጺኡ ድማ ሃርት ከም ዝበሎ ምምስራት ሃይማኖት ክርስትና ሓላፍነታዊ ሕድገት ዝተገብረሉ ኣብ የሱስን ጸንባሪ ገዛእ ርእሱ ፓውሎስን ኢዩ፣ ንኣብነት ኣብ ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብየሱስ ዝተጸሓፈ ሓንቲ ቃል'ውን ዘየለ ክነሱ ብኣንጻሩ ግን ቅዱስ ፓውሎስ ካብ'ቶም ካሎኦት ቅዱሳት ደረስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ድበዝሐ ክፋል ብምጽሓፉ ተዓዊቱ፣

ፓውሎስ ባዕሉ ከም ዝበሎ ነቲ ብቀጥታ ከም ዘለዎ ዘግዓዞ ጽሕፋቱ ናብዚ ይኹን ናብቲ መልእኽቱ ንምስዳድ ፈጺሙ ዝኾነ መሎኮታዊ ራኢ ኣየድለዮን ከምዚ ምግባሩ ኸኣ ዘይተባህለ መዓስ ኮይኑ ናይ ኣዶልፍ ሂትለር ሚኒስትሪ ፕሮፖጋንዳ ሰበኻ ዝነበረ ጎኦብልስ " እቲ ኣመና ዝያዳ ሓሳዊ ( ንግዝይኡ ) ተፈታውን ተኣማንን እንዳኾነ ይመጽእ " ኢዩ ዝበለ፣ ኣብዚ ጉዳይ እቲ ምሒር ኣዝዩ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ዘደንቅ ከኣ እዚ ኣይኮነን ማንም ሙሁር ተባሂሉ ዝግመት ክርስትያን እዛ እብራዊት ጥቅሲ ኣብ ዘርኣኹሉ እዋን ነቢብዋ ከም ዘይፈልጥ ንመጀመርያ ተጋጥሞ ከም ዘላ ይኸውን ኣዝዩ ኣመና ከም ዝተደነቀ ኮይኑ'ውን ይቀርብ፣ ልክዕ ድማ ምስቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ምቹእ ምስ'ዚ ዘረባ የሱስ ዝበሃል ይሳነ፣

" እናረኣዩስ ኣይርእዩን፣ እናሰምዕውን ኣይሰምዕን፣

ኣየስተውዑሉን ኢዮም እሞ ,,,,,,,,,,,,,, "

ማቴዎስ፣ 13፣ 13

ኣብ ቁዱስ ቁርኣን'ውን ነዚ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ሕማም ተላገብ፣ ድኽመት፣ ስንፍና፣ ትገልጽ ልክዕ ዝኾነት ጥቅሲ ኣላ፣

﴾٨١﴿ صم بكم عمي ف هم ل ي رجعون

" ጸማማት፣ ደንቆሮታት፣ ዕውራት፣ (ናብ ሓቂ) ክምለሱ'ውን ኣይደልዩን ኢዮም፣ "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 2፣ 18

ደቂ እግዝኣብሄር

ኣብዚ ጉዳይ'ዚ እምነት መርገጺ ኣስላማይ ጹኑዕ ኮይኑ ዝተፈልየ ኢዩ፣ ማለት ካብቲ ክርስትያናዊ መርገጺ " የሱስ ንበይኑ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ፣ ውሉድ ወልደ ኸኣ ፍጡር ኣይኮነን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

" እዚ እቲ ክርስትያን ካብ ቁልዕነቶም ዝወሃቦም ትምህርተ-ሃይማኖት ንሕቶታት መልሲ ብምሃብ ለለ እንዳበልካ ዝጽናዕ ምህሮ ብዙሓት ፈላጣት ዝበሃሉ ክርስትያን ደጊመ ደጋጊመ ሓቲተዮም እንታይ ኢዩ ኣብዚ እቲ ኣተኩሮ ክግበረሉ ዝግባእ ነጥቢ " ተወሊዱ ( ወልደ ) ደኣምበር ኣይተፈጠረን " እንዳበሉ ክልፍልፉ ክዛረቡ ከለው፣

" ተወሊዱ ደኣምበር ኣይተፈጠረን " ከብሎም ዝኸኣለ ኸኣ ፍጡር ውሉድ ሙኻኑ ኢዩ፣ ውሉድ ድማ ፍጡር ሙኻኑ ስለ ዘይተርፎ ካብዚ ሓሊፎም ብዝያዳ'ውን ይፈልጡ ኢዮም ኣብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣምላኽ ሂቡና ዝበልዎ መጽሓፍ ደቂ እግዝኣብሄር ብሓፈሳ ምኻኖም ማእለያ ሞቅጸሪ ከም ዘይብሎም፣

" ………… ወዲ ኣዳም፣ ወዲ ኣምላኽ ,,,,,,,,,,,,,,,,,, "

ሉቃስ፣ 3፣ 38

" እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ …..

ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ

ኣተው፣ ንሳቶም ከኣ ምስ ወለድሎም ,,,,,,,,,,,,,,,,,,, "

ዘፍጥረት፣ 6፣ 2 ተን 4 ተን

" እስራኤል ( ያዕቆብ ) ቦኹሪ ወደይ ኢዩ፣ "

ዘጸኣት፣ 4፣ 22

" ንእስራኤል ኣቦ ክኾን ኢየ፣ ኤፍሬም ድማ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ቦኹሪ ወደይ ኢዩ እሞ ………… "

ኤርምያስ፣ 31፣ 9

" እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር ኣለኹ፣

እግዝኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣

( ዳዊት ) ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ "

መዝሙር ዳዊት፣ 2፣ 7

" እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምርሑ ዘበሉ፣

ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ ኢዮም፣ "

ሮሜ* 8፣ 8፣ 14

ኣዘራርባ ዩሁድ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ኢዩ፣ ዝኾነ ቅኑዕ ሕያዋይ ሰብ ማንም ሃይማኖተኛ ኢየ ኢሉ ብድልየት ትእዛዝ ፈጣሪ ዝኸይድ ኩሉ ወዲ ኣምላኽ ወዲ እግዝኣብሄር ኢዩ እዚ ድማ ጉጉይ ኣብነታዊ ገለጻ ውሱን እዋን ኢዩ ነይሩ፣ ክርስትያን ነዚ ይሰማምዕሉካ እንተኾኑ " የሱስ ግን ልክዕ ከምዚ ኣይኮነን ይብሉ " ዝኾነ ኣብዛ ዓለም ዝነብር ፍጡር ዘበለ እግዝኣብሄር ፈጢርዎ ኣዳም'ውን ከይተረፈ ንሱ ድማ ዝለዓለ ጎይታ ኢዩ፣ ከምኡ'ውን ኣላይ ኩሉ ሓብሓብን ጸዋርን መናበሪ ኢዩ፣ ብጉጉይ ልምዳዊ ዘረባ እግዝኣብሄር ኣቦ ኹሉ ነገር ኢዩ

* ሮሜ፣ እዚ ሓደ ካብቲ ብዙሓት መጻሕፍቲ ፓውሎስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኢዩ ኣብዚ ድማ ሰይጣን'ውን ብጽሒቱ ይውሰድ ዝዓይነቱ ዘረባ የስምዕ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ማለት ክበሃል ይከኣል፣ ካብዚ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ግን የሱስ ( ወልደ ) ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ፍጡር ወዲ ኣምላኽ ግን ኣይኮነን፣ ዘደንጹ ትንተና !

ውሉድ ካብ ኣብራኽ ዝወጸ

ኣብ ናይ ኣርባዓ ዓመት ዝገበርክዎ ልምዳዊ ተሞክረይ ምስ ምሁራት ክርስትያን ብምዝርራብ " ውሉድ ፍጡር ኣይኮነን " ንእትብል ዘረባ ቡሩህ ገላጺ ሓሳብ ንምሃብ ሓደ ክርስትያን ጥራሕ ኣይኮነን ድንዕ ኢሉ ኣፉ ዝኸፍት፣ ብሙሉእ ድፍረት ዝገለጸለይ ግን ሓደ ኣሜሪካዊ ኢዩ ነይሩ፣ ንሱ እዚ ማለት " ካብ ኣብራኽ እግዝኣብሄር ዝወጸ " በለ፣ ብዘረቡኡ ሰምቢደ እንታይ ክብል ብነድሪ ካብ ኣብራኽ እግዝኣብሄር ዝወጸ ኢለ ሓቲተዮ፣ ኣይፋለይን ኣይበልኩን ማለተይ ኣነ ሱቅ ኢለ ኢየ ትርጉማዊ ገለጻ ንምሃብ ዝኣክል ኢየ ተዛሪበ እምበሪ እምነትይ'ውን ኣይኮነን እግዝኣብሄር ካብ ኣብራኹ ውሉድ ክህልዎ በለ ደጊሙ፣ ኩሉ እቲ ሕያዋይ ቅኑዕ ወረጃ ክርስትያን እዚ ንሶም ዝብልዎ'ዩ ቀጥታዊ ትርጉሙ ከምኡ ኣይኮነን ይብሉ፣ ንምንታይ ደኣሞ ኣድላይ ዘኮነ ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎ እዚ ልዕሊ ሓደ ሚልያር ክርስትያን ከምኡ'ውን ልዕሊ ሓደ ሚሊያር ኣስምላማይ ብጉጉይ መግለጺ ቃላት ዘየድሊ ግርጭታ ይትፍጠር፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ምኽንያት መቃወሚ

ከምቲ ኣቀዲመ ዝገለጽክዎ ንሕና ኣስላም ኣብዛ " ዉሉድ " ትብል ቃል ብዘይ ገለ ሕርኽራኽ ፍሉይ ቡሩህ መርገጺ ኢዩ ዘለና፣ ምኽንያቱ ውሉድ ክበሃል ከሎ ክሳብ እቲ ዝተሓተ እንስሳ'ውን ዝፍጽሞ ውጽኢት ስጋዊ ርክብ ኢዩ፣ ከመይ ጌርና ኸ ከምዚ ዝዓይነቱ ዝተሓተ መለክዒ ንጎይታ ንህቦ፣ ብጉጉይ ልምዳዊ ዘረባ ኩልና ደቂ ኣምላኽ ኢና ተባሂሉ ኢዩ ሕያዋይ ኮነ እከይ የሱስ ድማ ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ዝያዳ ኣቀረበ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓደካ ካብ ደቂ ሰባት ከምቲ ናቱ ተኣምር ዝተዋህበ ወይ ዝፈጸመ ስለ ዘየለ፣ እምነት ዝሕደጎ ዝበለጸ ወዲ ኣምላኽ ይበሃል፣

ሽሕ'ካ እዚ ኣዕናዊ ዝኾነ ዘረባ'ዚ " ዉሉድ " ዝብል ሕጂ ካብቲ ( Most Accurate ኣዝዩ ቅኑዕ ) ተባሂሉ ድዝረበሉ ( Rivised Standerd Version ) R.S.V.* 9 ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቀ እንተኣለይዎ ኣብ ኣእምሮ ክርስትያን ሙስውስው ምባሉ ፈጺሙ ኣይተረፈን፣ እዚ ሰላሕታ ጉልድም ሓሳብ መበገሲ ሕጽበት ኣእምሮ ንሓደ ሰብ ብድርኩኺት ሓደ ሓሳብ ከም ዝቅበል ምግባር ውጺኢቱ ነቲ ጻዕዳት ዝቆርበቱ ኣብ ሓደ ቤተ

*

R.S.V . ብናይ ቤተ ክርስትያን ጋዜጣ ብሪጣንያ ዝበለጸ ትርጉም ''ብእርማት ዳግማይ ትእምርታዊ ሕታም '' ኣብዚ ዘመንና ዝቀረበ ኣዝዩ ነቲ ናይ ቀደም ዝመስል፣ ገለ ክልተ ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ድሕሪ ክርስቶስ ተባሂሉሉ ኢዩ ርእይቶኦም ክህቡ ከለዉ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ጸሎት ክርስትያን ልዑላዊነት ትዕቢት ሸሊሙ ብመንጽሩ ነቲ ጸሊም ሰብ ሃሜናዊ ዝኾነ ቀጻሊ ስሚዒታዊ ቱሑታውነት ሸሊምዎ ኢዩ፣

ትሑትነት ሕጽበት ኣእምሮ

ካብ ሓደ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዝተወልደ ቆልዓ ኣፍሪቃዊ ምምሳሉ ንዝኾነ ቁኑዕ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ሰጋእ ዘብል ኣይኮነን ካብ ቻይናዊ ዝተወልደ'ውን ቻይናዊ ይመስል ካብ ህንዲ ዝተወልደ ኸኣ ህንዳዊ እቲ ፍሉይ ወዲ ኣምላኽ ብዘይ ገለ ጥርጥር ነቡኡ መሲሉ ክረኣየና ኣለዎ፣ መላይን ናይዚ ምዕሩግ ስእሊ ቅዳሕ " ፍሉይ ዉሉድ " ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣትዩ ኢዩ መን ታዋይ ይመስል ምስ ነተኩረሉ ምስቲ ሓውሲ ብጫ ጸጉሪ ርእሱ ምስ ሰማያዊ ዓይኑ ተሪር ኣፍንጭ ኣውሮፓዊ ይመስል፣ ልክዕ ኣብ ዝተፈላለየ ፊልም ከም ዝርአ ከምቲ ( king of kings ንጉሰ ነገስቲ ) ወይ ከኣ ኣብ ( the day of triumph መዓልቲ ዓወት ) ወይ'ውን ( jesus of Nazareth ናዝሬታዊ የሱስ ) ኣብ'ዚታት ዘሎ ነዚ ዝበልናዮ ይመስል፣ ጀፍሪ ሃንተር ትዝክርዎ ትኾኑ ( the savior መድሕን ) ክርስትያን ኢሉ ኣብ ዝተዋሰኦ ፊልም ምስቲ ተሪር ነዊሕ ኣፍንጭኡ ዩሁድ ዘይኮነስ ጀርመናዊ ኢዩ ዝመስል፣ ስለዚ ከኣ እንተ እቲ ቆልዓ ጻዕዳ ኮይኑ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣቡኡ'ውን ጻዕዳ ኢዩ ( ኣምላኽ ) ማለት ኢዩ፣ በዚ ምኽንያት ኩሉ ዘርኢ ጸሊም 10* ቆርበት ዘቡኡ ሑሉፍ ዘይምፍላጥ ትሕተ ንቅሓት ዘበገሶ ተሪር ሱር ዝሰደደ ገዛእ ርእሶም ኣትሒቶም ልክዕ ከም ብሰይተቦ ዝተወለዱ ትሑታት ደቂ ኣምላኽ ይኾኑ ፣

ጎይታ መንፈስ ድዩ፣

ጎይታ ጸሊም ኣይኮነ ጻዕዳ፣ እንታይ ይመስል ድሕሪ ኩሉ'ቲ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ይኸውን ብማለት ኣሰላሲሉ ዝበጽሖ ገዲፍና ክንዮቲ ፍጡር ክበጽሖ ዘይክእል ካብ ፍልጠትና ወጻኢ ኢዩ፣ ስለዚ ከምዚ ምስ ዝኽውን ከኣ'ዩ እቲ ኣምላኽ ጻዕዳ ዘርኢ ኢዩ ዝብል ኣእምሮኣዊ ሞቁሕ ክበጣጠስ ዝኽእል፣ ቱሑት ኣእምሮኣዊ ባርነት ክትሕምሽሽ ግን ሓያል ሓቦ ዝሓትት ወፍሪ ፈጺሙ ቀሊል ጉዳይ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ገለ ሰብ ብዙሕ ጽዒርካ ደኺምካ ካብ ባርነት ተውጽኦ ብኣንጻሩ ንሱ ጻዕሩን ድኻሙን ጠርኒፉ ከመይ ኢሉ ባርነቱ ይመልሶን ይዕቅብን ይኸውን ሃንቀውታኡ ይኽደነና፣

ሻድሻይ ምዕራፍ

10 * መን ካብ መን ከይሰንፍ ዘበገሶ ህልኽ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ቺጋጎ

ካብቲ ሓቀኛ መንገዲ ድሕሪ ምስሓት FARD ፋርድ ጸሊም ጎይታ ክኸውን ከሎ ELIJAH ዕሊጃ ንዑኡ ዝተክአ ወዱ እንታይነት መግለጺ ጎይታ ፈጺሙ ከይፈለጠ ከይተረዶኦ ጎይታ ጸሊም ኢዩ ንስኻትኩም'ውን ጎይቶት ኢኹም ኢሉ ብግልጺ -------- ሰቢኽዎም ኢዩ፣ ሸኽ ፕሮፌሶር ዶክቶር ቢላል ፊሊጵስ Islaminc Monothesim ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፉ ከም ዝበሎ፣ ተርጋሚ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

መልሲ ንመዋጥር ክርስትያን

ክርስቶስ ኣብ እስላም

ቁዱስ ቁርኣን በቲ ሓቀኛ ታሪኽ ክርስቶስ (ኣል - መሲሕ ዒሳ ዓ.ሰ. ወዲ መርየም ) ኢዩ ድዛረብ ንገለ ካብ ሓቂ ዝሓለፈ ነገራት ብምጥቃስ ቡዙሕ ጸገማት ክርስትያን ፈቲሕሎም ኢዩ፣ ከምኡ'ውን ካብቲ ኩሉ ብጻላእቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተበሃለ ሓሶትን ጸለመን ነጻ ኣውጺኡ ብኣንጻሩ ነቲ ብሰዓብቱ ኢና በሃልቲ ሃነይነይታ ዓሻ ፍቅሪ ፈጺሙ ነጺጉ ነቲ ዝሓለፈ ተርእዮ ከም መጠን ታሪኽ ሓቀኛ መስመሩ ኣትሒዝዎ ኢዩ፣ ጸላእቱ ዩሁድ ብመሰረቱ ነቢይነቱ ነጾጎም ፍሉይ ታኣምር ሰሪሑ ምስ ጎይታ ምምዕራይ ክኽሕዱ ከለው ብፈተውቱ ድማ ፈጺሞሞ መስመሩ ዝጠንጠኑ ብመሰረት ተኣምር ምስርሑ ሞሎኮታዊ ኢዩ ድሕሪ ምባሎም ኣምላኽ ኢዩ ወዲ ኣምላኽ'ዩ ካልእን'ውን ኢሎም ነዝታት ከኣ ኽሕደት ኣይኮነን ይብሉ፣ ምኽንያቱ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፣ ቁዱስ ቁርኣንከ ነዚ ብዝምልከት እንታይ ይብል።?

ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ወታዓላ ) ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ንዩሁድን ክርስታያንን ጠርኒፉ ብሓደ ክጽውዖም ከሎ ከምዚ ይብል፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

إنما يا أهل الكتاب ل ت غلوا في دينكم ول ت قولوا على الله إل الحق المسيح عيسى ابن مريم رسول الله وكلمته ألقاها إلى مريم وروح

را ول ت قولوا ثلثة فآمنوا بالله ورسله منه ان ت هوا خي له ما في سبحانه أن يكون له ولد إنما الله إل ه واحد لكم

﴾٣٢٣﴿ وكفى بالله وكيل السماوات وما في الرض

" ኣቱም ሰብ ( ቅዱስ) መጻሕፍቲ፣

ኣብ ሃይማኖትኩም ( ኮነ ) ናብ

ኣ'ላህ ብጀካ እታ ሓቂ፣ (ካልእ)

ፈጺምኩም ክትብሉ የብልኩንም፣

(እንተ ንሱ ክርስቶስ) ኣልመሲሕ

ዒሳ ወዲ መርየም፣ ናይ ኣ'ላህ

መልእኽተኛ ኢዩ፣ (ኩን ዝብል )

ቃል ናብ መርየም ዝለገሶ

ካብ ናቱ ሩሕ ( መንፈስ )'ዩ፣

ስለዚ እመኑ ብኣ'ላህ ን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

መልእኽተኛኡን፣ እዚ ( ኸኣ )

ንዓኹም እቲ ዝበለጸ ኢዩ …… "

ቁዱስ ቁርኣን፣ 4፣ 171

ኣንጻራዊ ፍጻሜ

ኣቱም ሰብ ቅዱስ መጻሕፍቲ ! እዚ ኣዝዩ ደስ ዝብል ሓባሪ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ንዩሁድን ክርስትያንን ጠማሪ ወይ ግላዊ መጸውዒ ኢዩ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታ ኸኣ ኣቱም ምሁራት ህዝቢ ወይ ኣቱም ሰብ ስነ-ቅርሲ እንዳበለ ይጽውዖም ምስቲ ትምክሕቶም ብዝሳነ ኣገባብ ማለት'ዩ፣ ዩሁድ ይኹኑ ክርስትያን ኩሉ ሳዕ ብትዕቢት ገዛእ ርእሶም ሓፍ ምሰ ኣበሉ ኢዮም ኣብ ልዕሊ እቶም ቅድሚ ቁዱስ ቁርኣን ዝኾነ ሙሉእ ቅዱስ ዝበሃል መጽሓፍ ዘይነበሮም ኣዕራብ፣ ኮይኑ ግን ወላካ ብወገን ሃይማኖት ኣብቲ እዋን ከም ሙሁራት ህዝቢ እንተ ተፈልጡ መወዳእቱ ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ወታዓላ ) ነዞም ክልቲኦም ብዘይ ሓደ ቅጥዒን ሓቅን ተወዳደርቲ ብጉጉይ መንነት የሱስ ዝገለጹ ንዘልኣለም ኣወጊድዎም ኢዩ፣

ዩሁድ ዝተፈላለየ መእተዊ ጥበብ ብምጥቃም ብዛዕባ ሕጋውነት ኣወላልዳ የሱስ ቃላት ኣላኺዖም ብምድንጋር መወዳእቱኡ ከም ሓደ ከሓዲ ቆጺሮሞ፣ ብመንጽር ናይዚ ከኣ ክርስትያን ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቃላት ብኻልእ ትርጉም ይነብዎ ብኻልእ ይርድእዎ ክሳብ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣምላኽዶ ወዲ ኣምላኽ የብጽሕዎ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ኣምላኽነት የሱስ ብስፍሕ ዝበለ ገላጺ ሓሳብ ከረድኡ ከሎዉ ግናይ ሃሳይ ዘጉሂ ቃላት ካብ ምጥቃም'ውን ድሕር ኣይብሉን፣

ክርስትያን ናይዚ እዋን ውዑያት ህውኻት ሰበኽቲ ወንጌል ወይ ከኣ ጠሓስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ግናይ ኣዋራዲ ዝኾነ ቃላት ክጥቀሙ'ውን የጋጥም ኢዩ ናይ ክሕደት ሰበኻ ንምዕዋት ማለት'ዩ፣

ንሶም ከም ዝብልዎ ፣

ሀ = የሱስ ጎይታ ኢዩ ወይ ከኣ ሓሳዊ፣

ለ = የሱስ ጎይታ ኢዩ ወይ ከኣ ዑቡድ ጹሉል፣

ሐ = የሱስ ጎይታ ኢዩ ወይ ከኣ መታለሊ፣

እዚ ናይ ገዛእ ርእሶም ቃል ኢዩ ኣብ መጻሕፍቲ ክርስትያን ከም ቡሉጽ ቅርስታት ኮይኑ ዝቀረበ፣ ዝኾነ ሕያዋይ ሰብ ሙስሊም ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ነዚ ብክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ ዘሕንኽ ኣዋራዲ ብድሆ ይኹንኖ ብጌጋ ገበነኛ ንኸይከውን ብዕሽነት ከዘንግዕዎ ካብዚ ክልተ ምርጫ ብጀካ እቲ ሓደ ካልእ ከም ዘይብሉ ርዱእ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ካብዚ ክርስትያናዊ ሕንቅሊተይ ፈጺሙ ንዑኡ ንየሱስ ዝምረጽ ኣይኮነን፣

ርትዓዊ ምርጫ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

የሱስ ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ነቢታት ነብዩ ኢየ ምባሉ ፈጺሙ ሓሶት'ዩ ተባሂሉ ኣይግመትን ካብዚ ሓሊፉ'ካ ደኣ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ታሪኽ ዝገድፉ ኢዩ፣ ብዙሕ ተኣምራት ዝሰርሐ ፍሉጥ ናይ መንፈሳዊ ቅሳነት መሪሕ መምህር ኣልመሲሕ ኢዩ ነይሩ፣ እሞኸ ዳኣ ንምንታይ ኢዩ ጎይታ ንክኸውን ጽሉል ዑቡድ መታለሊ ሓሳዊ ዘማርጾ መወዳድርቱ ዝኾኑ ? ዕብዳን ኮነ ጽላለ ኣንጻር መሎኮታዊ ዶ ኣይኮነን' ዩ ኣብ ክርስትና ? እንታይ ከ ኢዩ ክኽውን እቲ ሓደ ገጽ መወዳድርቲ ኣምላኽነት ሓደ በሊሕ ክርስትያን ክምልሰልና ዝኽእል ሙሁር ደኾን ክህሉ ይኽእል?፣

ኣብ ትንተና ቁዱስ ቁርኣን የሱስ ( ዒሳ ዓ. ሰ. ) ብሓጺሩ ኣብ ሓንቲ ጥቅሲ ብኸምዚ ዝስዕብ መብርሂ ይገልጾ፣-

( "'" ልክዕ ከም ሓደ ዓዋን ኣገልጋሊ ክጋገ ዝኽእል ካብ ሓቂ ዝሓለፈ ቅጥዒ ዘይብሉ ኣረኣእያ ብሉጽነት ኣብ ሃይማኖት ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ክሕደት ክመርሖም ይኽእል ወይ'ውን ናብ መንፈሳዊ ዘይኮነ ኣንጻር ሃይማኖት የብጽሕ፣ ዝያዳ ኣንፈት ብሉጽነት ዩሁድ ናብ ቅጥዒ፣ ወገን፣ ዘርኢ፣ ዕቡይነት፣ ክሳብ ፈጺሞም ምንጻግ የሱስ ዝበጽሕሉ ኩነታት ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ኣብ ቡዙሕ ቦታታት ይንገረና፣

ብመንጽር ናይዚ ናይ ክርስትያን ኣንጻራዊ ኣረኣእያ ንየሱስ ዒሳ ዓ.ሰ. ላዕሊ ብምስቃል ክሳብ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ማዕረነት ምስ ጎይታ ኣብጺሖሞ፣ ዩሁድ ኣብ ገለ ገለ ከይበዝሐ ንማርያም ክሳብ ኣብ ምንዝርና ስለ ዘብጸሓ የሱስ ናይ ግድን ይኸውን ኣካላዊ ወዲ እግዝኣብሄር ተባሂሉ መበገሲ ንሰረት ምህዞ እምነት ሰለስተ - ኣብ ሓደ ከሙኡውን ሓደ - ኣብ ሰለስተ ቡኡ ኣቢሉ ካብዚ ብምቅጻል ዳርጋ ንብዙሕ ምኽንያታት ይሕግዝ፣ እዚ ከኣ ብ ኣበሃህላ እምነት ኣታናስያን ክረድ ወዲ ሰብ በዚ እንተዘያሚኑ ኣብ ሓዊ ገሃነም ንዘልኣለም ክነብር ምኻኑ ይዛረቡ፣

እዚ ቀጺሉ ዝስዕብ እምበኣር ገለ ጽማቅ ሓሳብ እንታይነት የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ኢዩ፣

ምንጩ ካብ ሰበይቲ ኾይኑ ወላዲቱ መርየም ማርያም " ኢያ ስለዚ ኸኣ ሰብ ኢዩ፣

ዕብየቱ ድማ መልእኽተኛ ካብ ፈጣሪ ሙኻኑ ኢዩ፣ ሰባኣይ ሉኡኽ ጎይታና ኣ'ላህ ( ሱብሓነሁ ዎ ታዓላ ) እዚ ኸኣ ንተኣማንነቱ ብቁዕ መጸውዒ ኢዩ፣

ናብ መርየም ዝተለገሰ ቃል ጎይታ፣ ንተኣምር ኣፈጣጥርኡ ብኹን ዝብል ቃል ኣ'ላህ ( ሱብሓነሁ ወታዓላ ) ሙኻኑ ኢዩ፣

ጎይታ ብናቱ መንፈስ ቁዱስ ዘደልደሎ ፈጺሙ ፈጣሪ ግን ኣይኮነን፣ እካ ደኣ ዕድሚኡ ኮነ መልእኽቱ ካብ ካልኦት ነቢታት ብዝተፈለየ መልክዕ ዝሓጸር ነይሩ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ስለዚ ሓደ እምንቶ ክህልወና ይግባእ ከም ሰቡ ፍጡር ብፈጣሪ፣

እንተ እቲ ሰረት እምነት ኣብ፣ መንፈስ፣ ቅዱስ፣

( በስመ ኣብ ወልደ መንፈስ ቅዱስ) ሓደ ብሰለስተ ሰለስተ ኣብ ሓደ ማዕርነት ምስ ፈጣሪ ውሉድ ናይ ፈጣሪ እዚታት ኩሉ ተጠራኒፉ ብእስላማዊ ኣረኣእያ ኣብ ሑሉፍ ክሕደት ይድምደም፣ ጎይታ ካብ ዝኾነ ተመሳሊ ዓይነት ድልየታት ነጻ ኢዩ ዝድላዩ ንኽፍጽም ማንም ውሉድ ይኹን ካልእ ነገር ፈጺሙ ብጭራሽ ኣየድልዮን ኢዩ፣

ወንጌል ዮውሃንስ ( የውሃንስ ይኹን ጸሓፊኡ ካልእ ) መበገሲ ሓሳብ ሰረት እምነት ግሪኻዊ ቃል (-ሎጎስ logos - ) ተሞርኪሱ ብዛዕባ መንፈስ ኣሌክሳንደራውያን ዓቢ ጽርበት ዕንጨይቲ ሉሕ ብዝምልከት ብዙሕ ተባሂሉ ኣሎ፣ ገለ ካብ ሱፊያ ኣስላም ከሙኡ ዓይነት ገለጻ ዝህብሉ'ውን ኣይሰኣኑን ኢዮም፣ "" )

እዚ ካብ ትርጉም ኣሰር መብርሂ መጽሓፍ ዓብዱላሂ ዩሱፍ ዓሊ ንጥቅሲ 171 ናይ 4ይ ምዕራፍ ዝሃቦ ትንተናዊ ዝተወስደ ገለጻ ኢዩ፣

የሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) እንክሕተት

እዚ ኣስዒበ ዘቅርበልኩም እምበኣር ጥቅሲ 116 ክሳብ 118 ካብ ምዕራፍ መኣዲ ( ሱረትል ማኢዳ ) ኮይኑ ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ትንሳኤ ( የውመል ቂያማ )

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ዘጋጥም ተርእዮ ዝቀርብ ገለጻ ኢዩ፣ ኣ'ላህ ( ስ.ወ. ) ንእየሱስ ( ዒሳ ዓ.ሰ. ) ብዛዕባ እቶም ጉጉያት ሰዓብቱን ኣዲኡ ወላዲቱን ክሕተት ከሎ ዝህቦ መልሲ ንከታተል፣

ي من دون وإذ قال ذون وأمي إله الله يا عيسى ابن مري أأنت ق لت للناس ات

إن كنت ق لته قال سبحانك ما يكون ل أن أقول ما ليس ل بق الله

م ول أعلم ما ف ن فسك ت علم ما ف ن فسي ف قد علمته إنك أنت عل

وكنت ما ق لت لم إل ما أمرتن به أن اعبدوا الله رب وربكم ﴾٨٨١﴿ الغيوب

الرقيب ف لما ت وف يتن كنت أنت عليهم شهيدا ما دمت فيهم

ب هم فإن هم عبادك ﴾٨٨١﴿ وأنت علىه كل شيء شهيد عليهم وإن إن ت عذ ﴾٨٨١﴿ ت غفر لم فإنك أنت العزيز الكيم

" 116 ኣስተውዕል፣ ኣ'ላህ ኣብ ዝብለሉ (እዋን)፣ ኣንታ ዒሳ ወዲ መርየም፣ ንሰባት ካብ ኣ'ላህ ወጻኢ፣ ንዓይን ነደይን ከም ክልተ ኣማልኽቲ (ኣምላኽ ) ጌርኩም ተገዙኡኒ ኢልካ ዲኻ? (ብፍጹም ኣይበልኩን) - ሓበን፣ ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ሓቂ ናተይ (ጉቡአይ) ዘይኮነ ክብል፣ (ፈጺሙ) ኣይኮነለይን ኢዩ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

-ኢለዮ እንተ ኾይነ ቀደም ምፈለጥካዮ፣ ኣብ ነብሰይ ዘሎ ኩሉ ትፈልጥ፣ (ኣነ) ኣባኻ ዘሎ ወላሓንቲ ዘይፈልጥ፣ ንስኻ (ጎይታ) እንዲኻ ሙሉእ ፍልጠት ዘሎካ (ንኹሉ) ንሕቡእ፣

117 ብጀካ እታ ዝኣዘዝካኒ (ካልእ) ኣይበልክዎምን፣ (ንሳ ኸኣ) ኣ'ላህ ተገዙኡ ጎይታይን ጎይታኹምን፣ ምስኣቶም ኣብ ዝነበርኩሉ ምስክር ነይረ፣ ካብታ ተልዕለኒ፣ ንስኻ ናታቶም ተኸታታሊ ነይርካ፣ ንስኻ ድማ ኢኻ ምስክር ኩሉ ነገር፣

118 ( ብጥፍኣቶም ) እንተቀጻዕካዮም፣ ንሳቶም ባራዩኻ (ኣገልገልቲ) ኢዮም፣ እንተ ኣናሕሰኻሎም ንስኻ እንዲኻ ዕዙዝ (ኩቡር) ጥበበኛ፣

ቁዱስ ቁርኣን፣ 5፣ 116 – 118

መሎኮታዊ ይግበኣኒ ኣይበለን

እዚ ካብ ኮነ እቲ ዝተነግረና ሓቂ ካብቲ ኩሉ ዝፈልጥ ጎይታና ኣ'ላህ ( ስብሓነሁ ወተዓላ ) " ብጀካ እታ ክብላ ድኣዘዝካኒ ካልእ ፈጺመ ኣይበልክዎምን ንሳ ድማ ኣ'ላህ ተገዙኡ ጎይታይን ጎይታኹምን " ኢያ ነይራ፣ እሞ ኸ ዳኣ ክርስትያን ብኸመይ ክገልጽዎ ኢዮም ኣምላኽ ዶ ወዲ ኣምላኽ እንዳበሉ ንየሱስ ምምላኾም።

ካብ መንጎ 66 ስሳን ሹድሽተን ትርጉም መጻሕፍቲ ፕሮቴስታንት ( ከኒሻ ) ኮነ ኣብቲ 73 ሰብዓን ሰለስተን ናይ ሮማን ካቶሊኽ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ፈጺሙ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣሻማዊ ዝበሃል ማንታ ዘረባ ኮነ ቃል የለን፣ እየሱስ እግዝኣብሄር ዝመስለሉ ወይ'ውን " ንዓይ ተገዙኡኒ ዝበለ " ካብዚ ሓሊፉ ኸ? ኣነን እቲ ዝለዓለ ጎይታይን " ሓደ ኣካል ኢና " ኢሉዶ ? ፣

እዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሳ ዘላ " ሓደ ኢና ሓደ ኣካል " ትብል ጥቅሲ ብዙሓት ውዑያት ህውኻት ወንጌላውያን ጠሓስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተሐግሶም ተሰራስሮም ኢያ፣ መሎኮታዊ ዶክቶር ናይ ስነ ሓሳብ ብሮፌሶር ወላ'ውን ኣቶም ሓደስቲ ከጥብቁ ዝጀመሩ ከይተረፈ፣ ምኽንያቱ ኡኹል ስልጠና ተዋሂብዎም ኢዩ ከምቲ ጳጳጋሎ ዑፍ ዝበልካዮ ወይ ዝሰምዖ ዝደግም ብዘይ ገላጺ ሓሳብ እዚ ኸኣዩ መሰረታዊ እምነቶም ሓደ ኢና ትብል ቃል ክሰምዕ ከሎ፣ ብቁልጡፍ ኣብ ሓንጊሎም ዘሎ ሕዱር ሓሳባት ጠራኒፎም እወ እወ ይብሉ ስላሴኣውያን፣

ኣቱም ስላሴኣውያን ኣምለኽቲ ሰለስተ ጎይታ ብሓደ፣ ሓደ ጎይታ ብሰለስተ ፣ ሰለስተ ጎይታ ብሰለስተ " እየሱስ ኣነ ጎይታ ኢየ ኢሉ ድዩ " ኣበየናይ መዝገብ ኣበየናይ ምዕራፍ ? ፣

ኣብ ጠረቤዛ ምስ ኣቡን

ኣቡን ሞሪስ ዲዲ ምስ ሰበይቱ ናብ ጎልደን ፒኮክ ንምሳሕ ወሲደዮም ነይረ ዘሎና ክልተኣዊ ፍልጠትና

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ንካፈለሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ዕድል ኣጋጢሙኒ " ኣበይ " ኢለ ንኽሓቶ፣ ብዘይ ገለ ሰጋእ መጋእ " ኣነን ኣቦይን ሓደ ኢና " ክብል መሊስለይ ነቲ ሓደ ኣካልነት የሱስን ጎይታን ንምግላጽ ኣብዚ ድማ የሱስ ጎይታ ኢየ ከም ዝበለ ማለት'ዩ ዝርዶኦም፣ ወዮ ዳኣ ብዘይ ገላጺ ሙሉእ ሓሳብ ተዛሪብዎ እምበሪ እዛ ጥቅሲ ኣዚኣስ ንዓይ ኣዝያ ፍልጥቲ ኢያ ሓዳስ'ውን ኣይኮነትን፣ ከምቲ ነቲ ዶክቶር መሲልዎ ዘሎ ትርጉም ኢያ ትሓዝል ኢለ ፈጺመ ስለ ዘይሰማማዓሉ ግን " እንታይ ኢዩ እቲ ሙሉእ ሓሳብ " ክብል ሓቲተዮ፣

" ሙሉእ ሓሳብ " ንምግላጽ ተዓቢሱ

እቲ ቀሺ ምብላዕ ደው ኣቢሉ ኣተኪሩ ክጥምተኒ ጀሚሩ፣ እንታይ ዳኣ ሙሉእ ትሕዝቶ ሓሳቡ ኣይትፈልጦን ዲኻ ኢለ ከኣ ሓተትክዎ፣ ኣነ ክፈልጦ ደልየ ዘለኹ እንታይ ኢዩ ሙሉእ ሓሳብ ኢዩ፣ ስለዚ እዚ ንስኻ ሓቢርካኒ ዘለኻ እንታይ ኣቀዲሙ ድሕሪ እንታይከ ኢዩ ሲዒቡ ንገረኒ፣ ምሳይ ዘሎ ተዛራቢ ቃንቃ እንግሊዝ ካናዳዊ ዶክቶር ናይ ስነ መሎኮት ንቤተ ክርስትያን ፕረስፓይተርያን ተቆጺሩ ዘገልግል ሰብኣይ ቃንቃ እንግሊዝ ክምህሮ ዝፍትን ዘለኹ ኮይኑ ኢዩ ቀሪቡኒ፣ ብርግጽ'ውን ሙሉእ ሓሳብ " context " እንታይ ማለትዩ ጠፊእዎ ዘኮነስ ኣጸቢቁ ይፈልጦ ኢዩ ኮይኑ ግን ከምቶም ካሎኦት ብዙሓት መዛኑኡ ዘጽንዖ ነገር ወላሓደ ነገር የብሉን፣ እየሱስ ነዚ ዘረባ'ዚ ኣበየናይ ኩነታት ኢዩ ተዛሪብዎ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣብ ናይ ኣርበዓ ዓመታት ተሞክረይ እዛ ቃል እዚኣ በማኢት ግዜ ኢያ ተወርዊራትለይ ኮይኑ ግን ሓደ ምሁር ክርስትያን'ውን እንተኾነ ሓቀኛ ትርጉማ ዝሃባ ኣየጋጠመንን፣ ኩሉ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ደምበርበር ክብሉ ኢዮም ዝረኣዩ እቲ ዶክቶር'ውን እንተኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮን፣ መጽሓፍ ንኸምጽእ ብግስ ክብል ከሎ ደው ኣቢለ ብሓቂ ዶ ትፈልጦ ኢኻ እንታይ ጠቂስካለይ ብርግጽ'ውን መጽሓፍ ቅዱስኩም ትፈልጦ ኢኻ ሓቲተዮ ነዚ ድሕሪ ምንባብ ተስፋ እገብር ( born again ዳግማይ ተውሊድና ) በሃልቲ ክርስትያን ነዚ ከምዚታት ዝኣመሰለ ድኽመታቶም ክሓክዎ ኮይኑ ግን ንነበብቲ ሙስሊም ኣሕዋት ኣብ ሙሉእ ሂወትኩም ናይዛ ጥቅሲ እዚኣ ትሕዝቶኣዊ ሓሳብ ኣጋጢሙኩም ይፈልጥ ይኸውን ኢለ ፈጺመ ኣይግምትን፣

እንታይ ኢዩ ሙሉእ ሓሳብ

ኣቡን ተባሂሉ ሙሉእ ገላጺ ሓሳብ ዘይምሃቡ ጽቡቅ ኣይገበረን ካቡኡ ሓሊፉ ድማ እንታዩ ሙሉእ ሓሳቡ ትፈልጦ ዲኻ ኢሉ ምሕታቱ ብርግጽ እፈልጦ ኢየ ምስ በልክዎ እንታይ ማለት ኢዩ በለኒ፣ እዚ ንስኻ ዝጠቀስካዮ ዓስራይ 10ይ ምዕራፍ የውሃንስ ጥቅሲ ሰላሳ 30 ኢዩ፣ ሙሉእ ሓሳቡ ናይዚ ጉዳይ ንምፍላጥ ንምርዳእ ከኣ ካብቲ ብኸምዚ ዝንበብ ጥቅሱ 23 ዕስራን ሰለስተን ክንጅምር ኣሎና፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

" 23 = እየሱስ ድማ ኣብ ቤት መቅደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ "

የውሃንስ ይኹን ወይ ማንም ነዚ ታሪኽ ዝጸሓፈ ነቲ ምኽንያት ብሰፊሕ ኣይገለጸልናን ንምንታዩ የሱስ ንበይኑ እንዳተመላለሰ ንሰይጣን ዝፈታተን ነይሩ፣ ዩሁድ እንተኾኑ ከምዚ ዓይነት ወርቃዊ ዕድል ረኺቦም ክሰግርዎ ዘይሕሰብ ንሕና'ውን ክንጽበዮ ዘይብልና ጉዳይ ኢዩ፣ እሞ ኸኣ ንእየሱስ ምናልባትዶ ንዑኡ ነዚ ንኽገብር ከተባብዖ ዝኸኣለ እቲ ንቤተ መቅድስ ንምጽራይ ዝተጠቀመሉ ቃላዊ መቅጻዕቲ ሙጉቡዕባዕ ብዘይ ገለ ደገፍ ጠረቤዛቶም ገላቢጡ ነቶም ቀየርቲ ገንዘብ ዝሰጎጎሉ ኣብ መፈለምታ ምምሕዳሩ ስለ ዝተዓወተሎም ቡኡ ተተባቢዑ ይኸውን ፣ (የውሃንስ: 2፣ 15 ርአ )

" 24 = ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፣ ክሳብ መዓስ ኢኻ ላሕ ተብለና፣ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ኼንካ፣ ኣግሂድካ ንገረና፣ በልዎ፣ "

ዕጉግ ኢሎም ብንዕቀት ብእዳዎም ገጹ እንዳተናኸፉ ክኽስዎን ከቆጥዕዎን ጀሚሮም እቲ ትዛረቦ ዘቡኡ ንምንታይ ኢዩ ዘይንጹር ዘይብሩህ ግልጺ'ውን ኣይኮነን፣ ኩሉ ፈተነኦም ብስሚዒት ኣለዓዒሎም ብግብረ መልሲ ክቀጽዕዎ ጥራሕ ኢዩ ነይሩ፣ ብርግጽ ናታቶም ምክርኻር እቲ ኣገባብ ሰበኽኡ ስለ ዘይደለይዎ ኢዩ ነይሩ፣ ብፍላይ ነቲ ነውሪ ዝኾነ ጽያፍ ዘረባ ነቲ ኣገብባቶም

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ምኹናን ነቲ ባህላዊ ጽንብል በዓላቶም ኮታ ቃል ትኹን ካልእ ናብ ሕጊ ምምላሱ ካብ መንፈሳዊ ዕግበት ዘንጊዖም ምህላዎም እዝን ከምዚታትን ዘረቡኡ ፈጺሞም ኣይፈተውሉን፣ የሱስ ግን ኣብዛ እዋንሲ ኣየቆጠዐሙን ዝድላዩ ንኽብሎም ኩነታት ስለ ዘይጠዓመ ንሱ ንበይኑ ንሳቶም ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ሙኻኖም ህንጡያት ንነገር ኢዮም ነይሮም፣

ኣብ ግዜ ጸበባ ንምንታዩ ብዘየገድስ ጉቡእ ኩነታት ንምስጋር ውሕሉል መውጽኢ ምርካብ ካብቲ ብሉጽ ክፍሊ ጅግንነት ኢዩ፣ እሞ ኸኣ ብዕርቃዊ መንፈስ፣

" 25 = የሱስ መለሰሎም፣ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ ኣሎ"

" 26 = ንስኻትኩም ግና፣ ከምቲ ዝበልኩኹም፣ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኮንኩም፣ ኣይትኣምኑን ኢኺም፣ "

የሱስ ገና መርገጺኡ ኑጹር ኢዩ ዘሎ ነቲ ናቶም ሓሶት ተቃዊሙ ንሱ እቲ ዝጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ ክርስቶስ ሙኻኑ በቲ ዘይንጹር ዝበልዎ ቃላት ዘረብኡ ኣረጋጊጽሎም፣ ካብዚ ሓሊፉ'ውን ብግልጺ ነጊርዎም

" 27 = እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፣ ኣነ ኸኣ የለልየን፣ ንሳተንውን ይስዕባኒ፣ "

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

" 28 = ኣነ ኸኣ ህይወት ዘልኣለም እህበን፣ ንዘልኣለም ድማ ኣይጠፍኣን ኢየን፣ ካብ ኢደይውን ዝምንዝዔን የልቦን፣ "

" 29 = እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ ኢዩ፣ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እካ ክምንዝዔን ዝኽእል የልቦን፣ "

ነዘን ክልተ ግሉጻት ናይ መውዳእታ ጥቅሲ ንምርዳእ ዝኾነ ሰብ ማዕረ ክንደይ ጠንበርበር ክብል ይኽእል ፈጺሙ ዘደንጹ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ካብ ኣካላዊ ጉድለት ኣእምሮኣዊ ጽልግልግ ድምብርጽ ዘየብል ዕግበት ይኸፍእ፣ ደኣእምበር ንሱስ ንዩሁድ ነጊርዎም ኢዩ ካቡኡ ሓሊፎምካ ደኣ መዝጊቦሞ ንመጻኢ ወለዶ ንኽሰግር፣ እቲ ፈጺሙ ዘየላቡ ጥቅሲ ርክብ ሓደነት ኣቦን ወድን እንሆ፣

" 30 = ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና፣ "

ግርም ! ሓደ ብምንታይ፣ ኣብ ፍልጠተ ኩሉ ፍጹም ብሙኻን? ወይስ ብ ኣፈጣጥራ? ክእለተ ኩሉ ብሙኻን፣ ? ሓደነቶም ፈጺሙ ከምዚታት ኣይኮነን፣ ሓደ ኣብ ዕላማ ጥራሕ ኢዩ ሓደ ኣማኒ እምነት ድሕሪ ምቅባሉ እቲ ሰባኺ መልእኽተኛ ኣብ ኣምነቱ ክጸንዕ ጥራሕ ኢዩ ዝደልየሉ፣ እዚዩ እቲ ሓደነት ዕላማ ኣብ መንጎ ኣብ ን ወልድ ን መንፈስ ቅዱስ ን ኣብ መንጎ ማንም ሰብኣይን ሰበይትን ክህሉ ዝተገበአ ዕላማዊ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ሓድነት፣ ነዚ ብዝያዳ ንምርግጋጹ ናብቲ ኣገራሚ መብርሂ ሚስጥር የውሃንስ ንሕለፍ፣

" ስለቶም ብቃሎም ብኣይ ዝኣመኑ ድማ እምበር …….

ዓለም ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ክትኣምንሲ፣

ዎ፣ ኣቦይ ፣ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፣ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ክኾኑ …….

…….. ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፣ ሓደ

ምእንቲ ክኾኑ …………. "

የውሃንስ፣ 17፣ 20-22

በቲ ሓደ መልክዕ ከምቲ ክርስትያን ዝደልይዎ እንተ ዳኣ የሱስ ምስ ኣምላኽ ሓደ ኮይኑ እዚ ሓደነት እዚ ኸኣ ኣምላኽ ካብ ገበሮ፣ ከምኡውን ተከራኻሪ ቶማስ፣ ሰይጣናዊ ጴጥሮስ ( ኣብ ማቴዎስ 16፣ 23 ርአ )

ከምኡ'ውን ኣብ ሓያል ድልየት ከሎ ዝጠንጠንዎ ትሸዓቲኦም ደቀ መዛምርቱ ኣምላኽ ኢዮም፣ በዛ ተረዶኦ የውሃንስ 10፣ 30 ሓደነት ኣምላኽ እንተዳኣ ኮይኑ ( " ኩሎም ከኣ ሓዲገምዎ ሃደሙ ማሪቆስ 14፣ 50 ) ( ንሱ ኸኣ ኣቱም ጉዱላት እምነት …. ማቴዎስ 8፣ 26 ) ( የሱስ ከኣ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ ……….. ሉቃስ፣ 9፣ 41 ) እዚኣቶም ኩሎም ኣምልኽቲ ኢዮም፣ ኣበይን መዓስን እሞ ዝሩግ ክሕደት ክርስትያን ክፍጸም እምበሪ እቲ " ኣነን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣቦን ሓደ ኢና " ዝብል ገለጻስ ገለ ሕርኽራኽ ዘይብሉ ብሩህ ኢዩ ፣ እዚ ማለት ከኣ ሓደ ብዕላማ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን፣ እንተ ኾነ ግን ኣዩሁድ ንነገር ዱሉዋት ስለ ዝነበሩ ብዝኾነ ነገር ክሓልፎ ኣይደለዩን፣ ስለዚ ድማ፣

" 31 = ኣዩሁድ ብዳርባ እምኒ ክቀትልዎ ከም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ፣ "

" 32 = የሱስ ከኣ፣ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም፣ ስለ ኣየናይ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ክትቀትሉኒ እትደልዩ ዘለኹም፣ ኢሉ መለሰሎም፣ "

" 33 = ኣዩሁድ ከኣ፣ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፣ ስለቲ ጹቡቅ ግብርታትካስ ኣይኮንናን ብእምኒ እንቀትለካ፣ ኢሎም መለስሉ፣ "

ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝሓለፈ ኣብ ጥቅሲ 24 ዘይንጹር ተዛሪቡ ዝብል ምስምስ ድሕሪ ምንጻጉ በቲ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኣዚዩ ጽሉእ ዝኾነ ነገር ብክሕደት ከሲሶሞ፣ ከም ዝብልዎ የሱስ ጎይታ ክኸውን ፈቲኑ (ሓሲቡ ) ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና " ብማለት፣ ክርስትያን ኣብዚ ምስ ዩሁድ ይሰማምዑ ጥራሕ ዘይኮነ የሱስ ከምዚ ዓይነት ፈተነታት ከም ዝገበረ፣ ካብኣቶም ፍልይ ብዝበለ ዝያዳ እዚ ፈጺሙ ክሕደት ኣይኮነን ንምንታይሞ ኣምላኽ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኢዩ ነይሩ ናይ መሎኮታዊነት መሰል'ውን ነይሩዎ ኢዩ ይብሉ፣

ብሓፈሻ ክርስትያን ይኹኑ ዩሁድ እቲ ነገር ንመግለጺ ስሚዒታዊ ውድድር ደኣምበር ከመይ'ዩ ቅኑዕነት ናይታ ቃልሲ ይፈልጡ ኢዮም፣ እንተ ኾነ ግን ነቲ ሓደ ወገን ጹቡቅ ይቅሬታ " ንድሕነት " ነቲ ሓደ ወገን ድማ ሰናይ ግብሪ ይቅሬታ " ንሕድገት " ክነሱ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ህልኸኛታት መስኪናይ የሱስ ኣይ ንዓዲ ኣይ ንግዳም ብላሽ ኣትሪፎሞ፣ እንተ ኾነ ግን የሱስ ኣብዚ ረሳሕ ጸወታ ኣይተሓባበረን ኣይተሳተፈን'ውን ፣ - ስለዚ

" 34 = የሱስ መለሰሎም፣ ኣብ ሕግኹም፣ ኣነ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፣ በልኩ፣ ዝብልዶ ኣይተጸሓፈን ኢዩ፣ "

" 35 = ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ካብ ዝብሎም - ጹሑፍ ክፈርስ ኣይከኣልን ኢዩ - "

" 36 = ነቲ ኣቦ ዝቀደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፣ ወዲ ኣምልኽ ኢየ ስለ ዝበልኩኹም፣ ከመይ፣ ኢልኩም፣ ትጻረፍ ኣሎኻ፣ ትብሉኒ ኣለኹም ። "

ንምንታይ ኣብ ሕግኹም

ኣብ ጥቅሲ 34 ከኣ ንእሽትለይ ላግጻዊት ኣሽካዕላል ዘረባ ኣስሚዑ፣ ንዝኾነ ፍጻሜ ግን ንምንታይ'ዩ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኣብ ሕግኹም ዝበል፣ እቲ ሕገ እንተላይ ናቱ ዶ ኣይኮነን እዚ ኣብ ታሕቲ ዘቅርበልኩም ንሱዶ ኣይኮነን ኢልዎ፣

" ንሕጊ ኮነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፣ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፣

- ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፣ ኩሉ ክሳዕ ዝፍጸም፣ ካብ ሕግስ የውጣ jot 11* ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፣ "

ማቴዎስ፣ 5፣ 17-18

ኣማልኽቲ ኢኹም

ንሱ ነዛ ጥቅሲ ኣማልኽቲ ኢኹ ትብል ካብ ኣብ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 82 ጥቅሲ 6 ኢዩ ዘኪርሎም፣ ( " ኣነስ ኣማልኽቲ ኢኹም፣ ኩላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም " ) ዝብል ኢየ ጠቂሰልኩም በሎም፣ የሱስ ብምቅጻል ነብታት ይኹኑ ካልእ እንተድኣ

Jot* እዛ የውጣ ተባሂላ ተተርጊማ ዘላ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ ዝተርጎሙ ከም ዘላታ ካብቲ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ኣግዒዞም ----- ኣቀሚጦማ፣ ምኽንያቱ ደራሲ ናይዚ ጽሁፍ ከም ዝብሎ ብቃንቃ እብራውያን መረዳዲኢ ዩሁድ ( Yot ) ኮይና ኣላ ትርጉማ ኸኣ እታ ዝደቀቀት ካብ ቃለ ፊደል ዕብራይስጥ ማለት ኢዩ፣ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ብ Jot ተተኪኣ ኣላ፣ ኣብ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ገለ የውጣ ኣብ ገለ ኸኣ ጭረት ተባሂላ ተመዝጊባ ኣላ፣ ጆት Jot ማለት ግን ኣብ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ምስ እንርኢ ቅንጣቦ ወይ ንጣር ማለት ኢዩ፣ መንግስቲ ሻዕቢያ ኣሻቡኡ እትው ምስ በሉ ቅድሚ መዝገበ ቃላት ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያን ስለ ዝሓተመሎም ኣቡኡ ክርእይዋ ዕድል ኣይረኸቡን ይኾኑ፣ ዝኾነ ኮይኑ ወላ'ካ ዘይጽፉፍ ኣሰራርሓ ብግልጺ እንተረኣና ክንዲ ቅንጣብ ወይ ንጣር ካብ ሕጊ ከይተፈጸመ ከምዘይሓልፍ ኢዩ ዘረድኣና፣ ተርጋሚ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

/ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ተባሂሎም/ እቲ ኣምላኽ ዝብል ቃል ዳኣ'ሞ ናይ መን ፍሉይ መግለጺ ኢዩ ክኸውን፣ ስለዚ ከኣ ጽሑፍ ክፈርስ ኣይከኣልን ኢዩ - ብኻልእ ኣዘራርባ ፈጺምኩም ብመርትዖ ክትቃወሙኒ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣

የሱስ ነቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣጸቢቁ ስለ ዝፈልጦ ምስ ጸላእቱ ክዛረብ ከሎ ሙሉእ ቡቁዕ መረጋገጺ ኢዩ ዘቅርበሎም፣ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ኩሉ ሕያዋይ ኩሎም ነቢታት ናይ ጎይታ ኣማልኽቲ እንተ ተባሂሎም፣ ኣነ ደኣ እንታይ ኢዩ ጌጋይ ወይ'ውን ኣባይ ጥራሕ ኢዩ ፍሉይ ተርእዮ ዝህልወኩም፣ ስለዚ እምበኣር ' ወዲ ኣምላኽ ' ኢየ እንተበልኩ ምስቶም ብኣምላኽ ' ኣማልኽቲ ' ተባሂሎም ተሲምዮም ዘለው ክወዳደር ከሎ ዝተሓተ ደረጃ ተርታዶ ኣይኮነን፣ ብናይ ገዛእ ርእስና ቃንቃ ግሉጽ ዘረባ ' ኣምላኽ ኢየ ' እንተበልኩስ ኣበይ ኢዩ'ቲ ጌጋይ፣

እዚ ካብቲ ቅኑዕ ዝበሃል ዘዋሪ ጽሑፋት ቅርሲ ክርስትያን ዓለም ዝንበብ መልእኽቲ'ዩ ኣነ ካብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ንቃላት ዘይናቱ ትርጉም ሂበ ዘብራህኩዎ ኣይኮነን።

ሻውዓይ ምዕራፍ

ኣብ መጀመርያ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ነቲ ካናዳዊ ናይ ስነ መሎኮት ዶክቶር የሱስ ኣበየናይ ኢዩ " እግዝኣብሄር ኢየ " ወይ ከኣ " ኣነ ምስ እግዝኣብሄር " ወይ'ውን ንዓይ ተገዝኡ ዝበለ ክብል ደጊመ ሓቲተዮ፣

ቐሺ ሞሪስ ኣዕሚቁ ድሕሪ ምትንፋሱ ካልኣይ ፈተነ ገይሩ ንሱ ነታ ኣዝያ ብዙሕ ግዜ ተደጋጋሚት ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያን ኣብ የውሃንስ፣ 1፣ 1 ዘላ ኢዩ ጠቂስለይ፣

" ቃል ብመጀመርታ ነበረ፣ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፣ እቲ ቃልውን ኣምላኽ ነበረ፣ " ዮውሃንስ ፣ 1፣ 1* 12

በጃኻትኩም እሞ ኣስተብህለሉ እዚ ፈጺሙ ናይ የሱስ ቃል ኣይኮነን እዚ ናይ የውሃንስ ወይ ካልእ ተራ ሰብ ዝጸሓፎ ኢዩ ከምኡ ሙኻኑ ድማ ማንም ሙሁር ክርስትያን ፈላጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝእመነሉ ኢዩ፣ ፊሎ ዝተባህለ ኣዩሁድ ኣሌክሳንደራዊ ቅድሚ ነቢ ዮናስ ነቢ የሱስ ምውላዶም ዝጸሓፎ ኢዩ፣ ፊሎ'ውን እንተኾነ ነዚ ንምባል ዝኾነ መሎኮታዊ ራኢይ ኣይደለየሉን ንፊሎ ምንም ኣይኮነን ምስጢራዊ ዝተኣላለመ ትርጉም ንምሃብ ኣብዛ ቃል እዚኣ ሸንኮለል ምባሉ፣ ካቡኡ ዝሓለፈ ከኣ

12

ዘገርም ኢዩ ኣብዚ ዝሓለፈ ጻውዒታዊ ተሞክረይ ነዛ ቀዳመይቲ ትእዝዝ ዝጠቅስ ሓደ ክርስትያን ጥራሕ ኣይኮነን ኣጋጢሙኒ፣ እንተኾነ ግን ወላሓንቲ ንምርግጋጽ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

የውሃንስ plagiarized 13* ምግባሩ ኢዩ፣ ዝኾነ ካብ ኮነ ግን እዚ እንድዩ እቲ ትሕዝቶኦም ክንቅበሎ ኢና፣

ግሪኽ ዕብራይስጥ ኣይኮነን

27 ዕስራን ሸውዓተን መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን መሰረቱ ብግሪኽ ኮይኑ ሃይማኖታት ክርስትያን ኩሎም ነናይ ገዛእ ርእሶም ኣዳልዮም ስሙ ከይተረፈ ቀይሮም '' Christian Greek Scriptures ግሪኻዊ ቅዱስ መጻሕፍቲ ክርስትያን '' ኢሎሞ፣ ኣስዒበ ነቲ ቐሺ ቃንቃ ግሪኽ ይፈልጥ እንተኾይኑ ሓተትዮ ከም ዝፈልጥ ነጊሩኒ ንሓሙሽተ ዓመት ቅድሚ ምምራቁ ከም ዘጽነዖ ወሲኹ፣ ግርም ስለዚ እምበኣር ነታ ቀዳመይቲ ጥቅሲ '' and the word was with God '' ( God ኣምላኽ ) '' እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ ነበረ '' ንእትብል ቃል ብቃንቃ ግሪኽ መተካእታ ናታ እንታይ ነይራ ኢለ ሓቲተዮ፣ ክንዲ ዝምልስ ኣስቂጡ ግን መተካእታ ናታ '' Hotheos '' ሆስዮስ ኢዩ ነይሩ ኢለዮ፣ እዚ ማለት ከኣ ብቀጥታ '' The God እቲ ኣምላኽ '' ኢዩ ክኽውን ዘለዎ፣ ምዕራባውያን ይኹኑ ሰሜን ኣሜሪካ ንሓፈሻዊ ገላጺ ቃል ንእሽተይ ቃል small letter - ንፍሉይ መጸውዒ ስመ ተጸውዖ ድማ ብዓቢ ቃል capital letter ምጽሓፍ

13

Plagiarised ማለት ካብ ካልእ ሰብ ዝተሰርቀ ብገለ ጥበብ ወይ'ውን ከም ዘለዎ ዝገዓዘ፣ ሓደ ሌባ ከም ናቱ ጌይሩ ዘቅርቦ ንዝያዳ ኣብ IS THE BIBLE GOD'S WORD ንሙሉእ ግልበጣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገጽ 31 ርአ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ተዘውቲሩ ካብ ዘማዕበልዎ ንኖጆው ንእግዝኣብሄር '' God '' ኢሎም ዓቢ ቃል ምጥቃሞም ክንቅበሎ ኣሎና፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ '' Hotheos '' ትርጉሙ The God እቲ እግዝኣብሄር ኢዩ ነይሩ፣ እቲ ናብ '' God እግዝኣብሄር '' ተርጊሞሞ ዘለው ማለት ኢዩ፣ ሕጂኸ ምነገርካኒዶ እታ ካላኣይቲ ቃለ ፍጻሜ ብቃንቃ ግሪኽ '' and the word was with God '' እንታይ ከም ዝነበረት ኢለዮ፣ እንተኾነ ግን ስቅ ምባል መሪጹ ግሪኽ ጠፊእዎ ኣይኮነን እንተዘይሓስዩስ ትም ምምራጹ ግን እቲ ጸወታ ዘብቀዐ ይመስል፣ እታ ቃል TONTHEOS ኢያ ነይራ፣ እዚ ማለት ከኣ '' A God ኣምላኽ '' ማለት ኢዩ፣

ኣብዚ'ውን ከምቲ ዘማዕበልኩሞ ኣገባብ ትርጉም ናይ ነቲ ካላኣይ ግዜ ዝተጻሕፈ ብንእሽተይ ክኸውን ነይርዎ '' g '' ኣዚ ማለት ኣምላኽ '' god '' ኣምላኽ ብዓቢ ቃል ካፒታል '' G '' ክኸውን የብሉን፣ ብኻልእ ወገን ''TONTHEOS ' ናብ '' a gad '' ኣምላኽ ተመሊሱ፣ ብሓፋሻ gad ይኹን '' a gad '' ጽቡቅ ኣሎ፣

ኣብ ካላኣይ ቆሮንቶስ 4ይ ራብዓይ ምዕራፍ 4ይ ራብዓይ ጥቅሲ ግን እምነት ምጉዳል ዝዓይነቱ ኣገባብ ኣጠቃቅማ አርኢኹም፣ እግዝኣብሄር '' GOD '' ክንዲ ምጽሓፍ ብንእሽተይ '' g '' ተጠቂምኩም ( and the devile is ) the god of this world - ( ሰይጣን ከኣ ) ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ ኣቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ -

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ተካኢት ግሪኻዊት ቃል ነዛ the god ትብል ጥቅሲ ከምቲ ኣብ የውሃንስ፣ 1፣ 1 ዘሎ '' Hotheos '' ኢዩ ነይሩ፣ ስለዚ እንተ ድኣ ፓውሎስ hotheos '' THE GOD '' እቲ እግዝኣብሄር ብራኢ ጺሒፍዎ ኮይኑ ስለምንታይ ኢኹም ኣብቲ ኣገባብ ኣተራጉማኹም ከይተቀያየርኩም ዘይትጸንዑ ወላውን ንድያብሎስ እንተኾነ ብዓቢ '' G '' ዘይጸሓፍኩም ንምንታይ።

ብተወሳኺ ጎይታ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ንሙሴ ( ሙሳ ዓ. ሰ. ) ከምዚ ኢልዎ ትብሉ፣ '' …. ርኤ፣ ኣነ፣ ንፊርኦን ኣምላኽ ገበርኩኻ፣ - See, I have made thee a god to pharoh '' ዘጸኣት፣ 7፣ 1 ንምንታይ ዳኣ ኣብዚ ንእሽተይ '' g '' ተጠቂምኩም ንእግዝኣብሄር '' GOD '' ዘይጸሓፍኩሞ፣ ንተራ ቃል word እካ ብዓቢ ክትጽሕፉዎ '' and the WORD was GOD '' ዘየጸገመ ኣብቲ ንሙሴ ዝምልከት ገለጻ ግን '' G '' ብዓቢ ዘይተጸሓፈ ንምንታይ ኢዩ፣

ስለምንታይ ኢኹም ከምዚ ትገብሩ፣ ንምንታይከ ላግጺ ዝዓይነቱ ስሉጥ ጥፍኣታዊ ጸወታ ምስ ቃል እግዝኣብሄር፣ ክብል ሓቲተዮ ነቲ ቐሺ ንሱ ግን ነዚ ኣነ ኣይገበርክዎን ኢሉኒ፣ እፈልጥ ኣለኹ ንስኻ ከም ዘይኮንካ ኣነ ደዛርበኒ ዘሎ እቲ ብድብዱቡ ሽፉን ህዝበ ክርስትያን ጎይታ ገዲፉ ንየሱስ ብምምላኹ ንጥፍኣት ተዓዲሉ ዘሎ ኢዩ፣ ኣብዚ ኮነ ኣብቲ ከከም ዝጥዕመኩም ዓብን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ንእሽተይን እንዳበልኩም ቃል ምቅይያር ነቲ ገና ፈጺም ዘይነቅሐ ዘሎ ኣካል ሕብረተሰብ ክልተ ይኹን ኣርባዕተ ነጥቢ ከይተረፈ ወላ'ውን መስመሩ ይኹን ኣሰራርዑኡ ካብ እግዝኣብሄር ዝመስሎ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ክርስትያን ኢዩ መዛረቢና።

ሻምናይ ምዕራፍ

እንታይ ተሪፉ

ሰለስተ ኣርእስቲ

ዘይከኣል ጉዳይ ኢዩ ክሕሰብ'ውን የብሉን ኣብዛ ንእሽተይ ሕታም መጽሓፍ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓሰርተ ሽዱሽተ ምዕራፋት ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ብዛዕባ ( እየሱስ ) ዒሳ ዓ.ሰ. ተጠቂሱ ዘሎ ብጥበብ ኮነ ኣሕጽር ኣቢልካ ብጥርኑፍ ክቀርብ፣ ስለዚ ድማ ኣብዚ ክንገብሮ ንኽእል ገለ ካብ'ቲ ኣብ ገጽ 9 - 10 ተዋሂብና ዘሎ ካብ ቁዱስ ቁርኣን ብተርታ ዝወጸ ጠቅላሊ ሓባሪ ግልጽ ኢልናዮ ምሕላፍ ጥራሕ ኢዩ፣

ካብቲ ኣቡኡ ዝረኸብናዮ ሰለስተ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ኣብዚ ዝርርብና ክሳብ ሕጂ ብሰፊሕ ዘየልዓልናዮ ኣገዳሲ ነጥብታት ንረክብ፣

1ይ = ከም ዘይተሰቅለ፣ 4፣ 157

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

2ይ = መልእኽቱን ተኣምራቱን፣ 5፣ 110 = 19፣ 30-33

3ይ = ትምቢት ምምጻእ ኣሕመድ፣ 61፣ 6

ብዛዕባ እዛ ቀዳመይቲ ብዝምልከት '' not crucified '' ኣይተሰቅለን ትብል ናይ ሎሚ ዕስራ ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ንእሽተይ ጽሕፍቲ ነይራትኒ '' was Christ crucified '' ክርስቶድ ተሰቂሉዶ ነይሩ? ትብል፣ እታ መጽሓፍ ኣብዚ እዋን ካብ ማሕተም ወጻኢ ኢያ ዘላ ምኽንያቱ ድማ ካብቲ ዝወጸትሉ ክሳብ እዚ ህልዊ እዋን ብዙሕ ምቅይያር ስለ ዘሎ ምሕዳስ'ውን ከድልያ ኢዩ፣ ነዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሳ ዘላ ሳልሰይቲ ብዝምልከት'ውን

prophesied Ahmed * 14 ትምቢት ምምጻእ ኣሕመድ

'' Mohammed the natural Successor to Christ ( p. b.u.h. ) '' መሓመድ ( ሰ.ዓ.ወ. ) ተፈጥራዊ ተካኢ እየሱስ፣ እትብል ንእሽተይ መጽሓፍ ከቅርብ ተሊመ ኣለኹሞ ተስፋ እገብር ምስታ ' ክርስቶስ ተሰቂሉዶ ነይሩ ' ትብል ብሓደ ክወጻ ኣብ ዝቀረበ እዋን፣ ኢንሻኣላህ፣ * 15

መንገዲ ድሕነት

ተሪፋትና ዘላ እምበኣር እታ ካላኣይቲ ንእሽተይ ኣርእስቲ ኢያ፣ ብዛዕባ ' መልእኽቱን ተኣምራቱን '

14

ኣሕመድ፣ ሓደ ካልእ ስም ካብቲ ፍሉጥ መጸውዒታት ነብዩ መሓመድ ሰ.ዓ.ወ. ኢዩ፣ ** እዚ ተባሂሉ ዘሎ ጽሑፋት ሓያሎ ኮይኑ ኣውጺእዎ ኢዩ ነዚ ቅድሚኡ ኣቀዲሙ ስለ ዝጸሓፎ ኢዩ፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

መልእኽተኛነት የሱስ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነቢታት ኢዩ መሓመድ ድማ ኣብ ነቢይነታዊ ምድረኽ ወራሲ ወይ ተካኢ ናቱ ኮይኑ መልእኽቶም ሓደ ኢዩ ነይሩ '' ብ ኣ'ላህ እመኑ፣ ትእዛዛቱ ሓልዉ፣ ዝብል ኢዩ ነይሩ፣ ስለዚ ኸኣ ኣ'ላህ ናብ መልእኽተኛታቱ ዘውርዶ ዝነበረ ብዝሒ ግዜ ኹሉ ዳርጋ ሓደ ኢዩ፣ ዘይፈላለ ጹኑዕ ዘይቀያየር ዘየደናግር ሓያል ጎይታ ደኣምበር፣

'' ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር ናይ ዝርግርግ ኣይኮነን ''

1ይ ቆሮንቶስ፣ 14፣ 33

ሓደ ሕጊ ዘኽብር ዩሁድ መንገዲ ድሕነትን ጽድቅን ዝደለየ ናብ የሱስ መጺኡ ነይሩ፣ ንዝያዳ ቅዱስ ማቴዎስ ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ይገልጸልና፣ -

'' እንሆ ሓደ ናብኡ ቀሪቡ፣ ዎ፣ መምህር፣

ናይ ዘልኣለም ህይወት ክረክብሲ፣ እንታይ

ጹቡቅ ግብሪ እግበር፣ በለ፣ ንሱ ኸኣ ( የሱስ )

በሎ፣ ንምንታይ ብዛዕባ ጹቡቅ ትሓተኒ ኣሎኻ፣

እቲ ጹቡቅሲ ሓደ ኢዩ፣ ናብ ህይወት ክትኣቱ

እንተደሊኻ ግና፣ እተን ትእዛዛት ሓሉ፣ ''

ማቴዎስ፣ 19፣ 16-17

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ምናልባት ክንሰማማዕ ንኽእል ንኸውን ኣነ ወይ ንስኻ እቲ ዩሁዲ ነይርና እንተንኸውን ካብቲ ዘረባ ክንወስዶ ንኽእል ዓቢ መልእኽቲ የሱስ ከም ዝበሎ ውሕስነት ድሕነት ደም ነጹሃት ከየፍሰስካ ካብ ዓበይቲ ሓጢኣት ተሓሊኻ፣ ትእዛዛት ሕጊ ምስ ተኽብር ጥራሕ ኢዩ ድሕነት ናይ ዘልኣለማዊ ህይወት ክርከብ ዝከኣል፣ እንተዘይኮይኑ ከምቲ ዝብልዎ የሱስ ብገዛእ ልሳኑ ስድናታዊ ዘረባ ተዛሪቡ ማለት ኢዩ፣ ኣብ ክውንነት ድሕሪ ቁሩብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ንመጻኢ ዘጋጥሞ እንዳፈለጠ ''ንድሕነት ደቂ ሰባት በጃ ክሓልፍ ሙኻኑ '' ካሕሳ ንኻልእ ክሓልፍ፣ ሓጢኣት ደቂ ሰባት ክስርይ ( ክድምስስ ) ሙኻኑ እንዳፈለጠ እዚ ክብሎ ፈጺሙ ኣይግብኦን፣

ንምንታይ ከ ኢዩ የሱስ 'ዘይከኣል' መፍትሒ ሂብዎ፣ ሕግታት ትእዛዝ ምኽባርን ምሕላውን ክርስትያን ኣንተኾኑ ከም ጭብጢ ዘቅርብዎ እቲ ዝሓጸረ መንገዲ ኣሎ ይብሉ፣ ንሱ ድማ ተወፋይነት ሕልፈተ ( በጃ ) የሱስ፣ ወይስ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ እንታይ ከም ዘጋጥሞ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ክስቀል ምኻኑ፣ ከምዚ ግን ኣይኮነን ኣብ መንጎ '' ኣብ '' ን '' ወልደ '' ን ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ቃል ኪዳን ኣይነበሮምን ድዩ ደሙ ኣፍሲሱ ዓለም ከድሕና ምኻኑ ! እሞ ኸ ድኣ ካብ ተዘክሮኡ ዶኾንዩ ጠፊእዎ፣ ኣይፋልን ብጭራሽ፣ ካብ ከምዚታት ዝዓይነቱ ልቢ ዘሽብር ጽውጽዋይ ኮነ ስምምዕ ነቲ ኣዝዩ ኣመና

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ጥንቁቅ ግዱስ የሱስ እዚታት ዝምልከቶ ኣይኮነን፣ እታ ሓንቲ ፈጺማ ካላኣይቲ ዘይብላ ናብ ጎይታ ተብጽሕ መንገዲ ኣጸቢቁ ይፈልጣ ነይሩ ኢዩ፣ ንሳውን እታ መንገዲ የሱስ ከም ዝበላ '' እተን ትእዛዛት ምሕላው '' ጥራሕ ኢዩ።

ብታኣምር እንታይ ምርግጋጽ

( ሙዕጂዛ ) ተኣምር ብዝምልከት ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ብጀካ እቲ ኣብ ገጽ 26-27 ቀሪቡ የሱስ ኣብ ሕቅፎ ኣዲኡ ከሎ ካብቲ ኩሉ ሓሶት ንወላዲቱ ከም ዝተኸላኸለላ ተነጊሩና ዘሎ ካብኡ ወጻኢ ኣብ ዓሚቅ ዝርዝራት ኣይኣተወን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓይነ ስውር በርጢሞስ ወይ ኣል ኣልኣዛር ዝተፈጸመ ተኣምራት ብመስሊሙን እንተኾነ ብድብዱቡ ንተቀባልነቱ ፈጺሙ ዝንጸግ ኣይኮነን ምውታት ምትስኡ፣ እዚ ግን ፈጺሙ ''ጎይታ '' ኣይገብሮን ወይ '' ውሉድ '' ወዲ እግዝኣብሄር፣ ከምቲ ንክርስትያን ተርዲኢዎም ብጌጋ ቅቡል ኮይኑ ዘሎ ከይመሰለ ማለት'ዩ።

ተኣምር ምስራሕ'ውን እንተኾነ ፈጺሙ መለክዒ ወይ መምዘኒ ሓቅነት ነቢይነት ኣይኮነን፣ የሱስ ባዕሉ ከም ዝበሎ ጥራሕ እካ፣

'' ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነቢታትን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ክመጹ ኢዮም እሞ፣ እንተ ተኻእሎምሲ፣

ነቶም ሑሩያት እካ ኼስሕቱ፣ ዓበይቲ

ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ ኢዮም፣ ''

ማቴዎስ፣ 24፣ 24 እንተ ድኣ ሓሰውቲ ነቢታት ሓሰውቲ መሲሃት ( ክርስቶስ) ተላዒሎም ተኣምራት ክሰርሑ ክኢሎም ስለዚ እምበኣር እዚ ተርእዮታት እዚ ነብይነቶም ኮነ ሓቂ ንምግላጽ ዋጋ ዝወሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን። የሱስ ብዝበሎ መሰረት መጥምቅ የውሃንስ ካብቶም ኩሎም ነቢታት እስራኤል ዝዓበየ ነይሩ፣ ካብ ሙሴ ካብ ዳዊት ካብ ሰሎሞን ካብ ኢሰያስ ኮታ ብሓፈሻ ካብ ኩሎም ነቢታት እስራኤል፣ ተመሊሱ እቲ ባዕሉ ዝበሎ ቃል ንሱ ካብ ደቂ እስራኤል ክነሱ ንዑኡ ኣየጠቃልልን ኢዩ ክበሃል ግን ዓጅብ ! ዘገርም፣ ? ኢዩ፣

'' ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፣ ካብ ኣንስቲ

ኻብ እተወልዱ፣ ኻብ የውሃንስ መጥምቕ

ዝዓቢ ሓደ እካ ኣይተንስኤን ………. ''

ማቴዎስ፣ 11፣ 11

# ንየሱስ ዘጠቃልል ኣይኮነን፣ ብምንታይ ምኽንያት ድኣ ካብ ሰበይቲ ዶ ከይኮነ ተወሊዱ፣ ማርያም፣

# መጥምቅ የውሃንስ ካብ ኩሎም ነቢታት ይዓቢ፣ እንተኾነ ግን ወላሓንቲ'ውን ዝፈጸሞ ዓቢ ተኣምር የሎን፣

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ስለዚ ኸኣ Miracle ተኣምር መፍረዲ ወይ መምዘኒ ሓቅን ሓሶትን ኣይከውንን ኢዩ።

ከምዚ እንዳኾነ ክርስትያን ኣብ ቁልዕነታዊ ትሪ ጸኒዖም የሱስ ጎይታ ኢዩ ንምውታን ከይተረፈ ሂይወት ዘሪኡ የተስኦም ነይሩ ኢዩ፣ ምውታት ምትንሳእ ጎይታ ዝገብር እንተ ኾይኑ ደኣሞ ካሎኦት ጉይቶት ክኾኑ ዝግቦኦም መሊኦም ኣለዉ፣ እዚኣ ክትድንጽዎም ኢያ ኣይትወሓጠሎምን እውን፣ ምኽንያቱ ከኣ ነቲ ካልእ ብየሱስ ተባሂሉ ብቡሩህ ተገሊጹ ተነጊርዎም ዘሎ ተኣምራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ኸየስተብሃሉ ገዛእ ርእሶም ኣእምሮኦም ደፊኖም ዓጽዮም ኢዮም፣ ንኣብነት ዝኣክል እቲ ዘይቅኑዕ ፈጺሙ ቅኑዕነት ዝጎደሎ መጽሓፍ ቅዱሶም ከም ዝብሎ፣

ሀ = ሙሴ ካብ የሱስ ይበልጽ ንምንታይሞ ነታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ ህይወት ዘሪኡ ካብ ኣታኽልቲ ዓለም ናብ ኣንስሳ ዓለም ኣሰጋጊሩ ለመምታ ተመን ብምቅያሩ፣

ዘጸኣት፣ 7፣ 10

ለ = ነቢ ኤልሳእ ካብ የሱስ ይበልጽ ምኽንያቱ ድማ እቲ ዝመሽመሸ ኣዕጽምቱ ብኻልእ ተናኺፉ ህይወት ዘሪኢሉ፣

2ይ ካልኣይ ነገስቲ፣ 13፣ 21

ብመዛግብ ሰሪዐ ዶ ተኣምራት ብዝርዝር ከቅርበሎም ይድለ ይኸውን፣ እንታይሞ እቲ ሕማም ኣብ ኣእምሮኦም ሰሪጹ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ኢዩ እምበሪ እቲ ኩሉ ዝፍጸም ዝነበረ ተኣምራትሲ እቲ ልዑል ጎይታ ብመልእኽተኛ ናቱ ዝገበሮ ዝነበረ ኢዩ፣ እወ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ኢዩ ክብሉ ኢዮም ሰብ ሓለፋ፣ ሕራይ ይኹን ነዚ ንምትግባርከ እዚ ኩሉ ሓይሊ ካበይ ኢዩ ረኺብዎ ብቀረባ ድማ ንሱ ይተሓተት መልሲ'ውን ባዕሉ ክነግረና ኢዩ።

ሓይሊ ናቱ ኣይኮነን

'' የሱስ ቀሪቡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፣ ኣብ

ሰማይን ኣብ ምድርን ኩሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ፣ ''

ማቴዎስ፣ 28፣ 18

'' ኣነ ኣጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም

ካብ ኮንኩ ግና፣ እንሃ መንግስቲ ኣምላኽ

ናባኻትኩም መጸት፣ ''

ማቴዎስ፣ 12፣ 28

'' ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን፣

ፍቃድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፣ ፍቃደይ

ኣይደልን ኢየ እሞ፣ ኣነ ከምቲ ዝሰማዕክዎ

ኢየ ዝፈርድ፣ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ ኢዩ፣ ''

የውሃንስ፣ 5፣ 30

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

'' ኣነ ኣጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም

ካብ ኮንኩ ግና፣ መንግስቲ ኣምላኽ

ኣባኻትኩም በጽሓት፣ ''

ሉቃስ፣ 11፣ 20

ናይ ውክልና ሓይሊ

ንሱ ከም ዝበሎ 'ሓይሊ' ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን 'ኩሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ' ኢዩ ዝበለ ብመን ተዋሂብዎ ብዘይ ገል ጥርጥር በቲ ሓደ ሓያል ጎይታ ብተወሳኺ ኩሉ ዝኾነ ተግባራቱ ይኹን ምቅስቃሳቱ ካብቲ ሓደ መለለይ ባህርያት ልዑል ጎይታ ኢዩ ነይሩ፣

ኣልኣዛር

ካብቲ ብዙሕ ብየሱስ ዝተፈጸመ ተኣምራት ኣዝዩ ዝለዓለ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ምትንስኡ ክኸውን ከሎ ከምቲ ኣብ ወንጌል ቅዱስ የውሃንስ ተመዝጊብዎ ዘሎ ምስ ንመራመረሉ ብጣዕሚ ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ፣ እቶም ካሎኦት መዝገብቲ ወንጌል ፈጺሞም ዝሃብዎ ዝርዝራዊ ገለጻ የለን፣ ዝኾነ ኮይኑ ካብ ተባህለ ግን እቲ ታሪኽ ከም ዝብሎ ኣልኣዛር ብጽኑዕ ሓሚሙ ነይሩ፣ ኣሕዋቱ ማርያምን ማርታን ድማ ንየሱስ መጺኡ ንኽፍውሶ ህውኽ ህጹጽ ጻዊዒት ጌይረናሉ እንተኾነ ግን ኣዝዩ ዘንጊዕ በጺሑ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪ ምማቱ ኣብ ኣርባዕተ መዓልቱ ኢዩ፣

ግዒሩ

ኣብቲ ዝተደልዮ እዋን ብዘይ ምብጽሑ ማርያም ንየሱስ ብዙሕ ኣቅረምሪማትሉ ከሙኡ እንተዝገብር ነይሩ ምናልባት'ውን ሓዋ ኣይሙመተን ነይሩ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ማለታ ንኻሎኦት ህዝብታት እንዳፈወሰ ንምንታይ ነሕዋቱ ዘይፍውስ እሞ ኸኣ ነልኣዛር ናይ ቀረባ ዓርኩ፣ የሱስ ድማ ከምዚ በላ '' ሕጂውን እንተኾነ እምነት እንተ ኣለኩምሲ፣ ክብሪ ናይ ጎይታ ክትሪኡ ኢኹም '' ስለዚ እቲ ዝድለይ ዘሎውን እምነት ንኽህልዎም ኢዩ፣ ካብዚ ሓሊፉ ሓያል ጽኑዕ እምነት ጎቦ የንቀሳቅስ ዘይበሎም መዓስ ኮይኑ ናብቲ መቃብሩ ንኽወስድዎ ድማ ሓተቶም፣ ኣብ መንገዲ እንዳኸዱ '' መንፈሱ ተረቢሹ ግዒሩ '' ብሓቂ ድማ ካብ ልቡ ናብ ፈጣሪኡ ይልምንን ይጽልይን ደኣ ነይሩ እምበር የግረምርም ኣይኮነን ነይሩ፣ ብምረት ካብ ልቡ እንዳ ኣንፈቅፈቀ ዘውጾኦ ዝነበረ ቃላት ከይተረፈ ነቶም ኣብቲ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ዘይርዱእ ነይሩ፣ ኣብቲ ጥቃ መቃብር ምስ በጽሓ ዝያዳ ' ዓንገረር ' ኢሉ፣ ምናልባት'ውን ደጋጊሙ ዝገዓረ ናይቲ ዝመጽእ ተገሊጽሉ እቲ ኩሉ ዓንገረር ዝበሎ ጸሎቱ ልዑል ጎይታ ሰሚዕዎ ተገሊጽሉ ይኸውን፣ ንጎይቱኡ ዝሓተቶ ክማላኣሉ ምኻኑ ምስ ፈለጠ ድማ እሰይ እፎይ ኢሉ ኣዕረፈ፣ ነቲ እምኒ

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ካብቲ መቃብር ንኽኣልይዎ ትእዛዝ ሃቦም ብድሕሪኡ ንኣልኣዛር ዳግም ካብ ሞት ናብ ህይወት መሊስዎ፣ ግን ብዘይ እቲ ካብ ጎይታ ዝረኸቦ መረጋገጺ የሱስ ዕሽነታዊ ስራሕ ፈጺሙ ቅድሚ ኹሉ ገዛእ ርእሱ ምትላል ምኾነ ነይሩ፣

ምእላይ ምውጋድ ዘይርዱእነት

ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ስለ ዝገበረ ማርያም ጨንዩ መሽሚሹ ይኸውን ኢላ ወዲኣቶ ኢያ የሱስ ግን እምነቱ ሙሉእ ስለ ዝነበረ ፈጺሙ ኣይተጠራጠረን ነቲ እምኒ ክኣልይዎ ድማ'ዩ ዝኣዘዞም፣

ብድሕሪ እዚ ኩሉ ተርእዮ ፍጻሜ ድማ'ዩ ንሰማይ ገጹ ጠሚቱ፣ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ፣

'' የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቃሕ ኣቢሉ፣

ኣቦ፣ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ፣

እዞም ደው ኢሎም ዘለው ህዝቢ

ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምኑ

ደኣ ኢየ እዚ ድበልኩ እምበር፣

ኣነስ ኩሉ ሳዕ ከም ትሰምዓኒ፣

እፈልጥ ኣለኹ፣ በለ፣ ''

የውሃንስ፣ 11፣ 41-42

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

እንታይ ደኣዩ እዚ ኹሉ ! ጸወታ ክራር ? ንምንታይከ ኣድለየ እዚ ኩሉ ተዋስኦታት፣ ምኽንያቱ ተዓሸውቲ ኣህዛብ ብዘይከውን ዝኣምኑ ሙኻኖም ኣጸቢቁ ይፈልጦም ስለ ዝነበረ ንቀጻሊ መጻኢ'ውን እቲ ምንጪ ተኣምር ከይስሕትዎ ኢዩ፣ ካቡኡ ሓሊፎም'ውን ምናልባት ጎይታ ኢዩ ይብሉ ይኾኑ፣ ምኽንያቱ ንምውት ህይወት ዘሪእካ ህያው ምግባር ናብቲ ሓደ ጎይታ ዝተደረተ ክእለት ጥራሕ ኢዩ፣ ብዝያዳ ንህዝቡ ከይተረዶኦም ከይተርፍ መታን ብተዓጻጻፊ ንኸረጋግጸሎም ኢዩ፣ እቲ ዓው ኢሉ ምዝራቡ ኩሉ ዝገዓሮ ብቀጥታ ሓገዛዊ ልመና ካብቲ ዝለዓለ ጎይታ ንምርካብ ኢዩ ነይሩ፣ ንኣቶም እቲ ጸሎቱ ልመና ዘይስሩዕ ዘይስማዕ ተመልካቲ ኩሉ ዘለልዮ ዝርድኦ ኣይነበረን እንተኾነ ግን እቲ ልዑል ጎይታ በቲ ጉቡእ ውሽጣዊ ድልየቱ ጾሎቱ ልመንኡ ተቀቢልሉ።

ብተወሳኺ '' ኩሉ ሳዕ ከም ትሰምዓኒ እፈልጥ ኣለኹ '' ኢሉ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ኩሉ ብየሱስ ዝፍጸም ዝነበረ ተኣምራት ብልዑል ጎይታ ዝተፈጸመ መልሲ ናይ ጾሎቱ ልመንኡ ኢዩ ነይሩ፣ እቲ ኩነት ሎሚ ዳኣ ሪሒቁና እምበር ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ ዩሁድ ኣዝዮም ከምቲ ጉቡእ ተረዲኦሞ ነይሮም ኢዮም፣ ንጎይታ'ውን ኣመስጊነሞ፣

'' ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ፣ ''

ማቴዎስ፣ 9፣ 8

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ብርግጽ ድማ እቲ ኩነታት ንየሱስ ዓው ኢሉ ንኽዛረብ ኣገዲድዎ ኢዩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ '' ህዝቢ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምኑ …. '' ኩሉ ዝተለኣኸ መልእኽተኛ ኢዩ፣ እንተ ዳኣ ብጎይታ ተላኢኹ ነቢዩ መልእኽተኛ ናይ ጎይታ ኢዩ፣ እዚ ማለት ከኣ ረሱሉላህ ኣብ ገጽ 55 ናይዛ ንእሽተይ ጽሕፍቲ ርአ፣ የሱስ ከም ረሱሉላህ ተገሊጹ ኣሎ፣ ትርጉሙ ኸኣ መልእኽተኛ ናይ ኣ'ላህ ማለት'ዩ፣

በቃ ! ይኣክል ! ዝኾነ ዘይርዱኡነት ንኸይህሉ ካብ የሱስ ንምእላዩ ኩሉ ዝኣክል ፈተነታት ተጌይሩ ኣሎ፣ ብመን ኢዩ እቲ ኩሉ ተኣምራት ዝፍጽሞ ዝነበረ ብግልጺ ኣብሪህናዮ ኣሎና፣ ንሱ ድማ ናይ ጎይታ ጊላን መልእኽተኛን ኢዩ ነይሩ፣ እዞም ጠላማት ክርስትያን ግን ነቲ ብሩህ ንጹር ዘረባ የሱስ ይኹን ጽሑፋት ጴጥሮስ ብየሱስ ተሃኒጹ ዝበሃለሉ ቤተ መቅደስ ዝቅበልዎ ኣይኮኑን፣ ጴጥሮስ ክምስክር ከሎ ከምዚ ይብል፣

'' ኣቱም ሰብ እስራኤል፣ እዚ ቃል

እዚ ስምዑ፣ ባዕላትኩም ድማ ከም

እትፈልጡ፣ የሱስ በዓል ናዝሬት፣

እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም

ብኡኡ ዝገብሮ ሓይልን ተኣምራትን

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፣ ''

ግብሪ ሃዋርያ፣ 2፣ 22

ምስምስ ተስፋ ኣየቁርጽን

ነዚኣ ትመስል መልእኽቲ በቲ ዝለዓለ ጎይታ ኣ'ላህ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን በዚ ዝስዕብ ኣናብባ ኣብ ጥቅሲ 49 ምዕራፍ 3 ተገሊጻ ኣላ፣ ኣ'ላህ ብግልጽን ብብሩሁን ኩሉ እቲ ብየሱስ ዒሳ ዓ.ሰ. ዝፍጸም ዝነበረ ትእምርትታት ዘደንቅ ፍጻሜታት ብፍቃድ ኣ'ላህ ምኻኑ ተገሊጽልና ኣሎ፣ የሱስ ከሙኡ ኢሉ፣ ጴጥሮስ ከሙኡ ኢሉ፣ ጎይታ'ውን ኣረጋጊጹልና ከሙኡ ኢሉ፣ ግን እቲ ገና ሓቅን ሓሶትን ከይፈለየ ዝፈቱን ዝጸልእን፣ የዋህ ጉሩህ ይኹን ኣረመኔ ተሪር ልቢ ደረቐኛ ተማጋቲ ፈጺሙ ኣይሰምዕን ኢዩ፣ ናትና ግዴታ ብዝቀለለን ብዝጠዓመ መንገዲ ነቲ መልእኽቲ ዓው ኢልና ብግልጺ ምብጻሕ ጥራሕ ኢዩ፣ ዝተረፈ ኹሉ ናብ ኣ'ላህ ንገድፎ፣ ብዝያዳ ግን ሓፈሻዊ ምስምስ ኮነ ምኽንያታት ተስፋ ከቅርጸና የብሉን፣ ኣ'ላህ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን እዚ ዝስዕብ ስለ ዝነገረና፣

را لم ..... هم المؤمنون وأكث رهم ولو آمن أهل الكتاب لكان خي من ﴾٨٨١﴿ الفاسقون

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

'' ሰብ መጽሓፍ እንተ ዝኣምኑ ( ነይሮም )

ዝበለጸ ምኾነሎም፣ ገለ* ካብኣቶም

ኣመንቲ ኣለዉዎም፣ መብዛሕትኦም

ግን ጸይቅታት ኢዮም፣ ''

ቁዱስ ቁርኣን፣ 3፣ 110

ገለ* ካብኣቶም፣ ክበሃል ከሎ ካብዞም ተኸተልቲ ክልተ ዝተፈላለየ እምነት ሃይማኖት ዩሁድን ክርስትናን ኮይኑ ገለ ኣካል ካብኣቶም ኣማኒ ንምኻን ከም ክግለጽ ከሎ እዚ ጽሑፋትና ብቀጥታ ንዖኦም ኢዩ ዝምልከት፣ እቲ ሓደ ካላኣይ ወገን ዓንቃጽ ዘይግታእ ዝኣበየ ጸይቂ ክኽውን ከሎ ናይ ግድን መእተዊ መንገዲ ከነናዲ ኣለና፣ ጽሑፋትና ብርትዓዊ ተሰማዕነቱን ፍሉይ ፍሉጥ ውሩይ ክነሱ ናብ ኩሉ ንምስሳይ ክንሓምቅ የብልናን ነዚ'ውን ኣንቢብካ ድሕሪ ምርዳእካ ናብ ካልኦት ኣስላም ዘይኮኑ መተዓቢይቲ መሓዙትካ ኣስግሮ፣

ኣብ መወዳእታ ዘርባይ በዚ እፍጽም !!!

لك عيسى ابن مري ما كان لله أن ي تخذ ﴾٤٣﴿ ق ول الق الذي فيه يت رون ذه

ا ي قول له كن ف يكون سبحانه من ولد وإن الله ﴾٤٣﴿ إذا قضىه أمرا فإن

ذا صراط مستقيم رب وربكم فاعبدوه ﴾٤١﴿ هه

ማዕርግ ክርስቶስ (ኣልመሲሕ) ኣብ እስላም

'' ከምዚ ኢዩ ( ነይሩ ) ሓቐኛ ቢሂል፣

ዒሳ ወዲ መርየም፣ እቲ (ዛዕባ)

ቡኡኡ ዝከራኸርሉ፣

ን-ኣ'ላህ ኣይግቦኦን (ኣይኮነሉን)

ኢዩ ውሉድ ክሕዝ ( ክህልዎ )

ክብሪ ! ሓበን ንዑኡ፣ እንተ ወሲኑ

ትእዛዝ (ጥራሕ) ኢዩ (ዘድልዮ)፣

ኩን ይብሎ ይኸውን (ይፍጸም)፣

ኣ'ላህ ጎይታይን ጎይታኹምን ኢዩ፣

ንዕኡ ተማእዘዙ (ተገዝእዎ)፣

እዚ (ኸኣ) ኢዩ፣ እቲ ቁኑዕ መንገዲ

ሓቂ፣ ''

19፣ ምዕራፍ መርየም፣ 34-36

09/08/1998 c.e.

27/09/1432 ህጅሪ

27/08/2011